Categories
Focused Commentaries

ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉ

እንቋዕ ከይሞትኩ ነዚ ረኣኹ። ሕጂ እውን

– ምስጋና ነቲ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ። ኩሉ ግዜ ጅግና።

– ምስጋና ነቲ ውሕሉል ኣመራርሓ መንግስትና

– ምስጋና ነቲ ዘይጸዓድ ህዝብናቆፎ ናይ’ዛ ርግምቲ ጭፍራ ኣብ ሓጺር እዋን ፋሕፋሕ ክብል ዘበርከትካዮ ተራ ታሪኽ ብኣድናቖት ክዝክሮ ምዃኑ ኣይጠራጠርን።

እቲ ሰርቢ ዝግ ምስ በለ፡ ውዕሎኻ ክጽወ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ከመስግነካ እዩ

ህዝቢ ኢትዮጵያ ከመስግነካ እዩ

በዓል ነገራ ድማ መልሓሶም ክሕይኹ እዮም።ኣደብ ክገብሩ እዮም።መዓሰላማ…

ሰባሪ ውቃው

በታኒ ናደው

ሰባሪ መንጥር

ጎይታ ሮራ መንሳዕፈ

ንቅል ፈንቃሊ…

ናይ ቀደም ጅግና

ናይ ሎሚ ጅግና

ናይ ጽባሕ ኣርሓ

ግደፈን ክነብሓ

XxxxxxxxxxcGirmay Adhanom

እውን ነዚ ዝስዕብ ወሲኹ ኣሎ፡

“ጎይታ ግንባር ቡረ

መረብ ሰቲት ውዒሉ እግረ መኸል ዝሓደረ

ኣንበሳ ዓዲ በጊዖ ብዓል ድርብ ስረ

ኣብ ዘይመሬቱ ስጉሚ ዘይሰደረ

ነንዝሞጾ ግን ብተግባር ዝመሃረ

ውላድ ይከኣሎ ዋርሳይ ከሎ መብረ

ቀሲነ ውዒለ፥ ድቅስ ሓዲረ!”

xxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxx

ብልክዕ ግርማይ።

Xxxxxxxxx

* ወዮም ሕቆኻ ክሰብሩ ንዓመታት ሒዂ ዝበሉ፡ ንክልተ ቅነ ደው ዘብሎም ሕቖ እውን ኣይነበሮምን። ንሱ እውን ሓሸምሸም ኢሉ ኣሎ። ተበታቲኖም፡ ምስ ሓመድ ተለዊሶም።እቲ መምህር መን ምዃኑ ዳግም ነጊርካዮም ኣለኻ። ቻው… እንቋዕ እዚ ረኣኹ ከይሞትኩ። ሕማቕ ኣማውታ ርኢና ኣንቱም ሰባት!!

ኣብየት ጃህራ!! “ኣስመራ ብሳዓታት ክንሕዛ ንኽእል ኢና፡ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ዓጢቕና ኢና፡ ድሉዋት ኢና…” ዝብሉ ዝነበሩስ ሳምንታት እውን ኣይሓከሙን። ብተንኮል ዝጀመረ ጃንዳ ተንኮሉ ቀቢርዎ።

ባስታ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s