Categories
Our Stories

ትምዕዶ፡ ትመክሮ

ትመክሮ—ትመክሮ—እንተዘይሰሚዑ ድማ ተሽከርክሮ*1እቲ ቀደም ግዜ ንብለኩም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ሓደ ዑስማን ጠራር ዝበሃል ከም ኣቦ*2 ተሸይሙ ብቅንዕና የገልግል ነበረ።

ዑስማን ጠራር ወዲ ወቒሮ ኮይኑ ኣብ ባጽዕ እዩ ዓብዩ። ቀይሕ፡ ቀጢን፡ በዓል ማእከላይ ቁመትን ልስሉስ ጸጒርን ኮይኑ፡ ትግርኝኡ ጸያፍ ግን ጥዑም ነበረ። ኣዝዩ ለዋህን ተጻዋታይን እውን ነይሩ። መዓት ሕካያታት ናይ ባጽዕን ናይ ገድልን ነይርዎ። ድሕሪ መውጋእቱ፡ ኣብ ከባቢ 1977 እዩ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተወዚዑ።

ዑስማን ጠራር፡ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣቢሉ እዩ ሓንቲ ኢዱ ቆርያ። “ክንዲ ገለ ዝኸውን ኮማንዲስ እዩ ብድሎ ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ቦግ ኣበላ ነዛ ኢደይ” ክብል ሰሚዐዮም ኣለኹ። ርብዒት ትምባኾ ጥራይ ቀርበሉ እምበር፡ ዑስማን ጠራር ሕክይኡ ኣይውዳእን እዩ። ብፍላይ ኣብ እዋን ድቃስ። እቲ መዓልታዊ ውራዩ ዛዚሙ፡ ድሕሪ ድራር ኣብቲ ተሽኪል ዝበሃል ሰጣሕ ጎልጎል በጥ ምስ በለ፡ ክሳብ ግዜ ድቃስ ዝእዉጅ፡ ተመሃሮ ዕጉግ እዮም ዝብልዎ ነበሩ። ግዜ ድቃስ ምስ ኣኸለ ከም ሓደ ዓቢ ጀነራል ነቲ ተሽኪል ጽቡቕ ገይሩ ኮሊሉ፡ ኩነታት ተመሃሮኡ- ወይ ደቁ ክንብሎም- ኣረጋጊጹ፡ ናብ መደቀሲኡ ይምለስ። ገለ ገለ እዋናት ግን ከቢ ድራር በሊዑ እንተነይሩ ድቃስ ይቅድሞ እሞ እቲ ናይ “ደቅስ” ትእዛዝ በቶም ተሓጋገዝቱ እዩ ዝመሓላለፍ ነይሩ። ዑስማን ጠራር ክርበሽ የብሉን። ሓቂ ንምዝራብ ግን ከምዚታት ንዑስማን የሰክፎ ቅሩብ እውን የሕፍሮ ስለዝነበረ ንጽባሒቱ፡ ቅድሚ ቁርሲ ምጅማሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ተመሃሮኡ ነብሱ ይግስጽ ነይሩ። መቸም ብዝተኻእለ መጠን ኩሉ ግዜ ዕማማት ኣብ ምፍጻም ከም ኣብነት ክከውን ይጽዕር ነይሩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ግን ተካላት ተመሃሮ ኣለዉ እንድዮም፡ ትዕግስቱ ከም ዝውድእ ይገብርዎ። ቅሩብ ክሓርቕ ከሎ ድማ እቲ ጸያፍ ትግርኝኡ መሊሱ ኮልተፍተፍ ይኸውን። ካብ ዝወጹ ቃላት እቶም ንውሽጢ ዝስገዱ ይበዝሑ። እቲ ብቃላት ክገልጾ ዘይከኣለ ሓሳባት ድማ ውሽጣዊ ጸቕጢ ግዲ ይፈጥረሉ ኮይኑ ሰራውር ገጹ ብቅልጡፍ ክግተሩ ኢኻ ትርእዮም።

ኣብ ሓደ ከምዚ ኣጋጣሚታት፡ ነቶም ሞኽ ዘበልዎ ኣመለኛታት (ኩሎም ከኣ ኣወዳት እዮም ነይሮም)፡ ምዒዱን ገሲጹን ከስመዖም ዘይከኣለ ተመሃሮ ዝህድድ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ወሲኑ። ኣኼባ ድማ ጸዊዑ። ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ደው ኢሉ፡ ብመጀምርታ ክንዲ ገለ ዝኸውን ድፍዳፍ ትምባኾ ኣብ ታሕተዋይ ከንፈሩ ሰኲዑ። ታሕተዋይ ከንፈር ዑስማን ጠራር ትምባኾ ስለዘይፍለዮ ኩሉ ግዜ ጠናስ እዩ ዝመስል ነበረ…ብዝኾነ፡ መጒስዕ ምስ መለሰ፡ “ስምዑ” በለ። ” ንሓደ ሰብ ትመክሮ—ትመክሮ—እንተዘይሰሚዑ ግን ተሽከርክሮ” በለ ሓደ ተሪር ስላዕ እንዳ ኣወጣወጠ። በቃ፡ ዓቕሉ ከምዝተጸንቀቐ ገሊጹ፡ ጠባይ ክገብሩ ምዒድዎም።

ድሕርኡ እቶም ኣመለኛታት ተመሃሮ ደሓን ከም ዝኾኑ እዩ ዝንገር። ዑስማን ጠራር ድማ ነቲ ገዚፍ ስላዕ፡ ከም በትረ-ጀነራል ጥራይ ተጠቂሙሉ ንመዓስከሩ ክኾልል ከሎ ኣይፈልዮን ነበረ ይበሃል።

xxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxx

ወያነ እውን ብዙሕ ዕድል ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ። ተመኺሩ እዩ። ተለሚኑ እዩ። ግን ክመሃር ኣይከኣለን። ጽጋብ ምኽኣል ተሳኢንዎ ድማ ባዕሉ በታ ዝሓረደቶ ካራ ተጻዊቱ። ኲናት ወሊዑ ኣብቲ ዝወለዖ ኲናት ተጠቢሱ። ኣነ’ኳ ከም ምርቓ እየ ዝርእዮ። እምበር፡ ኣደብ ገይሩ ብሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ተማእዚዙ ወይ ኣካል ናይ ብልጽግና ኮይኑ ቀጺሉ እንተዝነብር፡ ኣካል ፖለቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንዓና ንኤርትራውያን ክንደይ መኻልፍ ክፈጥር ምነበረ ነይሩ? ከምቲ ዑስማን ጠራር ዝበሎ፡ “ትመክሮ—ትመክሮ፡ እንተዘይሰሚዑ ግን ተሽከርክሮ” ኮይኑ ወያነ ተሽከርኪሩ።

xxxxxxxxxxxxxxxxxxxxx

*1- ተኣሽከርክሮ ካብታ ናይ ትግረ “ተኣሽክሮ” ዝመጸት እያ። ብትግረ፡ ትኣሸክሮ ማለት ተኸንድዶ ከም ማለት እዩ።

*2- ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ “ኣቦ” ዝበሃል ነቶም ኣብ ሓደ መዓስከር ወይ ምግብና ዝጥነፉ ከም ዓቢ ሓው ወይ ኣቦ ኮይኑ ዝኣልዮም ማለት እዩ። ሓደ ምግብና ወይ መዓስከር ክሳብ ሓሙሽተ ጋንታታት ክጥርንፍ ይኽእል። ሓደ ጋንታ ድማ ካብ 50 ንላዕሊ ተመሃሮ ክህልዎ ይኽእል። ስለ’ዚ ዑስማን ጠራር ዓቢ ሓላፍነት እዩ ነይርዎ። ሽግራት ጠራዘውቲ፡ ዕርቃን፡ መግቢ; ጽሬት ክፈትሕ….ዝተባኣሱ ክዓርቕ፡ ዝተገለሉ ተመሃሮ ሞራል ክህብ፡ ነቶም ኣኺሳት ዝኾኑ ድማ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ክቐጽዕ…ኮታስ ልዕሊ ዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ውድብ እዩ ዝደክም ነይሩ። ዑስማን ጠራር ገና ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከም ዘሎ እሰምዕ። ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s