ክቡራት ተኻታተልተይ፡ ኣዕሩኽ፡ ነቀፍቲ…
ጽሑፋተይ ከም ትከታተሉ ትነግሩኒ ኢኹም። ተተባብዑኒ—ሃናጺ ነቐፈታኹም እውን ተፈልዩኒ ኣይፈልጥን። እንሓንሳብ ካብቲ ኣነ ብዛዕባ ነብሰይ ዝሓስቦ ንላዕሊ ኣኽቢድኩም ትጽዕኑኒ ኢኹም። ስለ’ቲ ምትብባዕኩም ብዓጸፋ ከመስግነኩም እፈቱ። ብፍላይ እቲ ካብ መንእሰያት ዝመጸኒ መልሰ-ዕንጋለ መኣዛን ቫይታሚንን እዩ።
ክሳብ ሕጂ፡ ነቲ ብስም ተቓውሞ ዝፍለጥ ጫካ ይኹን ንመንግስቲ ዝምልከት ይጠቅም ዝበልክዎ ነቐፈታታት ክጽሕፍ ጸኒሐ። ብዙሓት ነቲ ቁምነገር ከመስርሑ ዘይክእሉ ወይ ድማ ብጸቕጥን ብምድሃልን ናጽነተይ ክሰልቡ ዝፍትኑ ወገናትን መጥቃዕትታት ክመጸኒ ጸኒሑ እዩ። ኣነ ንነብሰይ ከም ውጹእ ተቓዋማይ ወይ ከም ውጹእ ደጋፋይ ርእየያ ኣይፈልጥን። ከምኡ ስለዘየለ።
ንመንግስቲ ኤርትራ ከም ጸላኢ ትቖጽሮ እንተኴንካ፡ ተቃዋማይ ዘይኮንካስ ጸላኢ ኢኻ። ተጻራራይ ኢኻ። ብመሰረቱ ምስቲ ንኤርትራ ዘመሓድር ዘሎን ንዕኡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝድግፍ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ግንባራዊ ምትፍናን ኢኻ ትኣቱ ዘለኻ ማለት እዩ። በዚ መሰረት ድማ መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ ባብ ዘየርሓወለይ ክትብል ኣይትኽእልን። እታ እንኮ ምርጫ ምስቶ ህዝቢ ኤርትራ ከም ጸላእቲ ዝቖጽሮም ከም ወያነን እስላማዊ ጥሩፍነትን ዝኣመሰሉ ባዕዳውያን ወገናት ስነ-ሓሳባትን ምሕዝነት ምግባር እዩ ዝቀለካ። ከም ዝረኣናዮ ድማ ንሱ እዩ ተገይሩ።
ብከምኡ እዩ መስለኒ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅሩብ ዓመታት፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ እቲ ጃንዳ ወያነ ዝወለዖ ኲናት፡ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ እዩ” ዝብል ብሂል ክደጋገም ጸኒሑ። “ወያነ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ እዩ። ንሕና እውን ኣንጻር መግስቲ ኤርትራ ኢና። ስለ’ዚ፡ ንሕናን ወያነን መሓዙት ኢና” ዝብል መጎት እዮም ኤርትራውያን ወየንቲ ከቕርቡ ጸኒሖም።
እዚ ብሂል እዚ ጥንታዊ እዩ። ትርጉም ዝህልዎ ድማ ሓደ ናይ ሓባር ባይታ ምስ ዝህሉ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ፖለቲካ፡ ዝመሳሰል ፕሮግራማት ዘለዎም ሰልፍታት ኣንጻር ካልኦት ልፍንቲ ክገብሩ ይኽእሉ። እቲ ናይ ሓባር ባያት ተመሳሳልነት ፕሮግራሞም ወይ ድማ ስነሓሳቦም ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ዝቅየዱሉ ሕገመንግስታዊ ባይታ የራኽቦም እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ክልተ ሃገራውያን ተባኣስቲ ውድባት ወይ ግንባራት ምስ ዝህልዋ እሞ ናይ ሓባር ጸላኢ ምስ ዝገጥመን ንግርጭታተን ንጎኒ ኣጽኒሐን ኣንጻር እቲ ሓባራዊ ባዕዳዊ ጸላኢ ልፍንቲ ክገብራ ከለዋ ይንጸባረቕ እዩ እዚ ብሂል። ኣብ ኣህጉራዊ ሜዳ እውን፡ ሃገራት ኪዳናት ክገብራ ይረኣያ እየን። ዝጠምረን ድማ “ናይ ሓባር ድሕነት (collective security) ክኸውን ይኽእል። ሓደ ወዲ ሃገር ዝኾነ፡ ንካልእ ወዲ ሃገር ክዘብጥ ምስ ባዕዳዊ ወገን ክላፈን ግን ካብዚ ሓፈሻዊ ርድኢት ዝወጸ ይኸውን። ብፍላይ ድማ እቲ ባዕዳዊ ወገን ምስ ሃገሩ ኣብ ግጭት ቅወይ ኲናት እንተላ፡ እቲ ምስቲ ባዕዳዊ ወገን ዝሻረኽ ወገን ዝፍጽሞ ምሕዝነት ብክሕደት እውን ክግለጽ ይከኣል እዩ።
ወያነ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝብናን ናይ ዕብየት ዕድላን ዝተጻወቶ ኣዕናዊ ተራ ከም መሓዛ ዝገብሮ ሰናይ ግብሪ ዝወስድ ወገን ኮታ መሓዛይ ክኸውን ኣይክእልን።
እዚ ከምዚ ከሎ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ፡ ናተይ መጎት (logic) ብካልእ መልክዕ እያ ተሰሪዓ ጸኒሓ፡ ” ኣነ ኤርትራዊ እየ፡ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኤርትራዊ ሓይሊ እዩ። ስለ’ዚ፡ እፍተዎ እጽላኣዮ ክልተና ኤርትራውያን ኢና” ትብል መጎት እያ ጸኒሓ።
በዚ ምኽንያት ድማ ወያነ ይኹን ዝኾነ ካልእ ዘይኤርትራዊ ሓይሊ ከም ባዕዳዊ እየ ዝርእዮ። ዝኾነ ብውልቀይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ጽምዶ (engagement) ድማ ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ክሊ ዝግበር ንቡር ምንቅቃፍ ገይረ ክወስዶ ጸኒሐ።
ኩሉ ግዜ ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብን ዝናን ገይረ እየ ዝርእያ። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ወያነ ዝወለዖ ኲናት፡ ብቅልጡፍ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እንተዘይውዕል፡ ኣብ ልዕሊ ሃገረይ ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወት ቀሊል ከም ዘይነበረ ተሎ ቢለ ነቢበ ብዕለት 4 ሕዳር ናይ ኣቋም መርገጺ ብምውጻእ ምስ መንግስተይን ሓይልታት ምክልካል ሃገረይን ደው ኢለ ከም ዘለኹ ኣነጺረ። ኣብዚ ድማ በጺሕና ኣለና።
ሃገራዊ ጉዳያት ኣብ ዝከላኸለሉ እዋን ምስ መንግስቲ ኮይኑ እበሃል። መንግስተይ ክነቅፍ ከለኹ ድማ ምስ ተቃወምቲ ኮይኑ ክበሃል ጸኒሐ። ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት፡ ወላ ነቃፋይ መንግስቲ ከለኹ፡ ብዛዕባ ሃገራዊ ረብሓ ሃገረይ ግን ምስ ኣዝዮም ሓያላት ካድረታት ወያነን ኤርትራውያን ወየንትን ቀሊል ዘይኮነ ምጉት (debating) ክገብር ጸኒሐ። ዝበዝሕ ካብ ፌስ ቡክ ወጻኢ ስለዝነበረ እቲ ኣብ ፌስ ቡክ ዝተላለየኒ ነባባይ ሓሊፍዎ ክኸውን ይኽእል። ግን ኣብ ጉዳይ ዶብን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ማሕበራዊ ስኒት (ብሃይማኖታውን ኣውራጃውን ካልእን ክኸፋፍሉ ዝነጥፉ ዝነበሩ ዝህቦ ዝነበርኩ መልስታት)፡ ንኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን ክትድክን ክጠምን ክትንብርከኽን ምስ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ተሻሪኾም እገዳታት ክግበርን ሓገዝ ከይትረክብ ክጽዕሩን ከለዉ እቃወሞም ነይረ። እቲ ጽሑፋት ብዙሕ እዩ። ፖሊሲ ናይተን ዝነጥፈለን ዝነበርኩ ወብ ሳይታት ስለዘይፈቅዶ ኣብዚ ከምጸኦ ኣይክእልን እየ።
ብዝኾነ ኣብዚ በጺሕና ኣለና። ኣነ ናይ ተቃውሞ ቃልሰይ ወዲአ እየ- ተቃውሞ ክበሃል እንተኮይኑ ማለተይ እዩ። ምስ ባህረይን መተከላተይን ዝሰማማዕ ተቃውሞ ረኺበ ኣይፈልጥን ዝረክብ እውን ኣይመስለንን። ወዲአ እየ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብዚ ዝስዕብ መደምደምታታት በጺሐ ኣለኹ። – ኣነ ሚሳላዊት ወይ ሓሳባዊት (Ideal Eritrea) ጥራይ እየ ኣብ ሓንጎለይ ከዋልድ ዝኽእል። ነቶም ንውድዓዊ ክውንነታ ዝገዝኡ ሕግታት ዓቂባ ሰለይ እናበለት፡ እታ ካብ ሚሳላዊ ሓሳባተይ ወጻኢ እትነብር ናይ ሎሚ ክውንነታዊት ኤርትራ እያ ንናይ ጽባሕ ኤርትራ ክትወልድ እትኽእል።
እዚ እንታይ ማለት እዩ? ማሕበራዊ ለውጥን ታሪኽን ዝቕይዶም ውሽጣዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕግታት ኣለውዎም። ማሕበራዊ ለውጢ ውጽኢት ናይ ሓደ ቀጻሊ መጽርሕ እዩ። ነብሲ ወከፍ ለውጢ እንብሎ ውጽኢት ድማ ነቲ ፍሉይ መድረኽ ዘዕግብ ጥራይ ኮይኑ መጻኢ መድረኻት ዘዕግብ ለውጥታት ኣብ ምምስራሕ ግን ፈለግ ታሪኽ ይቕጽል እዩ። እፎይታ የብሉን። ነብሲ ወከፍ ዓወት፡ ከም ስታስዮነ ጥራይ ኢና ክንርእያ ዘለና። ደራኺ ናይ’ዚ መስርሕ ድማ እቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ማሕበረቁጠባውን ፖለቲካውን ሳይንሳውን ጸጥታውን መዳያትን ናታቶም ኣወንታዊ ምውሳብን ምስምማዕን ምድግጋፍን እዩ። ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ ዘጋጥሙ ሓጎጽጎጻት ነዚ ኣወንታዊ ምጥንናግ ወይ ምትሕግጋዝ ናይ’ዞም ረቛሒታት ስለዘላሹ፡ ባቡር ታሪኽ እንሓንሳብ ዘገም እያ ትብል። እንሓንሳብ ድማ ካብ ሓዲዳ ክትወጽእ ትኽእል እያ። ኣብ ኤርትራ ዝመጽኡ ምምሕያሻት ድማ ብውሽጣዊ ውድዓዊ ኩነታት ኤርትራ ጥራይ እዮም ተጠኒሶም ኤርትራ ኣብ ባይታ ክትወልዶም ትኽእል።
- ስለ’ዚ፡ ንውድዓዊ ክውንነትን ቀዲምካ ንበይንኻ ምጉያይ ትርፉ ምልህላህ እዩ። ወዮ ከምታ ማንቲለ ገይራቶ ዝበሃል፡ ላህሊህካ ክተዕርፍ ኢልካ ድቃስ ምስ ወሰደካ፡ ኣባጎብየ ሆየ ጎሰስ እናበለ ክሓልፈካ ይኽእል እዩ። – በዚ ከኣ፡ ምስ ርምታ ህዝቢ ምስጓም ዝሓሸ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ እንታይ እዩ ከም ቀዳምነታት ሰሪዑ ዝርእዮን ዝግደሰሉን ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣድላዪ እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ክተኣታቶ እንሓልሞ ለውጥታት፡ ካባና ብዝያዳ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ይቀርቦ። እቶም ኣብኡ ዘለዉ ህዝብን መንግስትን ሰራዊትን እዮም ብዝያዳ ብንጹር ዝነብዎ። ንሶም ብዝያዳ ዘድሊ ቀዳምነታት ክሰርዑ ይኽእሉ። ካብዚ ዝሰደሎም ከኒና የለን።
- በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ዝቕጽል ግዜ፡ ሓፈሻዊ ተመክሮይ ጸሚቜ፡ ብሓድሽ መንፈስ ናብ ሓድሽ መድረኽ ትንሳኤ ኤርትራ ክብገስ እየ። ኣካል ናይ’ቲ ኤርትራ ካብቲ ን22 ዓመታት ጸቒጥዋ ዝጸንሐ ወጽዓ ኣውጺእኻ፡ ምውስዋስ ኣካላት ኣላሚድካ ብናህሪ ክትስጉም ዝግበር ኩሉ መዳያዊ ንጥፈታት ክኸውን ዳግም ወሲነ ኣለኹ።
- ስለ’ዚ ከኣ ዝጽሕፎም ይኹን ዝዛረቦም ነገራት ናተይ ናይ ብሕተይ ምዃኑ ደጊመ ከተሓሳስብ እደሊ።
- ሓላፍነታዊ ዝኾነ ተቃውሞ ከመይ ጽቡቕ ምኾነ ነይሩ። ግን እቲ እንፈልጦ ውዱብ ተቃውሞ ምስ ወያነ ኣኽቲሙ እዩ። ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ክግበር ዘለዎ ምምሕያሻት ክምድር ዝኾነ ሞራላዊ ሓላፍነት የብሉን።
ስለ’ዚ፡ ድሕሪ ሕጂ፡ ፌስ ቡክን እዛ ገና ኣብ ምምሕያሽ ዘላ ብሎግ ከም ቀንዲ መራኸቢታትና ክኾና እየን። ደጊም ኣብተን ብርኡይ ምስ ወያነ ዝወገና ሚድያታት ኣይክትርእዩንን ኢኹም። ወዲአ እየ።