“ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ክግበር ዝጸንሐ ኲናት ዝነበሮ ምትእትታው ክሓብእ ኢሉ ንውጉኣቱ ኣብ ኲናት ይቐትሎም ወይ የዳግሞም ኣሎ” ዝብል ወረ ክላባዕ ጸኒሑ። ኣካል ናይ’ቲ ወያነ ዘዋፈሮ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ዘመተ እዩ ዝብል እምነት ስለዝጸንሓኒ፡ ንወያነ ድማ ከም ሓደ ሓሶት ዝሽትት ግዛዕ ስለእንፈልጦ፡ እንታይ ሓድሽ ኣለዎ ኢለ ክኸይድ ጸኒሐ። ብዛዕብኡ ክሕንጥጥ ኣይመረጸንኩን።
ይኹን እምበር ትማሊ ኣብ ስራሕ ከለኹ ጋዜጠኛ ሓረጉ ቀለታ ርኢቶይ ክህብ ሓቲታትኒ። ነዚ ጉዳይ ርኢቶይ ክህበሉ ስለዝተወከሰትኒ፡ ንሓረጉ ከመስግን እፈቱ። ርኢቶይ ድማ ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ራድዮ ኤረና ወጺኡ ኣሎ። ኣብ ዩትዩብ እንተኮይኑ ርኢቶይ ኣብ መበል 7፡55 ደቂቃ ናይ’ቲ መደብ ክስማዕ ይከኣል እዩ። ናይ ግዜ ገደብ ስለዝነበረ፡ ርኢቶይ ከስፍሕ ኣይከኣልኩን፡ ጽማቑ ናይ’ዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምጉታዊ ዓንቀጽ እዩ ነይሩ እቲ ኣብ ራድዮ ኤረና ዝተፈነወ። ሕጂ እየ ድማ ነቲ ርኢቶይ ምስ ሰማዕኩ፡ ብዝያዳ ነቶም ጽሑፍ ጥራይ ዘንብቡ ኣሕዋት እውን የገድስ ብምባል እየ ዝሕንጥጦ ዘለኹ። ሰናይ ንንባብ።
ነዚ ጉዳርይ ብዝምልከት ርኢቶይን ንዕኡ ደጋፊ ዝኾነ መማጎቲ ነጥብታትን በዚ ዝስዕብ ከቕርቦ ክፍትን እየ።
1- ብቀዳምነት፡ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጃንዳ ወያነን ክግበር ዝጸንሐ ኲናት ከም ዝኣተወት ዘርኢ ጭብጢ የብለይን። ኣትያ እንተኮይና ግን ብፍቃድን ዕድመን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ስለ’ዚ፡ ወራሪት ኣይኮነትን። ምስዓር ወያነ ንሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ስለዝኸውን ድማ ሕብእብእ ኣየድልያን እዩ።
2- ኣብቲ ኲናት ኣትያ እንተኴንና፡ መስዋእትን መውጋእትን ክህሉ ንቡር እዩ። ይኹን እምበር ውጉኣት ይዳገሙ ኣለዉ ዝብል ወረ ካብ ናብ ሓቂ ዝያዳ ናብ ሓሶት ዝተጸገዐ ይመስል። ምስቲ ዝፈልጦ ባህሪ ሰራዊት ኤርትራ ስለዘይከይድ።
3- ናይ ዓይኒ ምስክር ስለዘይኮንኩ፡ ካብ ባህሪ ሰራዊት ኤርትራ ተበጊሰ እየ እዚ ዝበሃል ዘሎ ፍጻመ ተገይሩ ድዩ ኣይተገብረን ንዝብል ክምልስ ዝኽእል። እዚ ናይ ሎሚ ሰራዊት ኤርትራ መቀጸልታ ናይ’ቲ ኣነ ኣባሉ ዝነበርኩ ንኤርትራ ሓራ ዝገበረ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ እዩ። ኣይኮነን’ዶ ንብጻዩ ከዳግም ንውጉኣት ምሩኻት እውን ዝከናኸን እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ ኣይባህሩን።
4- ስለምንታይ ከ ኣድለየ? መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ኣትዩ እንተኮይኑ ካብ መን ክሓብእ ደልዩ እዩ ነዚ ጸኒሑ ዓቢ ዋጋ ዘኽፍሎ ተግባር ክፍጸም ዝእዝዝ? ሓደ ብስነ-ሞጎት ተንቲኑ ዝሓስብ ኣእምሮ ብኣንጻር ናይቲ ዝበሃል ገይሩ ገልቢጡ እውን ነቲ ነገር ክርእዮ ክፍትን ኣለዎ።
ሰናዕቲ ናይ’ዚ ወረ ብሓደ ገጽ ጥራይ እዮም ርእዮሞ። “ዝደርበናሎም ዝጉስሙ ተኸታተልቲ ኣለዉና። ሓንጎሎም ተቖጻጺርናዮ ኢና” ካብ ዝብል ድፍረትን ኣጉል ትምክሕትን ዝነቅል እዩ።
እስኪ ገምጢልና ክንሓቶም፡ መንግስቲ ኤርትራ ንምትእትታዉ ክሓብእ ክብል ውጉኣቱ ክርሸኑ ኣዚዙ ንበል። እቶም ነዚ ዝተሰነዐ ወረ ዘንበድብዱ ዘለዉ ወገናት፡ መንግስቲ ኤርትራስ ነዚ ናይ ምርሻን ስጉምቲ ንሓዋሩ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ክተርፍ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ይህልዎ እዩ ኢሎም ብሓቂ ኣሚኖም ድዮም ዘጋውሕዎ ዘለዉ? ኣየናይ እዩ እቲ ዝኸበደ? ኣብቲ ኲናት ምእታው ምቕልዑን ዘስዕቦ መሽክላ‘ዶ ይዓቢ ወይስ ህዝቢ ኤርትራ ውጉኣት ደቁ ኣብ ኲናት ተረሺኖም ዝብል ጭብጢ ምስ ቀረበ ዝስዕብ ሰበብ? ነዚ ዘየመዛዝን ኣእምሮ ዘለዎም መትራሕትን ኣዘዝትን ሰራዊት ኤርትራ ከ ከመይ ኢሎም እዮም ነቲ ንወያነ ዘሕቐቐ ረቂቕ ብዓቕልን ትዕግስትን ብልሓትን ክስዕርዎ ክኢሎም? ንሓቂ ምውሓጣ ኣየጎድእን። መኣዛ እያ ትኸውን።
ወያነ ይኹኑ ብወያነ ፕሮግራመድ ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ወየንቲ ኮለል ዘብሎም ዘሎ ነገር እንተሃልዩ፡ ብመሪሕነትን ንህዝብን ኤርትራ በዚ ናይ ደናቁር ፍሕሶታት ይመዝንዎምን ይግምግምዎምን ስለዘለዉ እዩ እቲ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ክግበር ዝጸንሐ ዘመተታትን ውደባታትን በርዒኑ ክተርፍ ክኢሉ። ህዝቢ ኡኤርትራ ዝሃብካዮ ዝጉስም ኣይኮነን። ዘይትመስል እንተኾይና፡ “እዚኣስ ገለ ኣላታ” ይብለካ እዩ። ናይ ብሓቂ ከኣ እዚኣስ ገለ ኣላታ ኢልና ኢና ክንጅምር ንኽእል።
ደሓር ከ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ውልቀመላኺ እዩ፡ ገባርን ሓዳግን እዩ እንድዩ ዝበሃል!! ሓደ ገባርን ሓዳግን ከ ካብ መን ፈሪሑ እዩ ክሓባብእ ዝፍትን? እስኪ ንቀጽል….
5- ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ስምምዕ ኣለወን። እቲ ስምምዕ ናይ ጸጥታን ምክልኻልን መዳያት የጠቓልል። ኢትዮጵያ ሓቲታ እንተትኸውን፡ ኤርትራ ድማ ነቲ ሕቶ እንተተቐበለቶ፡ ብዘይሕብእብእ ክትሳተፍ ትኽእል ነይራ። ምኽንያቱ ወያነ ጸላኢ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ደመኛ ጸላኢ ኤርትራ እውን እዩ። ጸላኢ ድማ ዶብካ ክሳብ ዝጥሕስ ኣይትጽበዮን ኢኻ። ኣብ ዘለዎ ቦታ ምድሳቑ ይምረጽ። ስለ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንጃንዳ ወያነ ከም ደመኛ ጸላኢ እዩ ዝቖጽሮ። ጃንዳ ወያነ ንሰራዊት ኢትዮጵያ እንተዘዳኽም፡ ወይ ጸረ-መጥቃዕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሑልን ልሙስን እንተዝነብር፡ እቲ ጃንዳ ካብ ሰሜን እዚ ዝማረኾ ኣጽዋራትን ዓቕምታትን ተጠቒሙ ናብ ኤርትራ ገጹ ወራር ምፍታኑ ኣይምተረፈን ነይሩ። ስለ’ዚ፡ ኤርትራ ኣትያ ድያ ኣይኣተወትን ብዘየገድስ፡ ዝሕንሕነላ ጸላኢ ክሳብ ዓንቀሩ ዓጢቑ ምንባሩ ትፈልጥ እያ። ንርእሰ-ምክልኻል ድልውቲ ከም ትኸውን ኣየጠራጥርን። ንጡፍ ጸረ-መጥቃዕቲ ድማ ኣካል ምክልኻል እዩ።
በዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ውግእ ዝተኸፈሉ ስዉኣትን ውፍጉኣትን እንተሃልዮም፡ ከም ዋጋ ምዕቃብ ልኡላውነት ከም ዝሓስቦም ጥርጥር የብለይን። ብወገነይ ብዙሓት ናይ ቀረባ ኣዝማድ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኣለዉኒ። እቲ መደምደምታ እዚ ይኹን እቲ፡ እቲ ዝኽፈል መስዋእቲ ብመንጽር እዚ እየ ዝርእዮ። በዚ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ተርኡ ክሓብእ ንዉጉኣቱ ዝርሽነሉ ምኽንያታት ኣይረኣየንን።
6- “ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሓብኦ ደልዩ” ከይበሃል ከኣ፡ ከምቲ ሰናዕቲ እቲ ወረ ዝብልዎ እንተኮይኑ፡ ኤርትራ ዓስርተታት ክ/ሰራዊታት እያ ኣእትያ ዘላ ( ተውሳኺቶም፡ ሰናዕቲ ዘይኮኑስ ኣቀባበልቲ ዝተሰነዐ ወይ ትምዩን ወረ ንበሎም። ዘይ እቲ መራሕቲ እቲ ጃንዳ ዝብልዎ እዮም ዘቀብሉና ዘለዉ)። ብዝኾነ፡ ከምቲ ዝብልዎ እንተኮይኑ፡ ኤርትራ መካናይዝድን ኣጋርን ዘካተተ ዓስርተታት ክ/ሰራዊታት ኣሰሊፋ ንትግራይ ትሓርሶ ኣላ ማለት እዩ። ህዝቢ ትግራይ ይኹን ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርእይዎን ክኸውን እዩ ማለት እዩ። ካብ መን ክትሓብእ ኢላ ደኣ እያ ንውጉኣታ ትርሽን? ዘይመስል ነገር!!!
7- ካብ ዓለም ክትሓብኦ ደልያ ከይንብል እውን ዘይመስል እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ እንኮ ኣብ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ስልጣን ዘለዎ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ እዩ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕግን ልምድን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግበር ዝኾነ ይኹን ነገር ልዕሊ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስልጣን ዘለዎ ወገን የለን። ስለ’ዚ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንጸጥታኡ ብዝምልከት ምስ ዝደለዮ ወገን ክሻረኽ ይኽእል። ንዝኾነ ወገን ክዕድም ክነጽግን ይኽእል። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ስምምዕ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ድማ፡ ኤርትራ ካብ ዓለም ክትሓብእ ኢላ ስዉኣታ ኣተቃብጸሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን። ኩሉ እዚ፡ ከምቲ ዝብልዎ እምንተኾይኑ እዩ፡ እምበር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ቀጥታዊ ምትእትታው ኤርትራ ዘርኢ ናጻ ዝኾነ መረጋገጺ ኣይረኣኹን።
ኣብ መወዳእታ ክሕተት ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ ግን ኣሎ። መን እዮም እቶም ነዚ ወረታት ዝፍብርኹን ዘዋፍሩን ዘለዉ ምባል ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ፡ መንነትን ባህርን ኣመንጫውቲ እቲ ወረ ምፍላጥ ጥንቁቓት ክንከውንን የተሓሳስበና። መደምደምታ ቅድሚ ምሕላፍ (ማለት ምቅባሉ ወይ ምንጻጉ) ክንገብሮ ዝግበኣና ዕዮ ገዛ ክንሰርሕ ኣለና የገድደና። ብኻልኦት ተኣመንቲ ምንጭታት ክነረጋግጾ ንኽእል ዲና? እነመን እዮም ነዚ ወረ ዘበገሱን ዘካውሱን ዘለዉ፡ ስለምንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣቀዲሞም ከ ሓቅነት ኣብ ምንጋር ታሪኾም እንታይ ይመስል (Are they credible)? ብሓሶት ዝፍለጡ እንተኾኑ እውን፡ ደረጃታት ምሕሳዎም ከመይ እዩ? ቅሩብ ሃሰው ኢልካ ደሓን ይርከቦም ድዩ ወይስ ኣመለኛታት ሓሰውቲ እዮም? እቲ ወረ ከ ምስቲ ኣቀዲምና እንፈልጦ ባህርያት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይገጣጠም’ዶ?—ወዘተ—ወዘተ ኢልና ዕዮ ገዛና ወዲእና ኢና ርኢቶ ክንህበሉ ዝግባእ ወይ ድማ ናብ ሓደ መደምደምታ ክንበጽሕ ዝምረጽ።
ኣብ መወዳእታ—-
ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እቶም ሰናዕትን ዘርጋሕትን ናይ’ዚ ወረ ኣጸቢቕና ንፈልጦም እዮም። ብዙሕ ዘደናግሩ ኮይኖም ኣይረኸብክዎምን- ጃንዳ ወያነን ናይ ፕሮፓጋንዳ መሓውራቱን እዮም። ኤርትራውያን ወየንቲ ከኣ ተቐቢሎም ዝያዳ የንበድብድዎ ኣለዉ። ንሰራዊትን ንህዝብን ኤርትራ ከም ወረርትን ራሰይትን ዝገልጹ ዘለዉ እዮም። እዞም ኣካላቶ እዚኦም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክወራዘዩ ዝኾነ ይኹን ሞራላዊ ልዕልና ይኹን ሓላፍነት ዘይብሎም ኣካላት እዮም። በብግዚኡ ናይ ሓሶት ወረታት ከናፍሱ ዝጸንሑ እዮም። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ክሰዓርን ኤርትራ ክትደንን ከም ዝምነዩ ዓው ኢሎም ይነግሩና ኣለዉ። መኸርትን ኣዘኻኸርትን ናይ’ቲ ዝነዓቖምን ዝረሰዖምን ህዝቢ ኮይኖም ክቀርቡ ምፍታኖም ግን እቲ ሓዳሪ ሕማም ይኸፍኦም ከምዘሎ ጥራይ እዩ ዘመላኽት።
ንጃንዳ ወያነ፡ ኣብ ዓውዲ ኲናት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሚድያ እውን ክንስዕሮ ኣለና። ብፍላይ ንኤርትራውያን ወየንቲ ኣብ ዓውዲ ምጽራይ ሓቅታት ኣላሽ ክነብሎም ኣለና። ህዝቢ ክኸስቡ እንተ ኮይኖም በቲ ቅኑዕ መገዲ ይግበርዎ። ብምፍርራሕን ምትላልን ምድንጋርን ምድንቋርን ዝግበር ፈተነታት ግን ኣበደን ክንብሎም ኢና። እቲ ብእርይራይ ሓሶት ዝለቓቕብዎ ዛንታታት ኣብ ቅድሚ ሓቅን ሞገትን ሰውነት ኣይክለብስን እዩ። በናኒ እዩ።