Categories
Politics

ረቂቕ ጸወታ

ጽዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኣብ ፓርልያመንት ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ናይ መወዳእታ ክፋል ተዓዚበ ወዲአ። እዘን ዝስዕባ ምህሮታት (lessons) ድማ ክወስድ ክኢለ።

– ወያነ ንቅዋምን ንቀዳማይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያ ዝበደሀን ክቆጻጸር ዝፈተነን ኣዝዩ ማፍያዊ ጃንዳ ምንባሩ

– ወላ ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ቃል ብቃሉ ኣይበሎ እምበር፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ንኽሰርር ምስ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝፈጠሮ ናይ ምትእምማን ዝምድና ወሳኒ ምንባሩ

– ወያነ ኣብ ሓጺር እዋን ፋሕፋሕ ክብል ተራ ኤርትራን መሪሕነታን ኣዝዩ ወሳኒ ምንባሩ- ወያነ ሕጊ ከም ዝርዕም ንምግባሩ ወይ ንምሕቓቑ ዝግበር ዝነበረ ጸወታ ኣዝዩ ዝተራቐቐን ምውህሃድን ምትእምማንን ክልቲኦም መራሕቲ ዘድልዮ ምንባሩ።

– ብሰንኪ እቲ ወያነ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታትን ሰራዊትን ዝነበራ ዕብለላን ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ዘርጊሓቶ ዝጸንሓት ሰኪዐታት ዲፕሎማስን፡ እቲ ስራሕ ኣዝዩ ተነቃፊ ምንባሩን

– እቲ ንሓበረታ ዝምልከት ነቕርቦ ዝነበርና ጥርዓናትን መረረን ክስን፡ ዘይፈለጥናዮ ምኽንያት ከም ዝነበሮ- ማለት ርቀትን ተሃዋስነትን ናይ’ቲ ጸወታ ካብ ዘይምርዳእ እዩ ነይሩ ዝብል መደምደምታ በጺሐ ኣለኹ።ብጣዕሚ ዘገርም ጸወታ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s