ጽዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኣብ ፓርልያመንት ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ናይ መወዳእታ ክፋል ተዓዚበ ወዲአ። እዘን ዝስዕባ ምህሮታት (lessons) ድማ ክወስድ ክኢለ።
– ወያነ ንቅዋምን ንቀዳማይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያ ዝበደሀን ክቆጻጸር ዝፈተነን ኣዝዩ ማፍያዊ ጃንዳ ምንባሩ
– ወላ ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ቃል ብቃሉ ኣይበሎ እምበር፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ንኽሰርር ምስ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝፈጠሮ ናይ ምትእምማን ዝምድና ወሳኒ ምንባሩ
– ወያነ ኣብ ሓጺር እዋን ፋሕፋሕ ክብል ተራ ኤርትራን መሪሕነታን ኣዝዩ ወሳኒ ምንባሩ- ወያነ ሕጊ ከም ዝርዕም ንምግባሩ ወይ ንምሕቓቑ ዝግበር ዝነበረ ጸወታ ኣዝዩ ዝተራቐቐን ምውህሃድን ምትእምማንን ክልቲኦም መራሕቲ ዘድልዮ ምንባሩ።
– ብሰንኪ እቲ ወያነ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታትን ሰራዊትን ዝነበራ ዕብለላን ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ዘርጊሓቶ ዝጸንሓት ሰኪዐታት ዲፕሎማስን፡ እቲ ስራሕ ኣዝዩ ተነቃፊ ምንባሩን
– እቲ ንሓበረታ ዝምልከት ነቕርቦ ዝነበርና ጥርዓናትን መረረን ክስን፡ ዘይፈለጥናዮ ምኽንያት ከም ዝነበሮ- ማለት ርቀትን ተሃዋስነትን ናይ’ቲ ጸወታ ካብ ዘይምርዳእ እዩ ነይሩ ዝብል መደምደምታ በጺሐ ኣለኹ።ብጣዕሚ ዘገርም ጸወታ።