ነቲ ” ምስ ወያነ ኴንና ክንሰርሕ” ዝብል መርገጺኡ ንጎኒ ገዲፍና- ወያነ ስለዝሞተ- መስፍን ሓጎስ እንተ ወሓደ፡ ነቶም ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ከምኡ እውን ንህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዘይወዓልዎ ከም ወረርትን ዘመትትን ዘቕርብዎም ዘለዉ ወገናት ዓገብ ክብል ምተገበኦ። ብኣንጻሩ ነቶም “ምስ ሓይልታት ኤርትራ ደው ኢልና ኣለና’ ዝበልና ክነቅፍ ወሲኑ።
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ጻውዒታት ኣየድልዮን እዩ። ዝእዝዞ ኣካል ኣለዎ። ዝምረሓሉ ሰረተ-እምነት ኣለዎ- ንሱ ድማ ልኡላውነትን ክብርን ኤርትራ ምሕላው እዩ። ስርሑ ከኣ ይሰርሕ ኣሎ። ይስዋእ፡ ይቖስል፡ ይጠሚ፡ ይዓርቕ፡ ይደክም ኣሎ። ኣስሓይታ ከበሳታትን ዋዒ መታሕትን እና በደሀ ደሙን ረሃጹን ንኤርትራ ይውፊ ኣሎ። ካብ ስደት ትእዛዛት ዝቕበል ሓይሊ ኣይኮነን።
ክብርን ምስጋናን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ።ሕጂ እውን ኣብ ጎኒ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣለኹ። ፍኒቶ።
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መቀጸልታ ናይ’ቲ ተኣምራታዊ ተጋድሎ ገይሩ ኤርትራ ሓራ ዝገበረ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ እዩ። ሕመረት ኤርትራውነት እዩ። ኤርትራ ክትህሉን ክትቅጽልን ዝኸፈሎን ዝኸፍሎ ዘሎን መስዋእትታት ወትሩ ኣብ ዝኽርና እዩ።
Long Live Eritrea.