Categories
Focused Commentaries

ወያናይ ደባይ ኲናት?

ናይ ደባይ ኲናት ክንጅምር ኢና ዝብል ድየ ዝሰምዕ ዘለኹ?

ወያነ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብቂዑ እዩ። ዝቆጻጸሮ ግዝኣት ይኹን ህዝቢ የብሉን። ከም ተራ ጭፍራ ሸፋቱ ኮይኑ ንሓጺር እዋን ክኹብልል ይኽእል እዩ/ እቲ ዳንጋ ናይ ቀደም ደኣ የለን እምበር። ግን ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ተደምሲሱ እዩ። ኲናት መቀጸልታ ፖለቲካ እዩ ይበሃል። ንሓደ ብሰላም ክጭበጥ ዘይተኻእለ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምውቃዕ ድማ እዩ ዝግበር። እቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ናይ ሕጊ ምኽባር መጥቃዕቲ ዕላምኡ 100% ወቂዑ እዩ። ንጃንዳ ወያነ ካብ ስልጣን ኣልዩ ጥራይ ዘይኮነ ሕቆኡ ሰይሩ ከምዘይትስእ ገይርዎ ዘሎ ይመስል። እቲ ናይ ፍትሒ ጎኑ፡ ማለት ነቶም ብሕጊ ዝድለዩ ሰባት ናብ ፍትሒ ምቕራብ መስርሕ ክቅጽል እዩ። ስለ’ዚ፡ ተሪፉ ዘሎ ዕማም፡ ነቶም ገበነጃናታት ናይ ምቅራምን እቶም ተበታቲኖም ዘለዉ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ዳግም ከይውደቡ ምህዳኖም እዩ።

እቶም ተጎዛዝዮም ተሪፎም ዘለዉ ጉጅለታት ዝበዝሑ ኣባላቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ሃገራዊ ሰራዊት ዝነበሩ እሞ ኣብ ልዕሊኡ ክድዓት ዝፈጸሙ እዮም። ብሞት ዝድለዩ ሰባት ስለዝኾኑ ሰሊሞም ኣይሰለሙ ኩሉ ሞት እዩ። ክሳብ መዓልቶም ትኣክል ዓሽከር እቶም ገበነናታት ኮይኖምም ክቕጽሉ እዮም።
ደብረጼን “ቃልስና ብካልእ መልክዕ ክንቅጽል ኢና” ኢሉ ተባሂሉ።ገለ ገለ ኤርትራውያን ወየንቲ እውን ነዚ ከደማምቑ ጸኒሖም።

እቲ ክቱር እምነት ገይሮምሉ ዝነበሩ ጃንዳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ሃደሽደሽ—ፈረኽረኽ—ኢሉ። እዚ እውን እቲ ክልተ ግዜ ዝተዋህበ ናይ ሰላም ጻውዒት ወሲኽካ እዩ እምበር እቲ ውግእሲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን እዩ ተወዲኡ። ዘይተጸበይዎ ቅልጡፍ ውድቀት እዩ። ምኽንያታት ክስንዑ እዮም ዝረኣዩ ዘለዉ። መደዓዓሲታት ዝኸውን—

እቲ ደብረጼን ዝብሎ ዘሎ ናይ ደባይ ውግእ ብዞም ዝስዕቡ ኣዝዩ ዘይክውንነታዊ ኮይኑ ይስመዓኒ።
1- እንታይ እዩ እቲ ዕላማ? እቲ ብ1975 ዝተጀመረ ወያነ ንመሰል ርእሰውሳነ ካብ ነበረ፡ ትግራይ ድማ ብመሰረት’ቲ ወያነ ባዕሉ ዝጸሓፎ ቅዋም ኣካል ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ካብ ኮነት፡ ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስትን መሰል ርእሰ ምሕደራን ካብ ተዋህበት፡ እንታይ እዩ እቲ መንቀሊ ናይ’ዚ ሓድሽ “ወያነ” ዝኸውን? ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ እንተኮይና፡ ከመይ ኢሎም እዮም ፈደራልዊ መንግስትን ሰራዊቱን ወረርቲ ዝኾኑ? መን እዩ ኸ ኣብዚ ግዜ’ዚ ነዚ ሓሳብ ክገዝእ ዝኽእል? ስለ’ዚ፡ እቲ ዝበሃል ቃልሲ ፖለቲካዊ መንቀሊ ይኹን መሰረተ-ሓሳብ የብሉን። ካብ ሕጊ ዝሃድም ጉጅለ ጥራይ እዩ ዘሎ’ምበር ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ቃልሲ ከበጋግስ ዝኽእል ፖለቲካዊ ምኽንያት የለን። ናይ መንነት ጉዳይ እውን ከም ምኽንያት ክቀርብ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ብመሰረት እቲ ወያነ ባዕሉ ዝጸሓፎ ቅዋም እዩ ትግራዋይ ዝኾነ መንግስቲ ክትከል።

2- ዘለናዮ ዘመን ናይ 1960ታትን 70ታትን ኣይኮነን። ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን ንርከብ። ናይ ሎሚ መንእሰይ ትግራይ ነዞም ብዕድመ ደፊኦም ዘለዉ ውሑዳት ገበነኛታት ክከላኸል ክብል ግዚኡ ከጥፍእ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት የብለይን።ብዓለም ደረጃ፡ ደባይ ውግኣትን “ሓርነታዊ” ጎነጻዊ ምንቅስቃሳትን ዳርጋ ብሉይ እናኾነ መጺኡ።

3- ብደረጃ ዞባና እውን ህዝብታት ሃገራት እዚ ኣከባቢ ብነዊሕ ናይ ደባይ ምንቅስቃሳትት ደኺሙን ዕብየቱ ተቖጽዩን እዩ። ሸውሃቱ ኣይከምቲ ናይ 60ታትን 70ታትን።

4- እተን ታርገት ኮይነን ዘለዋ ኤርትራን ኢትዮጵያን እኹል ናይ ጸረ ደባይን ጸረ ግብረ-ሽበራን ተመክሮ ኣለወን።

5- ካልእ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ተረጋጊኡ እንተቀጸለ፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ስንቅን ተተኳስን ወዲኡ ዘብቅዕ እዩ ክኸውን። ምስ ወጻኢ ዘራኽብ የብሉን። ዘመሓድሮ ህዝቢ የብሉን። ተራ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኮይኑ ንሓጺር እዋን ትልኽ ክብል ይኽእል እዩ። ትግራይ ብሓድሽ መንግስቲ ትመሓደር ኣላ። እዚ ሓድሽ መንግስቲ ዘተኣታትዎ ሓድሽ ናይ ሰላምን ልምዓትን ፖሊሲታት ወሳኒ ክኸውን እዩ።
እንተ ወያነ ግን ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ተፈዲሱ እዩ:። Game over ክብሉኹም ከምዚ እዩ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s