Categories
Focused Commentaries

ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት

ኩሉ ኣብዚ ዝጥቀዖ ኲናት ንምቅንጃው ወይ ንምድማቕ ወይ ድማ ብሕሰም ካልኦት ንምድሳት ዘይኮነስ ንትምህርትን ምምክኻርን እዩ። ኲናት ግናይ እዩ። ዕንወት እዩ። ብዛዕባ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምህር የለን። ግን ኲናት ካብ ወደቐካ ብውሑድ ክሳራ ክትዕወተሉ ኢኻ ትብገስ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ክሳብ ክንደይ ክጸልወና እዩ ንዝብል ቅሩብ ሓበረታታት ክንእክብ ከድልየና እዩ። ኣብ ሓጺር ግዜን ብዘይ ብዙሕ ሰብኣዊ ክሳራን ምዝንባልን ቁጠባዊ ዕንወትን ክዛዘም ጥራይ እዩ ትምኒተይ። እቶም ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ክልል ትግራይን ዝነበረ ምስሕሓብ ናብ ብረታዊ ጎንጺ ከም ዝዓርግ ዝገበሩ መራሕቲ ትግራይ፡ ደመኛታት ህዝቢ ኤርትራ እውን እዮም።

በዚ መንጽር ክረአ እንከሎ ውጽኢት ናይ እዚ ግጭት እዚ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ( እንተላይ ህዝቢ ትግራይ) ንኤርትራ እውን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ብምድምሳስ ናይዞም ደመኛታት መራሕቲ ክዛዘም ኣለዎ። ካልእ ምርጫ የለን።

እስትራተጂ መራሕቲ ወያነኣብ ኢትዮጵያ፡ እንተተኻእለ እውን ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሓዊ ምውላዕ። በቲ ኣብ ኩላ ኢትዮጵያ ክዝርግሕዎ ዝጸንሑ መርበባት ናይ መጋበርያታቶም ገይሮም ኣብ ኢትዮጵያ ህውከት እንተ ኣለዓዒሎም ጥራይ እዮም ንፈደራልዊ መንግስቲ ክብድሁ ዝኽእሉ። ስለ’ዚ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣሕቢሩ ኣብ ጎኑ የሰልፎ’ዶ ዝብል ሕቶ ወሳኒ እዩ።ከምኡ እውን ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኮይኖም ክገብርዎ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ምምካንን እቲ ስርሒት ኣብ ሓጺር ግዜ ከም ዝፍጸም ምግባርን ወሳኒ እዩ።

ኣብ ናይ ሓጺር መድረኽ ወያነ እዞም ዝስዕቡ ብልጫታት ኣለዎ

1- ዝተደናገረ ህዝቢ

2- ብተዛማዲ ስጥመት ውዳበ ዘለዎሕብረተሰብን ዕጡቖ ሓይልን

3- ኣብ ውሽጢ መሬቱ ዝካየድ ስርሒታት ብምዃኑ፡ ሓይልታት ፈደራል ናይ ስለያታትን ናይ ተርግእ ስርሒታትን ጸገማት ክህልዎም ይኽእል

4- ናይ ሎጂስቲክስ ጉዳይ ንወያነ ይምችእ፡ ናይ ቀረባ ስለዝኾነ፡ ብፍላይ ክሊ ኣየር ክቆጻጸር እንተክኢሉ

5- ንከምዚ ዝኣመሰለ ግጥምያ ክዳሎን ክዕለምን ዝጸንሐ ሓይሊ ምስ ኣማራጺታት ናይ ስርሒታዊ ኣሰላልፋን ዝተዳለወ ቅድታት ምጥቃዕን ምክልኻልን ክህልወሉ ይኽእል።

6- ካብ ናይ ሰሜን እዝ ዝተመንዘዐን ብቀደሙ ኣብ ውሽጢ እዘን ሳላሳ ዓመታት ኤርትራ ንምድሳቑ ክእከብ ዝጸንሐ ብረታትን ተተኳስን ክህሉ ይኽእል።

7- እቲ ኲናት ኣንጻር መንነትን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ዝቐንዐ ከም ዝኾነ ወያነ ክሰርሓሉ ምጽንሑ፡ ዝያዳ በዳህን ግናይን ክኸውን ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ይገብሮ።

ጸገማት ወያነ?

ኣብ ከበባ ኣትዩ ኣሎ። ምስ ወጻኢ ዓለም ዘራኽብ የብሉን። ስለ’ዚ፡ ወላ ገንዘብ ይሃልዎ ትርጉም የብሉን። ኲናት ድማ በላዒ እዩ። መኻዚኖታት ኣጽዋር ኣብ ኣዋርሕ ክውዳእ ይኽእል። ምስኡ ዝኸይድ ምዝንባላት ህዝቢ ኣሎ። ቁጠባዊ ጸገማት ኣሎ—ወዘተ።

ብደሆታት ዓቢ ኣሕመድ

1- እቲ ኲናት ፍትሓዊ ምዃኑን ዕላምኡን ንህዝቢ ትግራይ ከእምኖ ኣለዎ።

2- እቲ ኲናት ፍትሓዊ ምዃኑን ዕላምኡን ንካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያን ፖለቲካውያን ሓይልታቱን ከእምኖም ኣለዎ።

3- ሃንደፍደፍ ዘይኮነስ መጽናዕቲ ብዝሓለፎም ስርሒታዊ መደባት ክምራሕን ከምኡ እውን እዝን ቁጽጽርን ዲሲፕሊንን ሰራዊቱን ከሕይልን ኣለዎ። ከምዚ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰሜን እዚ ብተጋሩ ኣባላት ምክልኻል ተኻዪዱ ዝተባህለ ክሕደታዊ ውዲታት ከይረአ ክጥንቀቕ ኣለዎ።

4- ምስ ግስጋሰ ስርሒታት ዝስጉም ሎጂስቲካዊ ኣቕርቦት

5- ምትእትታው ግብጽን ካልኦት ሃገራትን ንምግታእ ሓያልን ተዓጻጻፍን ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ምክያድን ተርአን ከም ተኽእሎ ተቐሚጡ ምሓዙን ንዕኡ ዝኸውን ምድላዋት ምግባርን

6- ንማሕበረሰብ ዓለም እንታይነት እቲ ግጭት ምብራህን ደገፍ ምርካብን

7- እቲ ኲናት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከም ዝውዳእ ምግባር

8- ሰላማዊ ሰብ ከይሃልቕ ምጥንቃቕ (collateral damage ከም ዝውሕድ ምግባር)፡ ንሰላማዊ ህዝቢ ብጽቡቕ ምሓዝ፡ በቶም ኣብቲ ስርሒት ክሳተፉ ዝኽእሉ ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራ ይኹን ካልኦት ዓሌታዊ ወይ ጎሳዊ ጭፍጨፋ ከይካየድ ምጥንቃቕ።እቲ ኲናት ናይ ብሄረ-ሰባት ዝመስል ጽልእን ምንሕናሕን ዝተሓወሶ መታን ከይከውን፡ እቶም ገበነኛታት ካብ ህዝቢ ዝንጸሉሉ እስትራተጂ እንተዘይሰሪሑ ግናይን ደማውን ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተ ነዊሑ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ዘራኽብ ክኸውን ይኽእል እዩ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s