ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ኣብዘን ዝሓለፋ 22 ዓመት ክእከብ ዝጸንሐ ኣጽዋራት ኲናት ኢትዮጵያ ንምምራኽን ኣብ ልዕሊ ናይ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ብተዘዋዋሪ ይእመን። እዚ ከም pre-strike ወይ ንዘይተርፍ ነገር ኣቀዲምካ ንምምካን ዝግበር ወተሃደራዊ ስልቲ ኣብዚ ሓጺር እዋን ንወያነ ይጠቅም ይኸውን። ኣብ ዝተናወሐ እዋን ግን ዘዋጽእ ኣይኮነን። በዚ ስጉምቲ እዚ ድማ፡ ማለት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ሃገሩ መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ወያነ ተጎቲቱ ዘይኮነስ ባዕሉ እዩ ኲናት ናብ ትግራይ ዓዲሙ ወይ ስሒቡ ዘሎ። ኣብ ትግራይ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ እቲ ሃገር ክውልዖ ምዃኑ እውን ተጃሂሩ ኣሎ። ንህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን እውን ጸዊዑ ኣሎ። “ብሓባር ንወረርቲ ክንቀብር” ኢሉ ኣሎ። በቲ ኣብ ትግራይ ሒዘዮ ዝብሎ ኣጽዋር ተመኪሑ ኣሎ። ከምዚ ዓይነት ዓጀውጀው ርእየ ኣይፈልጥን። ንኤርትራ ዝህድድ ዝመስል ሕቡእን ቅሉዕን መልእኽታት ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኩሉ ፖለቲካዊ ፍልልያት ደው ኢሉ፡ ናብቲ ዝቐርበካ ወገን ምጽጋዕ እዩ። እዚ ዓይነት ጸወታ እዚ ካብ ባእሲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ወይ ውድባት ሓሊፉ ብዛዕባ ልኡላውነት ጉዳያት ስለዝኾነ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ክደናገር የብሉን። ወያነ ኣብዚ ግዜ እዚ ንነባራት ዝኾና ሃገራት ኣፍሪሱ ሓድሽ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገር ክምስርተሉ ዝኽእል ሃዋሁ ንምፍጣር ይመጣጠር ኣሎ። ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ እስትራተጂኡ በጺሑ ኣሎ። ወያነ ንሰናይ ኤርትራ ሓሲቡ ኣይፈልጥን። ሕልሙ ድማ እንተክኢሉ ኤርትራ ንምብትታንን ብስም “ኣሕዋት ኢና” ንምልሓቓን እዩ። እንተዘይተኻእለ ድማ፡ ነቲ ብዕሊ ኣዊጅዎ ዘሎ ናይ ዓይኒ-የብለይን ስኒ የብለይን ኲናት ደጀን እትኾኖ ድኽምቲ ሃገር ብድሕሪት ገይርካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምቑማት ቀዳማይ ውጥኑ ከይኮነ ኣይተርፍን። ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሓይሊ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ መጥቃዕቲ ዘይፍጽመሉ ምኽንያት የለን። ስለ’ዚ ኸኣ፡ ናይ ውሽጥና ፍልልያት ኣጽቢብና ንድሕነት ሃገር ደው ንብለሉ እዋን ሕጂ እዩ። ፖለቲካዊ ቃልሲ ግዜ ኣለዎ፡ ንድሕነት ልኡላውነት ዝትንክፍ ብደሆታት ኣብ ዘጋጥመሉ ድማ ቀዳምነት ድሕነት ሃገር ዝስረዓሉ እዋን ኣሎ። ብኣዝዩ መዓር ወለላ ዝመስል ኣቀራርባታት ክንግራህ የብልናን። ሽሕ ግዜ ንስርዓት ህግደፍ እጽላእን ክልወጥ እድለን፡ ነዚ ብቕሉዕ ንሃገረይ ክወርር ዘፈራርሕ ዘሎ ጃንዳ ዝኾነ ናይ ሞራል ይኹን ናይ ማተርያል ሓገዝ ዝህበሉ ምኽንያት የለን። እዚ ጃንዳ እዚ ኣብታ ዝወለዓ ኲናት ክጥበስ ኣለዎ። ካንሰር ናይ እዚ ዞባ ኮይኑ ጸኒሑ ሕጂ ድማ ገዲዱ ኣሎ (exacerbated ኮይኑ ኣሎ)። ኣብ ኤርትራ ክመጽእ እንደልዮ ለውጢ ብመገዲ ወያነ ንዝብል ሰሓቢ ወይ ኣወናዋኒ ዝመስል ኣቀራርባ ጉጉይ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ከምዚ ናይ ኲናት እዋን ናብ ሃገራዊ ክሕደት እውን ክብ ክብል ይኽእል እዩ።ብዝኾነ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኩላትና ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኢና። ጫውጫውታ ናይ ፖለቲካ ፍልልያት ሃዲኡ ነዚ ኩነታት ክንከታተሎን ነቲ ብዝተፈላለየ “ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ” ዝወሃብ መግለጺታት፡ ካብ ስምዒታውነት ወጺእና ብነቐፌታዊ ዓይኒ ክንምርምሮን መርገጺና ክነነጽርን ሃገራዊ ግቡእ እዩ። ብዛዕባ ኲናት ክዛረብ ደስ ኣይብለንን እዩ። ኣተኩረይ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገረይ ክረአ ዝደልዮ ለውጥታት ክኸውን እዩ ወሲነ ጸኒሐ። ግን ኣብ ጎረቤትና ሃገር ኲናት ተወሊዑ ኣሎ። ክትሃድመሉ ዘይትኽእል ድማ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኣብቲ ዞባ፡ ንኤርትራ ከይተረፈ ክልብልብ ዝኽእል መጋሃርያ እሳት ክፈጥር ዝፍክር ዘሎ ጃንዳ’ዚ፡ ክሳብ ሎሚ ንትግባረ ውዕል ኣልጀርስ ተሓሲሙ ኣብ ልኡላዊ መሬትና ኮፍ ኢሉ ዘሎ እዩ። ሕጂ ድማ ንሱ ወሳኒ ዝኾነላ ኤርትራ ክፈጥር ብዓውታ ይህድድ ኣሎ። እንታይ እዩ መርገጺኻ? ኣብ ግዜ ተዛማዲ ሰላም ኣቓልቦና ንውሽጢ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ደመናታት ኲናት ሃጢሩ ኣብ ዘንጸላልወሉ ዘሎ እዋን ግን ኩልና ንሃገርና ዋርድያ ክንከውን ይግባእ። እዚ ሓይሊ እዚ ኣመና ሓደገኛን ግዲ-ኣልቦን (reckless) ምዃኑ በቲ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ሰራዊቱ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣርእዩና ኣሎ። ብቓላቱ እውን ኣይሓብኦን።ንሎሚ እዛ ተለቂባ ዘላ ቪድዮ ዘለዓዓለቶ ሓተታ ኣብዚ ይውዳእ። ኣብ ቀጻሊ መዓልታት ግን ሰፊሕ ትንተና ክስዕብ እዩ።
Categories