Categories
Uncategorized

ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ካልኣይ ክፋል

ሳልሳይ ሓይሊ ፊተውራሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ወዲኣ ኮለላ ክትገብር ቀንያ። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሳልሳይ ኮርስ ፊተውራሪ ስለዝነበርና ኢና ሳልሳይ ሓይሊ ንበሃል ነይርና እምበር ብመሰረቱ ብኣርባዕተ ጋንታታት ዝቖመት ሓንቲ ሓይሊ ኢና ነይርና። ብኣልጌን ኣቢልና እማህሚመት (ማይህመት) ኣቲና ነቶም ኣብኡ ዝዕለሙ ዝነበሩ መዛሙርን ተዋስኦታትን ኣርኢና። ኮርስና ብዙሓት ከዋኽብቲ ወሊዳ እያ። ስነጥበበኛ ስዉእ ዑቕባጋብር ገ/ትንሳኤ፡ ሙሉጌታ በይን (ወዲ ዛግር)፡ ስዒድ ዓብደላ (ወዲ ዓብደላ)፡ እድሪሳይ(“ኣቤኮ”ን “ተሓረረት ዓድና”ን ዝደረፈ፡ ፍስሃየ ደበሳ (ወድ ከረን)፡ ኣሮን ተኪኤ (ናይ ሻዕብያ ውሩይ ጊታሪስታ)—ገለ ካብቶም ዝዝክሮም እየ። ኮርስና ስነጥበባውያን ከዋኽብትን ማእከላይ ጉጅለ ባህልን ናይ ሻዕብያ ዝወለደት ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ንቤት ትምህርቲ ሰውራ እውን ወሊዳ ትኸውን እያ— ኤእ፡ ክረዲት ምሃባ ጽቡቕ እዩ። ጽንሕ ኢለ ክምለሶ እየ።ካብ እማህሚመት ብጎላጉል ሰማእታት ሓሊፍና ብዓገት ክንምለስ ዝነበረ ጉዕዞ ተሰሪዙ፡ ናብ ፋሕ ተመሊስና ብብሌቓት ኣቢልና ክሳብ በዓል ደብዓት መሪሽና። ካብ ደብዓት፡ ኣንፈትና ንምዕራብ ጠዊና ሩባ-ሩባ ድሕሪ ምጉዓዝ በዚ ደሓር ዜሮ ምኳኑ ዝፈለጥኩ ቦታ ኣቢልና ናብ ፋሕ ተመሊስና። ግን ኣክንዲ ናብቲ መዐለሚና ዝነበረ ላዕለዋይ ፋሕ ንምለስ ኣብቲ ጥቓ መሪሕነት (ታሕተዋይ ፋሕ) ኣዕሪፍና። ኣብ ጉዕዞና ወዲ ምዕተልካ (ኣዛዚና) ተመን ነኺስዎ። ግን ድሒኑ።ንግሆ ተሰሪዕና ናብቲ ተዳልዩ ዝነበረ ናይ ደርበናል (ጨመተ ቶኽሲ ፈተና) ኣቲና። ሰሰለስተ ጥይት ተዋሂበናና። ሓቂ ይሓይሽ ጠያይተይ ኣበይ ከምዝዓለባ ኣይፈለጥኩን። እቲ ኣብ ልዕለይ ደው ኢሉ ዝነበረ ዓላማይ ግን “ንፉዕ፡ ሓፍ በል” ኢሉኒ ነታ ብረት ተቐበላ። ድሕርኡ ተመሲሕና ሳዓት ኣርባዕተ ኣቢሉ ክንስራዕ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ። ጽንሕ ኢሉ፡ ሓደ ቅሩብ ህዝርጥ ዝበለ ተጋዳላይ መጺኡ፡ ነተን መሳርዕ እና ኮለለ፡ ኣጻብዕትናን ኣፍናን እና ረኣየ ሰባት ክመርጽ ጀሚሩ፡ ኣስታት ሓምሳ ወይ ካብኡ ዝበዝሑ ይኾኑ ተመሪጾም። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ስነጥበበኛታት ድሮ ኣብቲ ታዕሊም ብክእለቶም ፍሉጣት ስለዝነበሩ ብዘይ ፈተና ሓሊፎማ። ምዝሕቕ-ምዝሕቕ ኣቢልዎም። መን ከም ዝነገሮ ኣይፈልጥን። ተጋዳላይ ዓሊ መሓመድ (ያዓሲና) እዩ ነይሩ። ከም ዝተረዳእክዎ፡ ኣቀዲሙ ኣብ ፖሊስ ኦርከስትራ ኤርትራ ዝሰርሐ፡ ከይተሰለፈ፡ ኣብ ኣስመራ ከሎ፡ “ያዓሲና” እትብል ህብብቲ ደርፊ ነይራቶ። ብኸምኡ ድማ ያዓሲና ተባሂሉ። ከም ዝመስለኒ ያዓሲና ብቋንቋ ሳሆ “ኣደ” ማለት እዩ። እዛ ደሓር ዝተፈልጠት ጉጅለ ባህሊ ውድብ ብከምዚ እያ ተጀሚራ።ኣጋ ሳዓት 6 ናይ ምሸት ኣቢሉ ይኸውን ተሰሪዕና ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት መሪሕነት ኣብሪዂና። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መጺኡ ሓጺር መግለጺ ሂቡና። ሓፈሻዊ ኩነታት ውድብን ጸላእን ድሕሪ ምግላጽ፡ “ንስኹም ናይ መወዳእታ እትውዝዑ ፊተውራሪ ክትኮኑ ኢኹም። ብዙሓት ፊተውራሪ ይስውኡ ስለዘለዉ፡ እቲ ውድብ ቤት ትምህርቲ ክጅምር መደብ ኣውጺኡ ኣሎ” ክብል ገሊጹ። [እዚ ንድራማታት ዝመጽእ ዘሎ ዘይኮነስ ታሪኽ እዩ። እቶም ኣብታ ምሸት ዝነበሩ ክዝክርዎ ይኽእሉ ዝብል እምነት ኣለኒ]። በዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ንፋስ ቤት ትምህርቲ ሰውራንመጀመርታ ግዜ ሰሚዐዮ። እዚ ቅድሚ 5 ወይ 6 ወርሒ ቅድሚ ምጅማር ቤት ትምህርቲ ሰውራ እዩ። በዚ ድማ ኣስማት ምጽዋዕ ኮይኑ። ንከበሳ ዝድይቡን ናብተን ኣብ ኣከባቢ ናቕፋ ዝነበራ ሓይልታት ዝኸዱን ኣብ ክፍልታት ዝምደቡን ምስ ተወድኡ ገለ ኣስታት 100 ዝኾኑ ኣስማቶም ዘይተረቚሐ ኣብታ መስርዕ ተሪፎም።መደበይ ኣብ ማእከላይ ሕክምና (ስበርቀጠ) ስለዝነበረ፡ ሓደ ተጋዳላይ መሪሕና ናብ ቦታና ከድና፡ ምስ ሓድሽ ኣሃዱና ተላሊና። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ ፋሕ ሰሙናዊ ሰሚናራት ይግበር ስለዝነበረ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበርና ደቂ ኮርስና ኣብኡ ንራኸብ ነይርና። ብዛዕባ እቶም ተፈልዮም ዝተረፉ ብዙሕ ወረ ይወናጨፍ ነይሩ። “ፍዳኢን ክኾኑ ኮማንዶ ይዕለሙ ኣለዉ” ዝብልን ” ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ድሮ ናብ ወጻኢ ከይዶም—” ዝደግምን ወረታት መቸም ነይሩ እዩ። እምበር፡ ንምጅማር ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዘልዕል ዜና ኣይሰማዕኩን። እቶም ከባና ዝተረፉ ጉጅለ ባህሊ ግን ድሮ መዛሙር ተለማሚዶም ኣብ መኽፈትን መዕጸውን ናይቲ ሰሚናራት የስምዑና ነይሮም። ዓሊ ያዓሲና ቦክስ ጊታር ነይራቶ። ዝተረፈ ኩሉ ጣቕዒት እዩ ነይሩ። ሓደ ግዜ ካብ ፍስሃየ ወልደገብርኤል መልእኽቲ ሒዘ ናብ ፋሕ ኣምሪሐ። ፍስሃየ ሓላፊ ሕክምና ህዝባዊ ሓይልታት ነይሩ። ኣብ ፋሕ፡ እታ ደብዳቤ ንሓንቲ ዝፈልጣ ብጸይቲ ሂበያ ዕላል ጀሚርና። ጽንሕ ኢሉ ኢሳያስ ኩሹኽ ተኸዲኑ ካብ ደገ መጺኡ፡ እታ ብጸይቲ ነታ ደብዳበ ሂባቶ። እታ ብጸይቲ ቅድሚ ሕጂ ተላልየያ ነይረ። ኣብ ታዕሊም ኮለና ሓሚመ ነይረ። ሰሙን ዝኸውን ኣብታ ጎኒ ቤት ጽሕፈት መሪሕነት ዝነበረት ክሊኒክ ተሓኪመ ነይረ። ንሳ እውን ግናይ ዓሶ ሓሚማ ኣብኡ ነይራ። ብሓፈሽኡ እውን እቲ ቤት ጽሕፈት ውድብ ንእሽቶ እዩ ነይሩ፡ ኣባላቱ እውን ኩሉ ግዜ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ምዝንጋዕ መደባትና ይመጹ ነይሮም እዮም።ብዝኾነ፡ ድሕሪ ጥዕምቲ ሻሂ፡ ዕላል ቀጺልና። ተገዲሳ ሓቲታትኒ። ሓድሽ ኣሃዱ ተላሊናዮ ምንባርናን ግን ደስ ከምዘይበለናን ናብ ተዋጋኣይ ሰራዊት ክንውዛዕ ንፍስሃየ ንህውኾ ምንባርናን ነጊረያ። “ እዋእ፡ ቅሩብ ደኣ ክትጉብዙ። ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ክሰደኩም ክነግሮ እየ” ትብለኒ። ኣብ ስበር ቀጠ ሰለስተ ነኣሽቱ ፊተውራሪ ተወዚዕና ነይርና። ሞያ ሕክምና ዘይብልና። በዚ ምኽንያት ድማ መኣዝና ዘጥፋእና መሰለና። ፍስሃየ ወልደገብርኤል፡ ጆካት ይፈቱ እዩ። ተጻዋታይ እዩ። ኣዝዩ ጉልቡትን ሓርናጽን እዩ። ብጣዕሚ ይፈትወና ነይሩ። ንሕና እውን ሓቂ ይሓይሽ፡ ነቶም መራሕቲ መሳርዕ ሓሊፍና ናብኡ ኢና ንኸይድ ነይርና። ግን ቀይዲ በተኻት ነይርና። ክልተ ግዙኤ ናቕፋ ኬድና ኣለና። ሓደ ግዜ ድማ ተሪፍና ክንስና፡ ሞሊቚና ነቶም ናብ ውግእ ናሮ ዝተጓየዩ ተጋደልቲ ኣብ ሩባ ዓገት ኣርኪብናዮም። ኣብቲ እዋን፡ ሓይልታትና ንናቕፋ የኽብባ ነይረን። እቲ ኣብ ናቕፋ ዝነበረ ጸላኢ ኣብ ፍጹም ከበባ ኣትዩ ነይሩ። ነዚ ከበባ ንምፍዃስ ሓደ ዓቢ ናይ ኣየር ወለድ ሰራዊት ጸላኢ ብድሕሪት ኣብ ጎላጉል ናሮ ወሪዱ። ኣብ ከባቢ ፋሕ/ብሌቓት ዝነበራ ኣሃዱታት ጉያ ኮነ። ካብተን ኣብ ናቕፋ ዝነበራ ሓይልታት እውን ተወሲኹ መቸም እቲ ውግእ ድሕሪ 5-6 መዓልታት ብዓወትና ተደምደመ። ምስ ተመለስና፡ ንእንዳ ቲቢ ዕንጨይቲ ክንፍልጽ ናይ ሰሙን መቕጻዕቲ ተዋሂቡና።እዚታት ነታ ብጸይቲ ኣዕሊለያ። ንሱ እዩ ነዛ ናይ ቤት ትምህርቲ ሓሳብ ክተበግስ ዝደረኻ መስለኒ። እንታይ ማለት ከ እዩ ቤት ትምርቲ ሰውራ? ክርደኣ ኣይከኣልኩን። ዕላልና ከይወዳእና፡ ሓንቲ ርጉድ ዝበለት ዝተዓሸገት ደብዳበ ተዋህበትኒ’ሞ ናብ ቦታይ ነቐልኩ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ንፋስ— ቁርጽራጽ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝኸድክዎ ይስዕበኒ ነይሩ። መመሊሱ ሓይሊ ይውስኽ ከኣ።ኣመጻጽኣ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራቅድሚ ተመሃሮ ምምጸኦም፡ እቶም መምሃራን ንገለ ኣዋርሕ ተኣኪቦም መስርሒ ቦታን መደባትን የጣጥሑ ምንባሮም መምህር ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትቱ ገሊጹ ነይሩ- ኣብ ናይ መንእሰያት መጽሔት ከይከውን። ብዝኾነ፡ ድሕሪ ምቅርራብ፦1ይ ጉጅለ ተማህሮ፡ እቶም ኣብ ፋሕ ካባና ዝተረፉ2ይ ጉጅለ፡ ካብቶም ኣብ ደብዓት ዝነበሩ ዕቑባት ህዝቢ3ይ ጉጅለ፡ ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን4ይ ድሒርና ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ውድብ ዝተሰሓብናእዞም ጉጅለታት እዚኦም እዮም እቶም ጀመርቲ ቤት ትምህርቲ ሰውራ። እቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ተጀመረ ግን ተመሃሮ ብዝተፈላለየ መገድታት ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ይመጽኡ ነይሮም።1- ካብ ታዕሊም፡ ክዕለሙ ዝመጹ ግን ብዕድመ ነኣሽቱ ኮይኖም ዝተራእዩ (ምስክር ዕለት-ልደት ዘይነበሮ ግዜ እዩ)። ኩሉ ብግምት’ዩ ነይሩ፡ ከምዛ ናይ ዕዳጋ ነገር። ንእሽቶ ክንሱ ህጥር ወይ ንውሕ ዝበለ ሰብ ሰተት ኢሉ ናብ ታዕሊሙ ክሓልፍ ይኽእል።2- ተጋደልቲ ካብ ዓዲ ደቆም የምጽኡ ነይሮም3- ኲናትን ግፍዕታት ጸላእን ዘስዓቦ፡ ኣላዪ ዘይነበሮም ቆልዑመነባብሮ፡ ዝበዝሕ ትሕቲ ኣግራብ (ዓዳይ) እዩ ነይሩ። መግቢ እውን ካብቲ ሓፈሻዊ መግቢ ተጋዳላይ ብዙሕ ዝፍለ ኣይነበረንውደባ፡ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ መጀምርታ ኣብ ክልተ ምደባ እዮም ተኸፊሎም፡ ዓበይትን ንኣሽቱን። ዓበይቲ ካብ 12-15 ዝበጽሑ ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ። ዳርጋ ነቲ ቤት ትምህርቲ ዘድሊ ጉልበታዊ ዕዮ፡ ብፍላይ ናይ ዕንጨይቲ፡ ባዕሎም ይምልእዎ ነይሮም። ኣላዪ ኣቦ ነይርዎም፡ እስማዒል መሓመድ (ወዲ መሓመድ) ዝበሃል። ብዛዕብኡ ምናልባት ኣብ ካልእ ግዜ።እቶም ነኣሽቱ እውን ብዕድመ ይፈላለዩ ነይሮም። ብኡ መሰረት ድማ እንዳ ዛይድ ርእሶምን ኣበባ ግደን ተባሂሎም ነይሮም መስለኒ።ምግብና፡ ኣብ ክልቲኡ ኣለይቲ ዝበሃላ ተጋደልቲ ነይረን። ሕቖ ዝሰብርን ዓይኒ ዘዕውርን እዩ ነይሩ ስራሕ መግቢ። ምስ ነፈርቲ እና ተጓየኻ እዩ። ኣዝየን ዓቃላትን ውፉያትን ነይረን። መብዛሕተአን ተሰዊአን። ብክብሪ ከኣ እየ ዝዝክረን። ካሪክለም፡ ንድፊ ጥራይ እዩ ነይሩ። መምሃራን ተጋደልቲ እናመሃሩ ዘማዕብልዎ እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ እቶም ቀዳሞት ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ላባራቶሪ ስነ-ምምህርና ኢና ነይርና ክበሃል ይከኣል።ካብዚ ዝቕጽል ጊደዎን መሓርን ዮሴፍ ፍስሃየን ጽቡቕ ገይሮም ኣብሪሆሞ ስለዘለዉ ንታሪኽ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝምልከት ብዙሕ ኣይክብልን። ኣብ ዝቕጽል ሳልሳይ ክፋል፡ ንራኢ ዝምልከትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ጦብላሕታታትን ክድህስስ ክፍትን እየ። እዚ ክፋል እዚ ቅድሚ ምዕጻወይ ግን ክልተ ነጥብታት ከብርህ ደስ እብለኒ።1- ንብጾት ጊደዎን መሃርን ዮሴፍ ፍስሃየን ብዝምልከት፡ ንክልቲኦም ኣጸቢቐ እፈልጦም እየ። ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ ብሱል ዝኾነ ዝምድና ኣለና። ንጊደዎን መሓሪ ኣብዚ ከጽነሖ፡ ምኽንያቱ ሰተተ ኢሉ ዝወጻ እዩ ዝመስል (ክምስ ውስኹላ)። ንዮሴፍ ፍስሃየ ይኹን ንዝኾነ ኣባልን ዕባይን ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣሕሊፈ ዝህብ ሰብ ኣይኮንኩን። ብፍላይ ንዮሴፍ ብዝምልከት ድማ፡ ዕርክነትና ኣብ 1979፡ ናብ እንዳ ዜና ኬድና ኮለና ይጅምር። ክሳብ ሎሚ ድማ ሓባይብ ኮይንና ንነብር ኣለና። ሕጂ ድማ እተን ጽቡቓት ደቁ፡ ኤሊትን ጋቢን ተወሲኸን (በቲ ኮልታፍ መልሓሰን ባባ ማህሙድ—) ክብላኒ፡ ማሸላ። ይመለኣልና ጥራይ። ዮሴፍ ተሪር ነቓፋይ እዩ። ብውልቂ ደረጃ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ፖለቲካዊ ኣራኣእያታት ብፍላይ ድማ ኣብ ጽሑፋተይ ምስ ተኸራፈስና ኢና። ኩሉ ድማ ምስ ኣኽብሮት። ስለ’ዚ፡ ኣይትጸገሙ ንምባል እዩ። እዚ ናይ ዓበይቲ ምብህሃል እዩ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እምነቱ ኣብ ቃልሱን ኣብ ሃገራዊ መርገጺታቱን ዝጠራጠረሉ ሰብ ኣይኮነን። ዮሴፍ ፍሊ ዘብሎ፡ ኣብ ርድኢቱ (conviction) ገጥ ኢሉ፡ ዓው ኢሉ፡ ግን ከኣ ብኣኽብሮት ዝገልጽ ሰብ እዩ። ናይ ልቡ (genuine) ምዃኑ ጥራይ እዩ ዝሕብር። እዚ ባህሪ እዚ ክተባባዕ ኣለዎ’ምበር ክድሰቚ የብሉን። ግድን ድየ ምስ ገምጋሙ ክሰማማዕ? ግድን ኣይኮነን። ዮሴፍ፡ ዝስመዖ ገምጋም ክህብ ከ መሰሉ ድዩ? መሰሉን ፈረቓን።2- እቲ ገጅፍ ሓርማዝ፡ ተዛረብቲ እምግዝሊዘኛ፡ ንሰብ ከይተቖጥዕ ኢልካ ንሓደ ርኡይ ወይ ዓቢ ጉዳይ ሸፈፍ ኢልካ ክትሓልፎ ከለኻ፡ ኣብ ቅድመኻ ኣብቲ ገዛ ዘሎ ገጅፍ ሓርማዝ “ኣይረኣኽዎን” ከም ምባል እዩ ኢሎም ይገልጽዎ። “Elephant in the living room” ይምስልዎ። ሰብ ብዛዕባ ራኢ ክዛረብ ከሎ፡ ምስቲ ኣብ ዓመታት ቃልሲ ብዛዕባ “ኢሳይያስ ኣፈወርቂ” ዝሃነጾ ቅርጸ-ሓሳብ ክተዓረቕ ኣይከኣለን ዘሎ። ኣነ እውን እንሓንሳብ የጸግመኒ እዩ። ስለ’ዚ፡ ብዛዕባ ተራ ኢሳይያስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ምናልባት ኣብቲ ዳሕራዋይ ክፋል ክትንክፎ እየ። ንሕጂ፡ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ግን ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ዕርፍቲ ክንሰዶ ኢና። ነቲ ገጅፍ ሓርማዝ ከምዘይረኣናዮ ንሕሰብ እሞ ናብቲ ዘገድሰና ጉዳይ ነተኩር። ማእከል-ስሕበት ኣተኩሮና ከምኡ እውን እቶም ጀጋኑ ናይ ዛንታና፡ እቶም ጽቡቓት ዕንባባ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ እቶም ውፉያት መምሃራንን ምምሕዳርን ኣለይትን ክኾኑ እዮም። ራኢ ስዉእ ኡስታዝ ስዒድ እንታይ ነይሩ፡ ራኢ ስውእቲ ዛይድ ርእሶም እንታይ ነይሩ፡ ራኢ ስዉኣትን ህልዋትን መምሃራንና እንታይ ነይሩ፡ ራኢ ስዉኣትን ህልዋትን ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ እንታይ ነይሩ፡ ራኢ እቶም ምዕባለ ክርእዩ ዝመጹ ዝነበሩ ተጋደልቲ እሞ ተዛዊሮምን ምሳና ኣዕሊሎምን ዘህደረሎም ተመስጦን ክፈለዩና ከለዉ፡ “ቸላ፡ ዋእ፡ ሞት ከም ኣድማ፡ እንቋዕ ንዓኹም ረኣና” ኢሎም ናብ እቶን ሓዊ ዝጎየዩ ዝነበሩ ተጋደልቲ እንታይ ነይሩ? ራኢ ህዝብና፡ ከበሳ ቆላ፡ ኣብ ስደት ኣብ ዓዲ፡ ውዱብን ዘይውዱብን፡ እንታይ ነይሩ፡ ራኢ ናይቲ ነንብቦን ነጎሳጉሶን ዝነበርና መስመር ውድብ እንታይ ነይሩ? ራኢ ፖለቲካዊ ፕሮግራምና እንታይ ነይሩ? መን ከ እዩ ሻዕብያ—? እቲ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ዘቕርቦ ምጉት ነዚ ክመስል እዩ። ነይሩና እምበር፡ ንጹር ዕላማታትን ራእን። እቲ ማእከላይ ሓሳብ ናይ ምጉተይ ከምዚ ክመስል እዩ—“ራኢና ከህስስ ዝጸንሐ ኣካይዳ ክንእርም ደኣ ከሕርነናን ከሕንነናን ኣለዎ እምበር፡ ንናይ ሎሚ ኣካይዳ ርኢና ‘ ብቀደምና ራኢ ኣይነበረናን’ ናብ ዘብል ከመርሓና የብሉን’ ዝብል እዩ ክኸውን። ብዝያዳ ግን ኣብ ሳልሳይ ክፋል።

ማሕሙድ ሳልሕ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s