ህዝቢ ሊባኖስ፡ ኣብ ሓዘንካ ሕዉስ እየ
ብሰሉስ 4 ነሓሰ 2020, ንበይሩትን ኣከባቢኣን ዝነቕነቐ ኣዝዩ ግዙፍ ነትጒ ተፈጸመ። ንወደብ በይሩትን ኣከባቢኡን (ክሳብ ሰለስተ ኣርባዕተ ኪሎመተራት ብኹሉ ሸነኻቱ ዝኸይድ) ብፍጹም ከዕንዎ ከሎ፡ ከተማ በይሩት ብሙልኣ ዘራኸበ ሓፈሻዊ ቅርጻውን ቁጠባውን ፍርሰት ተራእዩ። ገለ ገለ ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ነትጒ፡ ድሕሪ እቲ ንከተማታት ጃፓን፣ ሂሮሺማን ነጋሳኪን፣ ዝቐዘፈ ኣቶሚካዊ ቦምባ ዘስዓቦ ፍንጀራ ዝዓበየ እዮ ነይሩ።
ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 158 ሰባት ህይወቶም ክስእኑ ከለዉ፡ ልዕሊ 5000 ሰባት ዝተፈላለየ ጉድኣት በጺሕዎም ኣሎ። ዓለም ምስ ህዝቢ ሊባኖስ ትሓዝን ኣላ። ዝተፈላለያ ሃገራት ሓገዛተን ይልግሳ ኣለዋ። ይኹን እምበር፡ እዚ ነትጒ እዚ እቲ ዝዓበየ ምልክት ፍሽለት ፖለቲካዊ መሪሕነት ሊባኖስ እዩ ‘ምበር ከም ዝተነጸለ ፍጻመ ክረአ የብሉን። ጸኒሐ ክምለሶ እየ።
ጠንቂ ናይቲ ኣብ ወደብ በይሩት ዝተገብረ ፍንጀራ፡ ካብ ሞልዴቭያ ናብ ሞዛምቢክ ይኸይድ ዝነበረ እሞ ኣብ ወደብ በይሩት ብ2014 ዝተታሕዘ (ዝተሃገረ) 2700 ቶን (27,000 ኲንታል) ናይ ኣሞንዩም ናይትሬት (H4N2O3) እዩ ነይሩ ይበሃል። ኣሞንዩም ናይትሬት ዝዓበየ ጠቕሙ ከም ዱኽዒ ኮይኑ ንሕርሻ ዝውዕል ክኸውን ከሎ፡ ኣብ መዳይ ሕክምና ከም ኣፋውስን ኮይኑ ከገልግል ይኽእል። ኣብ ወተሃደራዊ መዳያትን ካልእ ነታጒታት ዘድልዮም ስረሓትን እውን ይውዕል።
ኣሞንዩም ናይትሬት ኣዝዩ ተባራዒ ስለዝኾነ ከም ሓደገኛ ማተሪያል እዩ ብጥንቃቀ ዝተሓዝ። እዚ ኸኣ እዩ ጉድ መራሕቲ ሊባኖስ ዘቃለዐ። ህዝቢ ሊባኖስ ንዕቁዳት ዝኣክል (ንዓስርተታት ዓመታት) ስለምንታይ ንመራሕቱ ከም ዘይኣምን ዓለም ትፈልጦ’ኳ እንተኾነ፡ ነታጒ በይሩት ዕርቃኖም ኣውጺኡ። ክንድ’ዚ ዝኣክል ሓደገኛ ማተርያል፡ ከም ሓርጭን ሽኮርን ኣብ መኻዚኖ ወደብ በይሩት ን ሽዱሽተ ዓመታት ተደርብዩ። ኣብ ቢዝነስን ህዝብን ዝበዝሖ ቦታ!!!
ፕረሲደንት ፈረንሳ፡ ኤማንወል ማክሮን፡ ንመራሕቲ ሊባኖስ ገሲጽዎም፡ ሓጪጭሎም፡ ከም ቆልዑ ገኒሕዎም። ስራሕኩም ስርሑ፡ ህዝቢ ኣገልግሉ ኢልዎም። ሕመቕኩም እንተዘይፈዊስክም ዝመጸ ሓገዝ ይምጻእ ለውጢ ኣይከምጽእን ኢልዎም።
ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ እቲ ንሊባኖስ ንኣስታት 400 ዓመታት ዝገዝአ እምብራጦርያ ኦቶማን ቱርክ ምስቲ ኣብቲ ኲናት ኣትይዎ ዝነበረ ኪዳን ተሳዒሩ ምስ ወጸ፡ ሊባኖስ ካብ 1920 ክሳብ 1943 ኣብ ትሕቲ ጽላል ፈረንሳ ጸኒሓ። እቲ ውሩይ ፈረንሳዊ ጀነራል (ደሓር ፕረሲደንት ፈረንሳ ዝኾነ) ፡ ቻርለስ ዲጎል ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ሊባኖስን ኣከባቢኣን ዝነበረ ሰራዊት ፈረንሳ ነይሩ። ሊባኖስ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም እውን ነቲ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከሳፍሕ ዝጽዕር ዝነበረ ሓይልታት ኣክሲስ ንምክልኻል ከም እስትራተጂካዊት መበገሲት ኮይና ኣገልጊላ።
ህዝቢ ሊባኖስ ካብ ነዊሕ ዘመናት ናጻ ክኸውን ዝተፈላለየ ፈተነታት ይገብር ስለዝነበረ፡ ብ1943 ናጻ ክኸውን ተፈቕደሉ። ኣጀማምራ ግን ኣይጸበቐን። እቲ ከም መበገሲ ዝተወስደ ፖለቲካዊ ኣመታትን ግምታትን ምምዝዛን ስልጣን ኣብ ሃይማኖታዊ ጎሳነት (sectarianism) ዘተኮረ ስለዝነበረ፡ እቲ ቅዋም ነዚታት ክውድን እምበር፡ ንሊባኖስ ናብ ሓድነት ዘማእዝንን ዝምርሕን ፖለቲካዊ መርሓ-መተከላት ዝወሓዶ እዩ ነይሩ። ሃይማኖታዊ ፍልልያት ህዝቢ ሊባኖስ ክጸብብ ከምዘይክእል ወይ ድማ ንዕኡ ሰጊሩ ኣብ ዜግነታዊ መምዘኒታት ዝተመስረተ ስርዓተ ፖለቲካ ክምስርት ዓቕሚ ከምዘይብሉ ደምዲሙ ዝትሃንጸ ቅዋም እዩ ነይሩ። ነቲ ዝነበረ ጎሳዊ ግጭታት ዘደዓዕስ እምበር ንቅድሚት ዝጥምት ኣይነበረን። ውሽጣዊ ጽሬት ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓት ክትሃንጽ ዝዕንቅፍ እዩ ነይሩ። ጽልውኡን ሰራውሩን ድማ ናብዚ ናይ ሰሉስ 4 ነሓሰ 2020 ነትጒ ከይመርሐና ኣይተርፍን።
ቅሩብ ድሕረ ባይታ
እዛ ናይ ሎሚ ሊባኖስ፡ ኣሽሓት ዓመታት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ምዕቡል ናይ ባሕረኛ ባህሊ ዝነበሮም ዝህብታት ይነብርዋ ነበሩ። ምስ ልደት ክርስትና፡ ብፍላይ እምባ ሊባኖስ ከም ዕርዲ ክርስትያናዊ ስልጣነ ኮይኑ ከይተደፍረ ቀጺሉ። እታ ዓዲ ብሮማውያን ንነዊሕ ዘመናት ተታሒዛ ነይራ። ድሕርኡ በቲ ክሳብ እስጳኛ ዝበጽሐ ናይ ምስልምና ማዕበላዊ ምስፍሕፋሕ ተለኪማ። እቲ ብcrusaders ዝፍለጥ ናይ ኤውሮጳ ክርስትያናዊ ጸረመጥቃዕቲ ምስ ተፈነወ፡ እቶም ኣብ እምባ ሊባኖስ ሃይማኖቶምን ማሕበረሰቦምን ዓቂቦም ዝቐጸሉ ማኖራይትስ ምስ ሮማ ርክብ መስሪቶም፡ ህላወኦም ከረጋግጹን ምስ ሮማዊ ካቶሊክ ዝምድና ክምስርቱን ክኢሎም።
ብዘይካ እዞም ክርስትያን ማኖራይትስ ካልኦት ሰዓብቲ ዝተፈላለየ ፍንጫላት ክርስትያን ኣለዉ። ካብኡ ወጻኢ ካልኦት ኣገደስቲ ሃይማኖታት እውን ኣለዉ። ድሩዝ ዝበሃሉ፡ ሰራውሮም ኣብ ቀቢላታት ዓረብን እስላምን ዝኾነ ግን ጸኒሖም ናይ ገዛእ ርእሶም ውስጠ-ቀቢላዊ ሃይማኖት ዘፍለቑ፡ ግን ከም ቀንዲ ጨንፈር እስልምና ዘይረኣዩ እዮም። ብተወሳኺ ዓለዋይትን ሺዓን ሱኒን ዝበሃሉ ክፋላት ምስልምና ኣለዉ። ደድሕሪ ክርስትያን፡ እቲ ዝዓበየ ጉጅለ እቲ ኣብ ሱኒ እስላም ዝኣምን እዩ። ብቑጽሪ ኣስላም ምዓበዩ ግን ኣብ ውሽጦም እውን ዘይምስምማዕ ስለዘሎ (ሱኒ/ሺዓ)፡ እቲ ከም ዓቢ ክፋል ዝረአ እቲ ክርስትያናዊ ጉጅለ እዩ።
ሊባኖስ ካብ ቀደም ኣትሒዛ በዚ ሃይማኖት ዝመሰረቱ ናይ ጎሳ ፖለቲካ ክትሳቐ ጸኒሓ። ናጽነታ እውን ኣብ ሊባኖሳዊ ዜግነት ዝተሰረተ ዘይኮነስ፡ ጂኦግራፊ ዘገደዶ መርዓ ናይ ዘይቃደዉ መጻምድቲ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ቀዳማይ ቅዋሞም፡ ንሃይማኖታዊ ፍልልያት ዓንዲ-ማእከል ዝገበረ እዩ ነይሩ። በዚ መሰረት፡ በቲ ናይ 1932 ቆጸራ ህዝቢ ተገምጊሙ፡ናብ ፓርልያመንት ዝምረጹ ወከልቲ ህዝቢ ብመጠን ብዝሒ (quota) እዩ ዝውሰን። መታን ከም ብሓድሽ ኣብ ባእሲ ከይኣትዉ፡ ፖለቲካኛታት ሊባኖስ ድሕሪ 1932 ቆጸራ ህዝቢ ገይሮም ኣይፈልጡን። በዚ መሰረት፡ ኩሉ ግዜ፡ ፕረሲደንት ካብ ክርስትያን እዩ ዝመጽእ። ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ሱኒ እስላም፡ ናይ ፓርልያመንት ኣፈኛ ድማ ካብ ሺዓ። ዝተረፉ ኣገደስቲ ሃይማኖታዊ ጎሳታት (sects) ምስ’ዞም ሰለስተ ዓበይቲ ጉጅለታት ኪዳናት ይገብሩን የፍርሱን። ነብሲ ወከፍ ጎሳ ቁጽሩን ታሪኹን ክኮሓሕልን ነቲ ካልእ ጎሳታት ክኸስስን እዩ ግዚኡ ዘጥፍእ። መራሕቲ ሊባኖስ ድማ ንሃገረ-ሊባኖስ ዘይኮነስ፡ ቀዳማይ ማሕላኦም ነቲ ዝውክልዎ ሃይማኖታዊ ጎሳ ምስራሕ እዩ። ኩሉ ወገን ካብቲ ምሉእ ኣካል (ሊባኖስ) ብጽሒቱ ከስብሕ እምበር፡ ነታ ዝማቐልዋ ዘለዉ ሊባኖስ ክግደስ ኣይተራእየን። ህዝቢ ሊባኖስ ድማ ዜግነታዊ ስርዓተ ፖለቲካ ክምስርት ምትእምማን ኣየጥረየን። ከይፈላለ ድማ ጂኦግራፊ ከልኪልዎ። ከይፈተወ እና ተናደሐን እና ተረጋገጸን እና ተጋጨበን ጎኒ-ጎኒ ክነብር ተፈሪዱ።
ነዚ ዘጋነነ ድማ፡ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ማሕበራዊ ነቓዓት መዝሚዞም ናይ ወጻኢ ሓይልታት (ሱርያ፡ እስራኤል፡ ቱርኪ፡ ፈረንሳ፡ ኢራን፡ ሃገራት ወሽመጥ፡ ኣመሪካ—ሶቬት/ሩስያ) ኮታስ ዳንጋ ዘለዎ ዘበለ ጽልውኡ ኣብ ሊባኖስ ከስፋሕፍሕ ክፍትን ጸኒሑ። ሊባኖስ ሃብታም ስለዝኾነት ዘይኮነስ፡ ንማእከላይ ምብራቕን ንማእከላይ ባሕርን ኣሲራ እትርከብ እስትራተጂካዊት ሃገር ስለዝኾነት እዩ። ኣብቲ ኤውሮጳን ኣስያን ዘራኽብ ኣከባቢ ብምድኳና እውን ኣገዳስነታ ዝያዳ ክዓዝዝ ክኢሉ። ኣብቲ ቅድመ-ነፈርቲ ዝነበረ ንኤውሮጳን ኣስያን ዘራኽብ ዝነበረ ኦሬንታል መገዲ ባቡር፡ በይሩት ምስ እስጣንቡል ዝወዳደር ዝና ነይርዋ። ከም ሞንተ ካርሎ እያ ኮይና ተገልግል ነይራ።
እዚ ናይ ወጻኢ ምትእትታው፡ ገሊኡ ልስሉስ ናይ ረብሓታት ምትእስሳራት ክኸውን ከሎ ገሊኡ ግን ርኡይ ወተሃደራዊ ኪዳናት ዘጣመረ እዩ። እቲ ከም ሃገር ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ ዝግለጽ ሕዝቡ-ኣላህ ዝበሃል ሓያል ዕጡቕ ምንቅስቃስ፡ ንእስራኤል ክቃወም ዝቖመ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኮይኑ እዩ ንነብሱ ዝገልጽ። ብኢራን ዝምወልን ዝዓጥቕን ኮይኑ፡ ኢድ ኢራን ክሳብ ኣከባቢ ማእከላይት ባሕሪ ክበጽሕ ኣኽኢልዎ ይበሃል።
ሊባኖስ በዚ ሃይማኖታዊ ምፍንጫላት ብዙሕ ናዕብታት እኳ እንተረኣየት፡ እቲ ናይ 1975-1990 ውግእ ሓድሕድ ግን እቲ ዝኸፍአ እዩ ነይሩ። ብቀደሙ ምትእምማን ዘይነበሮም ማሕበረ ሰባት፡ ኣብ 1975 ኣብ መንጎ ክርስትያን ማኖራይትስን ብእስራኤል ዝተደፍኡ ስደተኛታት ፍለስጤማውያንን ምፍሕፋሕ ጸኒሑ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ መንጎ እቶም ክርስትያን ማሕበረሰብን ውድብ ሓርነት ፍለስጤምን ቅሉዕ ውግእ ተጀሚሩ። ኣብቲ ድሕርኡ ዝሰዓበ ዓመታት፡ ኩሎም ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ሊባኖስ ዘካተተ ን15 ዓመታት ዝኸደ ዲቕ ዝበለ ኲናት ሓድሕድ ንሊባኖስ ሎቚሚጽዋ።
ብፍላይ እታ ኣብ እዋን ሕድሪ ፈረንሳን ድሕርኡ ዝሰዓበ ዓመታትን ከም ሉል ማእከላይ ባሕሪ፡ ከም ናይ ስነጽሑን፡ ፍልስፍናን፡ ሲነማን ቢዝነስን ትምህርትን ኮይና ዘገልገለትን ከም ቀንዴል ፍልጠትን ሰላምን ማእከላይ ምብራቕን ማእከላይ ባሕርን ትረአ ዝነበረት በይሩት፡ ዳርጋ ፍጹም ዓንያ። ኣብ ሓምሳታትን ሱሳታትን በይሩት ንኤርትራውያን ከይተረፈ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዕድል ትህብ ዝነበረት ሉል ከተማ ነይራ። ሃብታማት ሃገራት ዓረብ ዝዛወሩላ፡ ከም ኸሊል ጂብራንን ኣሚን ማዕሉፍን ሚካኤል ንዒማን ካልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ጸሓፍትን ደረፍትን ተዋሳእትን ዘፍረየት ሊባኖስ፡ ፖለቲካውያን መራሕቲ ስኢና፡ ካብ ቅልውላው ናብ ቅልውላው ትዘልል ኣላ።
እዚ ናይ ሎሚ ሓደጋ፡ ንህዝቢ ሊባኖስ ኣቃጺልዎ ኣሎ፡ ጸረ’ቲ ንነዊሕ ዘመናት ዝሰረተ ዘይሰርሕ (dysfunctional) ኣገባብ ኣመራርሓን ብልሹው ስርዓተ ፖለቲካን ዝቐንዐ ሰፊሕ ህዝባዊ ቑጠዐ ኣለዓዒሉ ኣሎ። ብዙሓት ደቂ ሊባኖስ ኣብ መራሕቶምን ኣብ ትካላት መንግስቶምን ዘለዎም እምነት ትሕተ-ባይታ ዘቢጡ፡ ናብ ሕድሪ ፈረንሳ ክንምለስ ኣለና ዝብል ህዝባዊ ስምዕታ (petition) ኣበጊሶም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት 60,000 ፈሪሞም ነይሮም። ነቲ ከጸናንዖም ዝመጸ ፕረሲደንት ፈረንሳ ብዙሓት ደቂ ሊባኖስ በዚ ነጥቢ እኳ እንተተማሕጸንዎ፡ ንሱ ግን “ዘይከውን እዩ፡ ታሪኽኩም ጸሓፉ፡ ግዕዘያትኩም ኣጽርዩ” በሎም።
እዚ ዘርእዮ፡ ህዝቢ ሊባኖስን ፖለቲካኛታት ሊባኖስን ክሳብ ክንደይ ተባቲኾም ከም ዘለዉ እዩ። ህዝቢ ሊባኖስ ኣብ መራሕቱን ፖለቲካዊ ስርዓቱን ተስፋ ቆሪጹ። ነቶም ሓገዛት ክህቡ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ናይ ወጻኢ መራሕትን ማሕበረ ግብረ-ሰናይን፡ “ብስምና ንመራሕቲ ሊባኖስ ዝኾነ ገንዘብ ከይወሃብ” ይብሎም ኣሎ ህዝቢ ሊባኖስ። እቲ ህዝቢ ንመራሕቱ፡ “ ገበነኛታት፡ ብልሽዋት፡ ስሱዓት፡ ግኑፋት፡ ሰራቕቲ” ኢሉ እዩ ዝገልጾም።
ሽግር ሊባኖስ፡-
1- ነቲ ከም ሃገር “ሀ” ክትብል ከላ፡ ብገዛእቲ ዝተነብረላ ቀታሊ መጻወድያ፡ ማለት ንምክፍፋል ዘርግእ ሕገ-መንግስቲ፡ ብልቦናን ጥበብን ኣምኪኖም ናብ ሃገራዊ ዜግነት ዝዕብልለሉ መድረኽ ናይ ስርዓተ ፖለቲካ ክትሰግር ዝኣልይዋ መራሕቲ ምስኣና።
2- ብመሰረቱ፡ ማሕላ እቶም መራሕቲ ነታ ናይ ወገኖም ክፍሊ እምበር፡ ነታ መዕቀሊት ኩሉ ክፍልታት ዝኾነት ገዛ፡ ማለት ሃገረ ሊባኖስ፡ ዝግደሱ ዘይምዃኖም።
3- ውሽጣዊ ሃይማኖታዊ ነቓዓትን ጎሳዊ ዘይርግኣትን፡ ሊባኖስ መእተዊታት ንፋስ ከም ተበዝሕ ገይርዋ። ዝተፈላለዩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝፈታተኑላ ባይታ ኮይና።
4- እዚ ድማ ድልዱል መንግስታዊ ትካላት ከይህሉ ዓጊቱ። ምኽንያቱ መንግስታዊ ትካላት ድልዱል ዝኸውን ናትና ዝብሎም ህዝቢ ምስ ዝህሉ እዩ። ካብቲ መንግስታዊ ትካላት ንነብስኻን ንወገንካ ክተስብሕ ክንደይ ትሓልብ እዩ እምበር፡ እቲ ናይ ሊባኖስ ዝኾነ ትካላት ዝከናኸንን ዝከላኸልን፡ ነታ ዓንጋሊት ኩሉ ዝኾነት ላም (ሊባኖስ) ዝከናኸን የለን። ምኽንያቱ ኣብ ኣእምሮ እቲ ህዝቢ ካብቲ ንሃገረ-ሊባኖስ ዘለዎም ተወፋይነት (commitment) እቲ ንጎሳዊ ረብሓ ዘለዎም ቁርጽነት ይዕብልል። ዝኾነ ማሕበራዊ ጉጅለ፡ ብጽሒቱ ከዕቢ ጥራይ እዩ ዝመጣጠር። ስርቅን ብልሽውናን ድማ ከም ኣካልን መንፈስን ፖለቲካ ሊባኖስ ኮይኑ ሱር ሰዲዱ።
5- እዚ ድማ ህዝቢ ሊባኖስ ኣብ መንግስቱ ዘለዎ እምነት ከም ዝምህምን ይገብሮ። ኣብ መንግስቱ ዘለዎ እምነት ዝማህመነ ህዝቢ፡ ጉዳያቱ ከሳልጥ ካልእ መገድታት እዩ ዘናዲ። ግቦ፡ ብልሽውና፡ ሸለልትነት፡ ሓላፍነት ኣልቦነት፡ ምቁጽጻር ኣልቦነት—ይስዕርር። እዚ ድማ ትካላት መንግስቲ ክቡኽብኹ ምኽንያት ይኸውን። ስፍሓት መሬት ሊባኖስ ኣዝዩ ንኡስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብቑዕ ፖለቲካዊ ስርዓት ስለዘይረኸበት ህዝቢ ሊባኖስ ሓደ ካብቶም ብብዝሒ ዝስደዱ እዩ።
6- እዚ ኣብ ወደብ በይሩት ዝተራእየ ነትጒ ውጽኢት ናይ’ዚ ዘይጥዑይ ፖለቲካዊ ኩነታት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ከሚካል ዝግባእ ኣቓልቦ ከይተገብረሉ ን6 ዓመት ኣብ መካዚኖ ወደብ ጸኒሑ። ብሓደጋ ቃጸሎ ወይ ኤለክሪካዊ ብልሽት ወይ ድማ ኮነ ኢልካ ተወሊዑ ክኸውን ይኽእል። እቲ እምነት ህዝቡ ዘጥፈአ መንግስቲ ሊባኖስ ነቲ ኩነታት ክቖጻጸር ይጓየ ኣሎ። ግን ድሕሪ ማይ ኣብ ባዕቲ ከም ዝበሃል፡ ዕርቃኑ ዝወጸ መንግስትን ህዝቢ ፎእ ዝበሎ ትካላትን፡ ሕጂ ንህዝቢ ሊባኖስ ዘህድእ ፈውሲ ክረክብ እዩ ዝብል ግምታት የለን።
ናይ ሊባኖስ ታሪኽ ከም ናይ ግሪኻዊ ትራጀዲ ክምሰል ይከኣል። መሰታ ቀዳሞት ክንሳ፡ ሊባኖስ ዓርኪ ዳሕረዎት ኮይና ኣላ። ብዝኾነ፡ ንህዝቢ ሊባኖስ ጽንዓትን ይሃቦ። መንገዲ ሰላምን ልምዓትን የነጽረሎም።
እቲ መልእኽቲ—
ንሕና እውን ካብዚ እንመሃሮ ወይ ምስኡ ዝመሳሰል ታሪኽ ከም ዘለና ፈሊጥና፡ ኣክንዲ ኣብ ፈጨው (feel good) ሃለዋት (mood) ተሸሚምና ንሕምብስ፡ ናብ ውሽጥና ክንጥምትን፡ እዛ ክንደይ ብሩህ ዕድላት ዝነበራ ሃገርና ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘላ ገምጊምና፡ ዘየሻሙ ነቐፈታዊ መደምደምታ ክንገብርን ናብቶም ንኹላትና ዘገድሱናን ከሕብሩና ዝኽእሉን ጉዳያት ክንዓስል ክንጽዕርን ኣለና።
ማሕሙድ ሳልሕ
///////////////////
ምንጭታት
1. Wikipedia
2. ዝተፈላለዩ ናይ ዜናታት ማዕከናት
3- ናይ ገዛእ ርእሰይ ውህሉል ተዘክሮታትን ንባባትን