Categories
Uncategorized

Reform and transform/ኣመሓዪሽካ ናብ መቐይሮ

ብ24 ሰነ ዝወጸ “መልእኽቲ 20 ሰነ” ዝብል ጽሑፍ ብዙሕ መልሰ-ግብርታት ረኺቡ። ብዙሓት ኣንፈተይ ከም ዝቐየርኩ ገይሮም ከቕርብዎ ፈቲኖም። እቲ ሓቂ ግን፡ ኣነ ንመስርሕ እየ ዝድግፍ ነይረ እምበር ንመንግስቲ ወይ ንዝተወሰነ ውልቀሰብ ወይ ውድብ ኣይኮንኩን። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ለውጥታት ከተኣታቱ ዝተጸበኽዎ መስርሕ ንምዕዋት ዝሓሸ መሳርያ ክኸውን ይኽእል ካብ ዝብል እምነት እየ ደገፈይ ገሊጸ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ክግምግም ኣለኒ። እቲ መስርሕ ኣይተጀመረን፡ ስልጣን መሊሱ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ተሰብሲቡ፡ እቲ ክነቅል ዝግበኦ ዝነበረ ዘቤታዊ ባቡር ገና ኣብ ስታስዮኒኡ ኣሎ፡ ‘ኳ ደኣ ሓዲዱ ተፈናቒሉን ነዳዲኡ ተራጊፉን እቲ ራንራን ዝብሎ ዝነበረ እውን ሃጢሙ። ኣብ ኤርትራ ነቲ ዝተኣተወ ሓድሽ ናይ ሰላም ሃዋሁ ዘንጸባርቕ፡ ናብ ውሽጢ ዝቐንዐ ለውጥን ምምሕያሽን ዘቤታዊታዊ ተበግሶታት ኣይተራእየን። ክሓትት ድማ ኣለኒ። ስለ’ዚ እየ ዝሓትት ዘለኹ። ብዝኾነ፡ እዚ ዝስዕብ ዓሚ እዩ መስለኒ ምስ ህግደፍ ቪዥን ፓልቶክን ምስ ካልኦት ኣባላት ህግደፍ ዘካይድዎም ፓልቶካት ኣብ ዝገበርክዎ ጻንሖት ዝበልክዎ እዩ። ስለምንታይ መርገጸይ ኣጠዓዒመ፡ ትጽቢተይ ድማ እንታይ ነይሩ ዝሕብር እዩ። ኣብ ኤርትራ ክግበር ዝጽበዮ እውን ዘርዚረ ኣለኹ። እዚ ከም መዛረቢ ነጥብታት (talking points) ዝሓንጠትክዎ እዩ ነይሩ። ፍኑው መግለጺ ስልዝኾነ ግን እቲ ዝተዛረብክዎ (ኣብ youTube ኣሎ) ምስ-ዚ ንድፊ ቃል ብቃል ዘይጋጠም ክከውን ይኽእል። ንገለ ኣስፊሐ እኸውን ገለ ኣጽቢበ፡ ንገለ እውን ዘሊለ ክኸውን እኽእል። ናይ ትማሊ ኣተሓሳስባይ ነቲ ዝተረኽበ ናይ ሰላም ዕድል ከመይ ገይርና ረቢሕናሉ ንሰግር ዝብል ቀዪድዎ ነይሩ። ናይ ሎሚ ኣተሓሳስባይ ግን ናይ ኤርትራ ሽግር ፖለቲካዊ እዩ። “ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያትና ብግቡእ ከይሰራዕና ዝመጸ ዕድላት ይምጻእ ሃገርና ክሓልፈላ ኣይክእልን” ዝብል እዩ። ” ቀንዲ ናይ ሎሚ ጸላእትና ወያነ ወይ ኣመሪካ ዘይኮኑስ ውሽጣዊ ድኻማትና እዮም። ድኽመታትና ኣላሊና ክንፍውሶም ዓቕሚ ዘይምምዕባልና እዩ እቲ ቀንዲ ሓናቒ ጸገም ኮይኑ ዘሎ። ስለ’ዚ፡ ዝያዳ ካብ ናብ ወጻኢ ምጥማትን ጸላእቲ ምፍጣርን፡ ዝያዳ ናብ ውሽጥና ምጥማት ከድሊ እዩ።

ቀጺሉ እቲ ዓሚ ዘቕረብክዎ መዛረቢ ንድፊ የቕርበልኩም።


ኣመሓዪሽኻ ናብ መቐይሮ ምስጓም (Reform and transform)

-ነቶም ኣብ ወጻኢ ንቕመጥ እምበር ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ክምድር ወይ ultimatum ክህብ ኣይኮንኩን ዘቕርቦ ዘለኹ

– ማሕሙድ መርገጺኡ እንታይ እዩ ንዝብሉ ድማ፡ እዚ quantum microscope ኮይኑ ነቶም ደቒቖም ክረኣዩ ዘይከኣሉ መርገጺታትን ሕንጻጻትን ክርእዩ ይሕግዝ እብል። ከም ናይ ማሕሙድ “ኣነን ዕላማይን”ክወሰድ ይከኣል።

-ብሓፈሽኡ ግን ዝነበረኒ መርገጺታት ክጸሙቕ፡ ብዝያዳ ድማ መበገሲ ኣተሓሳስባይ ከብርህ ይሕግዝ።

– ዕርክነትን ፖለቲካዊ ዝምድናን ይፈላለዩ እዮም። ብፖለቲካ ዝተፈለኹ ኮይነ ዝስመዖም እሞ ዝሓርቑ ሰባት፡ ፖለቲካን ውልቃዊ ዕርክነትን ከፋፊሎም (compartmentalize) እንተገበርዎ ጽቡቕ እዩ።

– ፖለቲካዊ መርገጺታት ከም ናይ ደቂ ገዛውቲ ወይ ኣዕሩኽ ዕርክነት ወይ ባእስታት ኣይኮነን። ከቢድ ዝኾነ ውሳነታትን መርገጺታትን ምንጻር የድሊ። ንሃገር ዝምልከቱ ዛዕባታት ኢና ነልዕል ዘለና

– ልዙብ ክትዕን ዘተን ጥራይ እዩ ንፍልልያዝትና ከጽብብ ዝኽእል።

እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም፡ ዝኣክል ግዜ ክህበኩም እየ።

ሓጺር መእተዊ፡

  1. ጽማቑ ቴማ ናይ’ዚ ዛዕባ፡ ኣቲናዮ ዘለና ታሪኻዊ መድረኽ፡ ነቲ ዘለና መንግስቲ ምምሕያሽን ንህግድፍ ከም መሳርሒ ተጠቒምና ናብቲ ንሕልኖ ዓቢ ዝላ ምቅርራብ። እዚ መድረኽ እዚ፡ ብደሆታትን ረብሓታትን ዘለዎ እዩ። ከም ዝተኸተልናዮ ሜላን ከም ኣድማዕነትን ስራሕናን ድማ ወይ ንድሕሪት ክንጉተት ኢና፡ ወይ ኣብ ጋም-ማን ክነብር ኢና፡ ወይ ድማ ንቕድሚት ክንስጉም ኢና፡ እቲ ሕርያ ናትና እዩ። ኣነ ሕርያይ የነጽር ኣለኹ። ትሓልማ ማርሰድስ በንዝ ከይገዛእካ፡ ነታ ተገልግለካ ዘላ ኣረጊት ቶዮታ ኣይትድርብን። ብዛዕባ ዘለናዮ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታትን እውን ኣብ ግምት ኣእትየ ማለት እዩ።
  1. ክንጸሩ ዝግበኦም ኣምራት

ደሞክራሲ፡ “ስልጣን ካብ ሓደ ልኡላዊ ህዝቢ እዩ ዝምንጩ” ዝብል ሓሳብ ዓንዲ ማእከል ናይ’ዚ ፖለቲካዊ ኣምር እዩ። ኣተረጓግምኡ ይፈላለ። ንሕቶ ወካልነትን ተወካልነትን ይምልስ ከምኡ እውን ንምሕደራ ደሞክራሲ (ሕግታት ሰልፍታትን ምርጫን—) የረግእ። ዕላምኡ ንሕ/ሰብ checks and balances ዘለዎ ብቑዕ ምሕደራ ምውዳን እዩ። ናይ ካልኣይ ኲናት ዓለም ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ዊንስተን ቸርችል ንደሞክራሲ ክገልጽ ከሎ፡ “Indeed it has been said that democ­ra­cy is the worst form of Gov­ern­ment except for all those oth­er forms that have been tried from time to time.” ኢሉ። እዚ ማለት ድማ ደሞክራሲ ኮፍ ኢልካ ቅዲ ብምስኣል ዝውዳእ ዘይኮነስ ኣብ መስርሕ እና በሰለ ዝመጽእ ስርዓተ-ፖለቲካ ምዃኑ እዩ ዘርኢ። “ውጹእ ወይ ውዱእ ወይ ዝበለጸ ስርዓተ-ፖለቲካ ክፈጥር እየ” ኢልካ መብጸዓታት ምግባር ከንቱ እዩ። ዲዛይነር ደሞክራሲ ዝበሃል የለን። እቲ ኣውራ መበገሲ ናይ ደሞክራስያዊ ኣመለኻኽታ፡ ህዝቢ ዋና በዓል ስልጣን ምዃኑ ምእማንን ነቲ መስርሕ ዝኣልን ዘማእዝንን ባይታ ምፍጣር እዩ። ደሞክራስያዊ ቅዋም ድማ ከም መበገሲ ባይታ ክውሰድ ይከኣል።

ፍትሒ፡ ተዛማዲ ኣምር፡ ምስ ምዕባለ ሕ/ሰባትን ግዜን ዝቀያየርን ዝህብትምን እዩ። ዓንዲ ማእከሉ ግን ርትዓዊ (fair)፡ ውዱን ወይ ምዕሩይ ምሕደራን ዕብየታዊ ትልምን ፍልስፍናን ወይ ኣሰራርሓ ወይ ግብሪ ማለት እዩ። ድሒረ ብዛዕብኡ ክትንክፍ እየ። our struggle was launched on the ground to restore justice.

ለውጢ፡ ዓቀናዊ ወይ ዓይነታዊ ወይ ክልቲኡ ምቅይያር ወይ ምምሕያሽ ወይ እውን ዘልሓጥሓት ምባልን ንድሕሪት ምምላስን ክኸውን ይኽእል። ለውጢ ማለት ኣወንታውን ፍትሓውን ጥራይ ኣይኮነን (ንኣብነት፡ መንግስቲ ምቕያር ንበይኑ እወንታዊ ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን)። መንግስቲ ምቕያር ከም ናብ ኣወንታዊ ኣንፈት ዝደፍእ ሕርያ ኮይኑ ምስ ዝቐርብ፡ ከም ኣካል ናይቲ ንግስጋሰ ዝደፍእ መስርሕ ኮይኑ ክረአ ይኽእል። ካብቲ ዘሎ መንግስቲ ዝሓሸ ምሕደራ ክልግስ ዝኽእል ሓይሊ ምስ ዝህሉ ህዝቢ ክኸስብ ግዜ ኣይወስደሉን እዩ። መንግስቲ ምቕያር ንባዕሉ ግን ለውጢ ክበሃል ኣይክእልን። ተመሳሳሊ ወይ እውን ነቲ ኩነታት ካብ ዝነበሮ ዘጋድድ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ክፍጠር ይከኣል እዩ። ብወገነይ፡ ኣብዚ መደብ፡ ኩሉ-እንትናውን ኣወንታውን ለውጢ ክረጋገጽ ዝሕግዙ ሓሳባት ከቕርብ ክፍትን እየ።

  1. መርሓ ሓሳባት ናይ’ዚ ዘቕርቦ ኣርእስቲ፡ 
  • ለውጢ ካብ ዘለኻዮ ኩነተ ህላወ ምቕያር ወይ ምቕይያራት ምትእትታው ክኸውን ይኽእል፡ ሸታሕታሕ ምባል እውን ምቕያር ወይ ለውጢ ናይ ደረጃ (position) እዩ. 
  • ብወገነይ፡ ለውጢ መንግስቲ ምቕያር ጥራይ ኣይኮነን፣ እወንታዊ ዝኾነ ዓይነታውን ዓቐናውን ምንቅስቃስ ምርኣይ ማለት እዩ–ኣብ ትካላዊ ብቕዓትን ዓይነት መንግስትንነትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሕ/ሰባዊ ኣመለኻኽታ፡ ኣተሓሳስባ፡ ፖለቲካዊ ዘተታት (discourse)—-
  • ሱር-ነቀል ለውጢ ‘ዶ ወይ ጽገናዊ/ምምሕያሻዊ ለውጢ? ነብሰወከፎም ኣብ ከመይ ኩነት እዩ ሓደ ካብቲ ካልእ ዝበለጸ ዝኸውን? ሱርነቀላዊ ለውጢ ንፍልስፍናዊ መሰረት ናይቲ ህሉዊ ፖለቲካዊ ሃዋሁ (status quo) ካብ ዘይምቕባል እዩ ዝመጽእ። ህግን መስመሩን ዝቃወም ሓይሊ ንሱርነቀል ለውጢ ይቃለስ።  ነቲ ኣረጊት ስርዓትን ባህሉን ካብ ሱሩ ሓግሒጒ ንምድርባይ ሰውራ (revolution) ምክያድ የድልዮ። ነቲ ሓፈሻዊ ፍልስፍናዊ ሰረተ-እምነት ናይቲ ዘሎ ስርዓት ተቐቢሉ ግን ክመሓየሽ ኣለዎ ንዝብል ሰብ ግን ምምሕያሽ ወይ ምጽጋን ይመርጽ (reform)።
  • ብወገነይ፡ ሰውራ ሳይንስን ተክኖሎጅን እዩ ኣብ ኤርትራ ክካየድ ዝደልዮ። ሰውራ ዓመጽን ኲናትን ከላሽንን ተደምዲሙ እዩ። እንደገና ክለዓዓል ወይ ክድገም ክድገፍ የብሉን። ኤርትራውያን ሽግራቶም ደም ብምፍሳስ ዘይኮነ፡ ብምዝታይ ጥራይ ብሰላም ዝፈትሑሉ መድረኽ ይእቶ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለኒ። 
  • እዚ መድረኽ እዚ፡ ሕመረቱን ዲናሞኡን እቲ ጾር ናጽነት ዝተሸከመ ህግን መስመሩን እዩ። ኣብ ህግ ዝኣምን ወገን ድማ ምምሕያሽን ምሕያልን ናይቲ ግንባር ይቃለስ። ግድን ኣይኮነን ክትፈትዎ። ግድን ኣይኮነን ኣባሉ ክትከውን። ግን ብግብራዊ መዳይ ጠሚትካ (pragmatically); “ምሕያሉ ማለት ምሕያል ደውለት ኤርትራ (state) እዩ” ዝብል እምነት ዝሓቖፈ ኣተሓሳስባ እዩ። ምሕያል ደውለት ኤርትራ ድማ ናብቲ ንጽሩይነትን ንዓይነትን  ናይ መንግስትን ምሕደራን (governance) ክነተኩር ዝሕግዘና ሃዋሁ ዘምርሕ እዩ (ደሞክራሲ)።
  •  ብኣንጻሩ፡ ሱርነቀላዊ ለውጢ ነታ ናይ ፓንዶራ ሳጹን ዝኸፍት እዩ; ዘይተጸበኻዮ ዝኸፍአ ሳዕቤናት ወይ ድማ ንግዚኡ ጽቡቕ ዝመስል ደሓር ግን ናብ nightmare/ ኣባህራሪ ሕልሚ ዝቕይር—(pandora box)። እቲ መሰረታዊ ወይ ሱርነቀላዊ ለውጢ ማለት ዝብል መርገጽን ንዕኡ ንምዕዋት ዝግበር ስራሕን—ናብ ብዙሕ ተኽእሎታት ዘለዎ መድረኽ እዩ ዝወስድ። ዝሓሸ ውጽኢት ከምጽእ ይኽእል፡ ወይ ካብዚ ዘሎ ብዙሕ ለውጢ ዘይብሉ ናይ ሰባት ምቅይያር ጥራይ ክኸውን ይኽእል። ወይ ድማ ናብ ዝገደደ ናብ ኲናት ሓድሕድን ዕግርግርን ምፍንጣሕን ምብትታኽን ናይቲ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ሕ/ሰባዊ ዓለባ ኮይኑ ጠናኒግዎ ዘሎ ክብርታት ክኸውን ይኽእል። እቲ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤናት ብዙሕ እዩ፡ ምስ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ናይዚ ዘለናዮ ዞባ፡ ክትቆጻጸሮ እውን ኣይከኣልን። ብቐሊሉ ዝጭወ፡ ድሮ እውን ክጭወ ንርእዮ ዘለና እዩ። -ኣብዚ ናይ ቀረባ እዋናት (immediate future)፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ኣስጋእቲ ዝቑጸሩ፡ ክልተ ሓይልታት ኣለዉ። ክፈታትንዎን ናብ ክልተ ጫፋት ክስብስብዎን ክጽዕሩ እዮም፦ እቲ ሓደ፡ ምስ ስምዒታት እስላማዊ ፖለቲካን ዓራባውነትን (ከም ናይ Muslim Brotherhood) ዝተኣሳሰር ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ብስም ሓባሻውነት (Abyssinianism)፡ ዝቀላቐል ዘሎ ዝተፈላለየ ኣስማትን መልከዓትን ዘለዎ ሸነኻት እዩ።
  • ኤርትራውነት ንምቕታል፡ በዞም ሓይልታት እዚኦም ውዱብን ውሁድን ዘመተ ይካየድ ኣሎ። ካብ ነዊሕ ዓመታት ክውደቡ ዝጸንሑን ናይ ወጻኢ ምወላን ተውጂሃትን ዘለዎም እዮም። 
  • ካብቲ ሓድጊ ብረታዊ ቃልስና ዝኾነ ግርጭታት ዘይተላቐቑ ሓይልታት እውን፡ ብፍልስፍናዊ ደረጃ ምስዞም ሓይልታት ዘይራኸቡ እኳ እንተኾኑ ኣብቲ ናይ ቀረባ ዕላማ ማለት መንግስቲ ኤርትራ ንምውዳቕ ዝግበር ቃልሲ፡ ዘይተጻሕፈን ዘይተፈረመን ናይ ስራሕ ምሕዝነታዊ ዝምድና ኣለዎም። ለውጢ ንዕኦም መንግስቲ ኤርትራ ምግላፍ እዩ። ደሕርኡ ነናቶም ዕላማታት ኣለዎም። እዚ እዩ ኸኣ እቲ ሓደገኛ። 
  • በዚ መልክዕ ክረአ ከሎ፡ ነቲ ብሄራዊ ጭርሖታት ኣልዒሉ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡ ለውጢ ማለት፡  “ ር/ውሳነ ክሳብ ምንጻል እዩ”። ሃይማኖታዊ ኣጀንዳ ዘለዎ ድማ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ መተከላት ዝተሰረተ ፖሊቲካዊ ስርዓት ምምስራት እዩ ንዕኦም ለውጢ ክኸውን ዝኽእል። ነቲ ናጽነት ኤርትራ ዘይተቐበለ ድማ፡ “ካብ ናጽነት እንታይ ረቢሕካ፡ ብግዜ ሃይለስላሰን ደርግን’ንዶ ይሕሸካ ኣይነበረን—” ዝብልዎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስማዊ ረፈረምዱም ኣገዲድካ ሓባቢልካ ሃዲድካ ብሓይሊ ጠበንጃ፡ ናይ ናጽነት ቃሉ ከምዝዓጽፍ ምጽዓር እዩ። እዚኦም ነዚ ንኡስ ወለዶ እዮም ከም ታርገት ናይቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ስነ-ኣእምሮእዊ ኩናት ገይሮም ሒዞሞ ዘለዉ። እዞም ሓይልታት እዚኦም መርገጺታተይ ከጠዓም ይሕግዙኒ እዮም። ኣብ ውልቀ-ጠለባት ኣድሂብና ነቲ ዓቢ ስእሊ ከይንስሕቶ ይሕግዙና እዮም። ብደውና ክማርኹና የብሎምን።

ብእንጻር ሱር-ነቀል፡ ምምሕያሽ ወይ ምጽጋን ወይ ምሕዳስ ዝበሃል ኣሎ

– ንዓይ፡ ለውጢ ማለት እወንታዊ ዝኾነ ዓይነታዊ ምቅይያር ምምጻእ ማለት እዩ፡ ከም ሃገርን ህዝብን ኣብ ታሪኽና ዘመዝገብናዮም ኣኽራዕቲ ዓወታት ጽቡቕ ገይርና ጨቢጥና ንቕድሚት ምቕጻል ማለት እዩ፡ ምስጓም ማለት እዩ፡ ክሉ-ጎናዊ ማለት እዩ፡ መንግስቲ ምቕያር ማለት ጥራይ ኣይኮነን። 

-መሰረቱ ድማ መደባትና ጽልእን ቅርሕንትን ዘይኮኑስ፡ ዕላማታት (objectives እዮም ክመርሕዎም ዘለዎም። 

-ብዛዕባ ለውጢ ክሓስብ ከለኹ ብመጀመርያ ዝሓቶ፡ “እንታይ እየ ክልውጥ ዝደሊ” ዝብል እዩ። 

– ድሕርኡ ዝመጽእ ድማ ብኸመይ ዝብል ይኸውን፡ እዚ ምስ ተመለሰ፡ ሽዑ ኣብቶም ነቲ መስርሕ ዘድልዩ ትልምታትን ቅጥዒ ኣተገባብረኦምን እብገስ። 

-ጽቡቕ ድሌት ሃልዩካ ንሓደ ካብዞም ኣካላት እንተጎሲኻ ወይ ብገጋ እንተሒዝካዮም፡ ዕላማኻ ክትወቅዕ ኣይትኽእልን። 

-ለውጢ ናቱ መካኒክስ ወይ anatomy ኣለዎ። ሓደ መካኒክ ንመኪና ክምርምርን ክጽግንን እንተኮይኑ ናይ መካኒክነት ፍልጠት ክህልዎ ኣለዎ፡ ሓደ ሓኪም እውን ንሕሙም ክፍውስ እንተኾይኑ፡ ብመጀመርታ diagnose ክገብሮ ኣለዎ፡ ድሕርኡ ኣብ መማረጺታት ፍወሳ ይኣቱ። እዚ ክኽገብር ግን ብመጀመርያ ሓኪም ክኸውን ኣለዎ። 

– ፖለቲካ ኣብ ንዛረበሉ ግዜ እውን መባእታዊ ኣምራትን ምትእስሳሮምን ኣወዓዕለኦምን (applicability) ክንፈልጥ ይግባእ። 

-ብዛዕባ ለውጥን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኩነታት ንምቕያር ኣብ ንዛረበሉ እዋን ኣብ መሰረታውያን ኣምራት ኣብ ምርድዳእ ክንበጽሕ ኣለና። እንታይ ማለትና እዩ “ለውጢ” ክንብል ከለና? እንታይ ማለትና እዩ “ደለይቲ ፍትሒ ኢና” ክንብል ከለና? እንታይ ማለትና እዩ ኸ ፍትሒ ክንብል ከለና? ፍትሒ ተዛማድን ማዕባልን ኣምር ምዃኑ ንግንዘብ ዲና? ለውጢ ዝገዝኡ ወይ ዝእዝዙ ረቛሒታት ከምዘለዉ ኸ ነስተውዕል ዲና። ኣበየናይ መድረኽ ኢኻ ብዛዕባ ደሞክራሲ emphasis ትገብር፡ ኣበየናይ ግዜ እዩ ኸ ንልኡላውነትን መግብን ቀዳምነት ትህብ?

– ማሕበረ-ቑጠባዊ ኩነት፡ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኩነት፡ ነቲ ዝቐርብ ናይ ለውጢ እማመታትን ፍልስፍናታትን  ዘሎ ሕ/ሰባዊ ቅሩብነት፡ ውዱብ ወይ ዘይተወደበ ውሽጣዊ ነቕናቕን ኣንቐሳቓስን ዓቕሚ እቲ ሕ/ሰብ (potential) ሓይሊ; ጸጥታዊ ስግኣታቱ—ኣብ ግምት ክኣትዉ ኣለዎም። እንተዘይኮይኑ ቅድሚ እቲ ክትቅይሮ እትደሊ ሕሰብ ዘብዘብ ኢኻ ትብል ዘለኻ። ንበይንኻ ኢኻ ድማ ናብ ናይ መወዳእታ መስመር እትበጽሕ።  ንለውጢ ዘድልዩ ረቛሒታት ብኸመይ ተጋጣጥሞም እውን ናቱ ሳይንስን ጥበብን ኣለዎ። ክሉ ግዜ ከኣ ናይ ለውጢ ተኽእሎ ተገዛኣይ ናይ ዘሎ ኩነታት እዩ። ቀዳምነታቶም ዘይሰርዑ ሕ/ሰባት ናይ ፖለቲካ ጻምላያት ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። 

– ፍትሒ እውን ባህላውን ሕ/ሰባውን ረቛሒታት ዝጠምር ገጂፍ ኣምር እዩ። ኣብ ገግዚኡ ዝተቐልቐሉ ናይ ምዕራብ ፈላስፋታት፡ ኣብ ግዜኦም ንዝነበረ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቑጠባውን ባህላውን ሞራላውን ሃይማኖታውን ኩነታት ምርኩስ ብምግባር እዮም ንፍትሒ ገሊጾምን ተንቲኖምን—ንፖለቲካውን ሕ/ሰባውን ሽግራት ናይቲ ግዜ እዮም ክፈትሑ ዝፈተኑ። ካብ ጥንታዊት ግሪኽ ጀሚርካ (ፕሌቶ/ሪፑብሊክ፡ ኣብ ናይ ምንቕቓሕ ዘመን (renaissance) ዝመጹ በዓል ጆን ሎክ፡ ደቪ ህዩም፡ ጆን ሚል ከምኡ እውን ክሳብ እዚ ናይ ግዜና ጸላዊ ዘሎ ፈላስፋ፡ ጆን ሮውልስ—ካልኣኦት ናይ ኦሬንታልን እስላማዊ ዓለምን ኣፍሪቃውያን ጸሓፍትን ነብሰወከፎም በቲ ኣብቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ዘመን ዝነበረ ሕ/ሰባዊ ግርጭታትን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኩነታትን ዕብየት ማሕበራዊ ሳይንስን ተክኖሎጅን ተነቓቒሖም ዝጸሓፍዎ ክልሰ-ሓሳባዊ ኣበርክቶታት እዩ። ብኣተሓሳስባ ግዚኦም ተገዚኦም ዘፍረይዎ ፍልስፍናዊ ውጽኢታት ንኣተሓሳስባ ናይ ግዚኦም ክጸሉ ክኢሉ። 

– ብወገና ኣብ ሕ/ሰብና ክትግበር ዝከኣል ኣድማሳዊ ጠቓምነት ዘለዎም ኣምራት ወሲድና ናይ ገዛእ ርእስና ውህሉል ተመክሮ ሓዊስና፡ ባዕለ-ቤታዊ ኣተረጓግማን ኣወዓዕላን ክንገብር ንኽእል ኢና። ክንብገስ ጥራይ እዩ ዘለና።

– ሕ/ሰብ ኤርትራ ናይ ትምህርትን ቁጠባዊ ዕብየትን ጋጋት ኣለዎ፡ ነቲ ኣብ ርሑኢቕ ገጠራት ዘተኮረ ጻዕርታት ክሕይል፡ ጽሬት ማይን ከባብን፡ ናይ መግቢ ውሕስነት፡ ናይ ትምህርትን ጥዕናን ትራንስፖርትን—ክድፈኣሉ ኣለዎ።

–  ከተማታት እውን ነቲ ኣብ ገጠራት ክንፈጥሮ ንረባረብ ዘለና ለውጥታት፡ ከጎልብቱ ብዝኽእሉሉ ኣገባባት ትኩረት ክወሃቦም ኣለዎም። ናይ ናይሮብን ቦምበይን ናይ ዚንጎታትን ጥዕና ዘይሓለወን ዝተጸቓቐጠን ክፋላት ከተማ (slum neighborhoods) መታን ከይፍጠሩ ብእዋኑ ኣብ ገጠራት ዝግበሩ ስራሓት ክተባብዑ ኣለዎም። ከተማታትና ንገጠራዊ ንጥፈታት ዝድግፍ ኮይኑ ክድኮን፡ እቲ ገጠራዊ ንጥፈታት ድማ ንጥዕናን ዕቤትን (wellbeing) ከተማታት ዘህብትምን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ጋግ ብምድግጋፍ ከም ዝጸብብ ምግባር መርኣያ ተዛናቕን ዝርጉሕን ዕብየት እዩ።

ስለ’ዚ፡_

-ምምሕያሽ ወይ ጽገና (ረፎርም) እውን ለውጢ እዩ። ብሱር-ነቀል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣወንታዊ ምምሕያሻትን ጽገናታትን እውን ተኣኪቦም ዓይነታዊ ለውጢ ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም። 

– ንመተከላት ህግ ምቕባልን ንምዕዋቱ ምጽዓርን ክተመሓይሽን ክትነቅፍን ክትጽግንን ክተጸርን ይድርኸካ [ ቻርተር ህግድፍ ናይ 1994]

– ኣነ ንመስርሕ እየ ዝድግፍ፡ ንመስመር እየ ዝድግፍ፡ ነቲ ሃገራዊ መስመር ጠንጢነ ኣይፈልጥን፡ ዝያዳ ክሕይልን ክጥዕን ክጸርን እየ ክጽዕር ዝጽውዕ ዝነበርኩ። 

– እዚ ናይ ኣምልኾት ናይ ውልቀሰብ ኣይኮነን። ውልቀሰብን ውድብን መሳርሒ እዮም። ልዕሊ ሃገር ዝስራዕ ውድብ ወይ ውልቀሰብ የለን። ንውድባትን ውልቀሰባትን እንድግፎም፡ ናብቲ ዘንበርናዮም ዕላማታት ክንበጽሕ ዝሓሹ መካይን (vehicles) እዮም ካብ ምባል ዝነቐለ እዩ እምበር ካብ ጣኦታዊ ኣምልኾት ዝተበገሰ ኣይኮነን። ክሉ ግዜ ዝምረሓላ ሓሳብ ድማ፡ እምነት ንሃይማኖት ይምልከት፡ ፖለቲካ ግን ተሓሳሲብካ እዩ

– ሰብ ድላዩ ከሽርፎ ይኽእል። ግን ካብ ክውንነታዊ ገምጋም ተበጊሰ፡ ህግድፍን ፕረሲደንት ኢሳይያስን ኣብዚ ግዜ’ዚ እቶም ዝሓሹ መሳለጥያታት ለውጢ እዮም።

– ብዛዕባ ኣብ ውልቀሰብ ምእማን (cultish worship) ብዙሕ እየ ዝሰምዕ። ኣነ ወዲ ሻዕብያ እየ፡ ኣብ ሻዕብያ ዝዓበየ ንውልቀሰባት ዘመልኽ ብዙሕ ኣይትረኽቡን ኢኹም። ብተወሳኺ፡ ናይ ሎሚ መሪሕነት በቶም ድሕሪ 50 ወይ 100 ዓመታት ዝመጹ ተመራመርቲ ፖሊቲካዊ ሳይንስን ናይ ታሪኽ ተመራመርትን ፍርድታት ክሓክልፎ ይኽእል እዩ። 

ስለምንታይ ከ ነዚ መንግስቲ ዝድግፍ— መቸም ምድጋፍ ማለት ምንቃፍ ማለት ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ

  • ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ኣዝዩ ተኣፋፊ እዩ፡ ቀጻልነትን ምምሕያሽን ምሕዳስን ምጉልባትን ናይቲ ንዝሓለፉ ዓመታት ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣካል እዩ ዘዋጽእ።
  • ምምሕያሽ ማለት ኣበራቱን ድኽመታቱን ከምዝፍውስ ምግባር ማለት እዩ። ሓድሽ ኣተሓሳስባን፡ ሓድሽ ዋዕን ከም ዘተኣታቱ ምግባር ማለት እዩ። 
  • ሃንደበት ሃጓፍ ናይ ስልጣን ንኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ከም መተካእታ ዘገልግል፡ ኤርትራ ከመሓድር ዝኽእልን ንጸገማታ ብቐረባ ዘጽነዐን ሓላፍነታውን ውዱብን ፖለቲካዊ ኣካል የለን። እዞም ኣብ ደገ ዘለዉ ተቓወምቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሃጓፍ ስልጣን መጺኡ ዓዲ እንተ ዝኣትዉ፡ ሶማልያ ከም ናይ መዛወሪ ምድሪ-ገነት (vacation destination) ኮይና ምተራእየት ነይራ።

ስለ’ዚ፦

  • መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራን፡ ነቶም ኣብ ነዊሕ ዓመታት ዘካዕበትዎም ተጻብኦታት ናይ ምምካትን ቅልውላዋት ናይ ምምሕዳርን ናይ ምእላይን ክእለታትን ተመክሮን ደሊቦም ኣለዉ። 
  • ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ኩነታት ተልመዴን ወይ ብምግምማዕ ጥራይ ዝፍለጡ ጉጅለታት ከም መተካእታ ክቐርቡ፡ መሪሕነታዊ ዓቕሚ ይኹን ፖለቲካዊ ትሕዝቶ የብሎምን።

በቲ ኻልእ መዳዩ ከኣ እዚ መሪሕነት እዚ፡ ነቐፈታታትን ኩነነን ክቐርበሉ ክም ዝጸንሐ ፍሉጥ እዩ፡ ዝሕባእ የብሉን፡። እንተደኣ ንዕቤት ሃገርና ንሓስብ ኴንና፡ እቲ ዝመርሓ ዘሎ ኣካል ክጉልብትን ክዓብን ኣለዎ። እዚ ንምግባር ድማ ጉድለታቱ ክርእን ክእርምን ኣለዎ። ክንነቕፎን ክነዘኻኽሮን እውን ሓላፍነትና እዩ። ምኽንያታት እውን ክንፈጥረሉ የብልናን። ዝሕባእ ቑስሊ ቐታሊ እዩ። ናይ ሎሚ መሪሕነት ኤርትራ ኣብዞም ዝስዕቡ ዝንቀፉ ምዃኖም ዘየካትዕ ኮይኑ እረኽቦ። ካብቶም ክመሓየሹ ዝግበኦም ጉዳያት ድማ እዮም።

1-  ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፥ ኤርትራውያን ብጸጥታውን ፖለቲካውን ካልእን ጉዳያት ክእሰሩ ጸኒሖም። ምእሳር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ገሊኡ ጉዳያት ነብሶም ክኸላኸሉን ጠበቓ ክህልዎምን ኣብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ከይፍረዱን ቤተ-ሰቦም እውን ከይበጽሕዎምን ብዛዕባ ኩነታቶም ሓበረታ ክረኽቡ ዕድል ዘይምሃብን፡ ብሓፈሽኡ መሰሎም ዘይምኽባር።

2- ሓፈሻዊ ምሕረት (general amnesty) ምግባር ንሃገርና ሓይልን ወንን ዝህብ እዩ እሞ መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ክርእዮ ባህ ምበለኒ።

3- እቲ ብምኹብላል ወይ ብስግረ-ዶብ ምስጋር ዝኽሰስ ሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑን፡ ኣብ ዝተጸቓቐጠ ኣብያተ መእሰርታት ከም ዝጸንሑ ምግባር ኣካላውን ሞራላውን ጉድኣት ዘስዕብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እሱራት ተረሲዖም ንዓመታት ዝማስኑሉ መካበብያታት ኮይኑ ኣሎ። ምስኡ ዝኸይድ ጭካነን ኣመሓደርቲ ኣብያተ ማእሰርትን፡ ምቹእ ናይ ግቦን ብልሽውናን ባይታት ኮይኖም ከምዘለዉ ብኣካል ዝረኸብክዎም ውጻእ-መዓት ዝነገሩንን ዝሰምዖ ዜናታትን እዮም።  ምስ’ዚ ናይ ሰላም ሃዋሁ ዝሳነ ፍተሓት ክግበረሎም ኣለዎ። ናይ ክ/ሰራዊታት ኣብያተ-መእሰርቲ ጉዳይ እውን ብተመሳሳሊ። ብሓፈሽኡ ብሓደ ዓይንን ብቅጥዕታትን ዝመሓደር ፍትሓዊ ዝኾነ ኣተሓሕዛ ከም ባህሊ ክተኣታቶ ክስረሓሉ ይግባእ (standardized and fair administration of justice)።

4- እቲ ምእሳር እንሓንሳብ ጃምላውን ብሃውርን (arbitrary) ምንባሩ፡ ኣክንዲ ሕጊ ስልጣንካን መዝነትካን ምጥቃም (abuse of power) ምህላዉን ንኤርትራውያን ሓድሽ ዜና ኣይኮነን። ናይ 1994 ሃገራዊ ቻርተር ህግደፍ ከም ዝብሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዋና ጉዳዩ ክኸውንን መሰላቱ ብሕጊ ዝተዋሕሰ ክኸውንን ከም ዝቃለስ እዩ ዝሕብር።

“Political Democracy. 

For the people of Eritrea, to be active participants and become decision-makers in the administration and conduct of their lives and of their country, with their rights guaranteed by law and in practice.”

ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ

1- ስልጣንን መዝነትን ግንባርን መንግስትን ወተሃደራዊ ትካልን ምዝብራቑ 

2- ድኹም ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣመለኻኽታን ከምዘሎ ይንገር

3- ብሓፈሽኡ ክሉ ዓቕምን ኣቓልቦን መንግስቲ ናብ ምምካት ተጻብኦታትን ምንባሩን ከም ምክኒት ክቐርብ ይኽእል፡ ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ውሁብ ጽንኩር ኩነታት ከሉ ክግበር ዝገበኦ ተገይሩ ድዩ? (ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ዓመታት ኣቢሉ ንመምህረይን መጋድልተይን ብጻየይን ዝነበረ ንኣምባሳደር ተስፋንኪኤል ገራህቱ (ወዲ ገራህቱ) ዝጸሓፍክዎ ደብዳቤ ነይሩ። ጽማቑ ናይቲ  ደብዳበ፡ “ሃገርና ወላ ዓለማዊ ከበባ ይንበራ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብመንግስቲ ክግበር ዝነበሮ ንምፍዋስ ብልሽውና ምምሕዳርን ጥሕሰት መሰላት ኤርትራውያንን ዝዓለመ ፖሊሲታትን ተበግሶታትን ተገይሩ’ዶ?” ዝብል ነይሩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ውሁብ ኩነታት ብቑዕ መንግስትን ትካላትን ንምህናጽ ክግበሩ ዝነበሮም ተገይሮም’ዶ ዝብል ሕቶ፡ ዓንዲ ማእከል ናይቲ ንምምሕያሽን ጽገናን እንገብሮ ምንቅስቃሳት እዩ።

4- ድኹም ምቑጽጻር መንግስታዊ መሳርዕን ኣፍራይነቶምን— እዚ ኽሉ ጉልበትን ዓቕምን ሃገራዊ ኣገልልግሎት ብግቡእን ተጠቒምናሉ’ዶ? እቲ ሓዊ ሓዊ ዝሽትት ዝነበረ ናይ ግዙኤ ቃልሲ ወለዶ፡ ምስቲ ዝነበሮ ናይ ምግባር ኒሕን ተበግሶን ብግቡእ ተጠቒምናሉ’ዶ?

5- ብሓፈሽኡ፡ ዘመናውን ሲቪላውን መንግስትን ምምሕዳራትን ንምትእትታው ኣብ ደውታ ኢና ጸኒሕና። እዚ እውን ምኽኑይ ድዩ ኣይኮነን ዘካትዕ እዩ። ብዘይካ እቲ ኣብ መኸተታት ዝቐንዐ ምንቅስቃሳትን ውዳበን፡ ጥዑይን ወኒ ዘለዓዕልን ኣበራባርን (vibrant political culture)፡ ነቐፈታን ርእሰ-ግምገማን ር/ሰ ምስትኽኻልን ክህሉ ዘኽእል ፖለቲካዊ ዓቕምታት ኣይተጠርየን ዘሎ። ክበጋገስ ኣለዎ። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ጠባይ ወይ ኣንፈት (trend) ዘለዎ ፖለቲካዊ ዳይናሚክነት ጥራይ እዩ ንፖለቲካውያን ውድባት ህላወአን ዘሕድስን ምስ ምቅይያር ኩነታት ተጻወርትን ተዓወትን (resilient) ኮይነን ክወጻ ዘኽእለን። ኤርትራና ንቅድሚት ክትስጉም ካብ ደለና ነቲ ሓላፍነት ሃገር ተሰኪሙ ዘሎ ወገን ክሕይልን ክጸርን ክጥዕን እወንታዊ ድፍኢትን ነቐፈታ ምቕራብ ንረብሓ ኩልና እዩ። 

6- ናብ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ህዱእን ስሩዕን ፍልቀታውን ምስግጋር ክህሉ፡ ምሕያል ሃገረ-ኤርትራን እቲ ዝገዝኣን ዘሎ ግንባርን ኣገዳሲ ይኸውን (strengthening the state and the front)

7- መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት ናይ ኤርትራ ነቲ ኣብ ደገ ንርእዮ ጠገለ ዝሰኣነ ተፈናጫልን ዓንዳርን ሓሳባት ዝጻወር መታን ክኸውን፡ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ፖለቲካ ዓቕምታት ምሕያል።

8- ምምዕባል ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጻትን ከፋፋሊ ሓሳባትን ምንቅስቃሳትን ክጻወር የኽእሎ። ናይ ህግድፍ ናይ 1994 ቻርተር ኣብዚ መዳይ ከምዚ ይብል

9- ንህግድፍ ዝሓልን ክዕወት ዝደልን ሰብ፡ ምንቃፍ ኣካል ምድጋፍ ምዃኑ ክኣምን ኣለዎ። እትግደሰሉን ብቑዕነቱ ከበርኽ ንእትደልዮን ወገን ኢኻ ብዘይሕብእብእ ዘሎ ገምጋም ወይ መልሰ-ዕንጋለ (feedback) እትገብር።

ካልእ፥-

1- ካልእ ንቑጠባን ኢንቨስትመንትን ዕድላት ስራሕን ትምህርትን ጥዕናን ኣብ ምዝርጋሕ ክግበር ኣለዎ ዝብሎ ክህሉ ይኽእል ግን ንሱ ነቶም ኣብዚ መዳይ ብቐረባ ዝረባረቡ ዘለዉ ክኢላታት እገድፎ። ብሓፈሽኡ ግን ኣብ ሕርሻ (ምዕቛር ማያት፡ ምሩጽ ዘርእን ምሩጽ እንስሳታት ኣብ ምፍራይን ኣብ ምርምር ሓመድ ዝግበር ዘሎ ፈተነታት፡ ክለምዕ ዝኽእል መሬት ኣብ ምጽናዕ፡ ኣብ ምሕራስን ምክልኻል ባልዕን— ኣብ ከባብያዊ ልምዓት-  ዝግበር ዘሎ ስራሓት ተስፋ ዝህብ እዩ። ኤርትራ ብተፈጥሮን ዂናትን ዝነበራ ኣግራብ፡ ሓመድ፣ ማያዊ ትሕዝቶኣ ኣዝዩ ተጓዲሉ ነይሩ። ኣብዚ መዳይ ጽቡቕ ሰጒምና ኣለና። ውጽኢት ናይ ሎሚ ዓመት ክራማት/እቶት፡  እዚ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዘበርከቶ ተራ ክጉሰ ኣይክእልን። ኣብ ትምህርትን ጥዕናን፡ ኣብ ማሕበራዊ ምክንኻን (social welfare)፡ ምክንኻን ስንኩላን፡ ዘኽታማት፡ ሓገዝ ዘድልዮም ዓበይቲ፡ ስድራ ስዉኣት፡ ግዳም ሓደር፡ ኣብ ጥዕና ጓል ኣንስተይቲ (ሕርሲ ጥንሲ ምዕባይ ቆልዓ ጥዕና ኣደን ዕልዓን፡ ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ)፡ ዝተመዝገበ ገስጋስ፡ ምስቲ ንሃገርና ዘጋጠሙ ብደሆታት ክመዛዘን ከሎ፡ ኣፍልጦ ክወሃቦ ዝግባእ እዩ። 

2- ኣብሽርኩም፡ ኤርትይራ ብቐንዱ በቶም ብዘይካ መንነት ኤርትራ ካልእ ዘይብሎም፡ ነብሰ-ፍትወት ዘይብሎም(selfless) ትስፉዋትን ውፉያትን ደቃ እያ ክትህነጽ። ንሕና እውን እጃምና ክንገብር ኢና፡ ኣብ ወጻኢ እንነብር ናይ ብሓቂ ርእስና ክንሓክኽ ኣለና። እንበዝሕ፡ ካባይ ጀሚርኩም፡ ብዘይካ መረረን ጨለ ዘረባን “ እንታይ ጭቡጥ ኣበርክቶ ገይርና ኢልና ንነብስና ክንሓትት ኣለና። ብወገነይ ካብ ናይ ኮምፑተር ተዋጋኣይ ምዃን ናብ ሃጃማይ፡ ናብ ሓደ ግብራዊ ዕማማምት ክፍጽም ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዜጋ ክቕየርን ክጽዕር እየ። ነቶም ክሳብ ሕጂ ግብራዊ ስራሓት ክዓሙ ዝጸንሑ (እንኮላይ እዚ መድረኽ (ፓልቶክ—ገንዘብን ናውትን ኣብ ምውጻእ ዝገብሮ ንትፈታት) ክድገፍ ይግበኦ፡ ብዛዕባ ተራ ድያስፖራ ድሒረ ቅሩብ ክብል እየ።

3- ምሕማይን ምቑዝምዛምን ናይ ሕማቓት ባህሪ እዩ፡ ከም ዜጋ ግቡእካ ግበር፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ተማወት፡ ንርግኣትን ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ እጃምካ ግበር፡ ኣብቲ ዳግመ-ህንጸት ዝግበር ርብርብ ብቕድሚት ተሰራዕ፡ ሽዑ እዩ፡ “ እነ ግቡአይ ገይረ እየ” ኢልካ ኣፍልብኻ ነፊሕካን ክሳድካ ኣቕኒዕካን ብዛዕባ ድኽመታት መንግስቲ ክትዛረብ ትክእል። ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ኣብ ኩራ ዝነበርኩምን እዚ ተቓወሞ ዝበሃል ንኤርትራ ሃገርና ኣየረብሕን እትብሉ ዜጋታት፡ ሓንቲ ምርጫ ጥራይ እያ ዘላትኩም።ነዚ ንኤርትራ ናብቲ ንደልዮ መድረኽ ከሰጋግር ታሪኻዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘሎ ህግድፍ ምድጋፍ። ክሉ ካልእ ኣማራጺታት ንምፍጣር ዝተገብረ ፈተነታት ፈሺሉ እዩ። ምድጋፍ ማለት ድማ ዕዉር ሰዓቢ ምዃን ኣይኮነን። ስዉኣትና ዝተሰውኡሉን ዕላማ ቃልስና ዝኾኑን መሰረታውያን መተከላት ምንጻርን ንዕኦም ንምዕዋት ምጽዓርን። ንሓደ ውድብ ወይ ውልቀሰብ እትህቦ ደገፍ ንመንጽር እዚ ክከውን ኣለዎ።

4- ፖለቲካዊ ኣማራጽነት ምስ ቅዋም ሃገር ዝኸይድ እዩ። ቅዋም ሃገር ከይተነድፈን፡ ፖለቲካዊ ባይታን ( political space) ናይ ጸወትኡ ሕግታትን ከይተነጸረ፡ ስልጣን ክሕዝ ዝኽእል ፖለቲካዊ ተቓውሞ (political opposition) ክህሉ ኣይክእልን። እንተሃለወ እውን ሕጋዊ ባይታ የብሉን፡ ኣእዳው ወጻኢ ዝኣተዎን ብኣባትር ወጻኢ ዝንቀሳቐስን እዩ ዝኸውን።

5- ስለ’ዚ፡ ነቲ ክኸውን እንደልዮ ፖለቲካዊ ባይታ ንምፍጣር ነቲ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ግንባር ምሕያል ኣማራጺ ዘይብሉ ውሳነ እዩ። ምሕያል ህግደፍ ማለት ድማ፡ ዳይናሚካውን ኣሳታፍን ውድብ ምግባሩ ማለት እዩ። እቲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ናይ ምርካብ መብጻዓኡ ከም ዘኽብር ንምግባሩ ምቅላስ ማለት እዩ። በዚ ኣመለኻኽታ ድማ ካብ ካድራዊ ኣመለኻኽታ ወጺእና ሃገራውን ህዝባውን ኣመለኻኽታ ክነማዕብል ኣለና። ተቓወምቲ እውን ዜጋታት ምዃኖም ምእማን። ከም ግንባር መጠን ድማ ፍልልያት ርኢቶታት ዝጻወርን ነቐፈታታት ዘተባብዕን ክኸውን ይግባእ።

================================================

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s