ህዝቢ ኤርትራ ይብል ኣሎ
ነቶም ዝበዝሑ፡ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሮም ግዜ ኣገዲድዎም ንኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ብንጽህና ንህዝቦም ዘገልግሉ ዘለዉን ማዕረ ህዝቦም ዝነብሩ ዘለዉን ምስጋና። I salute you.
ይኹን እምበር፡ ኩሉ ብስም ሰማእታት ዝመሓለ፡ እዱብ ሕልና ከምዘይብሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ኮይኑ ይስመዓኒ።
-እወ፡ እቲ ደምኩም ከይነቐጸ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ንብጾቱ ረሲዑ ንስልጣን ሃነፍነፍ ዝበለን ንብጾቱ ዘግደዐን ዝጠለመን…እቲ’ኳ ሽዑ ዝቐበረኩም… ብስምክም እናመሓለ እዩ ንከብዱ ተጓይዩ። ሕጂ እውን እንተኾነ፡ ናይ ቃል ዓለም ኮይንዎ ብስምክም ይምሕል እዩ።
– እወ፡ እቲ ገንዘብ ህዝቢ ዝሰረቐን ንብረት መንግስቲ ዘባኸነን ብስምክም እናመሓለ እዩ…እንሓንሳብ ሲ ልዕሊ እቲ ንጹህ ‘ኳ።
– እወ፡ እቲ ስልጣን ዘባዕለጎን ዘመሽመሾን እውን ብስምክም እዩ ዝምሕል። ከይሓፈረ።
– እወ፡ እቲ ንንጹሃት ዜጋታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ሕሱም ዝቕጥቅጥን ንግቦ ኢሉ ጉዳያት ዝሓላልኽን ኢዱ ኣብ ዘይግበኦ ዘእቱን ብህይወት ንጹሃት ዝጣላዕን ምሽሙሽ በዓል ጽሩራ እውን ብስምክም እዩ ዝምሕል።
– እወ፡ እቲ ንህጻውንቲ ደቅና ዘሳደደን ሞራሎም ዘዕነወን ብርሃን ዝኸልኦምን እውን ብስምክም እዩ ዝምሕል።
-እወ፡ እቲ ብስም ግድምናን ተኣማንነትን ንዘይበቕዖ ሓላፍነት ሒዙ፡ ምሕደራ ጸጋታትን ጉዳያት ህዝብን ዘበላሹን መደባት ልምዓት ክረማምስ ዝጸንሐን…ኣክንዲ ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ኢሉ ንርእሱ ዘገልል…ውልቃዊ ረብሕኡ ኣቀዲሙ ኣብ ስልጣን ዝበለየ እውን ብስምክም እዩ ዝምሕል።
እቲ ክርዳድ ካብቲ እኽሊ ክፍለ ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ተጸሚሙ።
የሕምመና እዩ።
ዝኽርኩም ሞቶረ ሕልናና እዩ። ዝወደቕኩምሎም ዓበይቲ ዕላማታት ብሶላ ጉዕዞና እዮም።
ርግእትን፡ ቅዋማዊትን ደሞክራስያዊትን ዝኾነት፡ ዕድላት ስራሕን ትምህርትን ምህዞን ዝዕምብበላ፡ መካ ናይ ዘተን ምጽውዋርን ዝኾነት ኤርትራ ንምህናጽ ኣብ ማሕላና ኣለና። ክንረባረብ ኢና።