Categories
Uncategorized

ብወዝቢ

ሃንደበታዊ ናይ ሓሳብ ወቕዒ

ክልተ ቃላት (ቅጽላት) ቅጭ ከምጸኣለይ ጸኒሐን። እታ ሓንቲ “ሃገራዊ” ክትከውን ከላ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ “ብጻይ” እትብል እያ። ክልቲአን ቃላት ኣብ ቦትአን እንተኣትየንን ብጥንቃቐ እንተ ተጠቒምናለንን ኣይጓደኣን እየን። ንፍሉይነትካ ወይ ንብሉጽነትካ ወይ ድማ ንተኣማንነትካ ክተርኢ ክትጥቀመለን ከለኻ ግን ነቲ ዝበዝሐ ሓፋሽ ብዙሕ ፋይዳ ዘይብለን ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ወይ ሰልፊ ጥራይ ዘድመዓ ኮይነን ይተርፋ።

ቃላት ስምዒት ኣለዎም። ህይወት ኣለዎም። ምስ ዝግፍዑ የእውዩ እዮም። ኣብ ዘይቦትኦም ምስ ተእትዎም እምቢ እዮም ዝብሉ። ጥራይ ዝርደኦምን ዝሰምዖምን ይርከቡ። እቶም ዝግደሱሎም ሰባት ቃንዘኦም ይበጽሖም እዩ። ሓደ ንፉዕ ነዳቓይ፡ ዝገጣጠሙ ኣእማን ወይ ሕጡባት ይፈልጥ እዩ። መታን ብልክዕ ክገጣጠሙ፡ ግዝፎም ይጸርብን የጠዓዕምን። ብቃላት ዝግደሱ ሰባት እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኣቀማምጠኦምን ምስ ካልኦት ቃላት ተዋሲቦም ዘሕልፍዎ ረቀቕቲ መልእኽታትን (nuances) የስተማቕሩ እዮም። ብፍላይ ድማ ቅጽላት።

ሓደ ቅጽል ንበይኑ ክብሪ-ኣልቦ (neutral) እዩ። ንኣብነት “ጽቡቕ” ዝብል ቅጽል፡ ብዘይካ እቲ ንወዲተባዕታይ ምዃኑ ዘመላኽቶን ምናልባሽ እውን ከም መልሲ ኣብ ዝቐርበሉን እዋን (ከም ኣብነት፡ ሓደ ሰብ ገለ ነገር ምስ በለ “ጽቡቕ” ትብሎ)፡ “ጽቡቕ” ንበይኑ ትርጉም ኣልቦ እዩ። ዝገልጾ ስም ወይ ነገር ክህሉ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት ድማ “ጽቡቕ ወዲ” ወይ ጽቡቕ ስራሕ” ኣብ ትብለሉ፡ እቲ ጽቡቕ ዝብል ቅጽል ንወድን ስራሕን ይገልጽ። በዚ መንጽር ክረአ ከሎ “ሃገራዊ” ዝብልን “ብጻይ” ዝብልን ንሰባት ይገልጹ ምህላዎም ርዱእ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ገለ ገለ ቅጽላት ንታሪኻዊ ህሞታት ወይ መድረኻት ተሰኪሞም ይምዕብሉ እዮም። ስለ’ዚ፡ ከኣ፡ ነቶም ቃላት ወይ ቅጽላት ክተውጽእ ከለኻ፡ ሓደ ንፉዕ ነባባይ ኣበየናይ ዘመን ወይ ነየናይ ቴማ (ዛዕባ) ተልዕል ከም ዘለኻ ክፈልጥ ይኽእል። ንኣብነት፡ ብጻይ ክበሃል ከሎ ናቱ ታሪኻዊ ግዜን መድረኻትን ነይርዎ። ኣብ ግዜ ብጻይነት ዝተወልደን ምስ መድረኽ ብጻይነት ዝተኣሳሰርን እዩ። ትርጉም ሓቀኛ ብጻይነት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብጻይካ ልዕሊ ነብስኻ ትናብየሉ ኣብ ዝነበርካ ግዜ፡ ንእዋን መስዋእትን ብጻያዊ ሓልዮትን የዘኻኽረና። ኣብ ልክዕ ቦትኡ ኣትዩ ክትሰምዖ ባህ ዘብል እዩ ዝነበረ።

ብጻይ ንቃልሲ የመልክት። ንስነሓሳባዊ ምትእኽኻብ ይገልጽ። ብጻይ ንተወፋይነት ኣብ ዕላማ ይእምት። ብጻይ ውህደት ኣካልን ኣእምሮን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ንጹር ዕላማ የመልክት። ብጻይ ነቶም ካብ ባሕሪ ሕ/ሰብ ዘሊሎም ኣብ ምድረበዳ ህይወት ክዘርኡ ዝተቓለሱ ዓሳታት የመልክት። ነቶም ኣብራኾም ዘይጠልሞም፡ ሕልነኦም ዘይምህምን፡ ብጻያዊ ልግሶምን ሓልዮቶምን ብእዋን ተፋረድ ዘይደክም፡ ትሕተ-ሃገራውነት ዘየሰንፎም፡ ሓንቲ ኣንሶላ ተነጺፎም ዝሓድሩን፡ ኣብ ሓደ ዕርዲ ዝነኸሱን ከይፈላለዩ ዝመሓሉን ቃልሲ ክሳብ ዓወት ኢሎም ዝረገጹን ይገልጽ።

ኣይተሓዙለይ እምበር፡ ብጻይ ናይ እዋን ገድሊ ቅጽል እዩ። ንገድልን ቃልስን የዘኻኽር። ንኹሉ ኣብ መሳርዕ ገድሊ ዝተሳተፈ (ተጋዳልይን ብርጌስን) ዝገልጽ ቅጽል ነበረ። ብመሰረቱ እውን ካብ ስነሓሳብ ሰውራን ተቓውሞን ዝመጸ እዩ። “ብጻይ” ዝብል ቅጽል ኩሎም ጸጋማውያን ምንቅስቃሳት ዝጥቀሙሉ ‘ኳ እንተነበሩ፡ እቲ ቃል ኣብ ነብሰወከፍ ምንቅስቃሳት ምስ ታሪኾም ዝተኣሳሰር ፍሉይነት ትርጉማት እናደረዐ ይኸይድ። ። ኣብ ሕ/ሰብና እውን ልማዳዊ ትርጉሙ “ሰበይ” ወይ “ዓርከይ” ወይ ድማ “ወዲ ዓደይ” ወይ “መጻምደይ” ወይ “ወገነይ” ኮይኑ ህዝቢ ብፍኹስ ዝበለ መልክዑ ይጥቀመሉ እዩ (ብጻይ/ብጫይ/ ብጸይቲ/ብጨይቲ)። ስለ’ዚ፡ እዚ ቃል እዚ ምስ ታሪኽና ዝዛመድ ፍሉይ ትርጉምን ጦብላሕታን ሒዙ ዝማዕበለ እዩ እሞ ክብሩ ኣይነፋኹስ። ኣካል ታሪኽና ኮይኑ ብክብሪ ይስነድ።

ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ከም ህዝቢ በቲ ብርጌሳዊ ኣጸዋውዓ ተኸባቢርና እንተተጓዓዝና ዝሓሸ እዩ። መን እዩ ብጻየይ፡ መን እዩ ኸ ዘይብጻየይ? ስለምንታይ ከ ብጻይ ዝብል ቅጽል ኣብ ወጻኢ ዝተሓደሰ ክብሪ (currency) ረኺቡ? ክሳብ እዚ ቐረባ እዋናት ከ ኣበይ ነይሩ? መን ከ እዩ ካብ ሳንዱቕ ወላዊሉ “ሓድሽ” ንፋስ ክወቕዖ ዝገበረ? “ኤርትራውያን ኢና” ካብ በልና እታ ዜግነትና እኽልቲ’ዶ ኣይኮነትን?

ድሕሪ ናጽነት፡ ብርጐሳዊ ኣጸዋውዓ ብኡ ንብኡ እዩ ተኣታትዩ። ኣቶ ክስቶ፡ ሚኒስተር ክስቶ ፕረሲደንት ክስቶ፡ ሓው ክስቶ ሓብቲ ክስቶ፡ ዶክቶር ክስቶ—ወዘተ ክበሃል ጸኒሑ። ሕጂ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር እቲ ኣካይዳ (pattern) ከምኡ እዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ እቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣባላት ህግደፍ ግን “ብጻይ” ሓድሽ ሩሕን ጣዕምን ረኺባ ትመስል። ርግጸኛ’ኳ እንተዘይኮንኩ፡ ከም ዝበሃል፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ህግደፍ ከም ገለ ኢሉ (ወይ ድማ ብመደብ ክኸውን ይኽእል) ኣብ ኮንፈረንስ ምስ ኣተኣታተዋ፡ በቶም ኣብ ደያስፖራ ዝርከቡ ኣባላት እቲ ግንባር ተወዓዊዓ።

እንሓንሳብ ድንግርግር እዩ ዝብለኒ። ናይ ገድሊ ዝኽርታት ተላዓዕለለይ። ከምዚ ኣብ ሓደ ሩባ ሳሕል ኣብ ኣኼባ ዘለኹ ኮይኑ ይስመዓኒ። ኣብ ገድሊ እውን እንተኾነ ውሱን ኣጠቓቕማ ነይርዋ። ዝበዝሕ ግዜ ወግዓዊ ጽሑፍ ክተቐርብ ከለኻ፡ ወይ ወግዓዊ ቃለ-ምሕትት ክትገብር ከለኻ፡ ወይ ድማ ዘይትፈልጦ ብጻይ ክትረክብ ወይ ክትዛረብ ከለኻ ኢኻ ትጥቀመሉ ነይርካ። እምበር፡ ብኣስማትናን ብሳጓታትናን ኢና ንጸዋዋዕ ነይርና። መዝነትካ ብዘየገድስ። ወዲ ክስቶ ጓል ክስቶ—ሳጓን ስምን ኢና ንጥቀም ነይርና።

ብጻይ፡ ወላ’ኳ ነቶም ኣብ ሓደ ዕላማን መትከልን ዝሰመሩ ሰባት ትገልጽ ትኹን፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ግን ጥንቅቕ ኢኻ ክትብል ዘለካ። ምኽንያቱ፡ ወግዓዊ (formal) ባህርይ ኣለዋ። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እቲ ትዛረቦ ሰብ ናይ ቀረባ ዝምድና ከምዘየለ፡ ብስራሕ ጥራይ ትራኸቡ ከምስል ይኽእል እዩ።

ስለ’ዚ፡ ብኽብረትኩም፡ “ ኣቶ ማሕሙድ ሳልሕ” ወይ “ሓው ማሕሙድ ሳልሕ” ወይ “ኣያ—” ጥራይ በሉኒ። ተጋዳላይ እንተወሰኽኩምላ ግርም። “መምህር” እንተወሰኽኩምላ እውን ጽቡቕ። ኣባል ኤርትራዊ ሕ/ሰብ እየ። ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ብዘየገድስ፡ ንጽቡቕን ንድሕነትን ንሓድነትን ኤርትራ ዝቖሙ ስለዝኾኑ ብጾተይ እዮም። ኣይፈሊ ኣይፈላሊ። ድሕሪ ሕጂ ብጻይ ዝበለኒ $100.00 ክቕጻዕ እዩ፡) ኣታዊኡ ድማ ንቤተመዘክር ወይ ሓወልቲ “ብጻይ” እዩ።

“ሃገራዊ” ዝብል ቃል እውን ብዙሕ ጨናፍር ዘለዎ እዩ። በየናይ መዳይ ኢኻ ንሓደ ሰብ ካብ ብዙሓት ኣግሊልካ ሃገራዊ ትብሎ። ዝበዝሕ ዘይሃገራዊ እንተዝነብር ጥራይ ኢኻ ንመፍለዪ ወይ ንመለለዪ ክጥቀመሉ ዘምሕር። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ እቶም ውሑዳት ብሰልፋዊ ወይ ግንባራዊ ስርርዕ ዝራኸቡ ሰባት ንነብሶም “ሃገራውያን” ክብሉን ካብቲ ዝበዝሐ ንመፍለዪ ወይ መግለሊ ክጥቀሙሉ ምኸኣሉ። እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ሃገራዊ እንተኮይኑ ግን፡ ደቂ መን ኮይኖም እዮም እቶም ውሑዳት ሃገራዊ’ዶ ጅን ዕፍሪት እናበሉ ከጽምሙና? ቅሩብ ክነስተውዕልን ልቢ ክንገብርን ኣለና። እናሳዕረረ ክመጽእ ከሎ ከኣ ቅጭ ጥራይ ዘይኮነ ቀሓር እዩ ዝገብረልካ።

ሃገራዊ፡-

– ንዜግነት ይምልከት፡ ወዲ ሃገር ንማለት ክትጥቀመሉ ትኽእል (citizen/national)
– ንኤርትራ ከም ዘላቶ ብብዙሕነታ ዝቕበልን ዘኽብርን ማለት እዩ።
– ቅድመ ኣውራጃውን ቀቢላውን ሃይማኖታውን ጉዳያት፡ ሃገራዊ ዛዕባታት ዘቕድም እዩ። ኣጠቓላልን ሓቛፍን ሃገራዊ ርእዮትን ኣተሓሳስባን ዘለዎ ሰብ ክኸውን ይኽእል።
– ንሃገራዊ ረብሓ ዝስየፍ እዩ፡ ሃገሩን ህዝቡን ዘፍቅር እዩ (patriot)
– ምስ ምፍታውን ምጽላእን ፖለቲካውያን ስርዓታትን ሰልፍታትን ዝተኣሳሰር ኣይኮነን።
– ረብሓ ሃገሩ ስለዘቅድም፡ ሃገሩ ክትስጉምን ክትብልጽግን፡ ቅድሚ ኩሉ ንመንግስቱ ክእርምን ክነቅፍን ከርትዕን ከቢድ መስዋእቲ ክኸፍል ቅሩብ ዝኾነ እዩ። መጣቕዒ ኣይኮነን። ንነገራት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ርእዩ ሃናጺ ሓሳባት ወይ ፍታሓት ዝብሎም ብዘይተጒላብነትን ፍርሕን ዘቕርብ እዩ።

ብእምነተይ፡ እቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ሃገራዊ እዩ። “ሃገራዊ” ዝብል ቅጽል ዓማሚ መግለጺና ካብ ኮነ፡ “ክስቶ ሃገራዊ እዩ”፡ “ክስቶ ሃገራዊት’ያ” ምባል እንታይ እዩ ትርጉሙ። ኣብ ሓደ ልሙዕ ሻኻ 50 ጸዓዱ ኣባጊዕ ለም ኢለን ክበልዓ ከለዋ፡ “እታ ጻዕዳ በጊዕ ትርእያ’ዶ ኣለኻ” እንተበልካ ትርጉም ኣለዎ’ዶ? ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ባሕሪ “ ኣነ እየ ሃገራዊ” ወይ “ክስቶ ሃገራዊ እዩ” እንተበልካ፡ ካብ መስሓቕ ምዃን ሓሊፉ ተፍርዮ ቁምነገር የለን።

ስለ’ዚ፡ ህግደፋውያን ይኹኑ ዘይህግደፋውያን፡ ኩላትና ብጾትን ሃገራውያንን ኢና። ውሑዳት ገዲፍካ ማለት እዩ። ካብ ጠቕሙ እቲ ንምፍልላይን ንምግላልን ዘለዎ ተኽእሎ ይበዝሕ ንማለት እዩ እቲ ነቐፌታዊ ርኢቶ ቀሪቡ ዘሎ። ተረዲእኩምኒ ክትኾኑ ተስፋ እገብር።

ማሕሙድ ሳልሕ

ተፈደል፡ ተኸባበር፡ ተዛተ፡ ንፍታሕ ጥራይ ኣምት፡ ሰጉም!

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s