Categories
Politics

ዝኽሪ ሰማእታት

ኣብዛ ክብርቲ ዕለት፡ ብተደጋጋሚ ዝለዓሉን ዝዝከሩን ጀጋኑ ሰማእታት ኣለዉ። ጽቡቕ እዩ። ብወገነይ “ንመን ኣልዒለ ንመን ክገድፍ” ብምባል፡ ነቶም ዘይተዘመረሎም ጀጋኑ (unsung heroes) ክዝክር መሪጸ።

1- ጀጋኑ ስዉኣት እንዳ ዜና። ሳላ እቲ ብድኻምኩምን መስዋእትኹምን ዝተሰነደ ጽሑፍን ምስልታትን ( ደረቕን ተንቀሳቓስን ስእልታት)፡ ታሪኽና ተሰኒዱ ክንመሃረሉን ክንሕበነሉን ክኢልና። ቅሰኑ። ዝውደቕኩምሉ ዕላማታት፡ ማለት ቅስንትን መነባብሮ ህዝባ ዝመሓየሸላን ፍትሕን ሕግን ዝነገሰላ ገስጋሲት ኤርትራ ክንሃንጽ ክንረባረብ ኢና። ማሕላና እዩ።

2- ኩሎም መተዓብይተይ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኩም ፈላስፋታት ፖለቲካ፡ ምኩራት ኲናት፡ ንመጻኢ ጠመትን መራሕትን መሃርትን። ቅሰኑ። ዕላማታኣኩም ንምውቃዕ ብዘለና ዓቕሚ ክንሰርሕ ኢና።

3- ኣብ ሕቑፊ ጸላኢ ኮይኖም ኢድን ዓይንን እዝንን ሰውራና ኮይኖም እናተቓለሱ ብኣረሜንነት ዝተቐዝፉ ሓፋሽ ውድባትና። ቅሰኑ፡ ራኢኹም ክጭበጥ እዩ።
4- ኩሎም ልዕሊ ሞትን ትሕቲ ህይወትን ዘለኹም፡ ብከቢድ ዝሰንከልኩም ጀጋኑና፡ ኣይንርሰዓኩምን። ብሓባር ዝሓሸ ህይወት ክንፈጥርን ንኡስ ወለዶ ኣደልዲሉ ረጊጹ ዝምርሸሉ መሰረት ኣንቢርና ክንሓልፍን ኢና።

ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ፡ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ኩላትኩም ሰዉኣት ሓርነት!!

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s