እቅድም ኣቢሉ ዓርከይ ፍጹም ተስፋማርያም ረባዕ መጽሓፍ ክመርጽ ጠቒስኒ ነይሩ። ምስዚ ወርሒ ስነን ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦትን እትኸይድ “ካብ ቅያታት ፊተውራሪ” ዘርእስታ መጽሓፍ ፍጹም (ረባዕ) ክጠቅስ መዲበስ ደሓር ድማ “ዋእ፡ እዚኣስ ናይ ምውድዳስ ከይትመስል” ኢለ ካልእ ሃሰው ክብል ጸኒሐ።
ኣብ ዓዲ ዝወጸ መጻሕፍቲ ክረክብ ብዝተኻእለ መጠን እጽዕር እየ። ግን ካብ ዓዲ ኣርሒቕካ ከምቲ ትደልዮ ኣይኮነን።
እምበኣር፡ ንሎሚ ነዚ “ግፍዒ” ዘርእስቱ መጽሓፍ የቕርብ። ምስ ወርሒ ሰነን መዓልቲ ሰማእታትን እውን ቀጥታዊ ምዝማድ ክግበረሉ ይኽእል እዩ።
እቲ መጽሓፍ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ትሕቲ “ዛንታ ገድሊ” ክቐርብ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ቅጺ 8 እዩ። ገለ ካብቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብና ዝፈጸምዎ ኣሰቃቂ ግፍዕታት ዝሓቖፈ ኮይኑ 602 ገጻትን ክልተ ተወሰኽቲ ናይ ስእልታት ገጻት የጠቓልል። እታ “ሓርነት ደልየያ”እትብል ኣብ ሰማንያታት ዝተሓትመት ውርይቲ ግጥሚ ተጋዳላይ ግርማይ ገ/መስቀል እውን ኣብኡ ተኻቲታ ኣላ።
ግፍዕታት ጸላኢ ቦታንን ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ ኮይኑ ዳርጋ ኣብ መላእ ኤርትራ፡ ማለት ኣብ ከተማን ገጠርን ኣብ ቆላን ከበሳን ካብ ዝተፈጸሙ ጃምላዊ መቕዘፍታት ዝኣኻኸበ መጽሓፍ እዩ። ብናይ ጸላኢ ደኩመንትታትን ብዓይነ ምስክር ናይቶም ብህይወት ዘለዉ ውጻእ መዓት ተተሪኹ ኣሎ። ኣብ ብዙሕ ቋንቋታት ተተርጒሙ ከም ዘሎ ተሓቢረ ኣለኹ። ብፍላይ እቲ ብናይ ኣምሓርኛ ቋንቋ ዝተጻሕፈ ቅዳሕ ኣብ ንኡስ ወለዶ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ናይ ምንቕቓሕን ኣስተምህሮን ኣበርክቶ ገይሩ ከም ዘሎን ኢትዮጵያውያን ነቲ መጽሓፍ “ዘግናኝ” ኢሎም ከም ዝጠመቕዎን ነቲ መጽሓፍ ናብ ኣምሓርኛ ዝተርጎመ ተስፋዬ ገብረኣብ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብዚ መጽሓፍ ብዙሓት ጸሓፍቲ ተሳቲፎም ኣለዉ። ኣበርክቶኦም ዝነኣድ እዩ። ነብሰወከፍ ውልቀ ኣርእስቲ ( ግፍዒ) ብቀጻሊ ምርምር ክሰፍሕን ክዓሙቕን ይኽእል እዩ። ግን እቶም ዓይነ-መሳኻኽር ገይና ብህይወቶም ከለዉ ዛንታኦም ምስናድ ኣገዳሲ እዩ። በዚ ድማ ምስጋና ንጸሓፍትን ኣካየድትን ናይቲ ፕሮጀክት።
ብሕድሪ ተሓቲሙ ብኣውገት ይዝርጋሕ። ኣብ ኣማዞን.ኮም እውን ኣሎ ( ኣነ ካብኡ እየ ገዚአዮ)።
ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ
ዝቕጽል ተረኛ ናይ’ዚ መጸዋዕታ ድማ፡-
Gideon Mehari.