ቀሰይ ብቀሰይን ብስያሳን እታ መሸንቆቓ ኣብ ክሳድ ወያነ ትጸብብ ኣላ። ህሉው ኩነታት ወያነ ምስ ዘመነ ደርግ ክነዋዳድሮ ከለና፡ ኣብ መጀመርታ 1991 ተበጺሑ ኣሎ። እታ መሸንቆቃ ብስያሳን ሜላን ትጸብብ ኣላ። ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ናይ ንጡፍ ምሽንዳሕ ዓቕሙ ዘፍ ኢሉ፡ ብውሽጣዊ ቅልውላው ይህወጽ ኣሎ… እታ መሸንቆቓ ከኣ ቀስ ብቀስ ትሕይል ኣላ። እቲ ጃንዳ ኣብ መድረኽ ጻዕሪ-ሞት ኣትዩ ከም ዘሎ ዘመላክቱ ብዙሓት ምዕባለታት ይቅልቀሉ ኣለዉ። መድረኽ ጻዕሪ-ሞት ብሓደገኛ ምዕልባጥን ነውጽን (convulsion) ይግለጽ። ምልክት ሞት ኮይኑ ግን ዝያዳ ንሞት የቀላጥፍ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ” ስለምንታይ ወያነ ክንድ’ዚ ትጸልእ” ዝብል ሕቶታት በብግዚኡ ክመጽእ ጸኒሑ። ኣነ እውን ብዓቕመይ፡ ሓጺርን ነዊሕን መልስታት ክህብ ጸኒሐ። ኩሉ ግን ኣብዚ ካብቲ ኣብ ታሕሳስ 2018 ዝጸሓፍክዎ ዓንቀጽ ዝተወስደ ክጽሞቕ ይኽእል። ነቲ ብቅልጡፍ ዝቀያየር ዝነበረ መስርሕ ሰላም ዕድል ንምሃብ እቲ ዓንቀጽ ከጽነሖ መሪጸ ነይረ። ይኹን እምበር መንፈሱን ቃላቱን ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፋተይ ክንጸባረቕ ጸኒሑ።
“እቲ ሕሙም ኣተሓሳስባ ናይ ጃንዳ ወያነ ኣንጻር ልኡላዊ ናጽነት ኤርትራን ኣንጻር ማሕበራዊ ስኒት ህዝቢ ኤርትራን ስለዝኾነ እዩ ዝጸልኦ። ንኤርትራ እቲ ናይ ቀረባን ናይ ሕጅን ስግኣት እዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣንጻር ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ምትሕብባርን ስለዝኾነ ብትርን ጥንቃቐን ክብንቆስ ኣለዎ። ብሓፈሽኡ ድማ ኣንጻር እቲ ዝተደምደመ መስርሕ ምክላል ዶባትን ምዕራፍ ” ግጭት ዶባት” ኢትዮ-ኤርትራን ስለዝኾነ፡ ጃንዳ ወያነ ብኣካል ከይተኣልየ፡ ወይ ድማ እቲ ሕሙም ኣተሓሳስብኡ ብግቡእ ከይተሓጸበ እቲ ብሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዓት ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይክእልን እዩ። ብሓጺሩ ጃንዳ ወያነ፡ ኣንጻር ብሩህ መጻኢ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዞባናን ዝኾነን ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ጥራይ ክነብር ዝኽእልን መጻዪ ታህዋስ ወይ ካንሰር ስለዝኾነ ኩሉ ግዜ ንዞባና ዘዕብርን ዘድክን ዘሕምምን እዩ። ጃንዳ ወያነ ንዝሓለፈ ዘመነ ጸልማትን ኲናትን ናይ ዞባና ይውክል። ብገስጋሲ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሓይሊ ክትካእ ኣለዎ”