Categories
Uncategorized

ንሰላም ሕለም

ንሰላም እምበር ንኲናት ደኣ መን ክሓምቕ ኣንታ ሓውና!?

ሓደ ወያናይ ፕሮፓጋንዲስት ” ኲናት እንተመጺኡ፡ ንህዝቢ ትግራይ ከም ባህላዊ ኩዳ እዩ” ኢሉ ክብሉ ነጊሮምኒ።

ኩነተ-ኲናትን ሳዕቤናቱን ምጻር ስኢኑ ናብ ስደት ዘምረሐስ ከመይ ኢሉ እዩ ካብ ረመጽ ኲናትን ሃፍኡን ኣሽሓት ኪሎመተራት ርሒቑ ነጋሪት ኲናት ዝወቅዕ?

ብወገነይ፡ ኣብ ዞባና ሰላም ክህሉ እምነ። ንኲናት ኣዝየ እየ ዝጸልኦ። ኣብ ገለ እዋናት ግን ጸሊእካዮ ኣይትሃድመሉን ኢኻ። ግን ቅሩብ ተመክሮ ኲናት እንተለካ፡ ነቲ ግናይ ገጻቱ እትፈልጥ ምስ እትከውን፡ ከም ባህልኻ ገይርካ ኣይትምከሓሉን። ናተይ ወለዶን እቲ ኣሰር ኣያታቱ ዝሰዓበ ጅግና ዋርሳይን፡ ኲናት ኣብ ልዕለና ስለዝተስገደደ እዩ ክንነብሮ ተገዲድና።

ይኹን እምበር፡ ተመክሮ ንከይንህመል ምሂሩና እዩ። ንሰላም እናተቓለስና፡ ንርእሰ-ምክልኻል ክንዳሎ ግድን እዩ። ጉራን ፈኸራን ጸላእትና ለሚድናዮ ኢና። ናይ ኩላቶም ቅኒት ዝማረ ናይ ኲናት ከኣ ሓደ ኮይኑ ንረኽቦ። እቲ መሓዛና ዝነበረ ወያነ ከይተረፈ ስልጣን ምስ ሓዘ ካብቲ ናይ ደርግ ዘይፍለ ቱታን ዓዘፍን ሰሚዕናሉ። ቋንቋኡን ቅላጸኡን ሓደ።

ስልጣን የዕውር እዩ። ብፍላይ ድማ ንምዕዋር ዝተቓለዐ ሃርጋፍ ናይ ምጉባጥን ምዕምጻጽን ኣእምሮ እንተልዩካ።

ብዝኾነ፡ ነቲ መንእሰይ ወያናይ ፕሮፓጋንዲስት፡ “ኲናት ግናይ እዩ” ክብሎ እመርጽ። ንሰላምን ዕቤትን ዞባና ዘጉልሕ ኣወንታዊ መልእኽታት ምትሕልላፍ ተመራጺ ይኸውን። ንስኻ ኣብ ኣመሪካ እናተቐመጥካ፡ ደቂ ሓረስቶትን ጓሶትን ነቲ ኣንነታዊ ሸውሃትካ ከዕጉስልካ ኣብቲ ንስኻ ዘይትፈልጦን ዘይትጥበሶን ሓዊ ክህሞኹ ጽልእን ምትፍናንን ምጽሕታር ናይ ፈራሓትን ናይ ተበለጽትን ባህርያት እዩ።

እቲ ጉዳይ ከምዚ ኮይኑ፡ ኣያታትካ ሓለቃታት ወያነ በቲ ዝህውጾም ዘሎ ናይ ኣማውቱና መንፈስ ተደፊኦም ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ሓንቲ ጥይት እንተተኲሶም፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምክልኻል መሰሉ ክጥቀም ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኲናት እንተተስገዲድዎ ድማ፡ እቲ ባህላዊ ጓይላ ንበይንኻ ትብሕቶ ኣይመስለንን። ግን ንሰላም ደኣ ንሕሰብን ነቀድምን።

እቶም ደለይቲ ሰላም ናይ ክልቲኡ ወገን፡ ነዚ ናይ ኲናት ጉራ ብዘይ ክሳራ ዝሑል ማይ ኲዒና ክነቕህሞ እንተኾይኑ፡ ብሕሉፍ ቃንዛ ከይተሰነፍና፡ ኣብ ምክብባር ዝተሰረተ ዞባዊ ምትሕብባር ክንጸምድ ኣለና። ኣብ ክንዲ፡ኲናት ብዛዕባ ሳይንስ ንግድን ክንሓስብ ኣለና። እዚ ንምግባር ድማ እቲ ከም ካንሰር ዞባና ክግለጽ ዝከኣል፡ ቀንዲ መሓንቖ ናይ ምዕባለን ብልጽግናን ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኑ ዘሎ ጃንዳ ወያነ፡ ብናይ ሓባር ሓሳብን ግብርን ክንገጥሞ ኣለና። ምእላይ ናይዚ ጃንዳ ኣካል ናይቲ ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ንምምጻእ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃሳት ኮይኑ ይስመዓኒ።

ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኢትዮጵያ ይኹን ምስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፈደራል መንግስቲ እንገብሮ ዝምድና፡ ድጉል ተኽእሎታት ግርጭትን ኲናትን መታን ከይፈጥር ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ክንመሃር ኣለና። ሎሚ ብስም “ኣንጻር ወያነ” ዘይኮነስ፡ እቶም ንወያነ ንምትካእ ዝመጹ ሓይልታት ኣብ ልኡላዊ ናጽነትናን ኣብቶም ቅድሚ ሕጂ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶም ነጥብታትን መርገጺታቶም እንታይ ከም ዝኾነ ክንፈልጥ ኣለና። ኣብ ትግራይ ንወያነ ዝትክእ ሓይሊ ብመንጽር ልኡላዊ ረብሓታት ኤርትራን ተኽእሎ ሰላምን ምርግጋእን ዞባናን እየ ዝፈርዶ።

ንሱ እውን ንረብሓ ትግራይ (ኢትዮጵያ) ክቃለስ መሰሉ እዩ። ዝምድናታትና ኣብ ኣህጉራዊ ሕግታትን ዞባዊ ስምምዓትን ዝተመስረተ እንተኮይኑ፡ ዘገዳድዕ ኣይከውንን። ክልቲኡ ሸነኻት ተዓዊቶም ይወጹ። ይኹን እምበር ብጉርሕን ሸፈጥን፡ ብሕሳብ ኤርትራ ናብ ስልጣን ክምለስ ዝሓስብ እንተኮይኑ፡ ናይ ጎራሕ ምስልይልይ ይኸውን እሞ መወዳእትኡ ደማዊ ኮይኑ ይተርፍ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ነዚ ብ “ፈንቅል” ኣብ ትግራይ ይወዓዋዕ ኣሎ ዝበሃል ዝሓተትኩምኒ ሰባት፡ “እዚ ግበሩ፡ እዚ ኣይትግበሩ” ክብለኩም ኣይክእልን። ብወገነይ እንተኮይኑ ግን፡ ገና ኣብ ትዕዝብቲ እዩ ዘሎ። ናይ ባዕሉ ፕሮግራም ኣለዎ ድዩ ወይ ንናይ ዓረና መስመር ድዩ ዝኽተል ወይስ ንናይ በዓል ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ( ማሕበር ምትሕብባር ትግራይ) ወይ ብፈደራል ደረጃ ምስ ሰልፍታት ብልጽግናን ኢዜማን ወይስ ምስ ካልኦት ብሄራውያንን ሕብረብሄራውያንን ዝምድና ኣለዎ…ገና ክጽናዕ ዘለዎ እዩ።

ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ዶባትን ዘለዎ መርገጺ ዘርኢ መግለጺታት ኣይረኣኹሉን ዘለኹ። እንተሎ፡ inbox ግበሩለይ። ኣባላት “ፈንቅል ትግራይ” እውን መርገጺኹም ክተብርሁ ብውልቂ ይኹን ኣብ ቃልዕ ዕዱማት ኢኹም።

ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ግን ንነገራት ብጥንቃቀ ክንሕዞም እላቦ። ብቀንዱ ግን፡ እቲ ነዚ ዝምልከት ናይ ዲፕሎማስን ጸጥታን ጉዳያት ብደረጃ ሃገር እዩ ዝተሓዝ። ነቶም ዝሓተትኩም ድማ፡ ” ንግዚኡ ኣብ ዝኾነ ንጥፈታቶም ብፍላይ ድማ ገንዘብ ንምእካብ ዝኽፈት gofundme ኣይትተሓወሱ” ምበልኩ።

ምድንጋጽናን ሓገዝናን ዝደልዩ ወገናት ብውሑዱ ኣብ ሕቶ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ማለት ኣብቲ ካልኣይ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ንምዕራፍ ዝተገብረ ስምምዓት ዘለዎም መርገጺ ከብርሁልና ኣለዎም። ክሳብ ሕጂ ኣብዞም ጉዳያት ቆራጽ መርገጺ ዝወሰደ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና እዩ። ካልኦት ኩሎም ገና ካብቲ ሕማማት ዝተላቐቑ ኣይኮኑን።

እዚ ከምዚ ኮይኑ፡ ንጽቡቕ ጉርብትና ዝንቀሳቐሱ ትግራዎት ይኹኑ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ምርካቦምን ነቶም ዘሻቕልዎም ጉዳያት ብመንጽር ኤርትራ ክነብረሃሎም ምጽዓር ጽቡቕ እዩ።

ብሓፈሽኡ፡ ኤርትራን ታሪኻን ብዝምልከት ኣብ ኢትዮጵያዉያን ዘሎ ርድኢት ኣዝዩ ተመሓዪሹ’ኳ እንተኾነ፡ ጸጸኒሖም ዝቕልቀሉ ተበለጽቲ ፖለቲካኛታት ንጸቢብ ረብሓታት ክብሉ፡ ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራን ብዛዕባ ወደባትን ነቲ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሉ ኢትዮጵያዊ ዘደናግር ኣጉል መብጸዓታት ክህቡ ንሰምዖም ኢና። እዚ ናይ ሓሶት ዲስኩራት’ዚ ክሳብ እዚ ወለዶ’ዚ ዝሓልፍን ክሳብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ብዘየሻሙ መገዲ ቅኑዕ ኣንፈቱ ሒዙ ክስጉም ዝጅምር፡ ኣካል ናይ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክቅጽል እዩ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s