Categories
Uncategorized

ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓንቲ ስድራ

ብዛዕባ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ንዛረበሉ፡ ሓድነት ኣብ ልብን ብልብን እዩ። ነዚ ኣርእስቲ ኣብ ዘልዕለሉ ግዜ፡ ደራሲ ፍጹም ተስፋማርያም (ረባዕ) ዝበለኒ እዝክር። ንሱ ይብል “ ጣልያን ዶብ ጥራይ እዩ ከሊሉ። ግዝኣት እዩ መስሪቱ። ድሕርኡ ዝቐጸለ መስርሕ ኤርትራዊ ሃገራውነት ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብውሽጣዊ ዳይናሚክነት በብመድረኹ ዘማዕበሎ እዩ።”

እታ ኣገላልጻ ኣዝያ ጽርይትን ዓማቑን ኮይና ረኺበያስ ነዚ ዝስዕብ ክሕንጥጥ ደፋፊኣትኒ። ብዛዕባ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ተልዕለሉ ግዜ፡ ሓደ ህዝቢ ኣብ ነዊሕ ናይ ብሓባር ምንባር መስርሕ ዘማዕበሎ ስነ-ልቦናዊ ምትእስሳር ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ። ጣልያን ከም ዝኾነ ኤውሮጳዊ ገዛኢ፡ ሃገራውነት ኤርትራ ኣንጻር ረብሕኡ ስለዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጨፍሊቑ ዝሕዝ ዶብን ምምሕዳርን ፈጢሩ እምበር ሃገራውነት ኤርትራ ኣይፈጠረን። ኤርትራዊ ሃገራውነት እሞ ኣንጻር እቲ መግዛእታዊ ጥሙሓቱ ምኾነ። ይኹን እምበር እቲ ጣልያን ዝሓሰቦ ብኣንጻሩ እዩ ወሊዱ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሓባር ተመክሮታትን ኣመላኻኽታትን ከማዕብል ሓጊዙ። እዚ ድማ ናብ ኤርትራዊ ሃገራውነት ማዕቢሉ። ኣቲ ኤርትራ ኣክንዲ ትመቓቐል ንፈደረሽን ምቕባል ይሓይሽ ዝብል መደምደምታ ድማ መርኣያ ናይቲ “ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓንቲ ስድራ” ዝብል መግለጺ እዩ ነይሩ።

ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ክፋላት ናይቲ ሕ/ሰብ ካብ ቆመት፡ ኤርትራ ናሕሲ ናይ ነብሰ ወከፎም እያ ማለት እዩ። ስለ’ዚ፡ ነብሰ-ወከፎም ከ ከም ሃገሮም ወይ ከም ኣደኦም ይርእይዋ’ዶ? ነብሰ-ወከፎም “ናተይ እያ፡ ትብጸሓኒ እያ” ዝብል ስምዒት ኣለዎም ‘ዶ?” ዝብል ሕቶ ጥራይ ምምላስ ኣካሊ ይኸውን።

ነብሰ-ወከፎም ከም ቤቶም፡ ከም ኣደኦም ዝሓስብዋ እንተኾይኖም ዝተረፈ ኩሉ ንኣሽቱ ፍልልያት ኮይኑ ይተርፍ። ኣብ ሓንቲ ስድራ እውን’ኮ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ምፍሕፋሕ ኣሎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ምስ ኣሕዋቱ ስኒት ስኢኑ ቤቱ ከቃጽል ወይ ስድርኡ ክጎድእ ዝሓስብ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ተጋኒኑ ዝቐርብ መግለጺታት ብሓቂ ንኩነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ድዩ? “ሓድነት የብልናን” ኢልካ ክትድምድም ከ ኣየናይ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ (survey) ጌርካ ኢኻ? ከመይ ኢልካ ኢኻ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ወጺኦም ዝመሰሎም ዝዛረቡ ዘለዉ ከም ወከልቲ (sample) ህዝቢ ኤርትራ ወሲድካ ናብ ከምዚ ዓይነት መደምደምታ ትበጽሕ?

ከም ግዱስ ኤርትራዊ ከ ነቲ ኣሉታ ምግናን’ዶ ይሓይሽ ወይ ናብቲ መራሕን ኣራምን ኣማትን ኣማእዛንን ዝኾነ ጎኒ ናይቲ ሕቶ እንተዘበልካ? ኣብ ክሉ ሕ/ሰባት ዝረአ ንኣሽቱ ፍልልያት ምግፋሕ’ዶ ይሓይሽ ወይስ እቲ ኣወንታዊ ግድኒ ናይ ሓደ ሕ/ሰብ ተዓዊቱ በሎኽ ኢሉ ክወጽእ እጃምካ ትገብር?

ብዛዕባ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ንዛረበሉ እዋን፡ ናይ ቋንቋን ባህልን ምስኡ ዝመሳሰል ጅኦግራፍ ዘምጸኦ ፍልልያት ንቡር ምዃኑን ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ህንጸት ዝጸብብ ከምዝኾነን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ማሕበረ-ቑጠባዊ ዕብየትን ምስኡ ተታሒዙ ዝመጽእ ምንቅስቃስን (social and economic mobility) ዝፈትሖ እዩ። ኤርትራ ብቑጠባ ኣብ ትበራበረሉ፡ ሰብ ደድሕሪ ስራሕ ኣብ ዝጓየየሉ፡ እቶም ዘልኣለማውያን ዝመስሉ ከም ዓድን ኣውራጃን ዝኣመሰሉ ልምዳውያን መግለጺታት ትርጉም ኣይክህልዎምን። ወዲ ሰራየ ኣብ ዓሰብ ክነብር ክጅምር እዩ። ወዲ ኩለንቴባይ ኣብ ሕርጊጎ ክጣየስ እዩ። ወዲ ኣስመራ ኣብ ኣዶብሓ ክወርድ ይኽእል—ወዘተ።

ምስ እዚ ኣርእስቲ ዝተሓሓዝ ጦብላሕታ

ዕድል ገይረ ዳርጋ ን3/4 ኤርትራ በጺሐ እየ። ብናይ ቀደም ኣጸዋውዓ፡ ሳሕል፡ ሰምሃር፡ ጋሽ-ባርካ፡ ምዕራብ ሰራየን ኣከለጉዛይን። ኣብዚ ኩሉ ቦታታት ገድላዊ ስራሕ ይካየድ ነይሩ እዩ። ዓበይትን ንኣሽቱን ውግኣት ተኻይዶምሎም እዮም። ዝተደኮኑ መዋፈሪታት ቃልሲ ነይሮሞም። በብግዚኡ ዝማዕበለ ህዝባዊ ውደባታትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ተኻይዶምሎም እዮም። ብዙሕ ናይ ምጥቃዕን ምዝላቕን ታሪኻት ኣለዎም። ኣብ ኩሉ እዚ ዓስርተታት ዓመታት ዝወሰደ ገድሊ፡ ህዝቢ ንቃልሱ ሓብሒቡን ዓቂቡን እዩ። እቲ ሓደ ዞባ ካብቲ ካልእ ይበልጽ ክትብል የጸግም።

ብዘይ ህዝቢ ሳሕል ምርብራብ ግንባራት ሳሕል ኣይምተሓሰበን። ብዘይ ህዝቢ ማርያ ጸላም፡ ምርብራባት ግንባር ሓልሓል ኣይምተሓሰበን። ብዘይ ሓገዝ ህዝቢ ጋሽ-ባርካ ገድሊ ኤርትራ ክብገስ ኣይምኸኣለን። ብዘይ ሓገዝ ህዝቢ ሰራየ፡ ህዝባዊ ግንባር ንቆላታት ሰራየ ከም መዋፈሪ ናይቲ ድሕረ-መስመር ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ክጥቀመሉ ኣይምኸኣለን፡ ወፍርታት ሰራዊት ኢትዮጵያን ወደገባን ኣይምመከተን። ብዘይ ህዝቢ ሓማሴንን ሰምሃርን ሳሕልን ህዝባዊ ሓይልታት ክስውድ ዕድል ኣይምረኸበን። ብዘይ ህዝቢ ኣከለጉዛይ፡ ህዝባዊ ግንባር ሰፈርን ዕንጋለን ንጥፈታት ድሕሪ መስመር ኣይምረኸበን። ብዘይ ህዝቢ ኣከለጉዛይ ግንባር ደቡብ ኣይምተሓሰበን። ብዘይ ህዝቢ ዓፈር ግንባር ዓባይ ዳንካልያ ብዓወት ናብ ዓሰብ ኣይምገስገሰን።

ብዘይ ስጡም መሳርዕ ኤርትራውያን፡ ወራራት ወያነ ኣይምተመከተን፡ ብዘይ እቲ ኣብ ነብሱን ኣብ ዙርያ ኤርትራውነትን ዝሰሰነ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ 20 ዓመታት ዝወሰደ ናይ ጽምዋን ናይ ጸልማትን ናይ ከበባብ ዕፈናን ዘመን ክሓልፎ ኣይምኸኣለን። እምነቱ ኣብ ሓድሕዳዊ ምትእምማንን ኣብ ነብሰ-ምርኮሳን እዩ ነይሩ።

ፍሉይ ጦብላሕታ

በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ፡ ፡ ደብዳብ ነፈርትን መዳፍዕን ከይዓጀቦ፡ ዕልል እናበለ ማይን መግብን ዘቐበለና፡ ካብቲ ውዑይ ናይ ጥምጥም ግንባራት ስሒቡ፡ ተሰኪሙ፡ ድምና እና-ዓቀበ ብቅልጡፍ ናብ ሕክምና ዘብጸሓና፥ ለይቲ ኣብ ጸላም፡ ቀትሪ ኣብ ትሕቲ ዳርባ ቦምባታት፡ “ኣጆኹም፡ ቀሪብኩም ኢኹም፡ ቀሪብና ኢና” እናበለ ሓይልን ፍናንን ዝሃበና፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብኣግማሉን ኣእዱጉን ጉልበቱን ምሳና እና ገስገሰ ኣስመራ ዝኣተወ ክቡር ህዝቢ ደቡብ (ብናይ ቀደም ኣጸዋውዓ፡ ኣከለ-ጉዛይ) ምስጋናይ ይብጸሓዮ። ብፍላይ እተን ናብ ድፋዓት ተጸጊዐን ዝነበራ ዓድታት ዝገብርኦ ዝነበራ ቀጻሊ ምሕብሓብ ኣዝየ እየ ዝዝክሮ። ብኣስማትና ዝፈልጣና ኣደታት፡ ደድሕሪ ዝሓደረ ደብዳብ ወይ ግጥም፡ ክስቶ ከ ኣበይ ኣሎ፡ክስቶስ ኣይረኣኽዋን—እናበሉ፡ ኣስላማይን ክስታናይን ወዲ ኣከለጒዛይን ሰራየን ሳሕልን ሓማሴንን ባርካን —ከይበሉ፡ ከም ኤርትራዊ ተጋዳላይ ጥራይ ዝረኣዩናን ዝተቐበሉናን ዝሓብሓቡናን ክቡራት ህዝቢ እቲ ከባቢ ምስጋናይ ይብጸሓዮ። ከም ኣብ ኩሉ ቦታታት ኤርትራ ዝረኣኽዎ፡ ሓየት ህዝቢ እዩ። ብዙሕ ናይ መርዓን ሓዘንን ዕድመታትን ምብጽጻሕን ነይሩና። ደስ ዘብል ዝኽርታት… ፍልፍል ኤርትራዊ ሓበን ዝኾነ ህዝቢ። ህዝቢ ማርያ ጸላምን ሳሕል ኣዘኻኺሩኒ። “ለካስ፡ ሓቂ እዩ፡ ኣክንዲ ብጀኣኦግራፍን ብብሄርን ብሃይማኖታትን ብእንዳታትን ዝጽዋዕ፡ ብጥሙር ከም ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኢልና ክንሓልፎ! እንታይ ፍልልይ ኣለዎ? ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓንቲ ስድራ…

እቲ ኣብ ግንባራት ናቕፋን ሰሜናዊ ሳሕልን ሩባ ዓንሰባን ሓልሓልን ንርእዮ ዝነበርና ናይ ህዝብና ምስ ቃልሱን ምስ ተጋደልቲ ደቁን ዝነበሮ ስጡም መንፈስ፡ ኣብ ህዝቢ ኣከለጉዛይ ርኤዮ። ብጀኦግራፍ ዝፈላለዩ እኳ ይኹኑ እምበር፡ ብልብን መንፈስን ብደረጃ ሃገራዊ ንቕሓትን ኣብ ሃገራዊ ጉዳዮም ዝነበሮም ናይ ተወፋይነትን ዋጋ ንምኽፋል ዝነበሮም ቅሩብነትን ፍልልይ ኣይነበሮን። ህዝቢ ኤርትራ ዳርጋ ከም ሓንቲ ስድራ እዩ ዝዋሳእ ነይሩ። ኣብ ዝኸድካዮ ኪድ፡ ኣብ ሃገራዊ ዕማማት ፍልልይ ኣይትርእን። ንሱ ከኣ እዩ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ካልኦት ህዝብታት ከባቢና ዝፈልዮ። ሰውራ ኤርትራ ናይ ውሱን ኣከባቢ ምንቅስቃስ ዘይኮነስ፡ ሓባራዊ ዕዮ ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። ናጽነት ናይ ውሱን ኣከባቢ ጠለብ ዘይኮነስ ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ጠለብ እዩ ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ ኣብ ውሱን ኣከባቢ ዘይኮነስ ኣብ ልቢ ነፍሰ-ወከፍ ኤርትራዊ እዩ ኣትዩ ነይሩ። ናጽነት ምስ ተጨበጠ እውን ህዝቢ ኤርትራ ልኡላውነቱ ንምክልኻል ኣንጻር ወራራት ወያነ ዘርኣዮ ውሁድ ቃልሲ መርኣያ ናይቲ “ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓንቲ ስድራ” ዝብል መግለጺ እዩ።

ስለ’ዚ ከኣ እዩ፡ ኣብ ናጽነቶምን ሃገሮምን መጺእኻ፡ ምስ ኤርትራውያን ጸወታ የለን። ብኻልእ ፈትን፡ ግን ብልኡላውነትናን ሓድነትናን ኣይትምጻኣና። ክቡር መስዋእቲ ዝተኸፍለሎም ጭቡጣት ኣምራት እዮም። እዚኦም እቶም ኤርትራ ክትህሉ ደው ዘብልዋ ኣዝዮም ኣገደስትን ተሃወስትን ጠቕምታት ወይ ኣዕኑድ (vital interests) እዮም።

ርሑስ በዓል ናጽነት
ርሑስ ዒድ ኣል-ፈጥር ኣል-ሙባረክ

ድክመታትናን ንኣሽቱ ፍልልያትናን እና ኣለና ንሰጉም

ክብሪ ንስዉኣት ኤርትራ
ኤርትራ ብደቃ ከቢራ ክትነብር እያ
ዓወት ንሓፋሽ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s