ሻውዓይትን ናይ መወዳእታን ናይቲ ብምኽንያት በዓል ናጽነት ክቐርብ ዝጸንሐ
እዛ ደርፊ እዚኣ ምስታ ኣቀዲመ ምስ ዝክርታት ቤት ትምህርቲ ሰውራን ጉጅለ ባህሊ ቤት ትምህርቲ ሰውራን ዘቕረብክዋ ደርፊ ተመሳሳሊ ድሕረ ባይታ ኣለዋ (ትሕት ኢልኩም ፈትሽዋ)። ዝፈልያ እንተሎ ትሕዝቶኣን ደራፊታን እዮም። ትሕዝቶኣ ብዛዕባ ምቕንጣጥ ባርነት ዘዘንቱ እዩ። ” ደሓን ኩኒ ባርነት” ትብል ስውእቲ ሃና ጓል መንደቕ፡ ደሓን ኩኒ መግዛእታዊ ባርነት። ሃና ጓል መንደቕ ድሕሪ እዚ ምርኢት ብዙሕ ኣይጸንሓትን (ልክዕ ዕለት መስዋእታ እኳ እንተ ዘይፈለጥኩ፡ ድሕሪ እዛ ዑደት ምስ ተወዘዓት ቀልጢፋ እያ ተሰዊኣ)።
ከምዚ ሎሚ 18 ግንቦት 1991 ምሸት ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዝነበረ ተጋዳላይ፡ ካብ ሰለድ ጀሚርካ ክሳብ መረብ፡ ክ/ሰ 52፡ ገለ ክፋል ክ/ሰራዊት 85፡ ክ/16፡ ክ/ሰ 70፡ ኣሃዱታት መካናይዘድ፡ ከቢድ ብረታት፡ ስለያታት፡ ሃንደሳ፡ ኤምዳድ፡ ሕክምና፡ ቁጠባ—ወዘተ ኣብ ተጠንቐቕ ሓደሩ። ንጽባሒቱ 19 ግንቦት 1991 ሳዓት 10 ቅ-ቀትሪ መግዛእታዊ ባርነት ሓንሳብ ንሓዋሩ ንምሕግሓግ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ክኽፈት እዩ። ብዙሕ ዝኽርታት ተለዓዕል ለይቲ እያ። ምኽንያቱ እቶም ዝበዝሑ ስዉኣት ኣብ ቀዳማይ ድፋዕ ወይ ድማ ኣብቲ ጸላኢ ቀዳማይ ድፋዕ ንምምላስ ወይ ንምክልኻል ዝገበሮ ዓይኒ-የብለይ ስኒ የብለይ ተቓውሞ ዝወደቑ እዮም። ንሶም ሓሊፎም። ጓል መንደቕ ሓሊፋ። መግዛእታዊ ባርነት ግን ሓንሳብ ንሓዋሩ ተሓግሒጉ።
ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ
ኤርትራ ብደቃ ከቢራ ክትነብር እያ
ርሑስ መበል 29 በዓል ናጽነት።
———————————-
ጽሬት ቪድዮ ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ግን ትሕዝቶ እታ ደርፊ ብሉጽ እዩ።Hanna gual mendeq & berhane rezene “keyahti embeba”About this websiteYOUTUBE.COMEritrawit barenet dehan kuniHanna gual mendeq & berhane rezene “keyahti embeba”