Categories
Music and Arts

ደሓን ኩኒ ባርነት

ሻውዓይትን ናይ መወዳእታን ናይቲ ብምኽንያት በዓል ናጽነት ክቐርብ ዝጸንሐ

እዛ ደርፊ እዚኣ ምስታ ኣቀዲመ ምስ ዝክርታት ቤት ትምህርቲ ሰውራን ጉጅለ ባህሊ ቤት ትምህርቲ ሰውራን ዘቕረብክዋ ደርፊ ተመሳሳሊ ድሕረ ባይታ ኣለዋ (ትሕት ኢልኩም ፈትሽዋ)። ዝፈልያ እንተሎ ትሕዝቶኣን ደራፊታን እዮም። ትሕዝቶኣ ብዛዕባ ምቕንጣጥ ባርነት ዘዘንቱ እዩ። ” ደሓን ኩኒ ባርነት” ትብል ስውእቲ ሃና ጓል መንደቕ፡ ደሓን ኩኒ መግዛእታዊ ባርነት። ሃና ጓል መንደቕ ድሕሪ እዚ ምርኢት ብዙሕ ኣይጸንሓትን (ልክዕ ዕለት መስዋእታ እኳ እንተ ዘይፈለጥኩ፡ ድሕሪ እዛ ዑደት ምስ ተወዘዓት ቀልጢፋ እያ ተሰዊኣ)።

ከምዚ ሎሚ 18 ግንቦት 1991 ምሸት ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዝነበረ ተጋዳላይ፡ ካብ ሰለድ ጀሚርካ ክሳብ መረብ፡ ክ/ሰ 52፡ ገለ ክፋል ክ/ሰራዊት 85፡ ክ/16፡ ክ/ሰ 70፡ ኣሃዱታት መካናይዘድ፡ ከቢድ ብረታት፡ ስለያታት፡ ሃንደሳ፡ ኤምዳድ፡ ሕክምና፡ ቁጠባ—ወዘተ ኣብ ተጠንቐቕ ሓደሩ። ንጽባሒቱ 19 ግንቦት 1991 ሳዓት 10 ቅ-ቀትሪ መግዛእታዊ ባርነት ሓንሳብ ንሓዋሩ ንምሕግሓግ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ክኽፈት እዩ። ብዙሕ ዝኽርታት ተለዓዕል ለይቲ እያ። ምኽንያቱ እቶም ዝበዝሑ ስዉኣት ኣብ ቀዳማይ ድፋዕ ወይ ድማ ኣብቲ ጸላኢ ቀዳማይ ድፋዕ ንምምላስ ወይ ንምክልኻል ዝገበሮ ዓይኒ-የብለይ ስኒ የብለይ ተቓውሞ ዝወደቑ እዮም። ንሶም ሓሊፎም። ጓል መንደቕ ሓሊፋ። መግዛእታዊ ባርነት ግን ሓንሳብ ንሓዋሩ ተሓግሒጉ።

ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ
ኤርትራ ብደቃ ከቢራ ክትነብር እያ
ርሑስ መበል 29 በዓል ናጽነት።
———————————-
ጽሬት ቪድዮ ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ግን ትሕዝቶ እታ ደርፊ ብሉጽ እዩ።Hanna gual mendeq & berhane rezene “keyahti embeba”About this websiteYOUTUBE.COMEritrawit barenet dehan kuniHanna gual mendeq & berhane rezene “keyahti embeba”

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s