Categories
Uncategorized

COVID-19 ተላሂሙ፡ ኢዱ ሂቡ።

ምስ ኮሮና ቫይረስ ዝተገብረ ቀዳማይ ዙርያ ጥምጥም ብዓወት ኤርትራ ተዛዚሙ።

ውጽኢት፥

ዝተለኽፉ= 39
ዝሞቱ= 0
ዝሓወዩ=39

ተዓወቲ ኤርትራ!

ቀዳማይ ዙርያ ብዓወት ኤርትራ ተዛዚሙ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ “ኣይበልናን’ዶ” ኢልና ንደርፈሉን ንጎደና ሓርነት ወረር ወረር ንብለሉ ኣይኮነን። እዚ ሰንካም ቫይረስ መታን ምሉእ ብምሉእ ክሰዓር ልክዕ ከምቲ ባህሩ ንሕና እውን ሓራይፍ ክንከውን ኣለና። ብስልትን ጥበብን ፍልጠትን፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ብዓቕሊ ኢና ክንስዕሮ። ስለ’ዚ፡ ኩልና ብመንግስትን ሰብ ሞያን ዝወሃብ ዘሎ ቀጻሊ ሓበረታ ክንከታተል ኣለና።

እዛ ንእሽቶን ድኻን ገና ካብ ጽልዋታት ኲናትን ተጻብኦን ዘይተላቐቐት ኤርትራ ከመይ ኢላ ንሓደጋ ኮሮና ቫይረስ ክትቆጻጸር ክኢላ ኣብ ዝብል ሕቶ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ኩነታት ናይቲ ለበዳ ዝከታተሉ ልቢ ዘዕበዩ ገለ ገለ ትካላት ከም ኣብነት ገይሮም ይዛረቡሉ ኣለዉ። እቲ ለበዳ ከየስፋሕፍሕ ብምግታኣን ነቶም ዝተለኽፉ ዝግባእ ክንክን ሂባ ብዘይ ሓደ ሞትን ስለዘፋነወቶም፡ ኤርትራ ንቀዳማይ ዙርያ ኮሮና ቫይረስ ስዒራ ቶ ኣላ። ንሎሚ ገለ ካብቲ ከም ኣብነት ኢሎም እዞም ክኢላታት ዝጠቕስዎ ክንርኢ። ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ገምጋም ዝሕቆፉ ክልተ ሓተታታት ጽሒፈ ከምዝነበርኩ ዝዝከር እዩ።

ስለ’ዚ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ናጻ ምንጭታት (ኤምባሲታትን ኣህጉራውያን ውድባትን) ብምጥቃስ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከም መሰረት ዓወት ኤርትራ ኢሎም ይጠቕስወን እቶም ክኢላታትን ግዱሳት ወገናትን።
1. ሃገሩ ዘፍቅር ህዝቢ ብምህላውን ነቲ ብመንግስትን ሞያውያን ዝተዋህበ ምኽርታት ስለዝተኸታተለ
2. ቀጻሊ ናይ ሚድያ ምንቕቓሕን ኣስተምህሮታትን
3. ንምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ መንግስቲ ዝወሰዶ ውጽኢታዊ ውሳነታትን ስጉምታትን፡ ብቕልጡፍ በረራታት ምእጋድን ውሸባ ምትግባርን ነቶም ጥርጡራት ተኸታቲሉ ብምርካብ ካብ ማሕበረ-ሰብ ተነጺሎም ከም ዝወሸቡ ብምግባር።
4- ኣብዚ ናይ ውሸባ እዋን ነቶም ብመነባብሮ ዝጽገሙ ዜጋታት ብመንግስትን በቶም ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጥን ዘለዉ ዜጋታት ቀጥታዊ ሓገዛት ምሃብን ምክትታልን።
5. ኣብ ዓድታትን ማሕበረ-ኮማትን ድማ ነቶም ብሰንኪ ዕድመን ጥዕናን ምክንኻን ዘድልዮም ዜጋታት ዝግበኦም ምክትታል ምግባር።

እዞም ኣብ ላኦሊ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት ካብቶም ኤርትራ ንቀዳማይ ዙርያ ወራር COVID-19 ብሰላም ክትሰግሮ ዘኽኣልዋ እዮም ይብሉ።

ገና ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ኢና ዘለና። እዚ ዓወት እዚ ዝያዳ ክንሰርሕ ሞራል ደኣ እዩ ክህበና ዝግበኦ እምበር፡ ምዝናይ ዝዕድም ባህርያት ክነርኢ ኣይኮነን።

እቲ ካብ ኤርትራ ዝስማዕ ዘሎ ወረ ዘተባብዕ እዩ። ህዝቢ ነቲ ናይ ውሸባ እዋን ብዘደንቕ ዓቕሊ ዳርጋ ዛዚምዎ ኣሎ። ኣብዘን ዝቕጽላ መዓልታት፡ ሃገራዊ ናይ ምርመራ ክተት ክጅመር እዩ ዝብል ሓበረታ ከኣ ከም ኣካል ናይ’ዚ ዓወት ክቑጸር ይከኣል። ሰፊሕ ምርመራታት ብምግባር፡ ኮሮና ቫይረስ ካብ ሃገርና ጠቕሊሉ ወጺኡ ድዩስ ወይስ ኣብ ገለ ገለ መንቀራቕሮታት እቲ ሕ/ሰብ ተሓቢኡ ንቓጻ ይዳሎ ኣሎ ክነረጋግጽ ንኽእል። ምኽንያቱ ገለ ሰባት ምልክታት ከየርኣዩ ነቲ ቫይረስ ከመሓላልፉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ናይ ምርመራ ዳህሳስ ብኣወንታ እንተተገምጊሙ፡ እታ ሃገር ቀስ ኢላ፡ ናብ ንቡር ክትምለስ ትኽእል። ጽሬትን፡ ማሕበራዊ ምፍንታትን፡ ኣፍናን ኣፍንጫናን ምሽፋን ግን ምቕጻሎም ኣይተርፎምን እዮም። ጎረባብትናን ዓለምን ነዚ ርኹስ ቫይረስ ክሳብ መድሃኒታዊ ፍታሕ ዝረኽቡሉ፡ ዶባትና ምርጋጦም ኣይተርፎምን እዩ። ከምኡ እውን ክሊ ኣየርናን ባሕርናን።

ርሑስ ቅንያት ናጽነት።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s