ትማሊ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ፍርዲ በረከት ስምኦን፡
ዳኛ፡ ትብሎ ኣለካ ድዩ?
በረከት፡ ክቡር ዳኛ ፈተውተይን ደቀይን ስልጣንያታት መግቢ ከእትዉለይ ክፍቀደለይ እሓትት።
ዳኛ፡ ሕራይ፡ መታን ክምዝገብ፡ ኣስማቶም’ዶ ምሃብካና
በረከት፡ ስመርርርርር…ስመር’ወ’ታ። ዘዕበኹዎም ደቀይ። እዋእ gofundme ይገብሩለይ እውን ይኾኑ።
ዳኛ፡ እቲ ብgofundme ዝእከብ ገንዘብ ከ ብኸመይ ክበጽሓካ እዩ?
በረከት፡ እሙናት ደቀይ እዮም።
ዳኛ፡ ንሰራቒ’ኮ ሰራቒ ኣለዎ’ዩ።
በረከት፡ ንሱስ እፈልጦ እየ። ካብ ሰራቂ መንግስቲ እንድየ ዝሰርቕ ነይረ። ግን ስመርርር ደቀይስ ኣይጠልሙንን ይኾኑ።
ዳኛ፡ ፖሊስ፡ ቀፊድካ ናብቲ ሻልኡ ደርብዮ።