ሕጂ እውን ክደግሞ፡
1- ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ’ዶ ምስ ህዝቢ ትግራይ፡ ምስ ዝኾኑ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ እውን ጽልኢ የብሉን።
2- ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጨፍለቕቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ እዩ ጽልኡን ሕራነኡን። ነዛ ከም ህዝቢ ብሰላም ናይ ምንባር መሰሉ ስለዝነፈግዎ። እቶም ስርዓታት ዝተፈላለየ መልከዓትን ኣስማትን ክህልዎም ይኽእል። ንጉሳዊ ሃይለስላሰ፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ፡ ወይ ድማ ወያናይ ደደቢት። ምስዞም ስርዓታት ዘለዎ ጽልኢ ድማ ካብቲ እዞም ስርዓታት ንህዝቢ ኤርትራ ብሰላሞ ከይነብር ዘካየድዎ ኣዕናዊ ኩናትን ተጻብኦታትን ዝብገስ እዩ።
3- ህዝቢ ኤርትራ ንሰላምን ንንቡር ናብራን ዝናፍቕ ህዝቢ እዩ። ልኡላውነቱ ኣኽቢሮም ብሰላም ብሓባር ክብልጽጉ ዝደልዩ ጎረባብቲ እዩ ዝደሊ። ንልኡላውነቱን ክብሩን ግን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣየእቱን። ንልኡላውነትን ክብረትን ካልኦት እውን ኣይጠማመትን እዩ።
4- ህዝቢ ኤርትራ ንጃንዳ ወያነ ዝጸልኣሉ ምኽንያት፡ ኣንጻር ሰላም ስለዝኾነ እዩ። ንናጽነትናን ልኡላውነትናን መንነትናን ብቀጥታን ብዝተፈላለየ ሜላታትን ይጻባእ ስለዘሎ እዩ። ኣብ ዕግርግር ጥራይ ክነብር ዝኽእል ተበላጽን መጻይን ስነ-ሓሳብ ስለዘለዎ እዩ።
5- ሃገርነት ኤርትራ ኣብ መትከል ናይ ብሰላም ብሓባር ምንባርን ምክብባርን ዝተመስረተ እዩ። ናይ ወያነ ስነ-ሓሳብ ግን ኣብ ምብትታን ሕ/ሰባትን ኣብ ምንቋት ብሰላም ክነብሩ ዝጸንሑ ህዝብታትን ዝምርኮስ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ምስ ኣምር ናይ ኤርትራውነት ክላዘብ ዘይክእል እዩ። ተቃራኒ ፍልስፍናዊ መበገሲታት ዘለዎም ኣካይዳታት እዮም። እቲ ሓደ ንምህናጽ ዘቅድም፡ እቲ ካልኣይ ድማ ንምፍራስ።
5- ኤርትራውነት ኣብ ኣምር ናይ ሓድነት ብብዙሕነት ዝተነድቀ እዩ። ካብ ብዙሓት ሕ/ሰባት ሓንቲ ሃገር ናይ ምፍጣር ዕማም እዩ። ናይ ምህናጽን ናይ ምትእኽኻብን ምልክት ወይ ኣምር እዩ ።ህዝቢ ኤርትራ ብደሙ ኣብቲ ነዊሕ ሓርነታዊ ቃልሱ ዘረጋገጾ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ስነ-ሓሳባውን ስነ-ልቦናውን መግለጺ ናይ ሓደ ህዝቢ እዩ። ምክእኣል፡ ምትሕልላይ፡ ዘይምግድዳዕ፡ ምፍቓር፡ ከምኡ እውን ንዝለዓሉ ማሕበራዊ ይኹን ፖለቲካዊ ሕቶታት ብሰላምን ማዕርነታዊ ሽርክነትን ምፍታሕ…ወዘተ የጠቓልል።
6- ስነ-ሓሳብ ወያነ፡ ግን ንመዋእል ከም ሓንቲ ሃገር ኮይና ንዝጸንሓት ኢትዮጵያ ኣብ ምግምማዕን ኣብ ምፍርራስን፡ ከምኡ እውን ነዚ መቓቓሊ ኣጀንዳኡ ናብ ኣከባቢኡ ዝኾና ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኤርትራ፡ ከም ፖለቲካዊ ሰደድ ቆጺሩ ክነግደሉ ጸኒሑ። ስለ’ዚ፡ ኤርትራውነት ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ ምህናጽ ሃገርነት ክኸውን ከሎ፡ ወያናይ ስነ-ሓሳብ ግን ኣብ ምፍራስ ማሕበራዊ ህንጻ ሃገረ- ኢትዮጵያ ዝተመስረተ እዩ። ንዘመናት ተኸኣኢሉ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ኢትዮጵያ በታቲኑ። ኢትዮጵያ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ረማዕ ትብል ኣብ ዘብል ኩነታት ሸሚምዋ። ቀዳማይ ተጎዳኢ ናይዚ ሰራም ወያናይ ስነሓሳብ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተወዝ ክብል ኣይክእልን።
7- ህውከትን ኲናትን ክውገድ እንተኮይኑ፡ እዚ ሰራም ጉጅለን ኣተሓሳስብኡን ክሰዓር ኣለዎ። ኲናትን ህውከትን ክውገዱ እንተኮይኖም፡ ነቲ ጠንቆም ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ ብትሪ ምቅዋም የድሊ። እዚ እኩይ ጉጅለ’ዚ፡ ነቲ ክንደይ ደምን ጻዕርን ዝፈሰሶ ስምምዕ ኣልጀርስ ብይን ዶባትን ዝቃወም፡ ኤርትራ ፋሕፋሕ ክትብል ብተለኣኣኽቱ፡ መርዛም ፖለቲካ ዝነዝሕ ዘሎ ኮይኑ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ እዩ። ብሓቂ ናጻ ዝኾነትን ርእሰ ምትእምማን ዘለዋን ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ሓንቲ ብኡ እትምእዘዝን እትጠዋወን ኤርትራ ክርኢ ለይትን ቀትርን ዝሰርሕ ዘሎ እዩ። ጸላኢ ሃገረ ኤርትራ ስለዝኾነ ድማ እየ ዝቃወሞ። ነዚ ፍንፉን ጃንዳ ንምንጻል ድማ ምስ ገስገስትን ደለይቲ ሰላምን ዝኾኑ ሓይልታት ትግራይ ምስራሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ።
ምስ ህዝቢ ትግራይ ጽልኢ የብልናን።
ጽልእና ምስቲ ገና ኣብ ርእስና ዘሎ ጃንዳ ወያነ እዩ።
ብሩኽ ቅንያት ናጽነት
ሰላምን ቅሳነትን ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ።
ማሕሙድ ሳልሕ