Categories
Uncategorized

ናይ ጀማዓትና ፈጨው

ሕጂ ኸኣ ያኢ ነታ ናይ ትማሊ ኣውጺኦም ሓዳስ ካብ መቀለ ዝመጸቶም ካሴት የጻውቱ ኣለዉ።

ኣነ፡ ኣብ ዝኾነ እዋንን ሳዓትን ንስምን ክብርን ሃገረይ ክሰርሕ እየ። ኣገልጋልን ኮሓሓልን ተኸላኻልን ፕሮፓጋንዲስትን ናይቲ ደመኛ ጸላኢ ሃገረይ ዝኾነ ወያነ ክኾኑዝመረጹ ናታቶም ጉዳይ እዩ። ከምኡ እዩ ሕሹኽ ዝብለኒ መልእኽቲ ወርሒ ግንቦት፡ ከምኡ እዩ መንፈስ ኤርትራውነት ዝጽውዕ።
ኬን በሎም መደናገርቲ
ኬን በሎም ሓሰውቲ
ኬን በሎም ከደምቲ
ኬን በሎም ሽዩጣት
ኬን በሎም ዝሩጋት

ሕጂ ኸኣ ያኢ ነታ ናይ ትማል ካሴት ኣውጺኦም ሓዳስ ካብ መቀለ ዝመጸቶም ካሴት የጻውቱ ኣለዉ።

” ኢሳይያስ ቁማር ተበሊዑ፡ ወያነ መይቱ ስለዝበለ ምህላዉ ከረጋግጽ ናብ ኣዲስ ዞኽ-ዞኽ ኢሉ” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽዑቕ ዘመተ (blitz·krieg) ፈንዮም ኣለዉ።

እቲ ነገር ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

1. ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብዛዕባ ሞት ፕረሲደንት ከም ውዱእ ዜና ክቐርብ ጸኒሑ። እቶም ጥንቅቅ ዝበሉ ድማ “ጥቓ ሞት እዩ ተጋዲሙ ዘሎ፡ ሃላዋቱ ኣጥፊኡ፡ ዳርጋ ከይዱ እዩ” ኢሎም ገሊጾሞ። እቶም ንእሽቶ ዓጽሚ ተደርብይሎም ዝግርግሩ ግን “ነገር ተወዲኣ እያ፡ ለታይ ተላዓሊ ንኺድ ናብ ኣስመራና የ፡ ናብታ ስልጣንየ—” ክደርፉን ዳንኬራ ክገብሩን ተራእዮም። ድኳናት ዊስኪታት ወዲኦም እውን ተወርዩ። ኣብ መቀለ ድማ ፡ ወያነ ዕውንዋኖ፡ ንመን ከም ዝሽሙን ንመን ከም ዝቐጽዑን ኣብ ርሱን ምምክኻርን ምውጻእ መደባትን ተጸሚዶም ምንባሮም ይፍለጥ። ብናይ “ተቃውሞ ኤርትራ” ዝፍለጣ ስረሓት ወያነ ዝኾና ውድባት ከይተረፋ እየን ንሞት ፕረሲድነት ኢሳይያስ ከም ጭቡጥ ኣቃሊሐናኡ።
2. ብዙሕ “ሕጂ ኸ እንታይ ትብሉ” ዘስምዕ መልእኽትታት ንማሕበራዊ ሚድያ፡ ብፍላይ ድማ መሰንጀር ኣጻቢብዎን ኣጨናኒቑዎን። ነቶም ይሰምዑ ኢለ ዝገመትኩ፡ ኣቱም ሰባት ኣመት ርሕኩም ግበሩ፡ ጽላለ ከይወስደኩም፡ ቀጺለ ድማ “ወላ እንተ ሞተ ኸ? ነገርኩም ኣብቂዑ ማለት’ኮ ኣይኮነን። ንሕና ብዛዕባ ሃገር ኢና ንዛረብ ዘለና። ሒዝኩሞ ዘለኹም ኣዕናውን ዘይክውንነታውን ኣጀንዳታት ክሳብ ዘይቀየርኩም ምስቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ዝኣምኖ ክትተዓረቑ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣንጻር ኢሳይያስ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር መተከላት ናይ ሓደ መስርሕ፡ ማለት ኣንጻር እቲ ንልኡላውነትን ሰላምን ቁጠባዊ ሕውየት ኣረጋጊጹ ናብቲ ዝቕጽል መድረኽ ከስግረና ዝኽእል መስርሕ ኢኹም ትቃለሱ ዘለኹም” ክብል ክገልጸሎም ጸኒሐ። ብዛዕባ እዚ እውን ርኢቶ ጽሒፈ (ትሕት ኢልኩም ረኣይዋ)። ብወገነይ፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ርጡብን እዋናውን ሓበረታታት ስለዝነበረኒ፡ በቲ ዓጀውጀዋት ዘስግኣኒ ኣይነበረን። ፕረሲደንት ኢሳይያስ ሞይቱ እናተባህለ ኣብ ERI-TV ብዛዕባ ኮሮናን ፋሲካን ጾም ረመዳንን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ሓሶት ወይ ዝተፈብረከ” እዩ ካብ በሉ፡ ነዞም ሰባት ዘናውጽ ካልእ ዓቢ ፍጻመ ክሳብ ዝመጽእ ኣጽቂጠ።

እቲ ዓቢ ፍጻመ ድማ ብግንቦት 2 ደበኽ በለ። ፕረሲደንት ኢሳይያስ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ክገብር ናብ ኣዲስ ኣበባ ምብጋሱ ብስእልታት ተሰንዩ ቀሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ እውን ምስ ሰበ ስልጣናት ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ክገብር ዘርኢ ዜናን ስእልታትን ተመሓላሊፉ። እዋናውን ናይ ሕጅን ምዃኑ ዘርኢ ድማ ንሱን መካይድቱን ዓጀብቱ ኢትዮጵያውያን ሰበ-ስልጣንን ሓለውቶምን ማስክታትን ግላቭን ለቢሶም ይርኣዩ። ንሓደ ፕሮጀክት እውን መሪቑ። ደንበ ደንበርበር ነገር ፋሕ ኢላቶም።
3. ካብ መቀለ ዝነቀለ ሕማም ርእስን ምንፍርፋርን ንወያነን ኤርትራውያን ወየንትን ተሳህሎም። ግዒሮም። ኣንገርጊሮም። ጻሕጺሖም። “ከመይ እዩ ነገሩ” ክብሉ ኣብታ ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ተባሂላ ዝፈጠርዋ ዓለም ኮማ (ሃላዋት ምጥፋእ) ድቕድቕ!

ክሳብ ሕጂ ካብ ምውታን ዝተሰአ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። እሞ እንዳ ወያነን ኤርትራውያን ወየንትን ደኣ ካልኣይ መስቀል (ናይ ህ-ግንባር ባንደራ ዘለዎ) ክትውስኹ ዲኹም? ካልኣይ ጌታ ክተምልኹ ዲኹም? (ኩልኹም ማእመናን፡ ኣይተሓዙለይ። ንፖለቲካዊ ጭርቃን ዝጥቀመሉ እዩ እምበር፡ መሰታ እየሱስ ስለዘሎ ኣይኮንኩን ዝብሎ ዘለኹ)።

ብዝኾነ፡ ብዛዕባ ስነ-ልቦና ህዝቢ ኤርትራን ዘለኩም ኣፍልጦ ኣዝዩ ትሑት—ዜሮ ምዃኑ እዩ ዘመልክት። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ዘስመርኩላ ንራእን ንዕላማታትን ቃልሱ እዩ ዝሰርሕ። ውልቀሰባት ኣገደስቲ እኳ እንተኾነ፡ ጉዕዞ ሃገርነት ኤርትራ ምስ ምሟትን ምህላውን ውልቀ-መራሕቲ ዝተእሳሰር ኣይኮነን። እንተበልኩም ግን፡ ፕረሲድንት ኢሳይያስ ብናታትኩም መግለጺታት እንተኾይኑ፡ ዳግማይ ተሲኡ ኣሎ። ድላይኩም ኣሽርፍዋ፡ ተመናጨቱላ። It is your business. ኣይነበርናዮን፡ የለናሉን።

4. ዑደት ፕረሲስደንት ኢሳይያስ ስዒቡ ካልእ ጸረ-መጥቃዕቲ ተፈንዩ። እዚ ጸረ-መጥቃዕቲ እዚ ብ’ደገፍቲ መንግስቲ” ዘይኮነስ ብኢትዮጵያውያን ጸሓፍትን ነጠፍትን እዩ ተፈንዩ። ኣብ FBን YouTubeን ካልእ ማሕበራዊ ሚድያታት ኣለኩም። ትሕዝቶኡ ድማ ዘደንጹ ጥራይ ዘይኮነስ ከመይ ዝበለ ናይ ሆሊዉድ ፊልም ምተሰርሓሉ። ሓቅነቱ ከረጋግጽ ኣይክእልን፡ ኣላሁ ኣዕለም/እዝጊ ዋንኡ። ብወያነ ከምኡ ዝኣመሰለ ፈተነ ክግበር ከ ይከኣል’ዶ? ከመይ ደኣ። ግን ንሱ ኣይኮነን እቲ ቀንዲ መንቀሊ ናይ’ዚ ጽሑፍ። ብዝኾነ፡ ጽማቑ ትሕዝቶ ናይቲ ካብ እሙናት መንጭታት ተረኺቡ ተባሂሉ ብኢትዮጵያውያን ጸሓፍትን ኣቕረብትን ዝወናጨፍ ዘሎ ወረ ከምዚ ይብል።

ሀ- ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ጥሙሓት 100% ስለዝበርዓነ፡ እስትራተጅኡ፡ ኣእጋሩ ንስሜን ከስፋሕፍሕ እዩ ኮይኑ ጸኒሑ።

ለ- ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ብዙሓት ተለኣኣኽትን ሎቚመጽመጽ በሃልትን ኤርትራውያን ወየንቲ ኣፍርዩ እዩ። ስለ’ዚ፡ ናብ ሰሜን ናብ ኤርትራ ከሳፍሕ ዕድላት ከም ዘለዎ እዩ ዝሓስብ። ይኹን እምበር፡ ብወያናይ ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ ህዝባዊ ግንባር እዩ። ብናቱ ኣተሓሳስባ ድማ ህዝባዊ ግንባር ስናዕ ኢሳይያስ ዝኾነ ውድብ እዩ። ስለ’ዚ፡ ኢሳይያስ እንተኣልዩ፡ ኣእጋሩ ጨው ቀይ ባሕሪ ክሳብ ዝበልዖ ንሰሜን ከሳፍሕ ከም ዝኽእል እዩ ዝሓስብ። ድሕርኡ ደኣ እንታይ ኢልዎ ኢትዮጵያ!?

ሐ- በዚ መሰረት ትካል ስለያ ወያነ ምስ ኣብ ኤርትራ ዘለዎ “ልኡኻቱ” ውዲት ይኣልም። ንምቅንጻል ኢሳይያስ።

መ- ነቲ መስርሕ ዝኸውን ናይ 10 ሚልዮን ቀዳማይ ክፍሊት ይገብር

ረ- መንግስቲ ኤርትራ እቲ ሓበረታ ይጠልፎ፡ ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሕብር

ሰ- ክልቲኦም መንግስታት፡ ናብ ሱር-ሰራውር ኣለምቱ መታን ክበጽሑ፡ እቲ ናይ ምቅታል ውዲት ክቕጽል ይሰማምዑ። ዕለት ስርሒት ምስ ኣኸለ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ከም ዝተጎድአ ዘምስል ድራማታት ይስራሕ፡ ምንቅስቃስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ፡ ምንቅስቃስ ሰራዊት ኤርትራ—ወዘተ።

ሸ- እቶም ናይ ወያነ “ፍዳኢን” ነገር ከም ዝተፈጸመ ንኣሕሉቖም ወይ ቆጸርቶም ይሕብሩ፡ ካብ ስዑድያ እውን መልእኽቲ ናብ ጃንዳ ወያነ ከም ዝብጽሕ ይግበር—ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣብ ሆስፒታል ከም ዘሎን ከም ዘይሰርርን ይሕብሩ። ኣብ ኤርትራ ስልጣን ናይ ምርካብ ኣኼባታት ከም ዝተገብረን፡ ንኢሳይያስ ዝትክእ ሰብ እውን ተረቚሑ። ወያነ ፍንጭሕ በለ። ዊስኪታት ሓጸልጸል—ጨባሕባሕ—ኣቲ ልሙድ ወያናይ ጉራ ንመቐለ ሃወኻ። ቱታ ተባህለ— ንሕና ንEDU፡ ንEPRP;
ንጀብሃ፡ ንውድብ ናጽነት ኦሮሞ፡ ንደርጊ ንሻዕብያ ዝሰዓርና ተባህለ። ወያናይ ዓልል ኮነት መሬት። እቲ ካልእይ ክፍሊት ድማ ሰዓበ። 10 ሚልዮን ዶላር፡ ብድምር 20 ሚልዮን። ካብ ካዝና ትእምርት ወይ ብEFFORT ዝጽዋዕ፡ ወያነ ንምስራቕ ኢትዮጵያ ኢሉ ዘቖሞ ብዙሓት ካምፓኒታት ዘጠቓልል፡ ብብልሽውና ዝተፈልጠ ትካል እዩ ተኸፊሉ ይብሉ እቶም ኣመንጨውቲ ናይ’ዚ ወረ። ቃና ናይ ቋንቋን ትሕዝቶን ነቶም ኣመንጨውቲ ይምልከት። ኣነ ኣብዛ ሳዓት እዚኣ ከረጋግጾ ኣይክእልን። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘመልከትክዎ እውን ቀንዲ ጸቕጢ ናይ ጽሑፈይ ብዛዕባ እዚ ወረ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡

5. ኣበገስቲ ናይቲ “ኢሳይያስ ሞይቱ” ዝብል ወረ ወያኖት ምኳኖም ኣየጠራጥርን። ብርግጽ እዮም ክዛረቡሉን ከወናጭፍዎን ቀንዮም። ጀማዓትና ከኣ ኣለዉ፡ መሳኪን። ብወያነ ዘዝተደርበየሎም ዓጽሚ ዝግህጹ። ስጋ ኣለዎ፡ የብሉን ኣየገድሶምን እዩ። ክሳብ ብወያነ ዝተደርበየሎም። መሳኪን’ዶ ክንብሎም ወይስ ዓጽሚ ዝፍሕቑ ሰካኪን (ከራሩ)? —ንቀጽል ጥራይ።

ጀማዓትና ነዚ ምስ ሰምዑ መንፈሶም ተሓዲሱ። ሻማ-ሻማ ተባሃሉሉ። ከምቲ’ኳ ወጅሆም በሪሁ ርኢናዮ ኣይንፈልጥን። “ለታይ ተላዓሊ ንኺድ ንዓድናየ” ተባህለ። ከም ገለ ገይሮም ድማ ዘመናዊ ኣምሰልዎ እቲ ድራማታት—ግርም ገይሮም ኣቀናቢሮሞ። መቸም ኣብ ምጽብባቕ ሓሶት ከምኦም ዝውሕልል የለን። ተቀዳደም ድማ ኮነ። መን ዝያዳ መን ከም ዝፈልጥ ንምርኣይ ያኢ!!

ኣቱም ሰባት፡ እንሓንሳብ’ኮ ይገርመኒ እዩ። ዕድመ ዘፋረቑ፡ ወረ ገሊኦምስ ኣብ ናይ መወዳእታ መሰመር ዕድመኦም ዝተቓረቡ ሰባት ስራሕ ቆልዑት ክሰርሑ ክትርኢ ባህ ኣየብልን። የዘግንን እዩ። ምስ መን እየ ዝማጎት ዘለኹ ዘብል እዩ። እንታይ እሞ ክግበር፡ ክብረትና እና ተንከፉ እንድዮም። እዛ ሃገርናስ ሰብ ከምዘይብላ ገይሮም እና ኣቕረቡ እንዲና ንንድር ኮይንና እምበር፡ ኣብዚ ናይ ጨፈቓ ዓለሞም ክንጽየቕ ኣይምመረጽናን። ሎምስ ደሓን ዝኾነ፡ ዕሙቑ ዝበለ ዛዕባታት ክነሰላስል ምመረጽና።

ሽግር ጀማዓትና ኮይኑ ዘሎ እቲ ኣዝዩ ጉጉይ ግምታቶም እዩ። ብናቶም ኣተሓሳስባ፡ ህግደፍ መይቱ እዩ። ኢሳይያስ መይቱ እዩ፡ ኩሉ መይቱ እዩ። ኣብ ኤርትራ ትንፋስ ዘለዎ ፍጥረት የለን።

እዚ ድማ ካብቲ ኣረጊት ኣተሓሳስባ ናይ ወያነ ዝምንጩ እዩ። ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ እንዶ ኣይተባህለን!! ወያነ ናይ ትማሊ እዩ። በልዩ እዩ። ንምክፍፋልን ንምንቛትን ንምምጻይን ንሕንክስክስን ንርእስኻ ዘይምእማንን ይውክል ወያነ። ብላይ ሽዳ እዩ። ጥስጡስ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ተፈንፊኑ ንዓና ሓድሽ ኣቡጀዲድ ክኾነልና ኣይክእልን። ወያነ ናብቲ ግናይ ዝኾነ መዳያት ታሪኽ ዝድርበየሉ ዘንቢል ምውጋኑ ኣይተርፎን እዩ። ኣብ ካልኦት ለጊቡ ደም ካልኦት መጽዩን ጡብ እንዳማቱ ጦብዩን ጥራይ ክናበር ዝኽእል ግዛዕ እዩ። ክሳብ ሕጂ መንነቱ ዘይኣፍለጠን ዘይፈለጠን ግናይ ፍጥረት እዩ። ኢትዮጵያዊ ድዩ ወይስ ሃገረ-ትግራይ?

ወያነ ብሕሳብ መስዋእቲ ኤርትራውያን ስልጣን ዝሓዘን ብሕሳብና ድማ ዕድምኡ ከናውሕ ዝህቅን ኣዝዩ መርዛም ኣተሓሳስባ ዘለዎ ቀዳማይ ጸላኢ ኤርትራውነት እዩ። ብዝተፈላለየ ኣገባባት ድማ ይዋግኣና ኣሎ። እቶም ከም መቐጸልታ ስለያዊ ትካሉን ፕሮፓጋንድኡን ክኾኑ ዝመረጹ ድማ ካብ ወያነ ፈሊና ኣይንርእዮምን።

እሞ ደኣ፡ ሕጂ ኸ ናበይ?

እዞም ዕድሎም ምስ ዕድል ወያነ ኣተኣሳሲሮም ዝርእዩ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን፡ ንትንሳኤ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣመልኪቶም፡ ብመጀመርታ ፍጹም ኣይኣመንዎን። ከመይ ኢሎም ከ ክኣምንዎ። ክሳብ ሕጂ ጎይታና እየሱስ ጥራይ እዩ ካብ ምዉታን ዝተሰአ። ካልኣይ እዝጋብሄር’ዶ ክገብሩ ኮይኖም? ንሱ እሞ ሓጥያት እንድዩ። እታ ዝመረጽዋ ሜላ፡ “ትንፈር እምበር ጤል እያ” ትብል ነይራ። “ኢሳይያስ ሞይቱ እዩ፡ ትርእይዎ ዘለኹም ስእልታት ዝተፈብረከ እዩ—ወዘተ” ክብሉ ጀሚሮም። ሰብ ክዒብዎም። በቃ ተጸዪንዎም። ከምዚ ዓይነት ዓይኒ-ኣንቁሪ ከ ኣሎ ድዩ” በለ ሰብ። ጽንሕ ኢሎም ድማ፡ ራእስታት ወያነ ሃላዋቶም ክፈልጡ ምስ ጀመሩ ናብ ምቑጽጻር ናይቲ ባዕሎም ዝፈጠርዎን ኣብ ርእሶም ከቢድ ክሳራ ዘውረደን ፖለቲካዊ ጉድኣት ተዋፊሮም። Damage control ይብልዎ ተዛረብቲ እንግሊዘኛ። ካብ መቀለ ሓድሽ ካሴት ተመሊኡ ድማ ነቶም ሃሱሳቶም ሰዲዶም። እቶም ዘዝተደርበየሎም ዓጽሚ ዝግህጹ ጀማዓትና ድማ ኣብቲ ታሕተዋይ እስካላታት ናይ ምብልላዕ (food chain) ስለዘለዉ፡ እናተቐጠነ መቸም በጺሕዎም። ዝበልዓት ከብዲ እንታይ ትግበር! ከናፍስዎ ኣለዎም። ከምዚ ድማ በሉ፥

” ወያነ ንኢሳይያስ ብቑማር በሊዕዎ። ወያነ ኮነ ኢሉ ኢሳይያስ ሞይቱ ኢሉ። ኢሳይያስ ድማ ከም ዘሎ ከረጋግጽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ—”

መትሓዚ የብሎምን። ኢሳይያስ ከም ዘሎ ከረጋግጽ እንታይ ናብ ኢትዮጵያ ዘኸይድ ኣለዎ። ዲጂታል ካመራታት እኮ ኣይሕስዉን። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ማስክትታትን ግላቫትን ምግባር ይኹን ብዛዕባ ኮሮና ምዝራብ ወዘተረፈ—ኮታስ ናይ ሕጂ ምዃኑ ዝሕብር ምልክታት ወይ መርኣዪታት ዘለዎ ስእልታት ይኹን ንጥፈታትን ጭብጥታትን ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዘይገበሮ። ኣብታ ዝተጠቕሰት ዓንቀጽ (ትሕት ኢሉም ረኣይዋ) ካብቲ ወግዓዊ መግለጺ ፣አንግስቲ ወጺአ፡ ንምኽንያት ዑደት ፕረሲደንት ኢሳይያስ ክኸውን ይኽእል ዝበልክዎ ናተይ ናይ ገዛእ ርእሰይ ግምት ሂበ ነይረ። ቀንዲ ምኽንያት ድሕንነት (security) ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚተ ነይረ። ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን።

ኣብ ምድምዳም ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ ኤርትራ ንኢሳይያስ ወሊዳ ዝመኸነት ሃገር ኣይኮነትን። ሃገርኩምን ህዝብኹምን ፍለጡ። ነቲ ኤርትራዊ ዛዕባን ኣጀንዳን ትሮፖ ጀሊሕኩሞን ዘራሪግኩሞን። መራሕተይ ክትኮኑ ብፍጹም ኣይደልን። ኤርትራ ዝመርሕዋ ኣሽሓት ዜጋታት ኣለዉዋ። ክብሪ ነቶም ምእንቲ ክብሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ጽቡቕ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለዉ። ክብሪ ነቶም ንሽግ ሓርነት ተቐቢሎም ሃገሮም ብውሑስ ኣገባብ ክመርሑዋ ዝቀራረቡን ስራሕ ዝጀማምሩ ዘለዉ መንእሰያትናን። ኣብ ውልቀሰብ ኣሚንና ንምርሽ ህዝቢ ኣይኮንናን። ውልቀሰባት ኣካልና እዮም። ነቲ ራኢና ናብ ዕላምኡ ክበጽሕ ክሳብ ዝሰርሑ ነኽብሮምን ንሕግዞምን። ምስ ሞቶም ዝመውት ራእን ዕላማታትን የብልናን።

ክብሪ ንስዉኣት ኤርትራ!
ክብሪ ንዕለተ- ናጽነት!
ኤርትራ ብደቃ ተኸቢራ ክትነብር እያ፡ ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ።

ዓወት ንሓፋሽ
========================

 

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s