እዛ FB ሲ ክንደይ ስባት ኣቋሲላ ትኸውን? ቻው ኢለያ ናብ ኣስመራይ’ዶ ክምርቐፍ?
የንብበክም ኣለኹ። ህድእ ጥራይ ንበል። መሳርዕና ብውልቀሰባት ኣይዝረግን እዩ። ንግዚኡ ከዋህልልን ክመሃርን እየ’ሞ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ትማሊ ኣርእስቲ ካልእ ግዜ ክምለሶ እየ።
ነቶም ወዲ ጣባ ዘሊፉዎም ወይ ጸሪፍዎም ተባሂሉ ተነጊሩኒ ዘሎ ገዳይምን ስንኩላትን ተጋደልትናን ይኹን ካልእ ሰባትን ወላ እኳ ከረጋግጾ ዘይክእል እንተኾነ፡ ብጽሑፈይ ክቕየሙ ኣይደልን። ይቕረታ እሓትት።
እቲ ጉዳይ ኣቀዲመ ፈሊጠዮ ነይረ እንተዝኸውን ንዓምዕኦምን ንወዲ ጣባን ረኺበ ቅሩብ መዋህለልኩ ነይረ።
ሕጂ እውን ዕላማ እቲ ጽሑፍ ሓፈሻዊ መረዳእታና ንምብራኽ ኮይኑ፡ ከም መካትዒ ኣርእስቲ ኣገልጊሉ ስለዘሎ፡ ብክፉት ልቦና (fairness) ርኢና ኣብቲ ሓፈሻዊ መልእኽቲ እንተ ኣድሃብና ምሓሸ እብል።
ዕላማ ጽሑፈይ፡ ናብ ዕቱብ ክትዓት ንምምራሕ እምበር ተኻላኻላይ ናይ ሓደ ወገን ክኸውን ኣይነበረን። ብባህረይ ሰብ ከሕርቕ ኣይብገስን እየ። ነቶም ከሕርቑኒ ዝደልዩ እውን ኣብ ምሽከዖም ካብ ደቂ ኣስመራ እሓይሽ…መስለኒ።
ሕጂ እውን ብዝጥዕመኩም ክትረኽቡኒ ትኽእሉ ኢኹም። ድሌተይ፡ ዓንቃፊ ዝኾነ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ተጻዋዊርና ኩሉ ዓቕምና ኣብ ዕቱብ ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ንምቕንዑ እዩ። ነቲ ኣብ ሃገርና ዝግበር ዘሎ መስርሕ ሰላምን ዳግመ ህንጸትን ኣቃላጣፊ ( catalyst) ተራ ክንጻወት እንተዄንና፡ ብመጀመርታ ንካልኣዊ ግርጭታት ምጽዋር ከድልየና እዩ። ሕጂ እውን ንከኣኣል፡ ልቢ ነዕቢ። ግድን ኣይኮነን ዝዘለፈካ ክትዝልፎ ወይ ኣንጻሩ ሒዂ ክትብል። ከቲትካዮ ምኻድ እውን መግለጺ ልቦና እዩ። ንተጋደልቲ ብጾተይን ዋርሳይ ደቀይን ነቲ ዝተዋደቑሉ ዕላማን ዘለኒ ኣኽብሮት ልዕሊ ኩሉ እዩ። ግን ንግዚኡ ክሳብ ምሉእ ስእሊ ዝረክብ ኣብዚ ደው ክብል።
ብዝተረፈ፡ መሳርዕና ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ክዘራረግ የብሉን። ንኹሎም ነቐፍተይ ክብረት ይሃበለይ።
ወዲ ጣባ tag ክገብሮ ደልየ ርኢቶኡ ክህብ ግን ኣብ ሊስታይ ዘሎ ኣይመስለንን። እንተደለየ ርኢቶኡ፡ክህብ ዕዱም እዩ።
እንዛረበሉ ዘለና ዛዕባ ግን ልዕሊ ውልቃዊ ስምዒታትና እዩ። ምስ መሰልን ምስ ተራ ኤርትራውያን ኣብ ምዝታይ ጉዳያት ሃገሮም ዝተሓሓዝ ስለዝኾነ፡ ቅሩብ ልብና ኣስፊሕና ክንርእዮ ከድሊ እዩ።
ኣርሕብ፡ ተፈደል፡ ሕሰብ፡ ተመራመር፡ ተዛተ፡ ገስግስ!
ማሕሙድ ሳልሕ።
ኣርሕብ