ኣብ ኲናት ብኻልእ ኣገባብ ኢና ዘለና። ታሪኽና ከም ነናሹን ንጽይንን ዝግበር ዘሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ቃል ቃል ይብል ኣሎ። ናይ መን ኢኻ/ኢኺ? ናይቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ መሳርሒ ታሪኻውያን ጸላእቲ ዝኾኑ ዘለዉ ዲኻ/ኺ ወይስ ኣብ ደምበ ናይቶም ቤቶም ከመሓይሹ፡ ክጽግኑ፡ ከጽርዩ፡ ክዕምሩ / ከልምዑ ፍሕትሕትን ሕፍንፍንን ዝብሉ ዘለዉ ሰብ ተስፋን ሰብ ጽባሕን ኢኻ/ኺ?
ታሪኽና ሰራውር ህላወና እዩ። መሰረት መንነትና እዩ። ታሪኽና ዘባጩ፡ ንመንነትና ናብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ እዩ። ንመንነትና ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ድማ ብዛዕባ ህላወ ኤርትራ ይግደስ እዩ ክትብል የጸግም። ምኽንያቱ ኤርትራዊ መንነት ቅድሚ መሬት ኤርትራ እዩ ሕርያኡን ናጽነቱን ኣዊጁ።
ነብሰ ወከፍ ወለዶ ኣብ መንደቕ ህንጻ ሃገርነት ናቱ መስመር ወይ ቀጸላ የንብር እዩ። ኣብ ገሊኡ እዋን ገለገለ ወለዶታት ካብ ብጽሒቶም ንላዕሊ ክስውኡ ታሪኽ ይጠልቦም። ወለዶ ገድልን ዋርሳይን ካብ ብጽሒቶም ንላዕሊ መስዋእቲ ከፊሎምን ይኸፍሉ ኣለዉን፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ኤርትራ ልኡላውነት ንምውሓስን መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን ዝረባረቡ ዘለዉ ዜጋታትና። ታሪኽ ሓላፍነት ኣሰኪምዎም። ንኡስ ወለዶ፡ ክተዕርፎም ድሉው ዲኻ?
( ወለዶ ክበሃል ከሎ ንኹሉ የጣቓልል፣ ሲቪል፡ ተጋዳላይ፡ዋርሳይ… ብዘይ ኣፈላላይ)።
ሰላምና ነውሕስ፡ መነባብሮ ህዝብና ይረጋጋእ፡ መሰረት ፖለቲካ መጻኢት ኤርትራ ድማ ጎኒ-ጎኑ ይነጸፍ። ግድን ክኸውን ዘለዎ ነገር እዩ። ናይ ሃገራዊ ድሕነት ሕቶ እዩ።
ጸላእትና ንኡስን ውሁድን ናይ ሚድያ ሰራዊት ኣቐሚጥናሎም ናብ ውራይና። ክንምክቶምን ዓጸፋ ክንምልሰሎምን ኣገዳሲ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እነምጸኦ ጭቡጥ ለውጥታት እዮም እቶም ቀንዲ ክስዕርዎም ዝኽእሉ። መራሕቲ ወያነ ክጽረፉን ክርገሙን ‘ኳ እንተለዎም፡ ንዕኦም ምስዓር ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣይኮነን። ንዝንቡዕ ስነሓሳቦምን ውዲታቶምን ምስዓር ከም ኣካል ናይቲ ሰፊሕ ጽምዶ እዩ። ብቀጥታን ብርኡይን ንልኡላውነትና ስለዘስግኡ ኢና ንቃለሶም። ብዝተረፈ፡ ስዕረቶም ንባዕሉ ማይን እንጀራን ቤትን ስራሕን ኣይኮነናን እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝምዝገቡ ጭቡጣት ለውጥታት እዮም መዐቀኒ ዓወታትና ዝኾኑ።
ሓላዊ ወሰን ከኣ ከም ቀደሙ፡ ዋርድያ ኣውጺኡ ናብ ዳግመ ሕውየት ቁጠባ ኤርትራ! ከም ቆፎ ንህቢ…መዓስ ንዋዛ ኮይኑ ሰራዊትና ንህቢ ዝተባህለ።
As always, Eritrea will be defended and built by its patriot, optimistic and committed citizens. Let us help it become strong and wide enough to accomodate our diverse inputs and opinions. Become part of the endeavor: Reform and transform.
እቲ ብሉጽ ታሪኽናን ሓድግታትናን ዓቂብና፡ ነቲ ክግለፍ ዘለዎ ገላሊፍና፡ ኣብ መጻወድያ ጸላእቲ ከይንድቕደቕ ንቑሕ ጥንቃቀ እናገበርና፡ብሓባር ሃገርና ናብ ዝበረኸ ደረጃ ከም ትድይብ ንግበር። ብመሪሕነት ፕረሲደንት ኢሳይያስ፡ ህዝባዊ ግንባር ከምቲ ንሓርነታቂ ቃልስን ንመዋእል መኸተን ዘዐወተ፡ ነዚ መድረኽ እዚ ከም ዘዕውቶ ጥርጥር የብለይን። ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣብዚ መድረኽ እዚ ዝያዳ የድልየና ዝበልኩ ብዘይምኽንያት ኣይነበረን። (ምውሓጥ ዝኣበዮ ቅሩብ ማይ ጨው ይሓውሰሉ)።
ደጋጊመ ከም ዘስመርኩሉ፡ እዚ መድረኽ እዚ ኣዝዩ ተኣፋፊ እዩ። ኣብዚ መድረኽ እዚ፡ ዓወት መንግስትና ዓወት ኤርትራ እዩ። ውድቀት ናይ’ዚ መንግስቲ ድማ መወዳእታ ናይታ ንፈትዋ ሃገርና እዩ።
ኣይትተሃመል መንእሰይ፡ ውሽጣዊ ጸገማትና ባዕልና ብውሽጣዊ ቃልሲ ጥራይ ኢና ፈቲሕና ወይ ኣመሓዪሽና ደራኺና ዝኸውን ውጽኢት ክነመዝግብ ንኽእል።
እዚ ክኸውን ድማ ህዝባዊ ግንባር ነቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ደንበ፡ ናጽነት ርኢቶ ዝጻወርን ፍልልያት ዝእንግድን ኣሳታፍን ኣተባባዕን ክኸውንን ክገፍሕን ብሓላፍነት ክሰርሕ ኣለዎ።
ከምዚ ዓይነት ሜላ ናይ ህንጻ ሃገር ጥራይ እዩ መንፈስና ከሕድስ ዝኽእል። እዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ሃዋሁ እዩ መሃዝነት መንእሰያትና ኣብ ኩሉ ዓውዲ ስራሕ ከተባብዕ ዝኽእል። እዚ ዓይነት ሃዋሁ እዩ ንጸላእትና ክስዕር ዝኽእል። እዚ ኣገባብ እዩ መንጮም ከጽንፍፍ ዝኽእል።
ኣርሕብ፡ ተፈደል፡ ተዛተ፡ ገስግስ!
ዐውቴ እግል ርሒብ ገቢል!!