Categories
Uncategorized

ኣብዚኣ’ሞ

ናይ 2020 ማነፈስቶ= መናፍሕቶ

እቲ ጽቡቕ ነገር፡ 95 ዶክተራት ኣብ ስደት ከም ዘለዉና ፈሊጥና ኣለና። እቲ ሕማቕ ነገር ድማ ቦጅብጅ ዝኾነ ጽሑፍ ኣፍርዮምልና ኣለዉ። እቲ ማነፈስቶ 2020 ዝሰመይዎ ጽሑፍ፡ ጥረ-ምረ ዝመልኦን መናፍሕቲ ከብዲ ዘስዕብን ኮይኑ ረኺበዮ። ብሓቂ ግን መነፈስቶ 2020 እንታይ እዩ ዝብል? እንታይ ን2020 ዝበቅዕ ሓድሽ ነገር ኣለዎ? ዘይናቶም ክህቦም ስለዘይደሊ ነቲ ብእንግሊዘኛ ዝተጻሕፈ ጸሚቘ ኣስዒበ ርኢቶይ ክህብ እየ።

ብቀዳምነት ግን፡ ዕላማይ ስለምንታይ ማነፈስቶ 2020 ዘይኮነስ (ንሱ መሰሎም እዩ)፡ ኣብቲ ማነፈስቶ ንዘሎ ዝብርቕርቕ ዝበለ ሓሳባት ገላሊህና ምስ እንርኢ፡ ብሓቂ ዕላምኡ ነቲ መበገሲ ሻቕሎት ናይዞም 95 ደክቶራት ኮይኑ ተባሂሉ ዘሎ ስግኣት ኮሮና ቫይረስን ንዕኡ ንምብዳህ ዘሎ ህሉው ድኹም ጎድንታት ኣገልግሎት ጥዕና ሃገርና ንምሕባርን ሃናጺ ሓሳባት ብምቕራብ ድማ ሃገራዊ ግቡኦም ንምውጻእ ዘይኮነስ ነዚ ኩነታት ከም ምኽንያት ተጠቒምካ መቀጸልታ ናይቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዝረብረብናሉ ንምውዳቕ መንግስቲ ኤርትራ ዝጽውዕ ማነፈስቶታት ኮይኑ ረኺበዮ።

ጥምረት ሓሳባት ናይቲ ማነፈስቶ ኣዝዩ ድኹም ኮይኑ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ክኮማሳዕ ዝጸንሐ ሓሳባትን እማመታትን ዝተጸቕጸቖን፡ ኣንቢብካ ምስ ወዳእካ እንታይ እዮም ዝብሉ ዘለዉ ኢልካ ተገሪምካ ካብ ምሕላፍ ካልእ ሓድሽ ነገር የብሉን። ጽማቑ ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ፦

  • ኣብቲ ዞባ ዘራጊ ሰላም ምዃኑን ዓንዳሪ ፖለቲካ ክኽተል ምጽንሑን
    [ገሊኦም ቀንዲ ኣዳኸርቲ ናይቲ ጃንዳ ወያነን ዓንገልቱን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣስገዲድዎ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ እገዳታት ብምንባሮም እቲ ምልዓሉ ዝፈጠሮ ወቕዒ ዝበነነሎም ኣይመስልን]
  • ሰብኣዊ መሰላት ይረግጽ
  • ናይ ካቶሊክ ሆስፒታላት ዓጽዩ
  • ኤርትራ ናይ ማይ ይኹን ሓይሊ ኤለክትሪክ ቀረብ የብላን፡ ትካላት ጥዕናኣ ድኹማት እዮም
  • ንእሱራት ይፈትሑ
  • ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዱ የእቱ ኣሎ፡ ንኢትዮጵያውያን ‘ኳ ኣቐጢዑ። ቀዳማይ ሚስተር ዓቢ ኣሕመድ ካብ ኢሳይያስ ሕማቕ ከይትመሃር ንጽወዓካ። ግዳይ ውዲታት ኢሳይያስ ከይትኸውን ነጠቕቐካ።
  • ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ዓቢ ኣሕመድን ዝግበር ምስጢራዊ ስምምዓት ንመጻኢ ጎንጽታት ምኽንያት ክኾኑ ይኽእሉ—
  • ኣብ ምብራቕ ሱዳን እውን ኤትኒካዊ ግጭት ክባራዕ ይሰርሕ ኣሎ
    ሰላምን ምትሕግጋዝን ብስኒት ብሓባር ምንባርን ንህዝብታት ዞባና ጽቡቕ ምዃኑን፡ ቀንዲ ጠንቂ ግጭታት እቲ ኣካባቢ ትዕቢተኛ ባህርያት ኢሳይያስ ምዃኑን

– ኤርትራርውያን ተሓባቢርና ኢሳያይስ ክንኣሊ ኣለና

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጽማቕ ናይቲ ማነፈስቶ እዩ። ሓንጎል 95 ዶክተራት ከም ዝፈሰሶ ድማ ብኣስማቶም ምሒሎም ኣለዉ።

መቸም ከም ዜጋታት ርኢቶኦም ክጽሕፉ መሰሎም እዩ። ኣነ እውን ርኢቶይ ክህበሉ መሰለይ ኮይኑ ስለዝስመዓኒ እየ ተናኪፈዮ ዘለኹ። ግን ቅድሚ እቲ ናተይ ነቕውፌታዊ ርኢቶ ክትንጸር ዝግበኣ ቃል ኣላ። ንሳ ድማ እታ “ማነፈስቶ” እትብል እያ።

መናፈስቶ ዝብል ቃል፡ ሱሩ ኣብ ላቲን ዝኾነ ናይ እንግሊዘኛ ቃል ኮይኑ፡ ሓሳባትካን መደባትካን መተከላትካን ዕላማኻን ምንጻር ወይ ምርኣይ ወይ ምግላጽ ከም ማለት እዩ።

ስለ’ዚ፡ እቲ ክሓቶ ዝደለኹሲ፡ ኣብ መነፈስቶ 2020፡ እንታይ ሓድሽ ሓሳባት ወይ መደባት ኣቕሪቦምልና እዞም ክቡራት 95 ዶክተራት ዝብል እዩ።

ማነፈስቶ 2020 ከም ኩሎም ካልኦት ማነፈስቶታት ዝተደጋገመን ዝተኾማሰዐን፡ ዝተጋነነን፡ ዝተፈብረከን፡ ነቲ ጽሑፍ ምስ ወዳእካ እቲ ማእከላይ ሓሳብ ናይቲ ጽሑፍ፡ ማለት ነቲ እዋናዊ ሓደጋኛነት ኮሮናን ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሸለልትነትን ዘይብቕዓትን ከነጽር ዝግበኦ—ኣብቲ ጽሑፍ ኣበይ ከም ዝተረፈ ወይ ከምዝጠፍአ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን። ከምታ ርቅዕቅዕ ዝበለት ስረ እሞ ኣብ መወዳእታ እቲ ኦሪጂናል ጨርቂ ክትፈልየሉ ዘጸግመካ፡ ማነፈስቶ 2020 እውን ኣየናይ እዩ እቲ ማእከላዊ ወይ ቀላሲ ሓሳብ ክትፈልየሉ ዘይትኽእል ማይ ዝበዝሖ ቦጅቦጅ ኮይኑ ትረኽቦ።

ኤርትራ ዓቕሚ ዘይብላ ብሕሱም መንግስቲ ትግዛእ እያ እሞ ሓግዝዋ ድዮም ዝብሉ ዘለዉ፡ ወይስ

ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ንመንግስቲ ኤርትራ ገምጥሉልና እዮም ዝብሉ ዘለዉ (መርሓባ፡ እንቋዕ መጻእካለይ ኮሮና ቫይረስ እዩ ዘስምዕ)

እዚ ኮነ እቲ፡ ድሕሪ ገለ ሰሙናት ማነፈስቶ 2020 እውን ከም ቀዳሞት ማነፈስቶታት ተረሲዑ ክተርፍ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ኮሮና ቫይረስ ክስዕር ይረባረብ ኣሎ። ክዕወት እውን እዩ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፥

  1. ኤርትራ ድኻ ምዃና ንፈልጥ ኢና። ብኡ ኢና ድማ ንጓየ ዘለና። ሕልና ዘለዎ፡ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ኤርትራዊ ሎሚ ብዛዕባ ማነፈስቶ 2020 ክዛረብ ኣይምደለየን።
  2. ኤርትራውያን ምሁራት ከም ኻዋጃ (ወጻእተኛታት) ኮይኖም ንሃገሮም ከነኣኣሱ ክትርኢ የሕፍር እዩ። ጠንቂ ድኽነት ኤርትራ ጎሲኹም፡ ልክዕ ከምቲ ጸዓዱ ጋዜጠኛታት ንድኻታትን ንኡሳንን ሃገራትን ሕ/ሰባትን ንምንእኣስ ዝጠቀሙሉ ኣገላልጻታት ክትጥቀሙ ክንርኢ የሕዝን እዩ። እሞ ከኣ ካብዞም 95 ክቡራት ዶክተራትና ሓደ እዚ ሲ ቅሩብ ክመሓየሽ ኣለዎ ዝብል ተሳኢኑ?
  3. ዝበዝሕ ኣስማት ናይዞም ክቡራት 95 ዶክተራትና ኣብቲ ናይ መንግስቲ ምዕላው ፕሮጀክት ከም ካርታ ጠላዕ ክበዋወዙ ጸኒሖም። እቲ ዘቕረብዎ ሓሳባት እውን ተኾማሲዑስ ሓቒቑ እዩ። ኤርትራውያን ርኢቶኦምን ፍርዶምን ደጋጊሞም ሂቦምሉ እዮም። ምኹን እዩ። ትሩፍ እዩ። ንናይ ወጻኢ ምትእትታው ዝዕድም እዩ። ኣብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት እምነት ዘንበረ ብተደጋጋሚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣሳቕዩ እምበር ንመንግስቲ ክዓሉ ኣይረኣናዮን። ንሱስ’ስኪ ንግደፎ፡ ከምዚ ዓይነት ኣሰልቻዊ ማነፈስቶታት ዘናፍሱ ሓይልታት፡ ዛጊት ክረአን ክጭበጥን ዝከኣል ሓይሊ ክፈጥሩ ዘይከኣሉ እዮም።

  4. እዞም ክቡራት ዶክተራት፡ ኣብ ከምዚ ግዜ ጸገም ውጥም ቅልቅል ክብሉን መንነፈስቶታት ከውጽኡ ክንርእዮም ልሙድ ኮይኑ እዩ። ኣብ ካልእ ግዜ ኣብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ባይታ ክሰማምዑ ዘይክእሉ፡ ደድሕሪ ፍጻመታት ግን ህይወት ክስኮዓሎምን ፍሕትሕት ክብሉን ንርእዮም። ኣብ ጭብትን ኣብ ሓቅን ዝተመርኮሰ ሃናጽን ሚዛናውን ዝኾነ ምሁራዊ ምኽሪ ክህቡና ከመይ ምጸበቐ? ኣክንዲ ተረኽበት ምስ ተባህለ ጉያ-ጉያ፡ ወትሩ ኣብ መንጎና እንተዝህልዉ ከመይ መምሓረ ነይሩ!

  5. ነቲ ንህዝቢ ኤርትራን ዞባናን ዘሳቐየ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ጃንዳ ወያነ ከይተንከፉ ንኹሉ ጠንቅታት ግጭታት ዞባና ኣብ ዝባን ኤርትራ ኣቐሚጦሞ ኣለዉ። “ኢሳይያስ” እና በልካ ንሃገርን ህዝብን ዳግም ምውጋእ ግፍዒ እዩ።
    ኣብ ኤርትራ ለውጥታት ክተኣታቶ ኩሉ ዝደልዮን ዝሰርሓሉን እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ ሕዛእትኹም ጥራይ ኣይኮነን። ኤርትራ ካልኦት ሃገራት ክሓልፋሉ ዘይተገደዳ መስርሕ ክትክተል ታሪኽ ቀሲብዋ ኣሎ። ናይ ብሓቂ ንኹሉ-እንትናዊ ለውጥታት ትሓስቡ እንተኮይንኩም ኣካል ናይቲ መስርሕ ኩኑ። ሰላም ክረጋጋጽን፡ ናብራ ህዝብና ክረጋጋእን ህይወት ዘለዎ ቑጠባ መገዱ ክሕዝን ሓግዙ። እዚ መስርሕ ዝወልዶ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ባዕሉ ነቲ ሎሚ ነልዕሎም ዘለና ሕቶታት መልሲ ክረኽበሎም እዩ። እዚ ኣቲናዮ ዘለና መስርሕ ባዕሉ ካልእ መስርሓት ከበጋግስ እዩ። ናይ 95 ዶክተራት ትእዛዛት (ፕርስክሪፕሽን) ኣየድልዮን እዩ።

  6. ከምዚ ዝኣመሰለ መእተዊኡን መውጽኢኡን ክትፈልጥ ዘጸግም ማነፈስቶታት፡ ዝተወሳሰቡ ምዕባለታትን ተረኽቦታትን ለጣጢሙ ናብ ሓደ መደምደምታ ከምርሕ ዝህቅን ስለዝኾነ፡ ንመስርዕ ኣተሓሳስባኻ ዝድርኽ ዘሎ ነገር መታን ክተብርህ ብመጀመርታ ንጠንቅን ሳዕቤንን ናይቶም ጉዳያት ክተነጽር ኣለካ። እዞም ዶካትርና ግን ፖለቲካዊ ሕሳባት ግዲ ጸቒጥዎም፡ ንጠንቂ ናይዚ ኤርትራ ዘላቶ ድኽነትን ኣብ ኣከባቢና ዘሎ ስእነት ሰላምን ናብ ኤርትራ ኣውዲቖሞ ኣለዉ። እንተደኣ ቀንዲ ጠንቂ ስእነት ሰላም ዞባና ኢሳይያስ (ኤርትራ) እዩ ኢልካ ደምዲምካ፡ ድሕርኡ ኤርትራውያን ክስዕቡኻ ክትጽውዕ ዘየመስል ኣዩ።
  7. ካብዞም 95 ደክቶራትና፡ “ፖለቲካዊ ጸወታ ግዚኡ ኣይኮነን። ህዝቢ ኣንጻር ኮሮና ክነስምርን ክነበጋግስን ሞራላዊ ሓላፍነትን ሞያዊ ግቡእን ኣለና” ዝብል ሓደ በዓል ሓሞት ተሳኢኑ ማለት ድዩ? ብሓጺሩ ከምዚ ዝኣመሰለ ዛዕባታት ኣብ ርእሲ እቲ ሕምትልትል ዝበለን ዝተኾማሰዐን ምዃኑ፡ ህዝቢ ኣብ ናይ ህይወት ኣድሕን ስራሕ ተጸሚዱ እንከሎ ዝፍኖ ዘሎ ስለዝኾነ ብላሽ እዩ።

8. ብሓፈሽኡ፡ ማነፈስቶ 2020፡ ከምቲ ዶክተራት ዝበዝሕዎ ሕሙም ይመውት ዝበሃል ኮይኑ ኣሎ።

ብዛዕባ እቲ ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ኤርትራውያን (Eritrean Healthcare Professionals Network (EHPN)ዝተባህለ፡ ብዙሕ ንጹር ዘይኮነ፡ ኣድራሻኡን ውዳበኡን ዘይፍለጥ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ፌስቡክን ኣሰና ቲቪን ብ 2 ሚያዝያ 2020 ዘውጸኦ መግለጺ ነይሩ፡ እቲ ናይ ፌስቡክ ገጹ ድማ ምስ ምምጻእ ኮሮና ቫይረስ ዝተጀመረ ምዃኑ ዘነጽር ሓበረታ ኣለዎ። ሓገዛት ድማ ይሓትት።

ማሕሙድ ሳልሕ

ንምሉእ ትህዝቶ እቲ ማነፈስቶ፡
The 2020 Manifesto of Eritrean Scholars and Professionals in the Diaspora ኢልኩም ጉጉል ግበሩ።

Leave a comment