መጻወትቲ ጸላእቲ ኤርትራን ቃልሳን ኣይትኹኑ።ፖለቲካዊ ርእይቶኹም ክተመሓላልፉ መሰልኩም እዩ። ይኹን እምበር፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዘለኩም ጽልኢ ኣማኻኒኹም ነቲ ክንደይ ጀጋኑ ዝዓሰልዎን ዝወደቑሉን ቃልስናን ጉዳይናን ክትበጣጥሱ ሱቕ ክንብል ሕልናና ኣየፍቅደልናን እዩ።
1. ተጋዳላይ፡ በዓል ዕላማ እዩ ነይሩ። ተታሊሉ ዘይኮነስ ዕላማ እዩ ኣጋዲልዎ።
2. ደቀንስትዮ ተጋደልትና ንጀነራላት ደርግ ዝማረኻን ኣብ ልዕሊ ታንክታት ዝደበላን ጀጋኑ እየን ነይረን። ከም ሓለፍቲ ዝጻወቱለን ዝነበሩ ልኡማት ገይርካ ኣሓፊሽካ ምግላጸን ዘሕዝን እዩ።
3. ነቲ ትገልጽዎ ገበናትን ግዕዘይን እናረኣኹም ትጋደሉ እንተነይርኩም፡ እንታይ እሞ ክንብል! ኣሕዋትኩምን ብጾትኩም ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ኣብ ቅድመኹም እናተደፍራ ትጋደሉ እንተነይርኩም፡ እዚ ኽሉ ትገልጹልና ዘለኹም ብልሽውናን ምጥፍፋእን ኣብ ቅድመኹም እናተፈጸመ ሱቕ ኢልኩም ትጋደሉ እንተነይርኩም፡ እንታይ እሞ ክንብል። ውልቃዊ ረብሓ ኣቀዲምኩም’ዶ ትኾኑ? ቅሩብ ዝድርበየልኩም ኣዕጽምቲ’ዶ ነይሩ ይኸውን? ሽዑ ብውዑዩ ዘይተቕቃወምኩሞን ዘይተቓለስኩሞን ደኣ ከመይ ኢልና ሎሚ ኣብነታውያን ኢልና ክንስዕበኩም? ብሓቂ ኸ ንናይ ሎሚ ብደሆታት ክትገጥሙ ኢልኩም ናብ ናይ 40 ዓመታት ሕሳባት ክትምለሱ ኣለኩም ማለት ድዩ? ሕጂ ድሕሪ 40 ዓመታት ዝተፈርፈረ ጉዳያትን ዝተነድቀ ጽውጽዋያትን ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ ከም መቃለሲ ዛዕባ ክኾነልኩም ትሓስቡ? እሞ ኸኣ ብበዓል ስመርን ራድዮ ወጋሕታን ክበዓጥ ዝጸንሐ ኣሰልቻዊ ጎስጓሳት!
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ዘለዎም ተቃለስቲ ዝቖመ እዩ ነይሩ። ከም ኩሉ ሕ/ሰብ፡ ሓሰውቲ፡ ሰረቕቲ፡ ዓመጽቲ፡ ገበነኛታት…ክነብሮ ኩሉ ዝርድኦ እዩ። ግን እዚኦም ኣዝዮም ውሑዳትን በብግዚኡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይእረሙ ነይሮም። ኣብ ሳማንያታት ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተቐልቐለ ተርእዮታት “ሓለፋታት”እቲ ውድብ ከም ሽግር ፈሊጥዎስ ሰፊሕ ጎስጓሳት ይካየደሉ ነይሩ። ወተሃደራዊ ስራሕ ቅልጡፍን ተቐያያርን ስለዝነበረ ከምቲ ዝድለ ኣይተቐርፈን። ግን እቲ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ ነይሩ። ንሱ ከኣ እዩ እቲ ወሳኒ። ጸገማት ምንባሮም ዘይኮነስ፡ እቲ ውድብ ነቶም ጸገማት ኣላልዩ ክምሕዎም ይጽዕር ምንባሩ እዩ እቲ ክስመረሉ ዝግባእ።