ንሰማማዕ፡ ንጸዋወር
መእተዊ፥
[እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ሓጺር ግዜን ኣብ መንጎ ስራሕን ዝሕንጥጦ ዘለኹ እዩ። ንዝኾነ ወገን ዝወቅዕ ኮይኑ ክረአ የብሉን። ዝተፈላለየ ክሊፓት ክመጹኒ ቀንዮም። ከተሓሳስበኒ ጀሚሩ። ሓሳባተይ ድማ ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ደቐይን ከካፍል ስለዝደለኹ እዝርገሖ ኣለኹ። ኣብ ዝቅጽል፡ ብተራ ኣርእስታት ዝያዳ ክዓሙቑ ይኽእል። ኩሉ ግዜ ካብ ርኢቶታትኩም እናተማሃርኩ ዝመሓየሽ ሰብ እየ። የቐንየለይ።]
ንወዲ ጣባ ብኣካል ይኹን ብመልእክቲ ረኺበዮ ኣይፈልጥን። ኣይፈልጦን እውን። ሓደ ግዜ ኣብ ፓልቶክ ህግደፍ ቪዥን ሓቲቱኒ ነይሩ መስለኒ ካብኡ ሓሊፉ ውልቃዊ ኣፍልጦ የብለይን። ሕልፍ ሕልፍ ኢለ ኣብ ዩ ትዩብ ዝወጸ ቪድዮታት እርኢ እየ። ንነዊሕ ሳዓታት ቪድዮታት ክርኢ ወይ ፓልቶካት ክከታተል ዓቕሊ ስለዘይብለይ ግን ድሕረ ባይትኡ ኣይፈልጦን ተገዲሰሉ እውን ኣይፈልጥን። እቲ ዘገድሰኒ ኣብተን ዝረኣኽወን ቪድዮታት ንስርዓት ወያነ ብጥስጥስ ከብል እየ ዝርእዮ። እቲ ኣውራ ዘገድሰኒ ድማ ንሱ እዩ።
ወዲ ጣባ ኣበይ ነበረ ዘይኮነስ ወዲ ጣባ ኣበይ ኣሎ እዩ እቲ ኣገዳሲ ክኸውን ዘለዎ። ካብኡ ዝቕጽል ኣገዳሲ ድማ፡ ወዲ ጣባ ኣበይ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ ወዲ ጣባ ናበይ ክጓዓዝ እዩ፡ ናበይ ክዓልብ ይመጣጠር ኣሎ ዝብሉ እውን ዝያዳ ኣገደስቲ ክኾኑ ይኽእሉ። ሰብ ኮይኑ ኣብ ግምታቱን ኣብ ርድኢቱን ዘይጋገ የለን። መራሕቲ ከይተረፉ ኣሽሓት ጌጋታት እዮም ዝገብሩ። መራሕትና ከይተረፉ ማለት እዩ። ግን ዕቱባት መራሕቲ ካብ ጌጋ ኣይሃድሙ፡ ዕቱብን ሓቀኛን ገምጋም ገይሮም መኣዝኖም ኣስተኻኺሎም ይጓዓዙ። ኣበይ ነይርና ዘይኮነስ ኣበይ ኣለና፡ ናበይ ከ ክንጓዓዝ ኢና እዩ እቲ ዝያዳ ዘገድሶም። ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ። ካብኡ ተማሂርካ’ዶ ወይስ ኣይተማሃርካን እዩ እቲ ኣገዳሲ። ካብ ሕሉፍ ጌጋኻ እንተዘይተማሂርካ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ሓሊፉካ ማለት እዩ። ጠላዕ ተበሊዕካ።
ከምቲ ሕልፍሕልፍ ኢለ ዝሰማዕክዎን ዝረኣኽዎን። ናብ ወዲ ጣባ ዝውርወሩ ዘለዉ ክስታት፡ ኣብዘን ዝስዕባ ይጠቓለላ።
- ምስ ወያነ ነይሩ። ኣባል ኢሰፓ ነይሩ እውን ይበሃል እዩ።
-
“እዚ ፈታኒ እዋን ምስ ተሓልፈ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ንመስርት ዝብል ቀዳማይ ሰብ ክኸውን እየ፡ ዕላማታት ሰራና ህዝባዊ መንግስቲ ንምምስራት እዩ…”
ቀዳመይቲ ክሲ መሰረት ከምዘይብላ ኣብ መእተዊ ተንኪፈያ ኣለኹ። ብዝያዳ ግን ኣብ ዝቕጽል ንባብ ናይ’ዚ ኣርእስቲ ምስ ባህርን ታሪኽን ህዝባዊ ግንባር ብምትእስሳር ብኣብነታት ከብረሃ እየ። እታ ክሲ ታሪኻዊ መሰረት ይኹን እዋናዊ ጠቐሜታ ከምዘይብላ ከርኢ ክፍትን እየ። ምኽንያቱ ህዝባዊ ግንባር “ኣበይ ነይርካ ዘይኮነስ፡ ኣበይ ኣለኻን ናበይ ገጽካ ኢኻ”ን እዩ ዝገድሶ።
ኣብታ ካልኣይቲ ክሲ እንተመጺእና ድማ፡ ንሳ እውን ብቕዕቲ ኣይኮነትን። ህዝባዊ ግንባር ቅዋማዊ ስርዓተ ፖለቲካ ክምስርት ዕላምኡ ምዃኑ ሎሚ ዘይኮነስ ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ፍሉጥ እዩ። ሕጂ እውን ቅዋማዊ ስርዓት ኣይምስርትን ክብል ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። እሞ መን ደኣ እዩ እቲ ዝያዳ ንህዝባዊ ግንባር ዝመስል ዘሎ? ወዲ ጣባ ድዩ ዝያዳ ንህዝባዊ ግንባር ዝመስል ዘሎ ወይስ እቶም ነቐፍቲ ወዲ ጣባ?
መንእሰያት ከየታልል’ሞ ጽባሕ መሪሕዎም ከይመጸና ዝብል ኣበሃህላ ድሩት ንቕሓት ዝወለዶ ዘይምክኑይ ፍርሒ እዩ። ህዝቢ ወሳኒ ምዃኑ፡ ነቲ ትከላኸለሉ ዘለኻ ወገን እውን ህዝቢ ክፈርዶ መሰል ከምዘይብሉ፡ ኤርትራ ብዘይካኻ ካልኦት ከምዘይሓልዩላ ንስኻ ጥራይ ገላጽን ሕላገትን ኤርትራውነት ምዃንካ ምእማን እዩ መንቀሊኡ። እዚ ድማ ሃናጺ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ሓደገኛ ክከውን ይኽእል። እቲ ኣጸቢቐ ዝፈልጦ ህዝባዊ ግንባር ብኸምዚ ኣይግለጽን (ትሒተ ብኣብነታት ኣሰንየ ከእምነኩም ክፍትን እየ)።
ሎሚ ናይ ምርባሕን ናይ ምትእኽኻብን ግዜ እዩ። ናይ ተፈደልን ኣርሕብን ግዜ እዩ። ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ሓላፍነታዊ ተቓውሞ ኣይክህሉን ኢሉ ዝኣምን ህዝባዊ ግንባር እየ ክብለኒ ኣይክእልን። ታሪኹን፡ ሰነዳቱን ተወከሱ። እንኮላይ እቲ ብ1994 ዘውጸኦ ሃገራዊ ቻርተር። ግን ናይዚ እዋንና ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት፡ ምርግጋእ ሰላምን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን (ቑጠባዊ ሕውየት) ምዃኑ ንክውንነት ሃገርና ዝከታተል ሰብ ኣይጠፍኦን እዩ።
ይኹን እምበር ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ መድረኽ ስለዘለና፡ ንሃንቀውታታትናን ጥሙሓትናን ምስ ክውንነት ኣሳኒና፡ ቀዳምነትና ነዚ ብዙሕ መስዋእቲ ዝሓተተ ሰላም ቀዳምነት ንሃቦ። ምርግጋእ መነባብሮ ህዝብና ቀዳምነት ንሃቦ። ደመኛ ጸላእትና ክሰዓሩ ኣብ ዝግበር ርብርብ ኢድና ንሓውስ፡ ንመንግስትና ንሓግዝ። እቲ እንኮ ነዚ ኩነታት መሪሑ ዘዕውተና እዚ መንግስቲ ናይ ህዝባዊ ግንባር እዩ። ዓወቱ ዓወት ኩላትና እዩ። ውድቀቱ ድማ ውድቀት ኤርትራ እዩ። ወዲ ጣባ ነዚ ክገብር እየ ዝርእዮ ዘለኹ። ንሱ እዩ ድማ ዝያዳ ዘገድሰኒ።
ወዲ ጣባ ንጽባሕ ዘስጋኣካ ዝመስለካ እንተኾይኑ፡ ንዕኡ ብምዕባስን ብምድሃልን ዘይኮነስ፡ ተወዳዳርን ሰሓብን መደባትን ኣወዳድባን ብምፍጣር እዩ ክትብደሆ ዘለካ። ዝሓሸ ኣማራጺ ብፍጣር ኢኻ ትወዳደሮ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንስኻ ዲኻ ትስዕር ወዲ ጣባ ህዝቢ እዩ ዝውስኖ። ህዝቢ ብቐሊሉ ዝዕሾ ገይርካ ምሕሳብ ባህሪ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን። ከምዝመስለኒ፡ ከምዚ ዓይነት ሻቕሎታት ካብ ዘይክዉን ፍርሒ (irrational fear) ዝብገስ እዩ። ባህሪ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን። ካብቲ “ኣነ እየ እቲ ፍጹም ንኤርትራን እንታይነታን ክገልጽን ክውስንን ዝኽእል” ዝብል፡ ክውገድ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ዝነቅል እዩ። ኣተሓሳስባና ክነስፍሕ ኣለና። ኣሳታፍን ኣተባባዕን ኣገባባባት ክንክተል ኣለና። ክሳብ ሕጂ ንወዲ ጣባ ከም ሃገራዊ ሓደጋ ክገልጾ ዝኽእል ጭብጥታት ኣይረኣኹን። እንተሎ ድማ ሃየ። ብዘይውልቃዊ ሃተታታት (1፡2፡3–ኢልኩም ኣቕርቡ)። ብወገነይ፡ ካብ ውልቃዊ ጽልእን ካብ “ኣበይ ነይሩ ሕጂ ዝምድረና—” ዝወጸ ኣተሓሳስባ እዩ ዝብል፡ እምነት እዩ ዘለኒ። ብሓቊ ከምኡ እንተኾይኑ ድማ ናይ ሰነፋት ኣተሓሳስባ እዩ። ናይ ህዝባዊ ግንባር ክከውን ኣይክእልን። ብስም ህዝባዊ ግንባር ክናፈስ ከሎ ድማ ኩላትና ንሓድግታትን ታሪኽን ህዝባዊ ግንባር እንግደስ ዜጋታት ያዕ ክንብሎ ኣለና። ኣብ ታሕቲ ብኣብነታት ክረጋግጾ ከም ዝኾንኩ፡ ህዝባዊ ግንባር “እቶ፡ ተፈደል፡ ኣርሕብ፡ ጉዳይካ እዩ፡ ተዛተ” ዝብል እምበር ብዝገበሮ ዝጃሃርን “ኣበይ ነይርካ” ዝብልን ኣይኮነን።
ሰብ ኮይኑ ዘይወድቕ የለን። እቲ ክነተኩረሉ ዘለና መዳይ ግን፡ ዝወደቐ ሰብ ተሲኡ መኣዝኑ ኣስተኻኺሉ ናብቲ ቅኑዕ ኣንፈት ምስ ዝምርሽ እዩ። ግን ሰባት ኮይንና ኣብ ጉዕዞ ሂወት ብዙሕ ኢና ንርኢ። ገሊኦም ካብ ጌግኦም ተማሂሮም ናብቲ ቅኑዕ ኣንፈት ይምርሹ፡ ገሊኦም ግን ጌጋ ምእማን ሞት ኮይኑ ዝስመዖም ኣለዉ። ደምበና ክስስንን ክዓብን እንተኾይኑ፡ ኣረኣእያና ክነስፍሕ፡ ምእንቲ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ድማ ሓዳጋት ወይ መሓርቲ ክንከውን (ማዕሌሽ ክንብል) ኣለና። ዓዳሚ ባህሪ ክነማዕብል ኣለና። ነቶም ናብ ቅኑዕ መኣዝን ተመሊሶም ግቡኦም ዝፍጽሙ ዘለዉ ክነተባብዕ ኣለና። ሃገራዊ ግቡኦም ምዃኑ ስለዝኣምኑ እዮም ግዚኦምን ጉልበቶምን ዘፍስሱሉ ዘለዉ። ንዓኻ ወይ ንዓኺ ከሕጉሱ ኣይኮኑን። ከይተጸውዑ ወይ ግበር ከይተባህሉ ብዜግነታዊ ሓላፍነት ተደፊኦም ዝሰርሑ እዮም። ክተባብዑ ኣለዎም። ንወዲ ጣባ ድማ ኣብሽር፡ ማ የሁመክ፡ ኣጆኻ—ቀጽል ጥራይ እየ ክብሎ ዝደሊ። እዚ ደስ ዘይበሎ ድማ ኣብ ክፉት ህዝባዊ ክትዕ ምሳይ ክገጥም ይኽእል እዩ። ብግልጺ ማለት እዩ። I’m ready to debate anybody on this issue.
እስከ ካብዚ መእተዊ ክንሓልፍ—-
ደረቓት ወይ ፍጹማት ኢና፡ ኣይንጋገን ዝብሉ ኣርባዕተ ዓይነት ሰባት ኣጓኒፎምኒ ኣለዉ።
- ሃሜናዊ (dogmatic) ባህሪ ዘለዎም ሰባት፥ ኣብ ርድኢቶምን ኣመላኽኽታኦምን ኣዝዩ ሓያልን ፍጹማውን እምነት ዘለዎም፡ ደረቓት፡ ብጸቢብነት ዝተዋሕጡ፡ ናይ ምክታዕ፡ ምምሃርን ምስትምሃርን ምጽውዋርን ምክእኣልን ዓቕሚ ዘይብሎም፡ ማእከል ዓለም ኮይኖም ዝስመዖ፡ ብዘይካ ርኢቶኦምን እምነቶምን ካልእ ርኢቶታት ቦታ የብሉን። ከምዞም ዓይነት ሰባት ድማ በታ ርድኢቶም ጥራይ ክኸዱ ዝደልዩን ርኢቶ ካልኦት ክሰምዑ ቅሩባት ዘይኮኑን እዮም። ንኣብነት ከም ሃገራውነትን ኤርትራውነትን ዝኣመሰሉ ኣምራት ብርድኢቶም ይገልጽዎ። ብናቶም ርድኢት እንተዘይኮይኑ፡ መጽሓፍ ከፊቶም እውን እስኪ ካልኦት ብከመይ ይገልጽዎ፡ እቲ ናይ ካልኦት ኣገላልጻ ትርጉም፡ ስምዒት ወይ መቐረት (sense) ኣለዎ’ዶ ኢሎም ዘይመራመሩ ሰባት እዮም። ምናልባት እስኪ ነዚ ኣገላልጻ ንመርምር፡ ምናልባት ተረድኦና ግጉይ ክኸውን ይኽእል ክብሉ ዘይክእሉ። ሃገር ብብዙሕ ኣረኣያን ጥሙሓትን ዘለዎም ዜጋታት ዝቖመት ምዃና ዘይስቀሮም…ንዕኦም ዘይመስል ኩሉ ተጻባኣይ ገይሮም ዝቖጽሩ፡ ክቱር ፍርሕን ሻቕሎትን ዘለዎም፡ ካብ ዓለምን ካብ ዜጋታቶምን ተሓዪሮም ኣብታ ድኽነት ኣተሓሳስባ ዝዓሰላ ደሴቶም ተሓዪሮም ክቕመጡ ዝመረጹ ሰባት የጠቓልል። ነዚኦም ሓንሳብ ጥራይ ኢኻ ክትመልኦም ዘድልየካ። ካልኣይ ሳልሳይ ኣየድልን። ሓንሳብ እንተ ኣሚኖም ወላ ኣካባቢኦም እና ተቐየረ ከቓልቡ ኣይክእሉን። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ንኣተሓሳስበኦም ዝብድህን ነታ ተዓቒቦምላ ዘለዉ ደሴት ዝኹኩሕን ገስጋስን ተጻዋርን ሕፍንፍን ዝብልን ኤርትራዊ ዘተን ምቅርራባትን ምዝርራባትን ምዝታይን ክተደንፍዕ ኣለካ። ዘይቅየር የለን ክቕየሩ እዮም። ካብቲ ባዕሎም ዝሃነጽዎ ናይ ኣተሓሳስባ ማሕቡስ ቀስ ብቀስ ወጺኦም ናብ መኣዲ ፍልጠትን ወጃዕጃዕን ክሕወሱ እዮም። መጀመርታ ከጸግሞም ይኽእል። ግን ሰባት ስለዝኾኑ እቲ እወንታዊ ኣከባቢኦም ብእወታ ክጸልዎም እዩ።
-
ትሑት ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎም፡ ወላ ተጋግዮም ምዃኖም ክኣምኑ ዘጸግሞም ሰባት እዮም። ምኽንያቱ “ተጋግየ” ምባል ከም ሕመቕ ወይ ድኻም ስለዝቖጽርዎ። ስለ’ዚ፡ ከኣ ኣብታ ንእሽቶ ዓለሞም ኮለል ይብሉ። ከምዛ ዝለመሰት ወይ ፓራላይዝድ ዝኾነት ሰብነት እዮም። ትምዕብል እንተዄንካ ፍትሕትሕን ሕፍንፍንን ክትብል ኣለካ። ገይጋኻን ድኻምካን ክንገረካ እትህንጠ ሰብ ክትከውን ኣለካ። ሰብ ካብ ተመክሮኡ እዩ እና ተማህረ ዝዓቢ፡ እና ወደቐን እና ተሰአን። ፈራሕን ትሑት ርእሰ ምትእምማንን ከምኡ እውን ሃሜናዊ (ዶግማዊ) ሰብ እንተዘይኴንካ ገይጋ ምግባር ባህርያዊ ውጽኢት ናይ ክትመሃር ምድላይ ምዃኑ ኣሚንካ ቀጽል። ኩሉ ግዜ ጌጋታትካ ክንገረካ ከም እትደሊ ሓብር። ርእስኻ ኣቕንዕ። ጌጋታትካ ክንገረካ ድሉው ዝኾንካ ሰብ ምስ እትኸውን ኣብ ጥርዚ ስልጣነ ኩድጭ ኢልካ ምህላውካ ፍለጥ። ስልጡን ሰብ ዝበሃል ቅንዕና ዘንቀሎ መደቡ ብዘይፍርሒ ዘተግብር፡ “ጌጋ ተገይሩ” ኣብ ዝበሃለሉ ድማ ደው ኢሉ ጌግኡ ብኣንክሮ ዝሰምዕን ብትሕትና መርሚሩ ዝቕጽልን እዩ። ትሑት ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎ ሰብ ግን ካብታ ልምድቲ መገዲ ከላግስ የጸግሞ። ወላ እታ ልምድቲ መገዲ ብውሒጅ ወይስ ብምንቅጥቃጥ መሬት ተባሕጒጋ ናብ ገደል እንተተቐየረት፡ ከላግስን ኣማራጺት መገዲ ክደልን የጸግሞ። ካብታ ዝፈልጣ ምንቕ ከይብል ይፈርሕ። ምኽንያቱ እቲ ፍጥረት ዝዓደለቶ ናይ ምምርማር ዓቕሙ ኣደስኪልዎ እዩ። ከምዞም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብነት ፖለቲካዊ ባህልናን ወይ ኣፈኛታት ኤርትራውነት ክኾኑ ኣይምነን።
-
ንኹሉ ፍጻመታትን ምዕባለታትን ብዓይኒ ውልቃዊ ረብሓኦም ዝርእዩ። ሓቂ ዘይተገድሶም። ክቱር ነብሰ ፍትወትን ኣምልኾትን ዘለዎም ሰባት (narcissists)። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ንነብሰ ወከፍ ምዕባለ ወይ ተረኽቦ ብናይ ገዛእ ርእሶም ጠቕሚ ጥራይ ይፈርድዎ። ብስም ሃገርን ህዝብን ክፈላሰፉ ይኽእሉ እዮም። የዋሃትን ፈራሓትን ጥራይ እዮም ዘደናግሩ።
-
ትሑት ንቕሓት ዘለዎም ሰባት እውን ብሰንኪ ክፉእ ጠባያት (personality issues) ዘይኮነስ፡ ካብ ትሑት ንቕሓት ዝተበገሰ ክመራመሩን ክትንትኑን ንነገራት ከተኣሳስሩን የጸግሞም። ዓቕሞም ዘፍቅዶ ጥራይ ክቕበሉ ስለዝኽእሉ፡ ናይ ምዝማድን ናይ ኣስፊሕካ ምሕሳብን ድሩትነት ኣለዎም። እታ ምችእቲ ዝብልዋ ደረጀኦም እተፍቅዶ ጥራይ እዮም ከሰላስሉ ዝኽእሉ። እዚ ድሩትነት እዚ ድማ ናብ ጉጅለ ቁጽሪ ክልተ (ኣብ ላዕሊ ዘሎ) የዛምዶም። እዚኦም ብትሕትናን ካብ ደረጀኦም ተበጊስካን እንተቀሪብካዮም ክመሃሩን ክምዕብሉን ቅሩባት እዮም (ካብ ጉጅለ ቁጽሪ 2 እትፈልዮም ጠባይ)።
ስለምንታይ እዚ ኽሉ ኣድለየ?
መን ንመን እዩ ከጓጥጠሉን ኣብ ክፉት ህዝባዊ ናይ ሚድያ ቤት-ፍርዲ ( court of public opinion) ክምርምሮን ከዋርዶን? መን እዩ እቲ ምሩጽ ኤርትራዊ መን ከ እዩ እቲ ሻሕካር? በየናይ መስኮት ተራእዩ እዩ? ስለምንታይ ኣብ ከፋፋሊ ኣጀንዳታት ነድህብ? ብዙሕ ኣከራኻሪ ሕቶታት ክመጽእ ይኽእል። ኣብኡ እንተ ኣቲና መወዳእታ ኣይክህልዎን እዩ። ዝያዳ ዘነጽሮ እንተሎ ግን ናይ ምዝርራብን ምክእኣልን ምጽውዋርን ዓቕምና ክነማዕብልን ጌጋታትና እና ኣረምና ናብ ዘተኣኻኽብን ዘቀራርብን መኣዝን ምኻድ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣዚና ደኺምና ከምዘለና ከየስመርኩሉ እንተሓሊፈ ናይ ብሓቂ ሃገራዊ ግቡአይ እጎሲ ኣለኹ ማለት እዩ። ሎሚ ተተሓሒዝና ንቅድሚ ዝብሉ ሰባት የድልዩና ኣለዉ። እቲ ኣነ ዝፈልጦ ህዝባዊ ግንባር ከምኡ ኣይነበረን ክከውን እውን ኣይክእልን። ብስም ህዝባዊ ግንባር እና መሓልካ ዝግበር ዓንቃፊ ወስታታት ብእዋኑ ክግታእ ኣለዎ።
እቲ ኣነ ዝፈልጦ ህዝባዊ ግንባር
1. ኤርትራ ምስ ኩሉ ባህልታታን ልምድታታን ካብ ጻት ናብ ጻት ዘካተተ ውድብ እዩ።
2. ውሽጣዊ ዳይናሚክነትን ውልቀ ተበግሶታትትን ዘተባብዐ፡ ካብ ጌጋታቱ እናተማህረ ዝገስገሰ ውድብ እዩ።
3. ዕላማኡ ኤርትራ ምሕራር ጥራይ ዘይኮነስ ቅዋማዊ ዝኾነ ህዝባውን ደሞክራስያውን መንግስቲ ምምስራት እዩ።
3. ዝተፈላለየ ርኢቶታት ዝጻወር ሰፊሕ ግንባር እዩ
ኣበይ ነይርካ ዘይኮነስ “መርሓባ፡ እቶ፡ ተፈደል፡ ተዋሳእ…ግቡእካ ግበር፡ ሃገር ናይ ኩላትና እያ…” ዝብል እዩ።
ኣብነታት’ዶ ኢልኩም? ሕራይ—
ሀ- ምስ ሃይለስላሰን ደርግን ወጊኖም ህዝቦም ዝገፍዑ ዝነበሩ ኣባላት ኮማንዲስ ተቐቢሉን ኣንቂሑን ንፉዓት ተዋጋእትን መራሕትን ህዝባዊ ሰራዊት ከም ዝኾኑ ገይሩ።
ለ- ኢትዮጵያውያን ወተሃደራት ከይተረፉ ኣንቂሑ ኣንጻር ደርጊ ኣዕጢቑ። ሐደ ሓደ እውን ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሰራዊት ተሰሊፎም ክሳብ መራሕቲ ኣሃዱታት ዝበጽሑ ነይሮም እዮም።
ሐ- እዞም ኩሎም ሚሊሻ ስርናይ ብረቶም ናብ ጸላኢ ከም ዘቕንዑ ዝገበረ ውድብ እዩ ህዝባዊ ግንባር
መ- ዝተፈላለየ ድሕረባይታን ድለታትን ዝነበሮም ኤርትራውያን ሓቚፉ ዘጋደለ እዩ።
ሰ- ምስ ዝተፈላለያ ውድባት ኤርትራ ብሓባር ንምስራሕን ውግእ ሓድሕድ ንምውጋድን ብወገኑ ዓቕሙ ዘበለ ዝገበረ ውድብ እዩ።
ሸ- መሪር ውግእ ሓድሓድን ውሽጣዊ ኩነታት ጃብሃን ብዝፈጠሮ ኩነታት ካብ ጃብሃ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝመጹ ተጋደልቲ፡ መርሓባ ኢሉ። ድሕሪ እቲ ብሰላማውን ምርድዳእን ዝተበጽሐ ውሳነ፡ ኣብ ዝህብዊ ግንባር ክስለፉ ብድሌቶም ብዝገበርዎ ውሳነ፡ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተጸንቢሮምስ ኣዝዩ ንኡድ ዝኾነ ተሳትፎ ኣርእዮም (በብግዚኡ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝስልሙ ዝነበሩ ተጋደልቲ ጃብሃ ገዲፍካ፡ እቲ ብ1977 ዝመጸ ብፋሉል ዝፍለጥ እኩብ ሓይሊ፡ እቲ ብ1983 ብሳግም ዝፍለጥ ገዚፍ ሓይሊ፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ኤርትራ ዝኣተዋ ውድባትን ተጋደልተንን—ወዘተ ክጥቀስ ይከኣል)።
ረ. ዶ/ር ኣማረ ተኽለ ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባርን ደርግን ዝተገብረ ዝርርብ ሰላም ኣባል መንግስቲ ደርግ ነይሩ። ኣብ 1993 ግን መራሒ ናይታ ረፈረንደም ዝካየደት ኮሚሽን ኮይኑ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 99.8% “እወ ንናጽነት” ዘድመጸሉ መስርሕ ረፈረንደም መሪሑ። ኣበርይ ነይርካ ኣይተባህለን። “እንቋዕ ደኣ ናብቲ ዘምሕረልካ ደምበ ተጸምበርካ” እዩ ተባሂሉ። ዶ/ር በረኸትር ሃብተስላሰ እውን ኣባል ናይታ ንስልጣን ደርግ ዘረጋገአት መርማሪት ኮሚሽን ነይሩ። ግን ናብ ሰውራ ክጽንበር ምስ ወሰነ መርሓባ ኢልዎ ህዝባዊ ግንባር። ንጉዳይ ኤርትራ ድማ ምሁራዊ ዓቅሙ ኣወፍዩ። ኣብ ህሉው ኩነታቱ ዘለካ ኣረኣያ ካልእ ክኸውን ይኽእል። ናትካ/ኪ ጉዳይ እዩ። እዚ ግን ነታ ከስምረላ ዝደሊ ባህሪ ህዝባዊ ግንባር ኣይቅይርን። ማለት እቲ ውድብ ከምዚ ገሊኦም ሎሚ ክገልጹልና ዝደልዩ ዘለዉ ብጸቢብነትን ብናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት ዝጥቃዕ ዘይኮነስ ርሒብን ኣሳታፍን ምንባሩን፡ ሕጂ እውን ከምኡ ከምዝኾነን ከምኡ ኮይኑ ከኣ ክቕጽል ከምዘለዎን ንምስማር እዩ።
እንታይነት ህዝባዊ ግንባር ክንርዳእ ዓቕሚ ዝሓጽረና እንተኾይኑ ክንመሃር ቅሩባት ምዃን እዩ ዘድሊ። እንተዘይኮይኑ በብናይ ውልቅና ጸቢብ መስኮት ጥራይ ዝግለጽ ውድብ ዘይምዃኑ ንምግላጽ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ኣበይ ነይርኩም ዝብል ኣይኮነን። “ሕጂ ከ ናበይ” እዩ ዝብል ህዝባዊ ግንባር፡ ሕጂ ኸ ናበይ—-።
ካበይ ደኣ መጺኡ እዚ ሎሚ ንሰምዖ ዘለና ምጉብዕባዓት? ዝያዳ መን ሃገራዊ ወይ ተሓላቒ ህዝባዊ ግንባር ንምዃን እዩ?
ህዝባዊ ግንባር፡ ወላ ነቶም ዕሉላት ገበነኛታት ናብ መስመሮም ክምለሱ እዩ ዝጽዕር ነይሩ። ቅድሚ ብዃለተኦም ዓትዒቱ ዘውጸኦም ወይ ገም ዘብሎም ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት ይሰደሎም ነይሩ። ሰለስተ መጠንቀቕታታት ኣብ ኢዶም ከም ዝበጽሓ እዩ ዝግበር ነይሩ። ጌገኦም ይነግሮም፡ ዕላማታት ሰውራን ቃልሱን ይምህሮም። ብዝኾነ ኣገባብ ናብ ቁጽጽሩ ምስ ኣተዉ ድማ ምሂሩ ናብ ሰውራዊ ዕማማት እዩ ዘሰልፎም ነይሩ። ህዝባዊ ግንባር ናይ ምብዛሕ እምባአር ናይ ምጉዳል ኢንዳስትሪ ኣይነበሮን። ናይ ኣርሕብ ተፈደል እምበር ናይ ምክፍፋልን ምጉዝዛይን ምህሮን ሰረተ-እምነትን ኣይነበሮን። እቲ ውድብ፡ ህዝባዊ ግንባር ክሳብ ዝኾነ ድማ ከምኡታት ክነብሮ ኣይክእልን።
እንታይ ደኣ’ዩ እቲ መፍትሒ?
መቸም ብዛዕባ ኤርትራውነትን ሃገራውነትን…ወዘተ ብዙሕ ዕቱብ ክትዓትን እህን-ምህን የድሊ ከም ዘሎ እናበርሀ ይመጽእ ኣሎ። ካብ ክቱር ፍርሕን ጸቢብነትን ዝነቅል ፍቕሪ ሃገር እዋናዊ እዩ። ነባሪ ኣይኮነን። እንስሳታት እውን ኣብ ግዜ ስግኣት፡ ባእሶም ሓዲጎም ነታ ስግኣት ክሳብ ትሓልፍ ከይፈተዉ ይተኣኻኸቡ እዮም። ሓንሳብ እታ ስግኣት ምስ ተቐንጠጠት ግን ናብ ባእሶምን ውልቃዊ ዋኒኖምን የብሉ። ህዝብታት እውን ብተመሳሳሊ ፍርሕን ስግኣትን ዘበገሶ ግዝያዊ ምትእኽኻባትን ሓድሓዳዊ ምድልላይን የርእዩ እዮም። እዚ ባህሪ እዚ ብፍልቀታዊ ምትሕልላፍ (evolution) ተወራሪሱ ዝመጸ ፍጥረታዊ ጠባይ እዩ። ንቑሕ ውሳነ ኣይኮነን።
ሃገራውነትና ኣብ ንቕሓትን ኣብ ኣፍልጦን ዝተሰረተ ክከውን ይግባእ። ሃገራውነት ፍቅሪ ሃገር ካብ ኮነ፡ ብዝተፈላለየ መልከዓት እኳ ክንገልጾ እንተኸኣልና፡ ንሰማመዓሉ ሕመረት ግን ክህሉ ኣለዎ። ስለ’ዚ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ምምላስን ኣብኦም ምክታዕን ፍኹስ ኢሉና ነቲ ዕላል ክንቅጽሎ ይሕግዝ።
- ብመጀመርታ፡ ኤርትራ ክትብል ከለኻ እንታይ ይረኣየካ? ታሪኻ፡ ብዝሐ ባህላዊ ኣገላላጻ ዘለዎም ህዝብታታ፡ ጂኦግራፍያዊ ቅርጸ-መረታን ዶባታን ፍልልያት ብዝሕን ባህርያዊ ሃብቲ እንስሳን ቡቅልን ከሊማን። ብምልኣ ትረኣየካ ኣላ’ዶ ወይስ ኤርትራ ብዓይኒ ናይቲ ዝዓበኻሉ ዓዲ ወይ ኣካባቢ ጥራይ ኢያ ትቕረጸካ ዘላ?
-
ህዝቢ ኤርትራ ብዝሐ ኣረኣእያን ድሌታትን ዘለዎ ንቡር ሕ/ሰብ ምዃኑን ብዙሕነቱ ጸጋ ምዃኑን፡ ሰላማዊ ምውስሳብን ምብልላዕን ናይዞም ብዝሐ ባህላዊ ጸጋታትን ንሶም ዝፈጥርዎ ሰላማዊ ባህላዊ ዳዩናሚክነት ትጻወር ዲኻ ወይስ ንዓኻ ዘይመስል ዘበለ ዘሾቕርረካ ሰብ ኢኻ?
-
እንታይ እዩ መሰረት ሃገራውነትካ? ሃገርካ በቲ ነቶም ዝለመድካዮምን ከም ኣቦን ኣደን ትቖጽሮምን ውድባት ወይ መራሕቲ እትህቦ ክብሪ ዲኻ ተፍቅራ፡ ወይስ እዞም ውድባትን መራሕትን በቲ ንሃገርካ ዘበርክዎ መዚንካ ኢኻ ተፍቅሮም? መን እዩ እቲ ቀላሲ? ብእጠማምታኻ፡ ጠቕሚ ሃገርን ጠቕሚ እትፈትዎ ፖለቲካ ውድብን ክፈላለ ይኽእል’ዶ? ብኣራኣእያኻ፡ መዓስ እዮም ተጻጻራሪ መልክዕ ዝሕዙ?
እዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ሕቶታት ብውልቃውን ብደረጃ ኣዕሩኽን ማሕበራትን ክንዛተየሎም ይግባእ። ኣብዚኦም ሓባራዊ መረዳእታ ምስ እነማዕብል ናብቲ ዝቕጽል ዕሙቕ ዝበለ መድረኽ ክንሓልፍ ንኽእል።
ሃገራውነት ማለት ፍቕሪ ሃገር ማለት እዩ። ሃገራውነት ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ክጠቓለል ይኽእል።
- ኤርትራ ምስ ብዙሕነታ ምቕባላ። ንስኻ ከም ኣካላ እምበር ንሳ መቀጸልታ ውልቃዊ ኣተሓሳስባኻ ኣይኮነትን። ወይ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንስኻ ኢኻ ኣካላ እምበር ንሳ ኣካልካ ኣይኮነትን። ብዝዳ ንምብርሁ፡ ኤርትራ ካባኻ ኣዝያ ስለ ትዓቢ፡ ንስኻ ብመስኮትካ ጥራይ ኢኻ ትርእያን ትገልጻን። ብዙሓት መስኮታት ተወሃሂደን ግን ምሉእ ስእሊ ኤርትራ የቕርባ። ስለ’ዚ፡ ሃገራውነት ማለት ንኤርትራ ከም ስድራናን ገዛናን ምርኣያ ማለት እዩ። ስድራኻን ገዛኻን ክድፈር ከሎ እንታይ ይስመዓካ? ኩሎም ክፍልታት ሕ/ሰብ ኤርትራ ድማ ከም ኣባላት ስድራና ምቕባሎም።
-
ምስ ኤርትራን ኤርትራውያንን ሓያል ስነኣኣምሮኣዊ ምትእስሳር ምምዕባል/ strong psychological attachment ምህላው)። ኤርትራ ንምክልካልን ንምብልጻግን ብጉስ ምዃን፡ ወላ ህይወትካ ወይ ክሳድካ ዝሓትት እንተኾነ።
-
ሃገር ልዕሊ ውልቃዊ ኣንነትካን ጥሙሓትካን ምዃና ምፍላጥ።
ሃገራውነት ፍቕሪ ሃገር ካብ ኮነ፡ ብዝተፈላለየ መልከዓትን ቋንቋታትን ክግለጽ ከም ዝከኣል ምፍላጥ። እታ ኣገዳሲት ነጥቢ ግን፡ ሓደ ሰብ ወይ ውድብ ወይ ጉጅለ መንቀሊ ንጥፈታቱን ዕላምኡን ንምሕላውን ምሕያልን ምብልጻግን ሃገር ክሳብ ዝኾነ ሃገራዊ እዩ። ግድን ኣይኮነን ምስ ፖለቲካዊ እምነትካ ክሰማማዕ። -
ኣንጻር እቶም ነዛ ቤትና ዝኾነት ኤርትራ ከዕንዉ ዝንቀሳቐሱ ባእታታትን ጉጅለታትን ኣተሓሳስባታትን ደው ምባል። ንኩሎም ብሃይማኖትን ኣውራጃን ቀቢላን ከባእሱና ዝፍትኑ ወይጦታት ከም ሓንቲ ስድራ ደው ምባል።
ኣብ መወዳእታ፡ ንዓይ ዘይሃገራዊ ዝበሃል፥-
- ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዘይቅበል
-
ምስ ባዕዳዊ ሓይሊ ኮይኑ ንሃገረይ ዝወግእ፡ መሳርሒ ባዕዲ ዝኾነ ኣጀንዳታት ዘጋውሕ
-
ህዝቢ ኤርትራ ክፈላልን ከናቑትን ዝፍትን
-
ውልቃዊ ጠቕሙ ልዕሊ ሃገር ዝሰርዕ
-
ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንምዕባለን ዕብየትን ኤርትራ ገታእቲ ዝኾኑ ባህልታትን ኣተሓሳስባታትን ከተኣታቱ ዝፍትን
-
ናትኩም ወስኹሉ
ካልእ ኹሉ ምጽውዋር ጥራይ የድልዮ። ከም ህዝብን ሃገርን ፍልልያት ናይ ርኢቶታት ክህልዉና ቅቡልን ንቡርን እዩ። ካባ ህዝባዊ ግንባር ተኸዲንና ግን፡ ነቲ ካብ ጽቡቕ ድሌታት ዝብገስን ንሃናጺ ጽምዶን ዘተን ዘተባብዕ ርኢቶታት ምድርቋስ ህዝባዊ ኣይመስልን። ናይ ህዝባዊ ግንባር ባህሪ እውን ኣይኮነን። ወዲ ጣባ ይኹን ዝኾነ ካልእ ዜጋ ግቡኡ እናፈጸመ ብዛዕባ ሃገሩ ርኢቶኡ ክህብ መሰሉ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ግዜ እዚ ተጻዋራይን ዓዳምን ዝኾነ ኣመለኻኽታ ክነማዕብል ኣለና። ጉዳይ ሃገር ካብ ውልቃዊ ወይ ጉጅለኣዊ ቲፎዞነት ኣዝዩ እዩ ዝዓቢ። ሰብ ድማ ብውልቀ ፍጻመታት ዘይኮነስ ጉዕዞ ህይወቱ ብጠቕላልኡ ተገምጊሙ እዩ ፍርዲ ዝወሃቦ።
ኣርሕብ፡ ተፈደል፡ ሕሰብ፡ ተመራመር፡ ተዛተ፡ ገስግስ።
ማሕሙድ ሳልሕ
24 ለካቲት፡ 2020.