ባህርያት መራሕቲ ኤርትራን ወያነን እንክነጻጸር
ክተወዳድር ወይ ክተነጻጽር ምፍታን ንገዛእ ርእሱ ጸገም እንድዩ፡ ግን ንመካትዒ እስኪ ንፈትኖ።
ጀማዓትናን ኣፈኛታቶም ብዛዕባ መራሕቲ ትግራይ ብዙሕ ጽቡቕን ዘብረቕርቕ ነገራት እዮም ዝብሉ። መራሕቲ ትግራይ ንኢትዮጵያ ከም ዘልምዑ፡ ደሞክራሲ ከምዘምጽኡ—ወዘተ ክሰብኩ ይጸንሑ። ዝበዝሕ ግዚኦም ኣብ ምጽብባቕ መራሕቲ ወያነ እዮም ዘሕልፍዎ። ኤርትራውያን ኣንጻር መንግስቶም ዓመጽ ክፍጽሙ እሞ ጀማዓትና ኣብታ ናይ ዕግርግር ህሞት ናብ ኮረሻ ስልጣን ክውርወሩ ከም መጎሳጎስን መረሳሰንን መንእሰይ ኤርትራ ይጥቀሙሉ። ብወገነይ ባህርያት መራሕቲ ኤርትራ ምስ መራሕቲ ወያነ ምንጽጻር ገበን እዩ እብል። ጀሪመት ቱ እብለኩም ሀሌኮ። እስኪ ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ክንምልስ ንፈትን።
ገለ ካብቲ ፍልልያት መራሕቲ ኤርትራን ጃንዳ ወያነን
1- ኣብ ኤርትራ ብግዜ “ስርዓት ኢሳይያስ” ካብቲ ስርዓቱ ረቢሑ ዝተፈጥረ ማሕበራዊ ደርቢ የለን። መራሕቲ ወያነ ግን ሚልዮነራት ነጋዶ ኮይኖም።
- መራሕቲ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ካብ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ዝፍለ ቁጠባዊ ረብሓታት ይኹን ፍሉይ ማሕበረቁጠባዊ ቦታታት የብሎምን። ደቆም፡ ደቂ ካልኦት ኩሎም ስድራታት ኤርትራ ዝረኸብዎ ይረኽቡ ኣለዉ። ደቂ ፕረሲደንት ኢሳይያስን ሚኒስተራትን ጀነራላትን ማዕረ ደቂ ሓረስቶትን ጓሶትን ኣብ መዓስከር ሳዋን ሃማሞስን ኣገልግሎትን ይሳተፉ። እዚ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝረአ እዩ። ደቂ መራሕቲ ወያነ ግን ኣበይ ከም ዝነብሩን ናበይ ከይዶም ከም ዝመሃሩን ባዕሎም ትግራዎት ክነግሩኹም ይኽእሉ።
- መሪሕ ዕብየታዊ ፍልስፍና መራሕቲ ኤርትራ ዝተዋደነን ዝተዘርገሐን ምዕባለ ኹሎም ኣባላት ሕ/ሰብ ዝብል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብዛ ኩሎም ኤርትራውያን ዝተዋደቑላ ዓዲ፡ ምዕሩይ ምምቕራሕ (equitable distribution) ጸጋታት ሃገር ክህሉ ኣለዎ ዝብል ኮይኑ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ሰንበት ቃለ-መሕትት ፕረሲደንት ኢሳይያስ ተደጋጊሙ ዝተባህለ ቴማ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ መራሕቲ ወያነ ዝተኸተልዎ ፖሊሲ ንውሑዳት መጸይትን ሰረቕትን ዘርብሕ ኮይኑ ከም ዝነበረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ባዕሉ መሊስዎ።
-
ኣተሓሳስባ መራሕቲ ኤርትራን እስትራተጂካውን ንሓባራዊ ዞባዊ ዕብየትን (win-win situation) ክኸውን ከሎ፡ ናይ ወያነ ድማ ናይ ኣውዲቕካ ሕለፍ ወይ (zero-sum game) እዩ። ናይ ኤርትራ ምውዳቕ ከም ናይ ትግራይ ዓወት ዝቖጽርዎ መራሕቲ እዮም ናይ ወያነ። ትግራይ ክህብትም እንተኾይኑ፡ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ክስረቕ ኣለዎ። ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ምልማዕ ድማ ንትግራይን ንሓደስቲ ሃብታማት ኣውፈርቲ ትግራይን ( nouveau riche) ብዘርብሕ ሜላታት ምክያዱ — (ኣዛብእ ቀትሪ ‘ንዶ ኣይተባህሉን!)።
-
መራሕቲ ኤርትራ ንማሕበራዊ ስኒት ህዝቢ ኤርትራን ዞባናን ክሰርሑ ከለዉ፡ መራሕቲ ወያነ ድማ ንምክፍፋልን ምብትታንን ሃገራትን ህዝብትታትን ዞባና ክሰርሑ ጸኒሖም። ኣብ ኢትዮጵያ ንርእዮ ዘለና ኤትኒካዊ ምግምማዕ ውጽኢት እቲ ሰራም ኣተሓሳስባ መራሕቲ ወያነ እዩ።
-
ብሰንኪ እቲ ኣውዲቕካ ሕለፍ ዝብል ፖሊሲ መራሕቲ ወያነን ኣሳሰይቶምን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድኽነት ደኣ ፈታቲንዎ እምበር፡ ኮሪዑ በዓል ሃገርን ባንደራን ኮይኑ ናብቲ ዝቕጽል መድረኽ ቁጠባዊ ሕውየት ክሳዱ ኣቕኒዑ ክምርሽ ይሸባሸብ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ግን ብሰንኪ እዞም ውሑዳት መጸይቲ መራሕቱ፡ ሎሚ ካብ ክልል ትግራይ ወጺኡ ናብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ተወዝ ክብል እውን ኣይክእልን። ኣብቲ ናይ ሃረፍረፍ ግዜ ኣብ ካልኦት ክልላት ዘጥረዮ ንብረት እውን ከግዕዝ ኣይከኣለን። ንብረትሲ ይትረፍ ነዛ ህይወቱ እውን ብኽንደይ መከራ እዩ ናብ ትግራይ ተመሊሱ። እዚ እዩ ውጽኢት መራሕቲ ጃንዳ ወያነ። ውሑዳት መራሕቲ ኣዝዩ ግዙፍ ረብሓታት ረኺቦም ነጋዶ ኮይኖም ህዝቢ ትግራይ ግን ብመዓልታዊ ጸገማት ናብራ ይሳቐ ኣሎ። ሚኒስተራት ኤርትራ ግን ተሰሪዖም ከም ሰቦም ነታ ዘይትጠቅም ወርሓዊት ደሞዞም እዮም ዝቕበሉ። ከም ሰቦም ይነብሩ።
-
መራሕቲ ወያነ፡ ካብ ትግራይ ርሒቖምን ንሽግራት ህዝቢ ትግራይ ረሲዖምን ኣብ ዘጋይጽን ዘብለጭልጭን ህንጻታት ኣዲስ ኣበባ ክቕመጡ እንከለዉ፡ መራሕቲ ኤርትራ ግን ኣብ መንጎ ህዝቦምን ሽግራቱን እዮም ክነብሩ ጸኒሖም። ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ እቶም ንህዝቦምን ሽግራቱን ኣዝዮም ዝቐረቡ መራሕቲ፡ ናይ ኤርትራ ጥራይ እዮም።
-
መራሕቲ ወያነ፡ ቃሎም ዘየኽብሩ፡ ዝፈረሙሉ ውዕል ዝጥሕሱ ክኾኑ ከለዉ መራሕቲ ኤርትራ ግን ኣብ ቃሎም ዝጸንዑ እዮም (ናይ ሓነሽ ጉዳይ፡ ናይ ዶብ ብይን ጉዳይ—)። እዚ ድማ ንተኣማንነት (credibility) መራሕቲ ኤርትራ የነጽር። ብኣንጻሩ ምስ መራሕቲ ወያነ ስምምዕ ክትፍርም ዘጸግም ይገብሮ።
-
መራሕቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብሰላምን ውሕስነትን ብነፋሪትን ኣውቶቡሳትን ናብ ሃገሮም ክሰዶም ከሎ፡ መራሕቲ ወያነ ግን ነቶም ከም መሳርሒ ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ መራሕቲ “ተቓውሞ ኤርትራ” ከምዛ ብላይ ሽዳ ደርብዮሞም (ካልእ ዝሓሸት ኣገላልጻ ኣላ ግን ክጥቀመላ ኣይደለኹን። እንተደለኹም ተጠቐሙላ፡)
-
ናይ ደሞክራስያን ግዝኣተ ሕግን’ኳ ንግዚኡ ክንሓልፎ። ናይ ውሑዳት ላህመት (ኑኸብ/ elite) ጸወታ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክምጸ ጸኒሑ። ናይ ብሓቂ ደሞክራስያን ግዝኣተ-ሕግን እንተዝህሉ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዞም ናይ ቀትሪ ኣዛብእ ዝቆጻጸረሉ ኣልያታት (mechanisms) ምስ ኣማዕበለ ነይሩ። ፓርያመንት ወያነ ግን መቶ ብመቶ እዩ ነይሩ። ብኸመይ? ብሓቂ ደሞክራስያዊ ምርጫታት ይግበር ነይሩ ክንብል ንኽእል? ሹድሽተ ሚእታዊት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይበቅዕ ዝውክሉ መራሕቲ፡ ንብምሉኡ ጽላታት ሃገርን ብድሕሪ ወዲ ክልል ኮይኖም ንኹሎም ክልላት ዝዝውሩን ናይ ምክልኻልን ጸጥታትን ዝተቖጻጸሩን፡ ብከመይ ደሞክራስያ እዩ?
-
ናታትኩም እውን ወስኹ ክቡራት ኣንበብቲ።
ፈንቅል ንልምዓት!
ኣርሕብ፡ ተፈደል፡ ተዛተ፡ ገስግስ።
ዐውቴ እግል ርሒብ ገቢል!!