ክቡራት ደቂ ኤርትራ
ብተደጋጋሚ ብሓዊ ተፈቲንና ሓሊፍና ኢና። ሕጂ እውን፡ ካልእ ፈተነ ሓዊ፡ ማለት ምምካት ኮሮና ቫይረስ ብዘሕብን መልክዑ ንሰግሮ ኣለና። ኤርትራውነት ኩሉ ግዜ ምስ ሰዓረ እዩ። ኤርትራውነት ድማ ሓድነትን ምክብባርን ብሰላም ብሓባር ምንባርን ብሓባር ንሓባራዊ ዕላማታት ምውፋርን ምዝማትን እዩ። ኣባል ናይታ ኤርትራ ትበሃል ስድራ ምዃንካ ምርዳእ እዩ። ኣብ ውሽጢ ስድራ ዝረአ ፍልልያት ድማ ኣብ ውሽጢ ስድራዊ ክልል ዝፍታሕ እዩ።
ንሎሚ ብዛዕባ ፖለቲካ ኣይኮንኩን ክዛረብ። ብዛዕባ እቶም ንንቡር ማሕበራዊ ነቓዓት፡ ማለት ከም ሃይማኖትን ብሄርን ዝኣመሰሉ ነገራት ከጋፍሑን ንህዝብና ኣብቲ ንካልኦት ሕ/ሰባት ዘፋለሰን ዘጽነተን ድሑር ኣተሓሳስባታት ክሸሙና ሒኹ ዝብሉ መልሲ እንተኾነ ኢለ እየ ጀሚረያ።
ባህላውን ሃይማኖታውን ሕብርታትና ነቲ ኤርትራውነት ዝበሃል ማራኺ ቅብኣት ዝነድቑ መግለጺ መንነትና እዮም። ኤርትራ ብዘይ መስጊድ፡ ኤርትራ ብዘይ ቤተክርስትያን፡ ከቶ ኤርትራ ክትከውን ኣይትኽእልን። ኤርትራ ብዘይ ዓፈር፡ ሳሆ፡ ትግርኛ፡ ትግረ፡ ቢሌን፡ ኩናማ፡ ናራ፡ ብዳውየት፡ ረሻይዳን ከቶ ኤርትራ ክትከውን ኣይትኽእልን።
ኤርትራ ብዘይካ እቲ ጥዑም ዝኣየሩ ዝባውንቲ ከበሳን ብዘይካ እቲ ሃብታም መታሕትን ወርቃዊ ቀይሕ ባሕርናን ጽሩይ ሰማይናን ከቶ ኤርትራ ኣይትኸውንን። ሓደ ካብዚኦም እንተ ጎዲሉ፡ ኤርትራ ጎደሎ እያ ትኸውን። ሓደ ካብዚኦም እንተተጎዲኡ፡ ኤርትራ ስንክልቲ እያ ትኸውን። እቲ ስንክልና ኣእምሮኣዊ ወይ ኣካላዊ ክኸውን ይኽእል።
ኩሉ ግዜ ካብቲ ብሰላም ዝነባበርን ዝወራረስን ዝወሳሰብን ንኣሽቱ ፍልልያት ኣተሓሳስባናን ካብ ስሙር ሃባራዊ ዕላማታትናን ዝወጹ ክልተ ዓይነት ጥሩፋት ጉጅለታት ክንርኢ ኢና። እዚ ኣብ ኩሉ ሕ/ሰባት ዘሎ እዩ። ከገርመና ወይ ምዩቑ ከብለና የብሉን። ንሳቶም ድማ፦
1. ድንቁርና ዝወለዶም= ሕጽረት ሕብረተሰባዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ‘ሞ ክሉ ግዜ ኣብ ስግኣት ዝነብሩ፡ እቲ ወገነይ ዝብልዎ ኩሉ ግዜ ኣብ ጥቕዓት ከም ዘሎ ገይሮም ዝሓስቡ፡ ናይ “ንሕናን፡ንሶምን” ወይ “ንሕናን እቲ ካልእን'” ወይ ናይ ” በዓል ውሽጥን በዓል ደገን” ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም፡ ምስ ካልኦት ከምኦም ዝመስሉ ጉጅለታት ናይ ሕ/ሰብ ናይ ምስራሕን ምንባርን ምትሕውዋስን ዕድል ወይ ተመክሮ ዘይረኸቡ ክኾኑ ይኽእሉ። ስለ’ዚ፡ ነቲ ናተይ ዝብልዎ ወገን ወይ ኣተሓሳስባ ረጊጦም ብምሓዝ ድሕነቶም ከም ዝረጋገጽ፡ እቲ ካልእ ክፋላት ሕ/ሰብ ድማ ኩሉ ከም ተጻይ ገይሮም ዝሓስቡ እዮም።
ምስ’ዚኦም ዝቀራረቡ ካልኦት ኣተዓባብያ ዝበደሎም ክህልዉ ይኽእሉ…ፈኮስቲ ኣእምሮ፡ ደናቁር (ዋሕዲ ሓበረታ ዘለዎም)፡ ዓጃዋት፡ ደለይቲ-ቆላሕታ (attention-seekers)፡ ካብቲ “ተጎቢጥና፡ ተዋሒጥና” ዝብል ፍርሃትን ስግኣትን ናብ ጥሩፍ መልሰ-ግብርን ኣተሓሳስባን ዝጽግዑን ከፋፋሊ ኣጀንዳታት ዘንበድብዱን ኣለዉ። ነዚኦም ብትምህርትን እህን-ምህን ናብ ልቦም ክንመልሶም ይከኣል እዩ።
እቶም ብዘይፍላጥ ናብዚ ረሳሕን ትሑትን ስራሓት ዝዋፈሩ ካብቶም ኣብ ታሕቲ ዝገልጾም ብመደብ ዝሰርሑሉ ወገናት ክንፈልየሉ እንኽእል ድማ በዚ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ምብህሃልን ተመክሮታት ምልውዋጥን መስርሕ እዩ። እቶም ዝተጋገዩ ሓቂ ምስ ቀረብካሎም ናብ ልቦም ክምለሱን “እቅረታ” ክሓቱን እዮም። እቶም ብመደብ ዘሰላስልዎ ግን እዛ መንፊት እዚኣ ኣይትነፍዮምን እያ። ክርዳዳት ሕ/ሰብ ኮይኖም ክተርፉ እዮም።
- እቲ ካልኣይ ጉጅለ፡ እቶም ሕሱራት ክርዳዳት እዮም። ኮነ ኢሎም ህዝቢ ንምንቋት ብመደብ ዝተላእኩን ብኡ ዝናበሩን ውሑዳት ውልቀሰባትን ጉጅለታትን እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ፍሉጥ መዋፈሪኦም መቀለን ካልኦት ዝተፈላለዩ ትካላት ኣኽዋን ኣልሙስልሚን እዮም። ነዛ ኣብ ሓንጎልና እትቕረጽ ኤርትራ ክርእዩ ዘይደልዩ እዮም። እኳ ደኣ ፈርከሽከሽ ክትብል ለይትን መዓልትን ተዓሲቦም ዝሰርሑ ሕሱራት ክርዳዳት ሕ/ሰብና እዮም። ኣብቲ ውቁብ ገጽ ኤርትራ ዝበቀሉ ማዳ እዮም ክበሃል ይከኣል። እዞም ውልቀሰባትን ጉጅለታትን እዚኦም ክሳብ እቲ ዝቅልቦም ስንቂ ዝጽንቀቕ ወይ ድማ ክሳብ እቶም ዝልእኽዎምን ዝደፋፍእዎምን ሓይልታት ዓቕሞም ዝጽንቕቑ፡ ኣንጻር ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝገብርዎ ወፍርታት ክቕጽል እዩ።
እቲ መፍትሒ ድማ፡ ሃገራዊ ንቕሓትና ምብራኽን ከም ዜጋታት እህን-ምህን ምብህሃልን ብኣኽብሮት ሓሳባትና ምልውዋጥን እዩ። ንሶም ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ናይ ቃልስን መስዋእትን ታሪኹ ዘዋህለሎ ሓድነታዊ ሚዛን (equilibrium) ከመዛብሉ እዮም ለይትን ቀትርን ዝሰርሑ። ብኣረኣእያኦም፡ ዓወት ማለት ፋሕ-ፋሕ ዝበለት ኤርትራን፡ ነንሕድሕዱ ዝተሓራረድ ህዝቢ ኤርትራ ምርኣይ እዩ። ዓስቦም ድማ ብመጠን ናይቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርድዎ ጉድኣት እና በረኸ እዩ ዝኸይድ።
ዝበዝሕ ግዜ ብመናፍሕ ናይዞም ግናያት ዓሌት ብቀሊሉ ዝነቃነቕን ምዩቕ ዝብልን እቲ ኣብ ሰንኮፍ ዝጸንሐ እዩ። እቲ ትንክፍ ኣቢልካዮ ዝነቱግ እዩ። እቲ መዓት ግለት ኣተሓሳስባታትን ተረድኦን ዓቚሩ ዝጸንሐ እሞ መስተንፈሲ ዝደሊ እዩ። እምበር፡ ታሪኹን መንነቱን ኣጸቢቑ ዝፈልጥን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝርዳእን፡ ነቕ ዘይብል ሃገራዊ ሰራውር ዝሰደደን ዝዘርገሐን፡ ብቀሊል ንፋስ ክቕስቀስ ወይ ክረሳሰን (excited ክኸውን) ኣይክእልን።
እቶም ዝበዝሑ ኣብቲ ሃገራዊ ዳስ ዝዓሰሉን ናብቲ ሃገራዊ ሕመረት ዝቐረቡን ኤርትራውያን ርዝን ዝበሉ እዮም። ሃገራዊ ርእዮት ዘማዕበሉ፡ ማለት ኤርትራ ከምታ ዘላታ ዝቕበሉ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ሕብርታታን ካልእ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣቃውማኣን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኣን…እንታይነታን መንነታን…ብዘይጎደሎ ዝቕበሉ ሰባት፡ ኣየናይ እዩ እቲ ልክዕ መግለጺ ኤርትራ፡ እየናይ ከ እዩ እቲ ብደገ ዝተኣታቶ ዘሎ ኣገላልጻን ክፈልዩ ኣየጸግሞምን እዩ።
ሓደ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ ህዝቢ ዘናቑት ኣጀንዳ ዘበጋግስ ወይ ዘካውስ እንተኾይኑ፡ ንርእሱ ሕማቕ ወዓል ኢልዎ’ምበር ዝውክሎ ህዝቢ የለን። ህዝቢ ክርስትያን ወይ ኣስላም ዝወከሎ ወገን የለን። ብሄራት ወይ ኣውራጃታት ዝወከሎ ወገን የለን። ሕሙም ስለዝኾነ ከራስኖ ግድን እዩ። እቲ ንሕና እንርእዮ ምልክታት ድማ እቲ ናይ ሕማሙ ረስንን ምንቅጥቃጥን እዩ። እምበር ወክለኒ ዝበሎ ህዝቢ የለን።
ስለ’ዚ፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት መልሰ-ግብሪ ኣብ ምሃብ ክልተ ምርጫታት ኣለዉና። ወይ ከቲትካዮ ምኻድ እዩ። ወይ ድማ ነቲ ኣርእስቲ ኮይኑ ዘሎ ውልቀሰብ ንውልቁ ዝግባእ መልሲ ምሃብ እዩ። እምበር፡ ንሱ ወይ ንሳ ስለዝተጋገዩ ኣብ ናታቶም መጻወድያ ክንኣቱ የብልናን። ንሶም ንሰፊሕ ክፋል ሕ/ሰብ ስለዝጸረፉን ስልዝዘለፉን ንሕና ብዓጸፌታ ነቲ ናታቶም ወገን እንብሎ ክንጅልዕፍ የብልናን። ንሶም ስለዝደንቀሩ፡ ንዓና ጎቲቶም ናብ ደረጅኦም ኣውሪዶም ከጨማልቑናን ከደንቅሩናን የብሎምን።
ኩሉ ግዜ ክንርሰዖ ዘይብልና፡ እቶም ኸፊፋት ኣእምሮ ወይ ስሑዋት ኣተሓሳስባ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ጫፋት ሕ/ሰብን ኣብ ደረታት ሃገራውነትን እዮም ዘኽድዱ። ካብቲ ናብ ውሽጢ ሕመረት ሃገራውነት ክሰሓቡ ዘለዎም ተኽእሎ፡ ብናይ ግዳም ኣተሓሳስባታት ተለቒሞም ናብቶም ዝስሕብዎም ናይ ደገ ዓለማት ክጽንበሩ ዘለዎም ተኽእሎ ይዓቢ። እቲ ኣብ ከርሲ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝነብር ግን እታ ምልእቲ ስእሊ ኤርትራ ወትሩ ንልቡ ኣማሚቛቶ ስለዝነብር፡ ብናይ ግዳም ኣተሓሳስባታት ክሰሓብ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ትሑት እዩ። ምኽንያቱ ማግነት ኤርትራዊ ሃገራውነት ካብ ሓጺነ-መጺን ይብርትዕ። ብደምን ብናይ ነዊሕ ናይ ሓባር ተመክሮ ዝተሃንጸ እዩ። ማግነት ሃገራውነት፡ ረሃጽን ደምን ኩለን ሃይማኖታትን ኩለን ብሄራትን ኩለን ዞባታትን ግርም ቢሉ ተደዋዊሱ ዝነደቖ እዩ። ብቐሊሉ ዝለቅቕ ኣይኮነን።
ስለ’ዚ፡ ናብቲ ሃገራዊ ሕመራት ንቕረብ ደኣ። ነቲ ሃገራዊ መጋርያ ነኽብቦ፡ ብብርሃኑ ንኮላዕ፡ ብረስኑ ድማ ንሓይል። ናብ ሃናጽን ሓቛፍን ዝኾኑን ርዝነት ዘለዎምን ጉዳያት እንተ ኣድሂብና፡ እቶም ግለት-ኣደብ፡ ወይ ኣደብ ዝጎደሎም ሓደ ክልተ ልሙሳት ምንጮም ክንጽንቕቐሎም ኢና። ከምቲ ተዛረብቲ ትግረ ዝምስልዎ ድማ “ኢከጅል ክጀሎ እግሉ” ማለት ዘይሓፍርስ ሕፈረሉ ኢልና ጥራይ ምኻድ። ደሓር ከኣ ዝልከፍ ዘይብሉ ግዕዘይ እንድዩ። ንኤርትራውያን ዝበቅዕ ኣይኮነን። ጸጸኒሕና፡ ከምቲ ኣበዋት ነቶም ዝገርገሩ ሃመማ ዝገብርዎ፡ ብናይ ፍልጠትን ርእሰ-ምትእምማንንን ጭራ ገይርና “ሽሽ” ምባል። ብሃገራዊ መንነትና ከይተጠራጠርና፡ ናብ ገዘፍትን ልዑላትን ሃገራዊ ዕላማታት ክነተኩር ኣለና። ኤርትራ ብዘይ ምሕረትን ዘይነብን ብዘይካ እተን ውቁባት ብሄራታን ኤርትራ ክትከውን ኣይትኽእልን።
ወይ ኤርትራዊ እየ ኢልካ ኤርትራዊ ዘመስለካ ግበርን ተዛረብን፡ ወይ ድማ ብመሰረቱ ነቲ ኤርትራ ዝብል ኣምርን ሓሳብን ከም ትነጽጎ ኣግሂድካ ኣፍልጥ። ኣብ መንጎ ዝግበር መሽለጥለጥ ፋይዳ የብሉን።
እቶ፡ ተፈደል፡ ተኸባበር፡ ተመኻኸር፡ ገስግስ!
ማሕሙድ ሳልሕ
ኣብ ግዜ መኸተ ኮረና በዚ ጉዳይ ክዛረብ ኣይምደለኹን። ግን ብዙሓት መልእኽትታትን ክሊፓት ቪድዮን ክመጹኒ ቀንዮም። ንኹሎም ክዕዘብ ኣይክእልን፡ ግን እቲ መልእኽቲ ተረዲእኒ ኣሎ።
ብሃታ-ሃታ ዝጽሕፎ ዘለኹ እየ። ተመሊሰ ናይ ታይፒን ጉድለታት ክእርም እየ። ንሕጂ ግን ከየስተዋሓድኩም ጀምርዎ። ኣብ ዝጥዕም ግዜ እንሻኣላህ ወጺአ እዛረበሉ እኸውን። ኣብ ስደት ዘለኹም መንእሰያት ድማ ኣይትሕመቑ። ካብዚ ንላዕሊ ክተበርክቱልና ንጽበየኩም። መሃሩና፡ ምርሑና። ነቶም ንኡድ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣድናቖተይ እገልጽ።
ሹክረን