ገለ ገለ ጠቕስታት ንክትሓስብን ክትመራመርን የተባብዑ…
“A great challenge of life: Knowing enough to think you’re doing it right, but not enough to know you’re doing it wrong.” Neil deGrasee Tyson፣ astrophysicist, public educator, author.
“ዝዓበየ ግድል ናይ ህይወት፡ ንሓደ ነገር ብቅኑዕ መገዲ ተካይዶን ብግቡእ ትርደኦን ከም ዘለኻ ዘስምዕ እኹል ስምዒት ወይ እምነት ምሕዳር። እንተኾነ ግን፡ ጌጋ ከምዘለኻ ወይ ድማ ብሓቂ በቲ ዝግበኦ ቅኑዕ መገዲ ወይ ዕምቆት ትሕዞ ከምዘየለኻ ዘይምፍላጥ እዩ” ኒል ዲግራስ ታይሰን
ተመራማሪ ስነ-ጠፈር፡ ኣብ መረኸቢ ብዙሓን ፍሉጥ መሃሪ (public educator) ደራሲ ብዙሕ ናይ ሳይንስ መጻሕፍቲ።
ብ2016 ኣብ ትዊተር ዝጸሓፋ ግን ሎም ቅነ ኣብ ዩ ትዩብ ትደጋገም ዘላ ጠቕሲ እያ ( ዝህቦ ማስተር ክላስ ስለዘለዎ እዩ)። ጽብቕቲ ጠቕሲ ኮይና ረኺበያ።
xxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxx
“ንዘረባ ዘረባ ኣምጸኦ ንሓመድ ዱግሪ ኣውጸኦ” እንድዩ ኮይኑ ነገሩ…
ክንዛረብን ሓሳብና ክነካፍልን ፍጥረት ዝሃበና ትዕድልቲ ኣለና። እቲ ኣውራ ንወዲ ሰብ ካብ እንስሳታት ዝፈልዮ ነገር ምዕቡል ቋንቋ ዝውንን ምዃኑ እዩ። ቋንቋ ከተዓርቕ ወይ ድማ ናብ ኲናት ከዘምት ዓቅሚ ኣለዎ። ቋንቋ ንጸላኢኻ ብዘይ ጥይት ክትማርኸሉ እትኽእል መሳርሒ እዩ። ወይ ድማ ንፈታዊኻ ናብ ጸላኢ ክቕየር ዘገደድ ጠንቂ ክኸውን ይኽእል። ቋንቋ ኣደ/ኣቦ ምህዞን ኣደ ምትሕብባርን እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ምንጪ ህውከትን ዕንወትን ኮይኑ ክሰሓል ይኽእል።
ዝበዝሕ ጌጋታት ካብቲ ክንዛረብ ጥራይ እምበር ንካልኦት ክንሰምዕን ካብኦም ክንመሃርን ወይ ድማ ንነብስና ክንምርምርን ክንነቅፍን ቅሩባት ዘይምዃንና እዩ ዝፈልቕ። ከም ንፈልጥ እምበር፡ ሕጽረታት ፍልጠትና ዘይምልላይ ዘምጸኦ ሰበብ እዩ። እቲ ሓቂ ትብሎ ክሳብ ክንደይ ሓቂ እዩ፡ እቲ ጭቡጥ ትብሎ ክሳብ ክንደይ ጭቡጥ እዩ፡ ካልኦት ብዕድመን ፍልጠትን መሳቱኻ (peers) ዝኾኑ ሰባት ከ ነቲ ትብሎ ብከመይ ይርእይዎ—ንዝብል ሕቶታት ንነብስኻ/ኺ ምሕታት ንብዙሕ ኣብ ማሕብበራዊ ሚድያታት ዝረአ ወልደፍደፍን ወታእታእን ሸታሕታሕን ከውሕድ ይኽእል።
ኣብነት’ዶ ኢልኩም?
ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ዘንበብክዎ መጽሓፍ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ እቲ ጸሓፍን ፍልስፍንኡን እኹል ፍልጠት ነይሩኒ ኢለ ዓጺየዮ ነይረ። ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ሓደ ዓርከይ ብዛዕብኡ ይኹን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝጸሓፎ ዝነበረኒ ፍልጠት ከፊላዊ ምንባሩን እንደገና ከንብቦ ከምዘለንን ኣዘኻኺሩኒ። የንብቦ ከኣ ኣለኹ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ ዓመታዊ ዕረፍተይ እውን ምስ ምምጻእ ኮሮና ቫይረስ ስለዝተጋጠመ መገሻታት የብለይን። በዚ ምኽንያት ድማ ነቲ መጽሓፍን ተመሳሰልቲ ካልኦት ኣርባዕተ መጻሕፍትን ናብ ናይ ኪንድል (Kindle) ሕሳበይ ጽዒነ ኣለኹ። ድሮ ድማ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ዝነበረኒ ርድኢት ክቀያየር ጀሚሩ ኣሎ። እቲ እፈልጦ ዝብሎ ዝነበርኩ ሓቅታት ዝጎደሎ ምትእምማን ምንባሩ ይበርሃለይ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ርድኢትና (perceptions) ምስ ዕድመን ተመክሮን (ድሕረ-ባይታ) ዝቀያየር ምዃኑ ዝምህር ብሂል ብዝያዳ ኣራጒድዎ ኣሎ።
ስለ’ዚ፡ ንደረጃ ወይ ሓይሊ ናይ ርድኢትናን “ፍልጠትናን” ምምርማር እቲ ዝዓበየ ግድል ህይወት ምዃኑ በሪሁለይ ኣሎ።
Xxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxx
ብተወሳኺ….
ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብዚ ኣንጻር ኮሮና ዝግበር ቃልሲ፡ ነብሰ-ወከፍና፡ ካብ ድርቅናን ኣንነትን ተገላጊልናን ካብ ውድባዊ ወይ ፖለቲካዊ መስመር ምክልኻል ወጺእናን ከም ደቂ ሃገር ክንከባበርን ክንተሓላሎን ክንተሓጋገዝን እላቦ። ምኽንያቱ እቲ ንፈልጦ ንብሎ ብስምዒትን ተምሳጥን (emotion and passion) ዝተበከለ ክኸውን ይኽእል። ኩሉ ነገር ድሕሪ ድሕነት ህዝብና ኢልና ክንበጋገስ ኣለና። ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ሕሳባትና እነወራርደሉ ግዜ ኣይኮነን። ካብ ነብሰይ ጀሚርኩም ማለት እዩ። ዝኾነ ኤርትራዊ ይኹን ፈታዊ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ መርገጺታቱ ብዘየገድስ ኣብዚ ወፈራ ክሳተፍ ክነተባብዕ ኣለና። ነቶም ነዚ ወፈራ ንምትዕንቓፍ ጉጉይ መልእኽትታት ዘጋውሑ ዘለዉ ውሑዳት ንጎኒ ገዲፍና ወይ ድማ ኣካሊምና ምሕላፎም እዩ።ምስኦም ዝጠፍእ ግዜ ክህሉ የብሉን። እቲ ናይ ምትሕግጋዝን ናይ ምትሕብባርን ዜናን መንፈስን ባዕሉ ናብ ልቦም ክመልሶም ወይ ክስዕሮም እዩ። ብዓቢኡ ድማ እቲ ጉዳይ ንተስዪስ ወይ ንፖለቲኣዊ ሕሳባት ክተቕስን ምምዝማዙ (politicization) ገይጋ እዩ። ብዛዕባ ህይወት ኣድሕን ኢና ንዛረብ ዘለና። ኣብቲ ኩን ኣብዚ ንህዝብኻ ርዳእ እዩ እቲ መልእኽቲ።
ማሕሙድ ሳልሕ