Categories
Uncategorized

ናይ ተፋረድ ግዜ

 

መን እዩ ዘቅድም ንሰብኣውነት

መን እዩ ንህዝቡ ዝማወት

መን እዩ ኸ ፖለቲካ ዝጻወት

……….. ሸብዳዕዳዕ ዝንየት

ናይ ተፋረድ ግዜ…

ግዜ ፈራዲ
ንስኻ ተፈራዲ

እቲ ሚዛን ስርሑ ይገብር ኣሎ…

ገለ ከቢሩ፡ ሚዛን ፈሪድዎ
ገለ ድማ ፈዂሱ፡ ክንቲት ረዚንዎ

እቲ ሚዛን ስርሑ ይገብር ኣሎ
ተገሪሙ ድማ ይዕዘብ ኣሎ

ጽባሕ ብዙሕ ኣለዎ ዝሓተካ
ኣብ ግዜ ጸገም እንታይ ገበርካ
ኣብ ዘመነ ኮሮና እንታይ በልካ

ግዜ ክህብ እዩ ፍርዱ
ነቶም ዘናሽዉ ዘዳኽሩ
ንብጉሳት ከልምሱ ዝምድሩ

ግዜ ኣይርስዕን፡ ኣይስሕትን፡ ኣይዝንግዕን…

ኣበይ ነይርክም ክብሎም እዩ።
ኣበይ ነይርክም
እንታይ ኢልክም
ሰብኣውነት ክድውለልኩም
ህዝብኹም ክጽበየኩም
ኣበይ ነይርክም
እንታይ ገበርክም
እንታይ ከ በልክም

ክብል እዩ መጋባእያ ግዜ…
——–+-++

ርኢቶ፡ እዚ እዋን እዚ ናይ ፖለቲካዊ ሸብዳዕዳዕ ግዜ ኣይኮነን። ናይ ህይወት ኣድሕን ግዜ እዩ። እቶም ሰብ ሕልና፡ ንግዚኡ ንፖለቲካ ዓጻጺፍክም ኣቐምጡዎ። ነዚ ለበዳ ኣብ ምምካት ዓዓቕምና ንግበር። ልዕሊ ኩሉ ነቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኖም ህይወት ከድሕኑ ዝኽእሉ ናይ ጥዕና ሰራሕተኛታት ንሓግዝ። ጥዕነኦም ከየረጋገጽና ጥዕና ሕብረተሰብ ክነረጋግጽ ኣይንኽእልን። እቶም ነዚ ሓደገኛ ግዜ ብግቡእ ዘየንበብኩም ድማ ዝያዳ ብርሃን ክልእኸልኩም እምነ። ኩሉ ግዜ ኣለዎ…በጃኹም።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s