መን እዩ ዘቅድም ንሰብኣውነት
መን እዩ ንህዝቡ ዝማወት
መን እዩ ኸ ፖለቲካ ዝጻወት
……….. ሸብዳዕዳዕ ዝንየት
ናይ ተፋረድ ግዜ…
ግዜ ፈራዲ
ንስኻ ተፈራዲ
እቲ ሚዛን ስርሑ ይገብር ኣሎ…
ገለ ከቢሩ፡ ሚዛን ፈሪድዎ
ገለ ድማ ፈዂሱ፡ ክንቲት ረዚንዎ
እቲ ሚዛን ስርሑ ይገብር ኣሎ
ተገሪሙ ድማ ይዕዘብ ኣሎ
ጽባሕ ብዙሕ ኣለዎ ዝሓተካ
ኣብ ግዜ ጸገም እንታይ ገበርካ
ኣብ ዘመነ ኮሮና እንታይ በልካ
ግዜ ክህብ እዩ ፍርዱ
ነቶም ዘናሽዉ ዘዳኽሩ
ንብጉሳት ከልምሱ ዝምድሩ
ግዜ ኣይርስዕን፡ ኣይስሕትን፡ ኣይዝንግዕን…
ኣበይ ነይርክም ክብሎም እዩ።
ኣበይ ነይርክም
እንታይ ኢልክም
ሰብኣውነት ክድውለልኩም
ህዝብኹም ክጽበየኩም
ኣበይ ነይርክም
እንታይ ገበርክም
እንታይ ከ በልክም
ክብል እዩ መጋባእያ ግዜ…
——–+-++
ርኢቶ፡ እዚ እዋን እዚ ናይ ፖለቲካዊ ሸብዳዕዳዕ ግዜ ኣይኮነን። ናይ ህይወት ኣድሕን ግዜ እዩ። እቶም ሰብ ሕልና፡ ንግዚኡ ንፖለቲካ ዓጻጺፍክም ኣቐምጡዎ። ነዚ ለበዳ ኣብ ምምካት ዓዓቕምና ንግበር። ልዕሊ ኩሉ ነቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኖም ህይወት ከድሕኑ ዝኽእሉ ናይ ጥዕና ሰራሕተኛታት ንሓግዝ። ጥዕነኦም ከየረጋገጽና ጥዕና ሕብረተሰብ ክነረጋግጽ ኣይንኽእልን። እቶም ነዚ ሓደገኛ ግዜ ብግቡእ ዘየንበብኩም ድማ ዝያዳ ብርሃን ክልእኸልኩም እምነ። ኩሉ ግዜ ኣለዎ…በጃኹም።