ኣብ መወዳእታ ሰማንያታትን መጀመርታ ትስዓታትን ናይ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን፡ እቲ ንኣስታት 50 ዓመታት ንኣተሓሳስባ ሰናዕቲ ፖሊሲ (policy-makers) ሻቒሉ ዝነበረ ዝሑል ኲናት ብከምቲ ዝነበሮ መልክዕ ከም ዘይቅጽልን ሓይሉ ኣብ ምጽንቃቕ ምንባሩን ብዙሓት ተመራመርቲ (thinkers) ብእዋኑ ተዓዚቦሞ ነይሮም። ብፍላይ ሕብረት ሶቬት ፈጋዕጋዕ ምስ በለትን መንደቕ በርሊን ምስ ፈረሰን፡ “ደጊም ሊበራላዊ ደምበን ኣተሓሳስብኡን ስዒሮም” ናብ ዝብል መደምደምታ ቅድድም ኮነ። ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ብዙሓት መጻሕፍቲ ተጻሒፎም ነይሮም። ገለ ካብቶ ጸለውቲ መጻሕፍቲ፦
– ሓድሽ ስርዓተ ዓለም (The New World Order)
– መወዳእታ ታሪኽ (The End of History)
– ጎንጺ ስልጣነታት (The Clash of Civilizations
—ወዘተ—-ወዘተ
ገለ ናይዞም ናይ ምዕራብ ፈላስፋታት (ጸሓፍቲ)፡ ነቲ ሽዑ ዝረአ ዝነበረ ቅልጡፍ ዓለማዊ ዳግመ-ስርርዕ ከም ምልክታት ምጽኦተ ዓለም ክወስድዎ ከለዉ ገሊኦም ድማ ከም ዳግም ስርርዕ ሓድሽ ስርዓተ-ዓለም ርእዮም ተንቲኖም። ናይ ሓባር መንቀሊ-ሓሳብን ርድኢትን ግን ነይሮሞም።
1- እቲ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ብዙሕ ማልን ሓንጎልን ዝፈሰሶን ኣብ መንጎ ማሕበርነታውን ር/ማላውን ስነ-ሓሳባት ዝነበረ ቃልሲ ብዓወት ር/ማልነት ተዛዚሙ
2- ስለ’ዚ ከኣ ናይ ምዕራብ ሊበራላዊ ደሞክራሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብ”ምልኪ ሸቃሎ” ዝፍለጥ ማሕበርነታዊ ስነ-ሓሳብ ተዓዊቱ
3- ድሕሪ ደጊም ዝግበር ቃልሲ ኣብ መንጎ ባህልታትን ስልጣነታትን እዩ። ሓይልታት ዓለም ብመሰረት ደርባዊ ሰነ-ሓሳብ ዘይኮኑስ ብመሰረት እቲ ሃይማኖት መሰረቱ ዝገበረ ምትእኽኻባት እዮም ዳግም ስርርዕ ክገብሩ— ምዕራባዊ ክርስትያን፡ ምብራቓዊ ክርስትያን (ኦርቶዶክስ)፡ ካቶሊካዊ ዓለም፡ ኢስላም፡ ሂንድዊዝም፡ ቡድሂዝም፡ ኣፍሪቃ (ያኢ ሓደ ኣፍሪቃዊ ባህልን ስልጣነንን ከምዘሎ!!)—ወዘተ
4- ኣመሪካ መራሒት እቲ ምዕራባዊ ክርስትያን ብምዃን ከም እንኮ ጎብለል ኮይና ክትቅጽል እያ—
5- ኣብ መወዳእታ- ኣመሪካ፡ ብፍርያት ናይቲ ሕመረቱ ምዕራባዊ ክርስትያን ዝኾነ ሊበራላዊ ስነሓሳብን ቁጠባዊ ቀላጽምን ገይራ ዓለም ክትቖጻጸር እያ
6- ብኣረኣእያኦም፡ ዓውለማ (globalization) ቁጠባዊ ጥራይ ዘይኮነ ስነ-ሓሳባዊ ኮይኑ፡ ሊበራላዊ ስነሓሳብ ንዓለም ክገዝእ እዩ— ማለት፡ ናይ ምዕራብ ቁጠባዊ ጭዋዳታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ስነሓሳባዊ ባህሎም እውን ንዓለም ክወርርን ብዓለም ክረዓምን እዩ ተራእይዎም።
6- ስለ’ዚ ከኣ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ስዒሩ ዝወጽእ እቲ ምዕራባዊ ክርስትያናዊ ደምበን ኣተሓሳስባኡን እዩ—ናይ ምብራቕ ክርስትያናዊ ደምበ ይኹን ካቶሊካዊ ደምበ ምስቶም ካልኦት “ስልጣነታት” ወይ ናብቲ ሊበራል ስነሓሳብ ክሰሓቡ እዮም ወይ ድማ ተሳዒሮም ክተርፉ እዮም —
—ወዘተ—ወዘተ—
ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት፡ ኣመሪካ ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ከም ገዛኢ ወይ ቀላሲ ረቋሒ ፖሊሲታታ ብምውሳድ፡ እንሓንሳብ ንባይቶ ጸጥታ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም መሳርያ ብምጥቃም፡ እንሓንሳብ ድማ በይነ-ውሳነ ብምውሳድ ንዓለምና ብፍላይ ድማ ንኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሕምስምስ ኣቢላቶም።
ይኹን እምበር——
ይኹን እምበር ነገራት ከምቲ ፈላስፋታት ምዕራብ ዝተተንበይዎ ኣይከደን።
1- ሕብረት ሶቬት ሓጸልጸል ደኣ ትበል እምበር፡ ሩስያ ካብ ሓሙኹሽቲ ሕብረት ሶቬት በሎኽ ኢላ፡ ሎሚ ካብ ሕብረት ሶቬት ብዝሕይል መገዲ ንኣመሪካ ኣብ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ትብደሃን ትወዳደራን ኣላ።
2- ኣብቲ ቀዳማይ ቦታ ሒዝካ ናይ ምጉዓዝ ጉዳይ፡ ቻይና ካብ ድሕሪት ኣርኪባ ንኣመሪካ ለጊባታ ኣላ፡ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ቀዳማይ ቦታ ትሕዝ ይበሃል ኣሎ
3. እቲ ናይ ኣመሪካ ናይ ደሞክራሲ ፕሮጀክት ብዘሕፍር ኣገባብ ፈሺሉ። ትሪልዮናት ዶላራትን ህይወት ኣማእት ኣሽሓትን በሊዑ ከም ኣብ ምድረ-በዳ ዝነጠበ ማይ ሃፊፉ ኣሰራት ከይገደፈ ተሪፉ። ብኣንጻሩ’ኳ ጸረ-ኣመሪካ ስምዒታት ቀስቂሱ፡ ኣመሪካ ኣብ ነዊሕ ምንስሓብ እያ ዘላ። ዝሓዝካ ሒዝካ ንድሕሪት ኮይኑ ኣሎ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ከምኡ እውን ወላ ኣብተን ታሪኻውያን ኣዕሩዕኽታ ዝኾና ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ግብጽን—ኣይከም ቀደምን። ሩስያን ቻይናን ብሜላ ፈግፊገን መሪሕነታዊ ቦታ ኣመሪካ ክመልኣ ይሰርሓ ኣለዋ። ድሮ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣስያን ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን መበገሲ ጽልዋታትን ዝምድናታትን መስሪተን ኣለዋ።
4- እቶም ብዙሕ ዝተወርየሎም ፈላስፋታት ዝሰሓትዎ ጉዳይ እንተሎ፡ ስልጣነታት ናይ ኣውዲቕካ ሕለፍ ወይ ናይ ሰዓሪ-ተሳዓሪ (zero-sum) ባህርያት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዝበዝሑ ምስ ሓድሽ ኩነታት ዝሰማማዕ ውስጠ-ስርርዓት ከም ዘካይዱን ቀንዲ መንነቶም ከየጥፍኡ ነቲ ሓድሽ ኩነታት ናብ ረብሓኦም ንምልዋጥ ዝተዓጻጸፉ ምዃኖም እዩ። ምስ ሓድሽ ኩነታት ክተዓጻጸፍ ዘይከኣለ ስልጣነ ይዓኑ፡ እቲ ምስ ሓድሽ ኩነት ዳግመ-ስርርዕ ገይሩ ነቲ ኩነት ክርዕም (adapt) ዝኽእል ስልጣነታት ድማ ዝያዳ ሓይሊ ደሊቡ ናህሩ ይውስኽ።
5- በዚ መሰረት፡ ብኣንጻር እቲ እዞም ፈላስፋታትን ናይ ኣመሪካ መራሕትን ዝገመትዎ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ኣስያን ላቲን ኣመሪካን ናይ ኣተሓሳስባ ዳግም ስርርዓት (paradigm shift) ክግበር ጸኒሑ፡ ዝያዳ ናይ ምንቅስቃስ ናጽነት ዘለወን ማእከላት ቁጠባን ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣገዳስነትን ዘለወን ሃገራትን ክቕልቀላ ክኢለን። ዘተኣሳስረን ናይ ሓባር ባይታ ድማ እቲ ኣንጻር ምዕራባዊ ግበታ (hegemony) ዝቐንዐ ኣተሓሳስባ እዩ።
ናይ ኮሮና ነገር—–
1- ቫይረስ ኮሮና ንቁጠባውን ፖለቲካውን ኣተሓሳስባ ጎባልል ዓለምና ኣታራሚሱ ኣሎ። ሕቶ ዓውለማ (globalization) እውን ዳግም ከይተሓስበሉ ኣይተርፍን። ገዘፍቲ ዓላማዊ ኩባንያታት መሳርዕ መሳንዐን ክግምግማ ክግደዳ እየን። ከምቲ ዝጸንሐ፡ መሳንዕን ናይ ዝጋጠም ኣካላት ይኹን ናይ ዕዳጋን ምሕደራን ቅድታትን ሞደላትን እንደገና ክሕሰበሉ ክግደዳ እየን። ቫይረስ ኮሮና ንዓለማዊ ሰንሰለታት ኣሰራርሓአን ከመይ ከም ዝበጣጠሶ ርእየነኦ ኣለዋ። ከመይ ክከውን እዩ ንዝብል ግን ብሕጂ ዝረአ እዩ።
2. እዚ ናይ ኮሮና ግመ ምስ ተቐንጠጠ፡ መን ዝያዳ ብቑጠባ ሓዪላ ትወጽእ መን ከ ትሰጥም ክንርኢ ኢና።
3. እቲ ውጽኢት ዝቅልሶ ዳግም ዓለማዊ ስርርዕ ከ ክህሉ ይኽእል’ዶ?
4. እቲ ዝቕጽል ውድድር ኣብ ኣጽዋር ኑክሌር ጥራይ ዘይኮነስ ብዝያዳ ኣብ ስነ-ቀመምን ስነ-ሕክምናን (biochemical, biophysical and biomedical) ኩሉ ብዛዕባ ስነህይወትን መድሃኒታትን ክንክን ሕሙማትን—ዝምልከት እዩ። ምኽንያቱ፡ ዓለም ንለበዳታት ልክዕ ከም ኩነት ኣየር፡ ከይመጹ ክትንበዮምን ምቅርራባት ክትገብረሎምን ከም ዘለዋ ዓቢ ምህሮ ዝረኸበት ትመስል። ናብዚ ዓውድታት ኣዝዩ ገዚፍ ማል ከም ዝወፍርን ምርምራት ከም ዝግበርን ክግመት ይከኣል። ዳርጋ ናይዚ ንጅምሮ ዘለና ዘመን ወርቃዊ ዕደና ከይኮነ ኣይክተርፍን። እቲ ውድድር ድሮ ዓሚሩ ኣሎ። መዓት ምስርራቕ ምርምራትን ምውንጃልን ምክሳስን ክንርኢ ኢና። ኣብዚ ውድድር ብቀዳምነት ላዕለዋይ ኢድ ዝረኸበ፡ መሪሕነታዊ ቦትኡ ከረጋግጽ ከም ዝኽእል ክግመት ይከኣል።
ዓለምና ካብ ክልተ-ቀጽራዊ (bipolar) ናብ ሓደ-ቀጽራዊ (unipolar) ተሸምቂቃ ጸኒሓ፡ ሕጂ ድማ ናብ ብዝሐ-ቀጽራዊ (multi-polar) ዝመስል ኣንፈት ክትሕዝ ከላ ኮሮና ገቢኡዋ። ኣብዚ ሓድሽ ኩነት ንምርምራዊ መስረሓትን ፍርያትን ስነህይወትን ስነ-ሕክምናን ኣብ ምቑጽጻር ዝተዓወተ ወገን ንዓለምና ምናልባት ናብ ሓደ-ቀጽራዊ ደምበ ይመልሳ’ዶ ይኸውን?
ብዙሓት ቅድመ-ፍርዲ ዝሃቡ ክሃጹ ስለዝረኣናዮም ንግዚኡ ብምልክት ሕቶ ጥራይ ክሓልፎ።
ማሕሙድ ሳልሕ