ኣነስ ብዛዕባ እዞም ኤርትራ ከይኣትዉ ተኸልኺሎም ዝበሃሉ ዘለዉ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብዙሕ ዝፈልጦ የብለይን።
ዝፈልጦስ እዚ ዝስዕብ እዩ።
1. ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ጸሎት የድሊ ኣሎ። ምኽሪ የድሊ ኣሎ። ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሰላም ብሓባር ምንባር ተሳኢንዎም። ብከራሩን ገዘሞታትን ይተሓራረዱ ኣለዉ። ኣብ ቅድመ ዓይኖም ሓደሽቲ “የሱሳት” ነጋዶ እና ጠጥዑን ንህዝቢ እና ኣደናገሩን ደኣ እዞም ጳጳሳት እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ፖለቲካኛታት ኢትዮጵያ እውን ማሕበራዊ ማፍያነት ይፈጥሩን ናዕቢ የንበድብዱን ኣለዉ። ስለ’ዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝስራሕ ወይ ዝተዓረቕ ተሳኢኑ ድዩ ናብ ኤርትራ ንምኻድ ዝመረጹ ክብል ደልየ እየ።
2. እቲ ንመስርሕ ሰላም ዓንቂፉ ዘሎ ጉጅለ እዩ ዝያዳ ማዕዳን ጸሎትን ዘድልዮ እሞ ናብ መቀለ እንተዘብሉ ንምባል እየ።
3. ታሪኽ ከም ዝነግረና ገለ ገለ ትካላት ሃይማኖታት መሳርሒ ባዕዳዊ ምትእትታው ኮይኖም ሰሪሖም እዮም። ኤርትራ ዝፈለጠቶ ክህልዋ ይኽእል ይኸውን ንምባል እየ። ብስም ዕርቅን ልምዓትን በዞም ዘይምንግስታውያን ትካላት ኣብ ሳልሳይ ዓለም ክንደይ ጸይቂ ዘይተገብረ። “ዓሻ ድየ በራኺ” ኢሉ ነይሩ ስዉእ ስነጥበበኛ ሙሴ ። ብዘይምኽንያት ኣይኮነን። ንገዝኦም ደኣ መጀመርታ የጽርዩ እሞ ደሓር ንእንዳማቶም ንምባል እየ።
4. ኣብዘን ዝሓለፋ ቅሩብ ዓመታት፡ ገለ ገለ ሓለፍቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ፖለቲካ ክዛረቡ ምስ ጀመሩ፡ ኤርትራ “ጉዳይ ሃይማኖትኩም ግበሩ፡ ኤርትራ ዕልማናዊ ስርዓት እትክተል ሃገር እያ። ብሕግታታ ከኣ ተገዝኡ፡ ማዕረ ኩሎም ዜጋታት” ኢላቶም ነይራ። ሽዑ እዞም ናይ ኢትዮጵያ ጳጳሳት ናይ ገዛእ ርእሶም ዕዮ ገዛ ከይገበሩ… መንእሰያት ኣብ ቅድሚ ዓይኖም እናተዋድኡ፡ ኣእዳዎም ኣብ ኤርትራ ከእትዉ ፈቲኖም ነይሮም። ኤርትራ ከኣ ንስለ ሰላም ደኣ ግብራዊ ጽምዶ ክትገብር ትኽእል እምበር ዝበደላ እትርስዕ ሃገር ኣይኮነትን። ብዝኾነ እቲ ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጉዳይ ዝሃድአ ይመስል። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስታያን ንእትገብሮ ሰናይ ግብሪ እናመጎስኩ፡ ጳጳሳት ኢትዮጵያ ደኣ እንታይ ከንበድብዱ ደልዮም እዮም ኤርትራ ክንበጽሕ ዝብሉ ዘለዉ ንምባል እየ።
5. ብዝኾነ፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ እሞ ንዝደለየቶ ክትቅበል ንዘይደለየቶ ክትነጽግ መሰላ እዩ። ወላ ካፓ ጳጳሳት እንተለበስካ ንምባል እዩ።
6. ትካላት ሃይማኖት ጽቡቕ ስነምግባርን ማሕበራዊ ስኒትን ክኹስኩሳ ተራ እኳ እንተለወን፡ ካብ ፖለቲካ ግን ኢደን ከልዕላ ኣለወን ዝብል ሰብ እየ። ኩለን ማለተይ እየ።
7. ምስ’ዚ ብዝተእሳሰር፡ ብዛዕባ ተራ ሃይማኖት ኣብ ምሕራር ህዝብታትን ኣእምሮኦምን ብዙሕ ተባሂሉ እዩ (liberation theology/ ክልተ ደክቶራትና እውን ብዛዕAኡ መጽሓፍ ጽሒፎም እዮም)። ምስ’ዚ ኣተሓሳስባ ዝተኣሳሰር ይኹን ኣይኹን ከረጋግጾ ኣይክእልን ግን ብሓፈሽኡ ትካላት ሃይማኖት ነቲ “ለውጢ” ዝብልዎ ምዕላው መንግስቲ ከቀላጥፋ ኣለወን ክበሃል እሰምዕ። ይኹን እምበር፡ ሓርነታዊ ስነ-ሃይማኖት ምስ ታሪኽን ማሕበራ-ፖለቲካዊ ኣቃውማ ላቲን ኣመሪካ ሰሪሑ ይኸውን፡ ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ፍልስፍነአንን ሃይማኖታዊ እምነተንን ኣብ መተከላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ስለዝምርኮስን ኣመዓባብለአን (ካብ ሓርነታዊ ቃልስታተን ጀሚርካ) እውን በቲ ናይ ካቶሊክ ሰረተ-እምነት (doctrine) ዝተጸልወ ብምንባሩ። ሓርነታዊ ታሪኽ ኤርትራን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ሰረታታን ግን ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ እሞ ኩሉ ኣብ ካልእ ዝሰርሐ ኣብ ኤርትራ ይሰርሕ ማለት ኣይኮነን ንምባል እየ።
8. ብዝተረፈ ሰናይ መዓልቲ። ብዛዕባ እዞም ጳጳሳት እኹል ክሊፓት መጺኡኒ ስለዘሎ፡ ካልእ ዘዘናግዕ እንተሎ ወይ ማይ ዘይጠዓመ ጥራይ ንምባል እየ። ብሩኽ መዓልቲ/ለይቲ/ንግሆ/ምሸት። ኣብ ዘዘለኹሞ ሰናይ ዎ ፍቕሪ።