ስርዓት ወያነ ዝቐርቀሮ የለን። ጠባያትት መራሕቲ ወያነ ናይ ሓደ ን30 ዓመታት ክጠብዎ ዝጸንሐ ጡብ ምሕዳግ ዕረ ዝኾኖ ህጻን የዘኻኽረኒ። ዘይዓቢ ጠባዊ ህጻን—ቀጨውጨውን ዕግርግርን። Tantrum ይብልዎ ተዛረብቲ እንግሊዘኛ።
ከም ኤርትራዊ ኮይነ ነገራቶም ክዕዘቦ ከለኹ ዝረኣየኒ እንተሎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ካብ ሰላማውን ዓዳምን ተበግሶታት ምውሳድ፡ መራሕቲ ወያነ እዚ ኩሉ ነውጽን ናዕብን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እናዘርኡ፡ ኣብ ልዕሊኦም ወሳኒ ስጉምቲ ክወስድ ኣይከኣለን።
ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ፈደራላዊ ሕጊ ዝህቦ ሓላፍነት እውን ክዋጻእ ኣይካኣለን ዘሎ። ብፈደራላዊ መንግስቲ ዝድለዩ ሰባት እውን ክቅይድ ኣይከኣለን። ክሳብ ሕጂ ክሉ ብሰላሕታን ብሰላምን ጸኒሑ። እሞ እዚ ኩሉ ዶሮናስ ናይ ምንታይ ኮን ይኸውን?
1. ፈደራላዊ መንግስቲ እንተተረጋጊኡ መራሕቲ ወያነ ናብ ሕጊ ምቅራቦም ስለዘይተርፍ
2. ኣብዘን 30 ዓመታት ካብቲ ዘይነጽፍ ጡብ “እማማ ኢትዮጵያ” ክምጸ ዝጸንሐ ገንዘብን ንብረትን ኢትዮጵያ ኣብ ሕሳባት ውልቀሰባትን ኮርፖረሽናትን ወያነ ስለዘሎ፡ ምጽብጻቡ ስለዘይተርፍ።
3. ወያነ ንኢትዮጵያ ንዝቕጽል 50 ዓመታት ክገዝእ ዝነበሮ መደብ ብሃንደበት ስለዝተቖጽየ፡ ወያነ ዘይገዝኣ ኢትዮጵያ ድማ እታ ኣብ ሕልሙ ዘላ ኢትዮጵያ ስለዘይትኸውን፡ ኣብ ኤርትራ ተላኣኣኻይ መቀለ ዝኾነ መንግስቲ ከምዝቀውም ገይርካ ረፑብሊክ ትግራይ ምምስራት። እንተተኻእለ ናብ ሰሜን ኣሳፊሕካ ዋና ገምገም ቀይሕ ባሕሪ እትኾነሉ ኩነት ምፍጣር።
ብገለገለ ብስም ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ሚድያታት፡ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ክግበር ዝጸንሐን ዝግበር ዘሎን ተደጋጋሚ ጥልመት የሕዝን እዩ። ሕጂ እውን ነቲ “ብሓባር ኮይንና ንመንግስቲ ኤርትራ ንዕሎ” ዝብል ጻውዒት መራሕቲ ወያነ ከቃልሑ ይስምዑ ኣለዉ። ካብ ቀደሙ ዘይቅዱስ ኪዳን ነይሩ። ሕጂ እውን ዘይቅዱስ ኪዳን እዩ። ነቲ ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝወደቑሉ ጉዳይ ከም ጉዳይ ኢሳይያስ ገይርኩም ምንእኣስኩምን ኣብ ትርጓመ ብይን ዶባት ምስ ወያነ ደው ምባልኩም የሕዝን’ኳ እንተኾነ፡ ካብ ዘይቅዱስ ኪዳናት ካልእ ክንጽበ ኣይንኽእልን።
ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ካብ መናፍሕ ኲናት ዝረብሕዎ የለን። ካብ ደላሎ ኲናትን ዕግርግርን ዝረኽብዎ ሰናይ ግብሪ የለን። ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ዶብ ብመሰረት እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝደንጎጎን ኣሃዱ ካርቶግራፊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመተሮን ክፍጸም እዩ ትጽቢቱ። ተፈጺሙ ከኣ እዩ። ቅዳሕ ካርታታት ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ኣሎ። ጃንዳ ወያነ፡ ምውዳእ ናይዚ ሕጋዊ መስርሕ ከም ናይ ሞቱ ፍርዲ እዩ ዝቖጽሮ። ስለ’ዚ እዩ ከኣ እዚ ጉዳይ እዚ ከም ናይ መወዳእታ ዕርዲ መራሕቲ ወያነ ኮይኑ ዘሎ።
እዚ ዕርዲ እዚ ሃደሽደሽ ምባሉ ኣይተርፎን እዩ። ኤርትራ ነቲ ብደማን ብኣህጉራዊ ውሳነን ዘረጋገጸቶ ልኡላዊ መሬታ ምምላሳ ኣይተርፋን እዩ። ርሑቕ እውን ኣይክኸውንን እዩ። ሽዑ ግን ብዛዕባ እዞም ደመኛታት መራሕቲ ወያነ ኣይኮንናን ክንዛረብ። ብዛዕባ ብሩሕ መጻኢ ህዝብታት ዞባና ኢና ክንዛረብ። ሽዑስ እዞም መጸይቲ ነበረያ ነበረ ኮይኖም ኣለዉ።
ብወገነይ፡ ኲናት ዝጸልእ ሰብ እየ። ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን እውን ኲናት ዝብህጉ ኣይመስለንን። ስለ’ዚ፡ ህዝቢ ትግራይ “ይኣክል” ንምባል ኣዝዩ ደንጒዩ ኣሎ። ፍትሒ ረጊጽካ ክትለምዕ ማለት ዘበት እዩ። ናብ ቤት ፍርዲ ክኸዱ ንመራሕትኻ ዝወጠጠ ኣይነበረን እሞ ካብ ጒዪ ምዓል ክሳድ ምሓዝ። ይኣክል በሎም። ይኣክል ነጋሪት ኲናት ምውቃዕ፡ ይኣክል ካብ ሓቅን ፍትሕን ምህዳም።
ክሳብ ሕጂ ኤርትራ ዳግም ኲናት ከይባራዕ ዝከኣላ ክትገብር ጸኒሓ እያ። ምዕጻዉ ዶብ ንገዛእ ርእሱ ነቶም ዘይምርግጋእ ከስዕቡ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ንምቁጽጻር ዝነበረ እዩ ዝመስል። ተኽእሎ ኲናት ንምቅናስ እዩ ነይሩ ዝብል ግምት ኣለኒ።
ሕጂ እውን፡ ስግር መረብ እዚ ኩሉ ናይ ኲናት ደሮና ሰማይ ዓሪጉ ንዝባውንቲ ሸዋ ክሳብ ዝሽፍን ኮይኑስ ብዛዕብኡ ዝኾነ ወግዓዊ ግብረ-መልሲ ናይ ኤርትራ የለን። ብዙሕ ከበሩ ዝገበረት እውን ኣይትመስልን እያ። ጉዳይ ዋኒና ትገብር ኣላ። ከምቲ መራሕቲ ወያነ ክእምትዎ ዝደልዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣይዘረየትን፡ ውዲታት እውን ኣይገበረትን። ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ክትራኸብን ውዕላት ሰላምን ምሕዝነትን ክትፍርምን መሰላ እዩ። ካብ መራሕቲ ወያነ ፍቃድ ክትሓትት ኣየድልያን እዩ። ትግራዎት ንነብስኹም ከም ኢትዮጵያውያን ትቖጽርዋ እንተኮይንኩም፡ ኤርትራ ምሳኹም እያ ስምምዕ ትገብር ዘላ ማለት እዩ። እንተደኣ ናብ ረፑብሊክ ትግራይ ገጽኩም ተብሉ ኮይንኩም ድማ እታ ዕትብቲ ቁረጽዋ እሞ ሽዑ ኩሉ ንጹር ይኾነልና። እዛ ላንጋ-ላንጋ ጸሊአ፡ ሓንቲኣ ኣፍልጡ’ንዶ!
እንተ እቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ኤርትራን ዘቕረብኩሞ ዕድመ፡ ካብ ክውንነት ክሳብ ክንዲ ምንታይ ርሒቕኩም ትጋልቡ ከም ዘለኹም እዩ ዝሕብር።