Categories
Uncategorized

ተዘክሮታተይ ብዛዕባ ለበዳታትን ካልእን

 

ተመክሮይ ምስ ተመክሮ ሰውራ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝተኣሳሰር እዩ። ስለ’ዚ፡ ሓፈሻዊ ንህዝብን ተጋዳላይን/ሰራዊትን ዘስግእ ለበዳታትን ካልእ ጥዕናዊ ስግኣታትን ኣብ ዝተቐልቀለሉ ግዜ ህዝባዊ ግንባር እንታይ ይገብር ከምዝነበረ ቅሩብ ካብ ተዘክሮታተይ ከካፍል።

  1. ዓበቕ፡ እዚ እቲ ቀዳማይ ዘጋጠመኒ ለበዳ ነይሩ። ኣብ 1977 ይኸውን ንእሽቶ ጉጅለ ደረፍትን ተዋሳእትን ዝሓዘት ጉጅለ ንሓራ ከተማታት ዜርና ምስ ተመለስና፡ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ብሕማም ዓበቕ ተጎቢኡ ጸንሓና። ሓካይምን ነርሳትን ካብ ማእከላይ ሕክምና ናይቲ ውድብ ምስተን ናይቲ ቤት ትምህርቲ ነርሳት ኮይኖም ነቲ ለበዳ ክቖጻጸርዎ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ጸኒሖምና።
    ሀ- ካብ ጋንታ ናብ ጋንታ ምንቅስቃስ ተኸልኪሉ
    ለ- ነቶም በቲ ለበዳ ዝተለኽፉ ተፈልዮም (ብዙሓት እዮም ነይሮም፡ ንሶም እውን ኣብ ንኡሳን ጉጅለታት ከፋፊሎሞም)
    ሐ- ጽሬት ሰውነትን ክዳውንትን
    መ- ንሕና ምስ ተመለስና ናብ ጋንታታትና ከይንኣቱ ተወሲኑ ናብ ፍልይ ዝበለ ቦታ ከም ንጸንሕ ተገይሩ ( ብናይ ሎሚ ቋንቋ፡ ተወሺብና ማለት እዩ)
    ሰ- ኣብኡ ሕጂ ክዝክሮ ዘይክእል ዓይነት ፈሳሲ መድሃኒ ገይሮም ምሉእ ሰውነትና ይሓጽቡና ነይሮም (ወላ ነቶም ዓበይቲ፡ ንመጀመርታ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ሓጺባትኒ—ሕውውውውው!!!—፡)

እቲ ለበዳ ኣብ ሓጺር ግዜ ጸርዩ፡ ድሕርኡ ካብቲ ኣጋጣሚ ተመክሮ ተወሲዱ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ጽሬት ዝያዳ ኣቓልቦ ገይሩ። እታ ጅግና ናይ’ዚ ኩሉ ጻዕርታት ዝኾነትን ነቲ ወፍሪ ዘወሃሃደትን ናይ ነዊሕ ዓመታት ሓላፊት እቲ ክሊኒክ፡ ነርስ /ሓኪምና ተጋዳሊት ኣወጣሽ እያ ነይራ። ኣብ ዘላቶ ዕድመን ጥዕናን እምነየላ። ኣወጣሽ ዘይሓከመቶ ኣባል ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዳርጋ የለን። ምስ ኣወጣሽ ብዙሕ ዝኽርታት ኣለና። ሓደ ግዜ ምስ በራኺ ገብረስላሴ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ሓላፊ እቲ ጨንፈርን ክትቋየቕ ጸኒሓትኒ። ብዛዕባ ሕጽረታት መድሃኒታት ኣጥቢቓን ኣምሪራን ክትዛረቦ ምስ ረኣኽዋ ኣዝየ ፈትየያ።

  1. ድሮ ሻድሻይ ወራር በቲ ውድብ ዝተዋህበ ጎስጓስ ኣንጻር ቀማማዊ ጋዝ ኣዝዩ ሓያል እዩ ነይሩ። ብዘይካ እቲ በቲ ግዜ ዝነበረ መጽሔታትን ድምጺ ሓፋሽን ዝወሃብ ዝነበረ ኣስተምህሮታት፡ ከም ስርዓት ሓካይም ኣኼባታትን ሰሚናራትን እና ገበሩ፡ ምልክታት ቀማማዊ ጋዝን ኣገባብ ምክልኻሉን ንዓመት ዝኣክል ጎስጋስ ኣካየዱ። እቲ ዝመጽእ ዝነበረ ሓበረታት ኣዝዩ ዘፍርሕን ከምዘለዎ ብጥረኡ እዩ ነይሩ። ነብሳ ዘይኣመነት ነቲ ውድብ ሽዑ ራሕሪሓቶ ከይዳ። እቲ ዘይንመስዋእቲ እየ ወፊረ ኢሉ ዘትከለ ድማ ነቲ መድረኽ ሰጊርዎ። ሻድሻይ ወራር ምስ ተጀመረ ብዙሕ ዝጋነን ቀማማዊ ጋዝ ኣይረኣናን። ብጻጋማይ ጫፍ ናይቲ ዝነበርክዎ ግንባር፡ ጸላኢ ከም ናይ ፖሊስ ዝመስል ዘንብዕ ናይ ትኪ ቦምባታት ከምዝደርበየ ሰሚዕና። ኣብ ካልእ ቦታታት እውን ተመሳሳሊ ፍጻመታት ነይሩ። ሻድሻይ ወራር ወላ ሓያል ይንበር እምበር እቲ ዝተገብረ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምድላዋት ከም ካልኦት ወራራት ከም ዝሓልፍ ጌርዎ።

  2. ኣብ 1983 ወይ 84፡ ሕማም ኣንቅጺ ዝበሃል መጺኡ ተባሂሉ፡ መዓት ማሕበራዊ ምግላላትን ካልእ ሕጂ ዝረሳዕክዎ ስጉምትታት ተወሲዱ። መከላኸሊ መድሃኒ እውን ተዓዲሉና ይመስለኒ። እዚ ዝበሃል ለብዒ ከይገበረ ብኣጋኡ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ።

  3. ኣብዚ ዝበሃል ዘሎ ግዝያት ድማ ሕማም ሸሮኽ ንትግራይ ሃስዩ ናብ ኤርትራ ክኣቱ እውን ጀማሚሩ መስለኒ። ሽዑ እውን ሓፈሻዊ ጎስጋሳትን መድሃኒታትን ካልእ ናይ መከላኸሊ ስጉምትታትን ተወሲዱ። ብዙሕ ከይኣድመዐ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ።

እዚ ገለ ዝዝክሮ እዩ’ሞ ናይ ግዜና ለበዳ ኮሮና እውን ከምቶም ቀዳሞት ምሕላፉ ኣይተርፍን። ጥራይ ሃሰያኡ መታን ክውሕድ ክንጥንቀቕ ኣለና። ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ሕማማት ለበዳታት ንምቑጽጻር፦

  1. ንፉዓትን ውፉያትን ካድረታት (ክኢላታት) ሕክምና የድልዩ። ንባህርታት ለበዳ ከምኡ እውን ኣገዳስነት ህዝባዊ ጥዕና (public health) ዝርድኡን ንሕብረተሰቦም ዝፈልጡን

  2. ውፉይ ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ ውሳነታቱ ኣብ ሳይንስን ምኽሪ ክኢላታትን ዝምርኮስ

  3. ንቑሕ ሓፋሽ፡ ህዝቢ ንሓደጋኛነት ለበዳ ፈሊጡ ብውልቅን ስድራን ገዛውትን ዞባታትን ነቲ ብክኢላታት ዝወሃብ ሓበረታ ዘተግብር

  4. ብሓፈሽኡ ኣብ መሪሕነቱ እምነት ዘለዎ ሕብረተሰብ፡ ዝወሃብ ምኽርታትን ትእዛዛትን ንጠቕሙ ምዃኑ ዝርዳእ

ኤርትራ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ረቛሒታት ትውንን እያ። ዝተረፈ ናይ ብቕዓት ጉዳይ ይኸውን፡ ምድላው ብቑዕ ትካላት ጥዕናን ክኢላታትን፡ ዳግመ ውደባ ኣጋር ሓካይም ዓድታትን ናብዚ ፍሉይ ለበዳ ዝቐንዐ ኣስተምህሮታት ምሃቦም፡ መድሃኒታትን ተክኖሎጅን ከም ዓቕሚ ሃገር ምትእትታው።

እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ኣብዚ “መከተ” እጃሙ ከበርክት እዋናዊ እዩ። ብርግጽ ህይወት ክነተርፍ ክንሕግዝ ንኽእል። እንተዘይኮይኑ እውን ናይ ሕልና እፎይታ ክንረክብ ንኽእል። ኩሉ ብኣንጻር እዚ ዝመጽእ ናይ ቆምሽ ኣደይ ሓንኪሉኒ ፖለቲካ ቅቡል ኮይኑ ኣይረኣየንን።

ኤርትራ ዘመሓድራ መንግስቲ ኣሎ። ሚኒስተራት ኣለዋ። ሓካይም ኣለዉዋ። ኣብዚ ኮይንካ እታ ሃገር መንግስቲ ከምዘይብላን ሓካይም ከምዘይብላን ኣምሲልካ ዝግበር ምንእኣስን ምቁንጻብን ትርጉም የብሉን። ኣብ ስቡሕ ሶፋ ኮፍ ኢልካ መንግስቲ ጸብጻባት ሕሙማት ክህበካ ትጽበ እንተለኻ፡ ቅሩብ ተደራቢሹካ ኣሎ (It may amount to a state of delusion)። ንመን ክንኣምን ዝብል እውን ቅቡል ኣይኮነን። ንዘይትቆጻጸሮም ፕሮጀክትታት ገንዘብ እና ኣዋጻእካስ ናብዚ ፍሉጥ ዝኾነ ዕላማ ዝቐንዕ ጻዕርታት ንምጉዳም ዝግበር ፈተነታት ዘሕፍር እዩ። ክትሳተፍ እንተዘይመሪጽካ ሱቕ ምባል’ኮ ኣሎ እዩ። ሱቕ ምባል ዝመስልዎ የለን። ነዚ ንጹህ ተበግሶታት’ዚ ዝሓናኹልን ቊንቊ ከውጸኣሉ ዝህቅንን ወገን እንታይ ዓይነት ተቃውሞ እዩ? ህዝቢ ዝስዕበካ’ኮ ኣብ ግዜ ሽግሩ ንፖለቲካዊ ሕሳባትካ ንጎኒ ኣቐሚጥካ ኣብ ጎኑ ምስ እትስለፍ እዩ።

እዚ ናብ ሓደ ወይ ናብ ክልተ ዝቐንዐ ወቀሳ ኣይኮነን። ንማሕበራዊ ሚድያታት ሸፈፍ ኢለ ኮሊለስ ከምኡ ዘስምዕ ምኽንያታት ስለዝረኣኹ እየ ኣልጊበዮ ዘለኹ።

ብዝተረፈ፡ ልቢ ነዕቢ። እቶም ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰሚዑክም ኢደይ-ኢድካ ክትብሉ ድሉዋት ዘለኹም ድማ ንኣዕሩኽምን ብጾትክምን ብህድኣት ክተረድእዎም እምሕጸን።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s