Categories
Uncategorized

ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ኣልማዛዊ ጽምብል ኣብ ድቕድቕ ጸልማት

ማሕበር ሃገራት ዓርብ ብ 22መጋቢት 1945 ተመስሪቱ። ዕላማ እቲ ማሕበር ነቲ ብታሪኽን ባህልን ዝተኣሳሰር ህዝብታት ዓረብ እንተተኻእለ ንፍጹም ሕብረት፡ እንተዘይተኻእለ ድማ ኣብ ሓባራዊ ናይ ምክልኻልን ናይ ወጻኢን ናይ ቁጠባን ደምበ ከም ዝጥርነፍ ንምግባሩ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ብግስ ከይበለ ዝሑል ኲናት ኣርከቦ። ሃገራት ዓረብ ካብቲ ናብ ውሽጢ ዝስሕበን ናይ ስኒትን ሓድነትን ሓይሊ፡ እቲ ንግዳም ወጢጡ ዝበታትነን ስነ-ሓሳባት ሓዪሉ። ደገፍቲ ምዕራብን ምብራቕን ኮይነን ስማዊ ሓድነት ጥራይ ክዝምራ መሪጸን። ካብዚ የድሕን ተባሂሉ ዝተሃንደሰ ናይ በዓስ ስነ-ሓሳብ እውን መሊሱ ደኣ ከም ዝረሓሓቓን ነንሕድሕደን ከም ዝጠራጠራን ገበረን። እዚ ጥራይ ከይኣክል፡ እቲ በብወገነን ዝተኸተለኦ ስርዓተ-ፖለቲካ ዘይጠዓዓም ኮነ፡ ማለት ገሊአን ንግስነታዊ ስርዓተ-ፖለቲካ ክኽተላ ከለዋ (ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝፍለጥ፡ ከም ኢማራት፡ ሰልጠና፡ ንግስነት—) ገሊአን ድማ ረፓብሊካውነት ተቐበላ። ኣብ መንጎኡ ክትቆጽሮ ዘጸግም ዕልዋታት መንግስታት፡ ምቕታል መራሕቲ መንግስታት፡ ናይ ውስጠ-ዓረብ ውግኣት፡ ምግምማዓት—ወዘተ ተራእዩ። ንናይ ዊልያም ሸክስፒር ጥራይ ዝወዳደር ናይ ሰብዓን ሓሙሽተ ዓመታት ትራጀድያዊ ድራማታት!!

“ ክሳብ እዚ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝሓልፍ ድምጽታት ጠበናጁ ክቕህም—” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ማሕበር፡ ኣሕመድ ኣቡ ኣልቔዝ ጽሒፉ። “ክሳብ ኮሮና ቫዩረስ ዝሰዓር በጀኹም ውግእ ሓድሕድ ደው ኣብሉ፡ ድሕርኡ—” ይብል ኣሎ ዋና ጸሓፊ ናይቲ 75 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ማሕበር ሃገራት ዓረብ። ናይ ድኻም፡ ናይ ተስፋ ምቑራጽ፡ ናይ ምስልቻው ጠባይ ዘለዎ ባህሪ ይመስል። በቃ፡ ነታ ዕረ እትጥዕም ሓቂ ዝተገንዘበ ይመስል፡ ክውሕጣ ደኣ ኣይደፈረን እምበር። ሰብዓን ሓሙሽተ ናይ ምሕማስ ዓመታት! ሽግራቶም ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢሎም ዘይፈትሑስ ኮሮና ቫይረስ ከታዓርቖም ይምሕጸን ኣሎ። ካብዚ ዝኸፍእ ፍሽለት የለን። እቶም “ስለምንታይ ኤርትራ ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓረብ ከይትኸውን መሪጻ” ትብሉ ሰባት ከተምጽእዎ እትኽእሉ ዘይንፈልጦ ዓዕጋቢ ምጉት ኣለኩም’ዶ ይኸውን?

ስለምንታይ ግን?

1- ሃገራት ዓረብ ምስ ምውዳእ ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ማለት ምስ ስዕረት ቱርካዊ ዑስማናዊ እምብራጦርያ (Ottoman Empire) በብሓደ ናጽነተን ክረኽባ ጀሚረን። ኣብተን ናይ ፈለማ ዓመታት፡ ቱርክን ጀርመንን ኣውስትሮ- ሃንጋሪ ብሓደ ወገን እንግሊዝን ፈረንሳን ሩስያን (ደሓር እውን ኣመሪካ ተጸንቢራተን) በቲ ካልእ ኮይነን እየን ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ጸሚደን። እቲ ኲናት እና ዓመረ ምስ ከደ ነብሰ ወከፍ ደምበ እና ገዘፈ ከይዱ። ብዝኾነ፡ ኣብ ኣከባቢ ማእከላይ ምብራቕ እንግሊዝን ፈረንሳ እየን ዝያዳ ጽልዋ ዝነበረን። ዝበዝሑ ህዝብታት ዓረብ ኣብ ጎኒ እንግሊዝን ፈረንሳን ኮይኖም ኣንጻር እቲ ንማእከላይ ምብራቕ ንኣማእት ዓመታት ተቖጻጺሩ ዝነበረ ቱርኪ ተዋጊኦም። እንግሊዝ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገበሮ “እዚ ኲናት ይወዳእ እምበር ናጽነትኩም ክህበኩም እየ” ስለዝበሎም እዩ ህዝብታት ዓረብ ኣብ ጎኑ ተሰሊፎም። ኪነው እቲ ዝሕኮር ጎቦ እንታይ ከም ዝጸንሖም ፈሊጦም እንተዝኾኑ፡ ምናልባት ምርጨኦም ካልእ ምኾ ነይሩ።

2- ድሕሪ ስዕረት እቲ ብስሉሳዊ ኪዳን ዝፍለጥ ጀርመንን ኣውስትሮ-ሃንጋርን ቱርክን ዝርከቦ ደምበ፡ እቲ ሰራም እንግሊዝ ከም ኣመሉ ንህዝብታት ማእከላይ ምብራቕ መታቲሩ ዘይዓርፍ ግርጭታትን ዘይሓዊ ኣቑሳልን ሓዲግሎም ከደ። ጉዳይ ፈለስጢም ንሱ ሓላሊኽዎ። ኣብ ዒራቕ፡ ዑማን፡ የመን፡ ሱዳን፡ ሊባኖስ—ወዘተ በብ እዋኑ ዝፍንጀር ማሕበራዊ ግርጭታት ተኺሉ ገዲፍዎም። ቀንዲ ዕላምኡ፡ ነቲ ቀቢላታት ዓረብን መራሕቶምን ዘየስተብሃሉሉ ኣብ ከርሲ መሬት ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ነዳድን፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ነቲ ብዓበይቲ ፈለጋት ዝምገብ ሃብታም መሬቶም ብኢደ-ኣዙር ተቖጻጺሩ ሸውሃት ናይተን ኣብ ግዝኣት እንግሊዝ ዝነበራ ኢንዱስትሪታት ንምዕጋብ እዩ ነይሩ። ምስ’ዚ ቁጠባዊ ረብሓ ዝኸይድ እውን ናይ ጂኦ-እስትራተጅያዊ ኣገዳስነተን ጉዳይ ልዑል ምንባሩ ምዝካር።

3- እተን ሽዑ ዝቖማ ጀመርቲ ሃገራት ዓረብ (ብዙሓት ድሒረን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እየን ናጽነተን ረኺበን) ፖለቲካዊ ኣቃውመአን ብክልተ ረቋሒታት ዝተጸልወ እዩ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ ናይ ውሽጠን ማሕበራዊ ኣቃውማ ዘበገሶ ቀቢላዊ ባህሪ ዝነበሮ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብደገ ዝተስገደደ፡ ማለት እቶም ገዛእቲ ሓዲጎምወን ክኸዱ ከለዉ፡ ከደምቶም መልሚሎም፡ ባህሎም ኣስሪጾም፡ ሸርሕታቶም ዘሪኦም ስለዝኸዱ፡ እቲ ናይ ኢደ-ኣዙር መግዛእቲ ንምቅጻል እዩ። ኣብ መንጎ እዚ ክልተ ጸቕጢ ኮይኖም ዝተጠጅኡ ቀዳሞት ፖለቲካዊ ቅዋማት ሃገራት ዓረብ ናጽነትን ደሞክራስያውነትን ዘመናውነትን ዝጎደሎም ኮይኖም ተወሊዶም።

4- ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝተረኽበ ነዳዲ ድማ ነቶም ህዝብታት ከም ድራግ ኮይኑ ኣደንዚዝዎም። መራሕቶም ኪዳናት ክቐያይሩ፡ ውግኣት ከልዕሉ፡ ክቀታተሉ፡ ክጠላለሙ—ብስሞም ዝግበር ግን ድምጾም ዘይብሉ ኮይኑ ጸኒሑ። ክሳብ ዕለት ሎሚ ህዝብታት ዓረብ ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍአ እናከዱ እዮም።
እዚ ህዝባዊ ማእከልነት ዘይነበሮ ፖለቲካዊ ጥፍጠፋ፡ መሳርሒ ባዕዲ ክኸውንን፡ ኣብ ቅዋምነትን ዜግነትን ዝተሰረተ ንረብሓ ህዝብታት ሃገራት ዓረብ ዝከላኸል ንቑሕ ዓረባውነት ከይምዕብል ዓጊቱ። ንኣብነት፡ ሓያላት ሃገራት ንረብሓአን ኢለን ንደቖስቲ መንግስታት ወሽመጥ ዓረብ ይከላኸላ። መራሕቲ እዘን ሃገራት ድማ በቲ ናይ ፐትሮል ሃብቲ ገይሮም ንካልኦት ሳተልያታት ይቖጻጸሩ። ንኣብነት መራሕቲ ስዑድያ ንመራሕቲ ካልኦት ድኻታት ሃገራት ዝገብርዎ ናይ ገንዘብ ምስዳዕን ምግዛእን። ኣብ ገሊኡ ብጣዕሚ ዘሕፍር እዩ። ናይ ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ኣብነት እዩ።

ሓድግታት ማሕበር ዓረብ

1- ፍሽለት ጉዳይ ፈለስጤም
2- ፍሽለት ሓድነት ዓረብ (ዝተፈላለየ ፈተነታት ተገይሩ፡ ዝበዝሕ ብውልቃዊ ፖለቲካዊ ጥሙሓት መራሕቲ ዝተደፋፈአ ናይ ጉያ-ጉያ እዩ ነይሩ፡ ናይ ግብጽን ሱርያን ፈተነ፡ ናይ ሊብያን ግብጽን ፈተነን ካልኦትን
3- ፍሽለት ሃገራት ዓረብ ኣብቲ ምስ እስራኤል ዝገበርዎ ውግኣት (ምጥልላም መራሕቲ ዘምጸኦ ውድቀት)
4- ንነዊሕ ዝኸደ ኣብ መንጎ ናይ ሶርያን ኢራቕን ዝነበረ ናይ ሰልፍታት በዓስ ግርጭታትን ጽልዋታቱን (እዚ እውን ናይ መራሕቲ ኣንነትን ዓንተርነታዊ ስምዒትን ዘበጋገሶ ንዓቕምታት ህዝብታት ዓረብ ዝመቓቐለ እዩ ነይሩ፡ ክንደይ ምሁራትን ነጠፍትን ነዚ ስነ-ሓሳብ ጉልባብ ብምግባር ሓቒቖም።
5- ጉዳይ ምዕራብ ሳሃር/ፖሊሳርዮ (ክሳብ ሎሚ ዘይዓረፈ)፡
6- ዲክታታርነት፡ ምቅትታልን ዕልዋታትን መንግስታት
7- ፖለቲካ ቁጠባን ሃገራት ብዝተወሰኑ ቀቢላታት ወይ ስድራታት ከም ዝውነን ምግባሩ
8- ድሕረት ዘመናዊ ቑጠባ (ወልፊ ፐትሮል ዶላር)፡ ድሕረት ትካላዊ መንግስትነት
9- መጨጨሒ ጥሩፍነትን ዓሌትነትን
10- መድቖሲ መሰላት ወዲ ሰብ፡ ብፍላይ ደቀንስትዮ (ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለያ እየን፡ ኣብ ገሊኡ ስርዓታትን ሃገራትን መሰላት ደቀንስትዮ ንምሕላው ይኹን ሲቪላዊ ትካላት ንምዕንባብ ጽቡቕ ሰጒሙ)
11- በብግዚኡ ኣብ ነንሕድሕደን ዝፍጠር ግርጭታት ኣክንዲ ብሰላም
ምፍትሑ፡ ወተሃደራውን ቁጠባዊ ጸቕጥታትን እገዳታትን ምዝውታር (ናይ ሕጂ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ መንጎ ቀጠርን ስዑድያ እትመርሐን ባሕረንን ኢማራትን ዘሎ ግርጭት ኣብነት እዩ)
12- ኣብ ሱርያን የመንን ሊብያን ዝግበር ዘሎ ኣህላቒ ኲናት ዶላራት ሃገራት ዓረብ ዘንበድብዶ እዩ። ብመሰረቱ ፍሽለት ማሕበር ሃገራት ዓረብ እዩ። ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ዝነብረ ይኹን ድሒሩ ኣብ ኩላ እታ ሃገር ዝጎሃረ ውግእ ሓድሕድ ኣእዳው ሃገራት ዓረብ ነይርዎን ኣለዎን።
13- ሶማልያ እውን ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ግዳይ ናይቲ ካብ ሃገራት ዓረብ ዝብገስ ጉጉይ ፖሊሲታትን ጥሩፋት ሓይልታትን ኮይና ጸኒሓ።
14- ብዞባ ደረጃ፡ ከም ኩሉ ሰላም ዘይብሉ ድምበ፡ ነዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብ ዘሎ ስማዊ ሕብረት ዝምዝምዛ ኣእዳው ወጻኢ መሊአን እየን። ኣመሪካ፡ እስራኤል፡ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሩስያ፡ ኢራን፡ ቱርኪ—ሕጂ ከኣ ቻይና እውን ቅልጽማ ትውርውር ኣላ።

እሞ ድምጺ ኣሕመድ ኣልቔዝ፡ ናይ ዝተሓለሎ ሰብ’ዶ ይመስል ወይስ ኣልማዛዊ በዓል ናይ ዘኽብር ዘሎ? ድሕሪ ኮሮና ከ?

ዓቕሚ እንተ ዝነብረኒ ንኡስታዝ ኣሕመድ ኣልቔዝ እዚ ዝስዕብ ምበልክዎ። ካብዚ ናይ ሕልሚ ዓለም ተበራበር። እቲ ናይ ሓሶት ናይ “ኣሕዋት ኢና፡ ሓደ ኢና—” ገዲፍካ በቲ ዝተሓተ ደረጃ ብኣህጉራዊ ሕጊ እውን እንተረእናዮ፡ ዝምድና ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዝጠስጠሰ እዩ። ወዲ ሰብ መኺሩ ዘየዕረፎ ሽግራት ሃገራት ዓረብሲ ያኢ ቫይረስ ክዳንዮ!!
እሊ መንኮር ቱ ያ ኡስታዝና—

“ኤርትራ ኣባል እዚ ጥስጡስ ማሕበር ክትከውን ኣለዋ” ዝብል ድማ ናባይ ገጹ ኣብልዎ ጥራይ–

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s