Categories
Uncategorized

ኣብ ሃገርና ሳዕቤናት ኮሮና ቫይረስ ንምድራት

ድሮ ኣብተን ቀዳሞት ሳምንታት፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝቕመጡ ዶክተራትናን ሰብ ሞያ ጥዕናን ተኣኻኺቦም፡ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ ዝምርምር ናውቲ ሰዲዶም ከም ዝነበሩ ፈሊጠ ነይረ። ሕጂ እውን ጭቡጥ ኣበርክቶታትን ወፈያታትን ክግበር በብወገኑ ምንቅስቃሳት ይግበር ከምዘሎ እሰምዕ ኣለኹ። እንተኾነ ግን ምውህሃድን ምስፋሕ እቲ ናይ ወፈያ ሰኪዔትን ዘድሊ ዘሎ ይመስለኒ። በዚ መሰረት፡ እዚ ዝስዕብ እማመ ናብ ኤርትራውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከምኡ እውን ናብ መራሕትን ወከልትን መንግስትን ማሕበራትን ከመሓላልፍ እፈቱ።

  1. ኣብ ነፍሰወከፈን ክፍለዓለማት ኣወሃሃዲ ኑቕጣታት ቆይሙ፡ ብደረጃ ዓለም ዘጎሳጉሳን ዘወሃህዳን ኮሚተታት እንተዝቖማ
  2. እዘን ብዓለም ደረጃ ዝቖማ ኮሚተታት ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ይወሃሃዳ። በብግዚኡ ኣብ ኤርትራ እንታይ የድሊ እቶም ኣብ ቅድመ-ግንባር ዘለዉ ክኢላታት ጥዕና ሃገርና እዮም ዝፈልጥዎ እሞ ነዚ ፋሕፋሕ ዘበለ ዝመስል ጻውዒታትን ጻዕርታትን ንሶም ክመርሕዎ ይኽእሉ። እቲ ንስንኩላት ኲናት ኤርትራ ንምሕጋዝ ብህግደፍ ቪዥን ዝተገብረ ምንቅስቃስ ከም መሓበሪ ቅርጺ ወይ ኣሰር ( template) ከገልግል ይኽእል። ጽላሎት ሕማም ኮሮና ንኽንደይ ግዜ ክጸንሕ እዩ፡ ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ዓለም እንታይ ዓይነት ዳግም ስርርዓት ቑጠባን ኣህጉራዊ ፖለቲካን ክረአ እዩ፡ ጭቡጥ ቁጠባዊ ሃሰያኡ እንታይ ክኸውን እዩ ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ገና ንሊቃውንቲ እዞም ዓውድታት’ዚኦም ጸሚዶም ኣለዉ።
  3. ኤምባሲታትን ማሕበራትን ስነጥበበኛታትን ኣብ ምብጋስ ናይ’ዚ ናይ ምውህሃድ መስርሕ ዓቢ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ
  4. ኣብ ሃገርና ዝግበር ጎስጓስ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ክኢላታት ንግደፎ። ድሮ ብራድዮን ተለቪዥንን ድራማታትን ምንቕቓሕ ከካይዱ ጀሚሮም ኣለዉ። ኤርትራ እውን ካብተን ቀዳሞት ንሓደጋ ናይ እዚ ቫይረስ ዝተረደኣ ሃገራት ምዃና ብዝተፈላለየ ምንጭታት ይረጋገጽ ኣሎ። ንሱ ክቕጽልን ክሕይልን ግን ደገፍን ምትሕብባርን ኩሉ ዜጋ የድልዮ። ልዕሊ ኩሉ ገንዘብ የድሊ።
  5. ኮሮና ቫይረስ ዕድመን ጾታን ሃይማኖትን ዜግነትን ሃብታምን ድኻን ፖለቲካዊ ኣረኣያን ዘይፈሊ ሓደገኛ ህዋስ እዩ [ደጋፍን ተቓዋምን ኣይፈልን እዩ]። ስለ’ዚ፡ ኩላትና ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያና ብዘየገድስ ሃገርና ንምሕጋዝ ጭቡጥ ተበግሶታት ክንወስድ እጽውዕ። እቲ ቫይረስ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ብኣምላኽ ዝተላእከ ኣይኮነን። ኣምላኽ መልእኽቲ ከሕልፈልና ናብ ቀዛፊ ቫይረስ ዝኸደሉ ምኽንያት የለን። እዚ ቫይረስ እዚ ንቢልዮናት ዓመታት ኣብዛ ዓለምና ክነብር ዝጸንሐ እዩ። ስለ’ዚ እንገብሮ ምንቅስቃሳትሳት ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮሰ ክኸውንን ንምኽሪ ሞያውያን ጥራይ ክንሰምዕን እምሕጸን።
  6. በዚ መሰረት ድማ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ኣብ ወጻኢ እንነብር ኤርትራውያን ነቶም ኣብ ኤርትራ ነዚ ቀዛፊ ማዕበል ኮሮና ቫይረስ ክገጥሙ ዝዳለዉ ዘለዉ ኤርትራውያን ሰብ ሞያን መራሕቲ መንግስትን ህዝብን ብፍልጠን ጉልበትን ማተሪያልን፡ ወይ ከኣ ብኹሉን፡ ኣብ ጎንኩም ኣለና ንበሎም። ኣእጃምና ንግበር።
  7. ከም መበገሲ ሓሳብ፡ እቲ ናይ ምህውሃድ ባይታ (platform) ምስ ተመስረተ ዝያዳ ኣብ ገንዘባዊ ሓገዝ እንተነድህብ እሞ እቲ ሚኒስትሪ ካብ ተወዳዳራይ ዕዳጋታትን ምነጭታትን ብዝጥዕሞ ክገዝእ ይኽእል። እዚ ሓሳብ ኣብ ነሰላስለሉ እዚ ዝስዕብ ኣብ ግምት ክነኣቱ ንኽእል።

ዝበዝሑ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ (COVI 19) ብዙሕ ክንክን ኣየድልዮምን እዮም። ይኹን እምበር እቶም ኣስታት 5-15% ዝኾኑ ሕሙማት ጽዑቕ ክንክን (intensive care) የድልዮም። ንኣብነት ኣብ ሎምባርዲ ኢጣልያ 12% ካብቶም በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ናብ ሆስፒታላት መጺኦም። ካብቶም ናብ ሆስፒታል ዝመጹ ድማ 16% ዝኾኑ ጽኑዕ ክንክን ከም ዘድለዮም ኣብቲ ብ13 መጋቢት 2020 ኣብ ጆርናል ማሕበር ሕክምና ኣመሪካ ዝወጸ መጽናዕታዊ ጽሑፍ የመልክት (ኣብ ታሕቲ ረአ)። እዚ ምስቲ ኣብ ቻይና ዝተራእየ መጠን ክወዳደር ከሎ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ብዙሕ ረቛሒታት ጸልይዎ ክኸውን ይኽእል። መነባሮ ህዝብን ምንጭታት መግብን፡ ክሊማ፡ ናይቲ ቫይረስ ናይ ምቅይያር ባህሪ (mutation)፡ ቅድሚኡ ምስ ኣዝማድ እቲ ቫይረስ ዝነበረ ምቅላዕ ሰውነት—ወዘተ። ብዝኾነ፡ እዚ መዳይ እዚ ንሊቃውንቲ ስነፍልጠትን ንግደፎ። ብዓለም ደረጃ ለይትን ቀትርን ይረባረቡን ኣዝዩ ንኡድ ዝኾነ ምትሕብባር ይገብሩን ኣለዉ። ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ሕ’ሰባት ኣፍሪቃ ብከመይ ክላባዕ እዩ፡ ጽንኩርነቱ ከመይ ክኸውን እዩ ዛጊት ዳታ የለን።

ብዝኾነ በዚ ዘሎ ዳታ፡ ወይ እውን በቲ ዝተሓተ ናይ ቻይና እንተ ገመትና፡ ንበል 30-40% ናይቲ ህዝቢ እንተተለኺፉ እሞ 5% ካብኡ ጽዑቕ ክንክን ዘድልዮ እንተኾነ፡ ኣብ ሃገርና ክንደይ ዓራት፡ መተንፈሲ ማቺን፡ መእከብን መዓደልን ገንእታት ኦክስጅን፡ ኣምቡላንሳት፡ ማስክታት፡ ግላቫት—የድሊ? እቲ ስእሊ ክቕረጸካ ብዙሕ ጻዕሪ ኣየድልዮን እዩ።
ስለ’ዚ፡ እቲ ሕማም ናብ ሃገርና ከይኣቱ ወይ ድማ እንተ ኣትዩ ከይላባዕ ክንጸል ምጽዓር እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ናይ ምክልኻል እዩ (prevention)። እዚ ኣብ ሃገርና ድሮ ይትግበር ኣሎ።
ካልኣይ መስመር ምክልኻል ድማ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ እንተተራእዩ፡ ምውሻብ ወይ ምንጻል (ምክላል) ናይቲ ስድራ/ገዛውቲ ወይ ድማ ዞባ እዩ። እዚ ስጉምታት እዚ ንፍጥነት ምልባዕ ናይቲ ሕማም ንምዝሓልን እንተተኻእለ ድማ ናብ ካልእ ቦታታት ከይልሕም ንምክልኻል እዩ ዝግበር።
እቲ ሳልሳይ፡ ሃገራዊ ናይ ክንክንንን ትንፋስ ኣድሕንን ጻዕርታት የጠቓልል። እዚ መድረኽ እዚ እቲ ሕማም ኣብ ኩሉ ኣከባቢታት ከም ዝኣተወን ብብዝሒ ከድምዕ ከም ዝጀመረን ምስ ዝረጋገጽ እዩ።
እዚ ኩሉ ንምትግባር ማእከላት ጥዕናን ሰብ ሞያን ገንዘብን የድሊ። እቲ ናይ ትካላትን ሰብ ሞያን ጉዳያ ንግዚኡ ጎሲና እስኪ ኣብቲ ንሕና ክንገብሮ እንኽእል ነድህብ። ከም ኣብነት ገለ ዋጋታት (ዋጋታት ብቦታን ግዜን ከም ዝፈላለዩ ምፍላጥ)

-ንመተንፈሲ ትሕግዝ ማሺን (respiratory ventilator)= እታ ዝሓሰረት ንእሽቶ ናይ ገዛ ናይ ውልቂ= 1500.00 ዶላር፡ ኣብ ሕክና ንጽዑቕ ክንክን ዘገልግልሳ ድማ ካብ $7000.00 ንላዕሊ
– ዋጋ መአከብን (መመንጨውን) ኦክስጅን፡ ካብ ኣማእት ናብ ኣሽሓት ዶላራት
– ኣብ ነብሰ ወከፍ ዞባ ክንደይ ጽዑቕ ክንክን ዘድልዮም ክህልዉ ይኽእሉ፡ ብከመይ እዮም ብእዋኑ ናብቲ ሕክምና ክበጽሑ ዝክእሉ፡ ምስ በጽሑ ከ እቲ ናይ ህይወት ምድሓን ኣገልግሎት ክረኽቡ ድዮም

ድሕረ-ባይታ

ሕማም ኮሮኖ ቫይረስ ወይ COVID 19 ብሳይንስ ዝፍለጥ እዩ። ናይ ህዝቢ ከህልቕ ወይ መልእክቲ ከመሓላልፍ ብኣዝጋብሄር ዝተላእከ ኣይኮነን። እዝጋብሄር መልእኽቱ ከመሓላልፍ ናብ ቫይረስ ዝኸደሉ ምክንያት የለን። ቫይረስ ቅድሚ ወዲ ሰብ ኣብዛ ዓለምና ብቢልዮናት ዓመታት ይቕድሙና እዮም። ኣማእት ዓይነታት ቫይረስ ኣለዉ፡ ንኹሎም ህይወታውያን (እንስሳታት፡ ኣታክልቲ ባክተሪኣ— ድማ ክሕዙ ይኽእሉ። ቫይረስ ብዘይ ህይወታውያን ህይወት ክህልዎም ኣይክእልን። ኣብ ትሕዞ ኣቕሑ፡ ኣብ ተስተንፍሶ ኣየር፡ ኣብ ትሰትዮን ማይን ትበልዖ መግብን ሚልዮናት ቫይረሳት ኣለዉ። ዝበዝዝሑ ንህዋሳትና ከጥዑ ኣገባባት ስለዘየማዕበሉ ንመጽናዕቲ እንተዘይኮይኑ ንጥዕናና ኣይርብሹናን እዮም።

ቫይረስ ቀልጢፉ ዝቀያየር ፍጥረት እዩ። ኣብ ውሽጡ ብዝግበር ፍልቀታዊ ምቕይያር ይኹን ምስ ካልኦት ዓይነታት ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዋህዮ ናይ ህይወታውያን ምስ ዝራኸብ ካብ ናይ ምርባኣሕን ምብዛሕን ኣካሊታቱ (RNA/DNA) ነእሽቱ ቁራጻት ይለዋወጥ እሞ እቲ ዝቕጽል ዘርእታት ካብቶም ቀዳሞት ዝፍለ ይኸውን። ምስ ግዜ ናብ ዋህዮታትና ንምእታው ዝሕግዝ መፋትሕ የማዕብል እሞ ከም ወዲ ገዛ ተመሲሉ ነቶም ናይ ምክልኻል ዋርድያታት ሰውነትና ኣሽኪዑ ይኣቱ። ሓንሳብ ኣብ ውሽጢ ዋህዮና ምስ ኣተወ ነቲ ናይ ዋህዮና ናይ ስነህይወት መኪና (ናይ ምብዛሕን ምጽጋንን ካልእ ንህይወት ወሳኒ ዝኾኑ መልእኽታት ዘመሓላልፉ ክፋል (genetic material) ከም በዓል ገዛ ተመሲሉ ይቆጻጸሮ። ድሕሪ እዚ ሰውነትና ኣክንዲ ንቡር ንጥዕናን ጽገናን ዕብየትን ዝጠቕሙ ዋህዮታትን ፕሮቲናትን ኣንዛይማትን ዘፍሪ፡ ፋብሪካ ቫይረስ ይኸውን። ስለ’ዚ ከኣ ንሓምም።

ቫይረስ ዝቐትል ጸረ ህዋሳት (antibiotics) የለን። ንብርታዐ እቲ ሕማም ንምቁጽጻር ግን ኣብ ገሊኡ ዓይነታት ቫይረስ ዝሰርሑ መድሃኒታት ኣለዉ። እቲ ኣብ ሃገርና ንሕማማ ዓሶ ንወስዶ ክሎሮኲን እውን ነዚ ኮሮና ቫይረስ ቅሩብ ይዕግሶ ዝብል ጸብጻባት ኣሎ። ሎሚ እውን ፕረሲድነት ትራምፕ ከም ዓቢ ዓወት ክዛረበሉ ውዒሉ። ቀዳማይ ፈተነ ክታበት ድሮ ኣብዛ ዝቕመጠላ ከተማ ስያትል ተጀሚሩ ኣሎ። ገና ኣብ ፈተነ እዩ ዘሎ። ክምዕብልን ናብ ምዕዳል ክበጽሕን ግን ግዜ ክወስድ እዩ።

ኮሮና ቫይረስ ወላ እኳ ንብዙሕ ዓመታታት ዝተፈልጠን ዝተጸንዐን እንተኾነ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ እንስሳታት ጥራይ ተሓጺሩ ጸኒሑ። ንመጀመርታ ግዚኡ ናብ ወዲ ሰብ ይሰጋገር ስለዘሎ እዩ ሓደገኛ ዝኸውን። ምኽንያቱ፡ ንምክልኻሉ ሰነትና ዓቕሚ ኣየማዕበለን።

ምልክታት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ከም ካልእ ሕማም ፍሉ ወይ ጉንፋዕ፡ ናይ ኣፍንጫ ጸረርታ፡ ሕማም ርእስን ቅርጥማትን፡ ደረቕ ሰዓል፡ ልዑል ረስኒ፡ ቃንዛ ጎሮሮን ምሕርሓርን፡ እንተ በርቲዑ ድማ ሕጽረት ምስትንፋስ—የጠቓልል።

ክንክኑ እውን ከም ኩላም ካልኦት ሕማማት ጉንፋዕ፡ ዕረፍቲ፡ ብብዝሒ ፈሳሲ ምስታይ፡ ንረስንንን ቃንዛን ዝኸውን መድሃኒታት ምውሳድ፡ ሕጽረት ምስትንፋስ ወይ ረስኒ ክትቆጻጸር ኣብዘይትኽእለሉ ወይ ኣመና እንተደኺምካ ድማ ሓኪምካ ጸውዕ ወይ ድማ ናብ ሕክምና ኪድ።

ሃገራት ተመሳሳሊ ግን ምስ ባህላውን ማሕበረ-ቑጠባውን ፖለቲካዊ መዋቕረንን ዝሰማማዕ ስጉምታት ይወስዳ ኣለዋ። ኣብ ቻይና ምስ ባህልን ፖለቲካውዊ መዋቕርን ናይታ ሃገር ዝሰማማዕ ፍጹም ዝኾነ ወተሃደራዊ እዚ ብዝመስል እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ናይ እዋን ሓደጋ (state of emergency) ኣትያ። ዞባታትን ከተማታትን ተነጻጺለን፡ ኣብያተ ትምህርትን ዕዮን ተዓጽዩ፡ ወተሃደራዊ ትካል ቻይና ናይ ህንጻ ኩባንያታትን ኣብ ህይወት ምድሓን ዘተኮረ ዝተወሃሀደን ዓለም ዘገረመን (ክሳብ ሆስፒታላት ኣብ ሰሙን ዝተሰርሓሉ) ቅያ ርኢና)።

ቻይና ካብቲ ብ2002-2003 ኣብቲ ዞባ ዝተራእየ ተመሳሳሊ ሕማም ምስትንፋስ (SARS) ንምቁጽጻር ዘርኣየቶ ዛሕሊ ተማሂራ እያ። ይኹን እምበር ንቁጠባውን ፖለቲካውን ሕሳባት ክትብል ኣብዚ ናይ ሕጂ ለበዳ እውን ብእዋኑ ነቲ ሕማም ብዕቱብ ኣይሓዘቶን። ነቲ ሕማም ብእዋኑ ከጠንቅቅ ዝፈተነ ቻይናዊ ሓኪም ካብቶም ቀዳሞት ግዳያት ናይቲ ሕማም ብምዃን ህይወት ካልኦት ከድህን ክብል ህይወቱ ስኢኑ።

ይኹን እምበር፡ ሕሙማት ክውሕዙ ምስ ጀመሩ፡ ቻይና ኣዝዩ ዝነኣድ ስራሕ ገይራ። ቻይና ዝተከተሎ ኣገባብ ድማ ንምሉእ ዓለም ከም መሐበሪ መገዲ የገልግል ኣሎ። ኣብ ዝበዝሓ ምዕራባውያን ዓለም፡ ህዝቢ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ርእይዎ ዘይፈልጥ ትእዛዛት ማእከላይ መንግስቲ የኽብር ኣሎ። ስራሕን ኣብያተ ትምህርትን ዳርጋ ደው ኢሉ ኣሎ።

ናይ ኣመሪካ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣክንዲ ግዜ ከለዎ ምድላዋት ዝገብር፡ ነቲ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዝነበረ ርብርብ ብኣሽካዕላል ክርእዮን ክገልጾን ጸኒሑ። ሎሚ ኣመሪካውያን መሰረታዊ ንምክልኻልን ምፍዋስን እቲ ሕማም ዝጠቕሙ ሃለኽቲ ነገራት እውን የብሎም። ፕረሲድነት ትራምፕ ነቲ ከም ናይ ቻይና ቫይረስ ኢሉ ዝገልጾ ግናይ ለበዳ፡ ኣብ ቻይና ጥራይ ተሓጺሩ ከምዘይተርፍን ኑክሌራዊ ኣጽዋርን ክብሪ ዕብየትን ኣመሪካ ከምዘይግድሶ ዝተሰቀሮ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እዩ። ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኣብ እዋን ኲናት ከም ዘላ ገይሩ ብምግላጽ ነቲ ሳሕቲ ኣብ ግዜ ኲናት ክእወጅ ዝግበኦ “ ናይ እዋን ምክልኻል ኣፍራይነት ሕጊ” ( Defense production Act) ፈሪሙ ኣሎ። እዚ ድማ ኩባንያታት ኣመሪካ መንግስቲ ናብ ዝመደቦ ንምክልኻል ሕማም COVID 19 ንምስዓር ኣብ ዝግበር ርብርብ ክፋወራ፡ ማለት ፍርያታተን ናብ ምክልኻልን ምስዓርን ሕማም ኮሮና ቫይረስ ክቐንዕ ንመንግስቲ ኣመሪካ ስልጣን ዝህብ እዩ።

ብዝተረፈ፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝረአ ዘሎ ሃገራዊ ፍቕርን ሓልዮትን ዝነኣድ እዩ። ናብ ጭቡጥ ነገራዊ ሓይሊ ክንልውጦ ግን ምውህሃድ ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዓኒ። ርኢቶታትኩም መርሓባ።

ብዙሓት ዓንቀጻት ኣንቢበ ዝጸሓፍክዎ እዩ። ኣብ ኢንተርነት ብቀሊሉ ክርከብ ይከኣል። ኣብዚ፡ ነታ ናይ ኢጣልያ መጽናዕታዊት ጉዳይ (case) ጥራይ ክጠቅስ እየ።

https://jamanetwork.com/journals/jama/fullarticle/2763188

ሰላምን ጥዕናን ፍቕርን ንኹልና!

ማሕሙድ ሳልሕ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s