ኣብዚ ማሕበራዊ ሚድያ ዘሎ ምግጭጫብ ክዕዘብ ከለኹ ከምዚ ሻዕብያ ብውልቂ ዝውንንዎ ናይ ሼር ካምፓኒ ኣምሲሎም ዝዛረቡ ሰባት እርኢ’ሞ ይገርመኒ። ናይ ብስለት ጉዳይ እዩ ዝኸውን።
ብላሽ’ኮ ኣይኮነን ህዝባዊ ተባሂሉ። ሻዕብያ ዋንነት ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ጽላል ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ነቶም ወረቀት ኣባልነቱ ዝተቀበሉ ወይ ኣብ መሳርዑ ዝተጋደሉ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ኣባልነቱ ዘይብሎም ወይ ኣብ መሳርዑ ዘይተጋደሉ ኤርትራውያን እውን የጽልልን ይሕብሕብን እዩ።
ሓቂ እዩ፡ መንግስቲ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ፡ ኣብ ቅድሚት ከም ብልሒ ኲናት ኮይኖም ነቲ መናድቕ ናይ ብደሆታት ዝበስዑ ካድራትን ኣባላትን ክህልዎ ግድን እዩ። ነዞም ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ሃገርና ግዳይ ናይቲ ኣንጻራ ዝፍኖ ዝነበረ ቀጻሊ ብደሆታት በጣጢሳ ክትወጽእ ግዚኦምን ጉልበቶምን ኣካሎምን ልዕሊ ካልኦት ዝሰውኡ ካድራትን ኣባላትን ህ.ግንባር ክብርን ሞገስን ክንልግሰሎም ግቡእ እዩ። ዝበዝሑ ምቕሉላትን ትሑታትን እዮም። ብዙሕ ናእዳን ሞገስን ኣይጽበዩን።
ነቶም ነዚ ከም ልቸንሳ ወሲዶም ንህግደፍን መንግስቲ ኤርትራን ከም ናይ ብሕቶም ክለብ ዝርእዩ ግን ዓገብ ክብል እየ። ህዝባዊ ግንባር ጽላል ኩሎም ኤርትራዉያን እዩ። ኩሎም ኤርትራዉያን ዝተሰውኡሉ ግንባር እዩ። ብኣካልን ብመንፈስን ብዙሕ ዘውፈሩሉ (ዝኸፈሉሉ) ስለዝኾነን፡ ሕጂ እውን እቲ እንኮ ነዚ ኣብ ቅድመና ዘሎ ሕልኽላኽ ገላሊሁ ናብቲ ዕላማና ዝኾነ በሪኽ ቦታ ከብጸሓና ዝኽእል ብምኻኑን መታን ክሕይል ዳግም ወፍሪ ኩልና የድልዮ።
እቲ ሻዕብያ ዝማእከሉ መንግስቲ ኤርትራ እውን ሓላፍነት ኹሎም ኤርትራውያን ዝስከም ህዝባውን ሃገራውን ትካል እዩ። ናይቲ ዝድግፍን ዝቃወምን፡ ዘዕዘምዝምን “ንኺድ ጥራይ ብርሃን እዩ ኣብ ቅድመና” እናበለ ኣወንታዊ ጽልዋ ዝዘርእ በዓል ሓቦን ሞራልን…ንኹሉ ጽላል ዝኸውን ዓቢ ዳዕሮ እዩ።
መንግስቲ ድማ ዜጋታት ከም ዝገበርዎ እዩ። ነጸብራቕ እክብኻብ ተሳትፎን
ኣተሓሳስባን ህዝቢ እዩ። ቃል ዓለም ዘይብሉ እወንታዊ ዘተን ተሳትፎን ዜጋታት መንግስቲ ሓይልን ፍጥነትን (momentum) እናደለበ ንቅድሚ ክስጉም ይሕግዞ። ዝለ’ዚ፡ እቲ ኣብ ዘይጠቅም ሓድሕዳዊ ህልኽ ዝባኽን ዘሎ ግዜና ንገምግሞ። መንፈስ ናይ ሻዕብያ ኣዝዩ ርሒብ ኣዳራሽ እዩ። ንኹሉ መጽለሊ። ወላ ነቶም ዝቃወሞዎ። ዝያዳ ክርሕብ ድማ ኣእጃምና ንግበር። ተፈደሉ፡ ኣብዚ ኣለኩም ቦታ ንበሎም።
ኣብዚ መዳይ’ዚ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል እዩ። ግን እዚ ዝስዕብ ኣብነት ነቲ ከመሓላልፎ ዝደሊ ዘለኹ መልእኽቲ ከብርህ ይኽእል።
ካብ ግራትካ ጽቡቕ እቶት ክትረክብ፡ ነቲ ሓመድ ዱኽዒ ትገብረሉ፡ ድሕርኡ ኣየር ክኣትዎ ትገማጥሎ፡ ድሕርኡ ጽቡቕ ክራማት ክመጽእ ትምህለል ወይ ድማ ካብ ዲጋታት ዓዲ ሃሎን ገርሰትን ጋሕተላይን ከርከበትን…ወዘተ፡ ማይ ስሒብካ ትዘርኦ። ጸሃያይን ካልኦት ባልዓትን ከየጥቅዕዎ ትከናኸኖ። እዚ ኹሉ ገይርካን ጸሎት ሓዊካሉን ጽቡቕ እቶት ክርከብ ከም ዝከኣል ብእዋኑ ክትግምት ትኽእል።
ኣተሓሳስባ ወዲ ሰብ እውን ከምኡ እዩ። እቲ ሓፈሻዊ ሃዋሁ፡ ማለት ዓይነትን ብስለትን ዕምቆትን ናይቶም ዝለዓሉ ፖለቲካውያንን ባህላውያንን ዛዕባታት፡ ከምኡ እውን ዜጋታት ዝመርጽዎም ቃላትን ኣገባብ ዘተን ዝጥቀሙሎም መሳርሒታትን፡ ኣብቲ ክትዓት ዝረአ ናይ እንካን-ሃባን ባህርን ምክብባርን፡ ኩሉ ውጻኢት ሕብረተሰባዊ ምኹስኳስ እዩ።
ስለ’ዚ፡ ነቲ ናይ ምክብባርን መትሕቑቋፍን ባይታ እናኣስባሕና፡ ነቶም ከም ጎሳውን ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ዝኣመሰሉ ባልዓት ብጽቡቕ ኣተሓሳስባን ግብርን ከምዝዕብለሉን ከም ዝሓቁን ንግበሮም። ሽዑ ሃገራውን ባህላውን እቶትና ክብርክት እዩ። ክኸውን እዩ ከኣ።
ጥራይ፡
ተፍደል፡ ተኸባበር፡ ተዛተ፡ ገስግስ!
—————++———————
ፍርሕን ከይብሉንን ኣወግድ። ዝበዝሓና ኤርትራውያን ብዙሕ ዝፈላልየና የለን። ልኡላውነትን ክብርን ሃገርናን ሓድነት ቤትናን ከይትንከፈልና እንደሊ ኢና። ሃገርና ክትምዕብል ንደሊ። ህዝብና ክርህዎ ንደሊ። ዝተረፈ ምግባእን ምዝታይን ምቅርራብን ምጽውዋርን እዩ ፈውሱ።
ማሕሙድ ሳልሕ