እቲ ሓደ ብልሒ ንደገ ዝጥምት፡ እቲ ሓደ ብልሑ ድማ ንውሽጢ
ከም ህዝቢ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኩነታትና ክነልዕልን ክንመያየጥን ኣገዳሲ እዩ። ብዙሕ ዘሰክፍ የብሉን ድማ። ርኢቶ ኣብ ንህበሉ ከኣ ብዘይካኺ/ኻ ካልኦት ኣሕዋትክምን ኣሓትክምን ብዛዕባ እዛ ንፈትዋ ሃገርና ይግደሱ ምዃኖምን ብዝመስሎም ክዛረቡሉ ድማ መሰሎም ምዃኑ ምፍላጥን ምክባርን ጽቡቕ እዩ። ዘይምኽኑይ ስክፍታታትን ንሱ ዘንቀሎ ዘይቅቡል ተኻላኻልነትን ዓንቀጽቲ ምዕባለ እዮም። ዜጋታት ብዘይፍርሕን ዕቃበን ብዛዕባ ሃገሮም ክዛረቡን ክዝትዩን ክኽእሉ ኣለዎም።
ንሱ እዩ ድማ ኣብቲ ዝቀነየ ሰሚናራትን ኣብዚ ማሕበራዊ ሚድያታትን ዝግበር ዘሎ። ብዛዕባ ጸጥታን ወተሃደራዊ ኩነታትን ካልእ ተሃዋሲ ጉዳያትን ኣይተላዕለን። ዜጋታት ከልዕልዎም ዝኽእሉ መባእታዊውያን ጉዳያት እዮም ተላዒሎም።
ወላ ኣብቲ ደምበ ተቓወምቲ ኢና ዝበሃል ኣካል ዘለዉ እውን ዝበዝሑ ሃገራውያን እዮም። ብዛዕባ ሃገሮም ዝግደሱ ኣሕዋትና እዮም። ነዛ ሃገር ዋጋ ዝከፈሉላ እዮም። ብከመይ ኢና እቲ ኤርትራዊ ስድራ ነግፈሖ? ብከመይ ኢና ጸላእቲ ኤርትራ መንጮም ንጽንፍፈሎም? እዚ እዩ እቲ ዓቢ ግድል ኣነ ክፈትሖ ዝደሊ ዘለኹ። ከም ዝመስለኒ ድማ ምክብባርን ምስምማዕን ምጽውዋርን ምስ እነማዕብል ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ካልእ መፍትሒ የለን። ብዘይጠቅም ዓቕምታት ኤርትራ ፋሕፋሕ ክብል ከሎ የጉህየኒ እዩ።
እቲ ክመሓየሽ ኣለዎ ዝበልክዎ ጉዳይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ርክባት ( communications) ዝምልከት እዩ። እዚ ድማ ብቀጻሊ ከልዕሎ ዝጸናሕኩ እየ። ሓድሽ ነገር የብሉን። ንጣቕዒት ጥራይ ዝተመልመላ ኣእዳው የብለይን። ስለ’ዚ፡ ክመሓየሽ ኣለዎ ንዝብሎ ከልዕል ክቕጽል እየ። ምኽንያቱ እዚ መስርሕ ክዕወት ዝደሊ ሰብ እየ። እዚ መንግስቲ ኣብ ኩሎም መደባቱ ተዓዊቱ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ክንኣቱ ዝደሊ ሰብ እየ።
ናይ ብሓቂ ንምዕዋት መደባት ዝተበገሰ ሓንጎል ድማ ኣብ ጉዳያትን ዛዕባታትን እዩ ዘተኩር። ብስምዒት ጥራይ ዝርከብ ዓወት የለን። መደባት ከዕውት ዝደልዩ ሰባት ብዕቱብ ነቐፈታዊ ኣጠማምታ እዮም ነቶም ዝለዓሉ ጉዳያት ዝርእይዎም። ስለ’ዚ፡ ንክስቶ ከፍቱ ወይ ክስቶ ከይቅየመለይ ኢለ ጽሒፈ ኣይፈልጥን ።
ኣብቲ ትማሊ ዝጸሓፍክዎ ርኢቶ ዝተደጋገመ መልሰ-ዕንጋለታት “ግዚኡ ኣይኮነን፡ ቦትኡ ኣይኮነን” ዝብል እዩ። መልሰይ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦
1- ግዚኡ ስለዝኾነ እዩ እኮ መራሕቲ መንግስቲ ሰሚናራት ዘካይዱሉ ዘለዉ
2. ቦትኡ ስለዝኾነ እዩ እኮ ብወግዓዊ ሚድያታት ዝፍኖ ዘሎ (ላይቭ ከማን ክመሓላለፍ ነይርዎ)
3. ግዜኡን ቦትኡን ስለዝኾነ እዩ እኮ ኣብ ቃልዕ ሰሚናራት ዝካየደሉ ዘሎ። እቲ ሰሚናራት እኮ ህዝባውን ናብ ህዝቢ ዝቐንዐን እዩ። እንታይ ምስጢራት ከ ኣለዎ? እዞም ምስጢራት ኣውጺእካ እትብሉ ሰባት ኣበይ ዓለም ኢኹም ትነብሩ? ኣድራሻ…?
4. ዕላማ እቲ ሰሚናራት እኮ ነቲ ዝቐረበ ዛዕባታት ህዝቢ ክሰምዖን ክመያየጠሉን እዩ።
5. እዚ ኣነ ዘልዓልክዎ ነጥብታት እኮ ኣብቲ ሰሚናራት ከም ነቐፌታዊ ርኢቶታት ብተሳተፍቲ ቀሪቡ እዩ (ካብ ናተይ ‘ኳ ዝያዳ ብዝተርር ቃላት)።
6. ብዛዕባ ድኽመታትካ ምልዓልን ምክታዕን ምጽውዋርን ብዝያዳ ንምሕያል መንግስትን ሕ/ሰብን እዩ ዝገልጽ እምበር ድኽመቱ ኣይኮነን ዝገልጽ።
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ብዙሕ እንሓስብን ዝተፈላለየ ርኢቶታት ክነእንግድን ካብኡ ክንጥቀምን ዓቕሚ ዘለና ኢና። ጽሬትን ምሕያልን መንግስቲ ከኣ ህዝቢ ከም ዝገበሮ እዩ። ሓያል መድረኻትን መንፈስን ናይ ዘተን እንካን-ሃባን ንመንግስቲ የሕይል እምበር ኣይርምሶን እዩ።
ምስጢር ኮይኖም ንደገ ክወጽኡ ዘይድለዩ ክልተ ዓይነት ጉዳያት ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ናይ ሓደ ውድብ/ሰልፊ ወይ ትካል ዝምልከት እዩ። እዚ ብውሽጢ እንተታሕዘ ነቲ ትካል ጽቡቕ እዩ። እቲ ካልእይ ብውሽጢ ክተሓዝ ዘለዎ ድማ ንድሕነትን ጸጥታን ናይ ሓንቲ ሃገር ዝምልከት እዩ። ካልእ ኩሉ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ኣብ ቃልዕ ክወጽእን ህዝቢ ብናጻ ክመያየጠሎምን ይምረጽ።
ነዚታት ንምኩምሳዕን ንምሕቃቕን ደረጃታትና ክፈላለ ይኽእል እዩ። ግን እቶም መንቋሕቋሕታ ዘለዎም ሰባት ነቶም ሓገዝ ዝደልዩ እና ሰሓቡ እዮም ንቅድሚት ክስጉሙ ዝኽእሉ። እምበር ብኣንጻሩ እንተኾይኑ ንድሕሪት ገጽካ እዩ። ብዝተረፈ፡ ዝረኣዩካ ሽግራትን ስምዒታት ኣብ ቃልዕ ምዝታዮም ርእሰ ምትእምማን ናይ ሓደ ህዝቢ እዩ ዘርኢ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነዚ ዘይኮነ ንካልእ ዘትዩ ፍትሓት ክፈጥር ዝኽእል እዩ።
ኣነ ፖለቲካዊ ካድር ኣይኮንኩን። ዝኾነ ዝወስዶ መርገጺ ብመንጽር ድሕነትን ምዕባለን ሃገረይ እየ ዝወስዶ። ህዝባዊ ግንባር ቤተይ እዩ። ኣብ ቤተይ ከኣ፡ ሶፋ ኣብዚ ኣቀምጣ፡ ተለቪዥን ኣብቲ፡ ክሽነ ኣብዚ ኣሎ፡ እዚ ግዛእ፡ እዚ ኣይትግዛእ፡ ሳዓት ክንድ’ዚ ደቅስ፡ ሳዓት ክንድ’ዚ ተስእ…እዚ በል’ እዚ ኣይትበል…ዝብለኒ ሰብ ክሰምዖ እኽእል እኸውን። ግድን ግን ዝበሎ ክገብር ኣለኒ ማለት ኣይኮነን። ክሰምዖ ወይ ክስዕቦ እንተኾይነ፡ ከእምነኒ ኣለዎ።
ገለ ካብቲ ዝቀርብ ዘሎ መልስታት ድማ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ዘተ ንምስልሳል ዘይኮነስ ናብ ምንዕዓቕ ዝወስድ እዩ እሞ ኣብቲ ጸወታ የለኹን። ንዝርዳእ ሰብ መንፈስ ናይቲ ጽሑፍ ብሩህ እዩ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት በርበረ ዝኾኖ ድማ ጸገም የለን፡ ማይ ዝሑል ክቕርበሉ እኽእል እየ። ብዛዕባ ሃገር ኢና ንዛረብ ዘለና። መን ዝያዳ መን ሓላዪ ክኸውን እዩ ኣብዛ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዝከፈለላ ሃገር? ፍልልያት ኣረኣእያ ምህላው ጸጋ እዩ። እቶም ህዝቢ ርኢቶኡ ብናጻ ከየስምዕ ትዕንቅፉ ዘለኹም ሰባት ንስኹም ርኢቶታት ናይ ምቅልባስ መሰልኩም ክትጥቀሙ ከለኹም ንካልኦት ግን ርኢቶኦም ክህቡ ክትገድፍዎም ቅሩባት ዘይምዃንኩም ይገርመኒ።
ብዝኾነ፡ ኣብዚ ጉዳይ ብዙሕ ክስራሕ ከም ዘድሊ ብሩህ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ክልተ ብልሒ ዘለዎ መኸተ የድሊ ኣሎ። እቲ ሓደ መኸተ ኣንጻር እቶም ልኡላውነትና ዝደናደኑን ሓድነትና ከነቓንቑ ሒዂ ዝብሉን ግስጋሰ ልምዓትና ክገትኡ ዝሰርሑን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ሓደ ብልሒ ናይቲ መኸተ ድማ ንውሽጥና ዝጠመተ፡ ንምድሪ ቤትና ዘጽርን፡ ነቲ ዘሎ ግለትን ጎሓፍን እና ኣጽረየ ኤርትራ ሓዪላ ከም ትወጽእ ዝገብር እዩ። ኣብቲ ንደገ ዝጠመተ ብልሒ ናይቲ መኸተ ብሓባር ንዓርድን ብሓባር ንዋጋእን። ኣብቲ ንውሽጢ ዝጠመተ ብልሑ ድማ ንዛተን ንጋባእን እህን-ምህን ንበሃሀልን።
ብዝተረፈ ንኹሉ ርኢቶታትኩም የኽብሮ እየ። ሹክረን።
ተፈደል፡ ተዛተ፡ ገስግስ።