ውራይና እዩ፡ part two
ፈንቅል ንልምዓት
ብምኽንያት ስርሒት ፈንቅል፡ ሓርበኛታት ስንኩላት ኲናት ኤርትራ ንምሕጋዝ፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ከተማ ስያትል ናይ ድራር ግብጃ ገይሮም። ኣዝዩ ምዉቕ ዝኾነ ምሸት ኣሕሊፍና ገና እውን ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ስርሒት ፈንቅል፡ ዝተሳተፉ ሓርበኛታት ዝኽርታቶም ኣካፊሎም። ምስ ታሪኽን ብደሆታትን ሓርበኝታት ኲናት ኤርትራ ብምዝማድ ኣሳታፊ (interactive) ዝኾነ ናይ ዘተ ፓነል ተኻዪዱ። ወፈያታት ይቕጽል ኣሎ። ብሓፈሽኡ፡ ባህ ዘብል ምሸት እዩ። ምሕጋዝ ስንኩላትን ጽጉማትን ባህሊ ኤርትራውያን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ፈንቅል ንልምዓት ካብ ተባህለ፡ ምሕጋዝ ስንኩላትና እውን ኣካል ሕብረተሰባዊ ልሞኣት እዩ።
ኣብ ሕ-ሰብ ኤርትራ፡ ኮማዊ ምትሕግጋዝ ኣካል ናይ’ቲ ኣንጻር መግዛእትን ጎበጣን ዝተኻየደ ነዊሕ ሓባራዊ ታሪክ ክኸውን ይኽእል። ዝበዝሕ ግዜ ሕ/ሰባት ሓደጋታት ወይ ብደሆታት ምስ ዘጋጥመን እየን ዝበራበራ። እቲ ሰብኣዊ ሓልዮተን ሽዑ ይረአ። ኣብ ኤርትራ ግን ዘየቋርጽ ባህሊ ኮይኑ ኣሎ። ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ። ብፍላይ ድማ እቲ ንጽጉማትናን ስንኩላትናን ንምሕብሓብ ንገብሮ ወፈራታት ከም ባህሊ ተኣታትዩ፡ ነቲ ስልጡን ንብሎ ባህልና ዝያዳ ከም ገላጺ ወይ ከም ሕላገት ኮይኑ ይረአ።
ንሎሚ እምበኣር ንስርሒት ፈንቅል ምኽንያት ብምግባር፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራ ከተማ ስያትልን ከባቢኣን፡ ነቶም ኣብ ስርሒት ፈንቅል ይኹን ቅድምኡን ድሕርኡን ኣብ ሓርነታዊ ኲናት ዝሰንከሉ፡ ከምኡ እውን ነቲ ልኡላውነትና ተደናዲኑ ሰለስተ መጠነ ሰፊሕ ወራራት ዝፈነወ ጃንዳ ወያነ ኣብ ምምካት ዝሰንከሉ ጀጋኑ ኣባላት ይከኣሎን ኮርዒዳ ዋርሳይን፡ ብተወሳኺ እውን በብግዚኡ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ “ኣይሰላም ኣይኲናት” 20 ዓመታት ናጽነትናን ልኡላውነትናን ከኽብሩ ዝተጎድኡና ዜጋታትና ክንዝክርን ክንሙጉስን መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ድማ ክንሕግዝ ተራኺብና ኣምሲና። ኣብዛ ዝጽሕፈላ ዘለኹ እዋን እቲ ውራይ ገና ይቕጽል ኣሎ።
ብሓፈሽኡ፡ ስዉኣትና እቶም ዝለዓለ ክብሪ እንህቦም ብጾትናን ኣሕዋትናን ኣቦታታና ኣደታትናን ደቅናን እዮም። ካብ ዝተፈላለየ ሙቐት ዘለዎም ስድራቤታት ዝወጹ ግን ኣብ ሓደ ዕላማን ሰፈርን ክዓርፉ ዝወፈሩ እዮም። ዕላምኦም ሓንቲ ህዝቢ ኤርትራ ርህይዎን ኮሪዑን ዝነብረላ ሃገር ንምምስራት እዩ ነይሩ። ክሉ ግዜ ኣብ ልብና እዮም።
ከም ህዝብን ሃገርን፡ በቲ ኣብ ልብና ሒዞሞ ዘለዉ ቦታ፡ ደድሕሪ ስዉኣትና ቀጺሎም ዝስርዑ ድማ ሓርበኛታት ኲናት ኤርትራ እዮም። ኣዝዮም ዝተሃስዩ እሞ መዓልታዊ ናብራ ከካይዱ ጸጊምዎም ኣብ ፍሉይ መዓስከራት ብኻልኦት እናተናበዩ ዝናበሩ ክኾኑ ይኽእሉ። ወይ ድማ ኣዕሩኽትናን መሳርሕትናን ጎረባብትናን ክኾኑ ይኽእሉ። ግን ኣለዉ። ብዛዕባ ስንክልነኦም ከዕዘምዝሙ ርኢናዮም ኣይንፈልጥን። ከስተምሳሉን ክጠዓሱን ርኢናዮም ኣይንፈልጥን። ካብ እግርና እውን ተሪፎም ኣይፈልጡን። ምኽንያቱ፡ ኣካላዊ እምበር ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንክላ ጥቕኦም ቀሪቡ ኣይፈልጥን። ግን ወላ’ኳ ንሶም ዝሓትዎን ዝጠልብዎን እንተዘይኮነ፡ ከም ህዝቢ፡ ኣፍልጦን ኣኽብሮትን ሓገዝን ክንህቦም ግቡእ እዩ። ምክንያቱ ስንክልነኦም ምእንቲ ኩልና እዩ ነይሩ።
ደድሕሪ ናይ’ዞም ስንክልነኦም ከም ስልማት ዝቖጽሩ ትስፉዋትን ተባዓትን ዜጋታት፡ ኣደ ኣላ። ኣቦ ኣሎ። ደቆም ኣለዉ። ስድራታቶም ኣለዉ። ኣይረሳዕናኹምን፡ ነኽብረኩም ኢና፡ ኣብ ልብና ኣለኹም ንበሎም። ክንደይ ኣዋጺእኻ ዘይኮነስ፡ በታ ዓቕምኻ ንእሽቶ’ዶ ኣበርኪትኪ/ካ? ዘኪርኪርክዮም/ካዮም ’ዶ? ብኸመይ ይናበሩ ኣለዉ ኢልኪ/ካ ሓሲብኪ/ካ እዶ ትፈልጥ/ጢ?
መስዋእትን ስንክልናን ክነውሕድ ምጽዓር ጽቡቕ እዩ። እዚ ንምግባር ድማ ኲናት ከይተበገሰ ኣብ ሓሳብ ወይ ሕልሚ ከሎ ከምዝብርዕን ምግባሩ እዩ። ጎደቦኻ ሰላም ከም ዝሰፍኖ ምግባር እዩ፡ ትንዕ ክብል ዝደሊ ተጻባኣይ ድማ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ከም ዝሓስብ ምግባሩ እዩ። ናይ ምክልኻል ዓቕምኻ ምሕያልን proactive ዝኾነ ዲፕሎማሲ ምክያድ እዩ።
እዚ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቃሳት ከኣ ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ስእሊ ክንርእዮ ኣለና። ምእንቲ መስዋእትን ስንክልናን ብኽነት ባህርያዊ ጸጋታት ሃገራት ናይ’ዚ ዞባ ደረት ክግበረሉ፡ ንነባሪ ሰላም ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እዩ። ብመሰረቱ እውን ኲናት ዝግበር ንተኽእሎ ኲናት ንምምካን እዩ። ጥዑይ ፖለቲካዊ ጽምዶ ክህሉ በሪ ንምኽፋት እዩ ኲናት ዝግበር። ፈንቅል ይኹን ድሕርኡ ልኡላውነትና ንምውሓስ ዝተገብሩ ኲናታት መግትኢ ካልእ ቀዛፊ ኲናት እዮም ነይሮም።
ድኹማት እንተንኸውን ነዚ ዕስራ ዓመት ወያነ ሱቕ ኢሉ’ዶ ምረኣየና መስለኩም? ሶማልያ ወሪሩ ተቖጻጺርዋ ነይሩ እዩ። ካብ ሶማልያ ዝያዳ ዝጸልኣን ዝያዳ ስግኣት ትኾኖን ኤርትራ እያ ነይራ። ግን እቲ ዓንዳሪ ወራራቱ ዘይሃስስ ስንብራትን ከቢድ ዋጋን ስለዝኸፈለሉ ናብ ኤርትራ ትንዕ ክብል ክልተ—ሰለስተ—ኣርባዕተን ካብኡ ዝበዝሕን ክሓስብ ክብል ዕስራ ዓመት በሊዑ። ሎሚ ወያነ ኣብቲ ጸወታ ተበሊዑ ተገሊፉ ናይ ሞትን ህይወትን ፈንጠርጠር ይብል ኣሎ። ከምቲ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ናይ ዓርቢ ቃለ-መሕትት ዝበሎ ድማ “ ሰላም ጻዕሪ የድልዮ፡ ዋጋ የድልዮ፡ ከም ማና ካብ ሰማይ ኣይወርድን እዩ።” እቲ ናይ 1998-2000 ኲናት፡ ኤርትራ ዘይደለየቶ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ወያነ ዝወረደ መህሰይቲ፡ ከም መግትኢ ወይ deterrence ኮይኑ ኣገልጊሉ ክንብል ንኽእል። ኤርትራ ንምቁጽጻር ወራር ምፍናው እናተዛነኻ ዝኽየድ (cakewalk) ከምዘይከውን ወያነ ይኹን ካልኦት ኣብ መጻኢ ትንዕ ክብሉ ዝደልዩ በሪህሎም እዩ ዝመስል። ስለ’ዚ እቲ ክሉ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ መንግስትና፡ መውስዋእትን ስንክልናን ክውሕድ፡ መንእሰይ ናብ ምህሮን ምርምርን ክዋፈርን ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ረኺቡ ኣብ ቁጠባዊ ምምልላእ ከድህብ ተባሂሉ እዩ።
ስንክልና ብመሰረቱ ኣብ ኣእምሮ እዩ። ኣካላዊ ስንክልና ክስገር ከምዝካኣል ታሪኽና ይምህረና።
ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር፡ እቲ ውድብ ክሳብ ዝዓቢ፡ ስንኩላት ንደገ ይስደዱ ነይሮም። ናብ የመን፡ ኩዌት፡ ሮማ፡ ሱዳን—ወዘተ። እቲ ውድብ እና ዓኾዀን እቲ ኲናት እናበርተዐን ምስ ከደ ግን ሓላፍነት ምንባይ ስንኩላን ኣብ እንግድዓ እቲ ውድብ ወዲቑ። ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት ኣብ ናቕፋ መዓስከር መስሪቱ ድሕሪ ምዝላቕ ግን እቶም ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ናብ ፖርት-ሱዳን እቶም ቅሩብ ዝንቀሳቐሱ ድማ ናብ ጀልሃንቲ ኣዝሊቖም። ኣብ ጀልሃንቲ “ስንኩል ኣእምሮ እምበር ስንኩል ሰብ የለን” ዝብል ጭርሖ ብምልዓል ነቲ ምድረበዳ መሬት ጀልሃንቲ ናብ ጀራዲን ቀዪሮም፡ ነቲ ውዑይ ሙቐት ዝጻወር ገዛውቲ ሰሪሖም። ኣእጋሮም ዝተቖርጹ፡ ኣግራብ ይቖርጹን ኣኻውሕ ይነድሉን ይነድቁን። ዕዉራት ድማ ኣእማንን ኣጉናድን ይስከሙን የጎዓዕዙን፡ እቶም ክስከሙን ክቖርጹን ክነድቑን ዘይክእሉ ድማ ነቶም ክስከሙ ዝኽእሉ ዕዉራትን ካልኦትን ይመርሑን ይሕግዙን። ስነጥበበኛታት ነቲ ኣብ ትሕተ-መሬት ዝተደኮነ ቪላታት ዝመስል ገዛውቲ ቀባቢኦም ጽባቐ የልብስዎ። ባህላዊ ጉጅለ ብምቛም ንመዓስከሮምን ውድብን ኣዘናጊዖም፡ ስርዓተ-ትምህርቲ ብምምስራት ውዱብ ኣካዳምያውን ፖለቲካውን ንጥፈታት ኣካዪዶም። እቲ ቦትኦም ብ “መዓስከር ብደሆ” ይፍለጥ ነይሩ። ምስ ምቅርራብ ሻድሻይ ወራር፡ ስርዓት ኣ’ኑሜሪ ናይ ሱዳን ምስ መንግስቱ ሃይለማርያም ስለዝወገነ፡ ንኹለን እተን ኣብ ውሽጢ መሬት ሱዳን ዝነበራ ክፍልታት፡ ናይ ስንኩላት፡ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ፡ እንዳ ህዝቢ (ዕቑባት)፡ መኻዚኖታት—ናብ ሜዳ ክግዕዙ ተገደዱ። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ስንኩላት ናብ ኣሃዱታት ተወዚዖም፡ ዝበዝሑ ካብኦም ኣብቲ ዝሰዓበ ውግኣት ተሰዊኦም። ሓደ ካብቶም ካብ መዓስከር ብደሆ ዝተወዝዑ ስንኩላት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከም መምህር ንቅሩብ እዋን ጸኒሑ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝተወዘዐ፡ ገባር ኢልና ንጽወዖ ዝነበርና ስንኩል ብጻይ፡ ንሓይልሉ መሪሑ ናብ ጓህሪ ጥዋለት ጠኒኑ ክኣቱ እንከሎ ብዕለት 10 ለካቲት 1990 ኣብ ኣፍደገ እንዳ በረድ ተሰዊኡ።
እቶም ኣዝዮም ግዱኣት ድማ ኣብቲ ደሓር ኣብ ዓሬርብ ብመዓስከር ብደሆ ዝተፈልጠ ቦታ ከም ዝዕስክሩ ተገይሩ። ንጥፈታቶም ቀጸሉ። ኣብ ሜዳ ንእሽቶ ከልዕል ዝኽእል፡ ቅሩብ ክንቀሳቐስ ዝኽእል ኣብቲ ኣሃዱታት ተወዚዑ ዓቕሙ የበርክት ነይሩ። ክፍልታት ህዝባዊ ግንባር ዳርጋ ብስንኩላት እዩ ተዓብሊሉ ነይሩ።
ስንኩላትና፡ ንስንክልነኦም ከም ኖርማል ወይ ግቡእ እዮም ዝወስድዎ። ከስተማስሉን ከማርሩን ኣይንርእዮምን። ንኣብነት እኳ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ሳጓታት እስኪ ንርኤ፡-
ማንዲብል፡ ዓወር፡ ሓንኪሽ፡ ቆራይ፡ ጠሊፋ፡ ቆራጽ፡ ጠረው፡ ሸሪፎ፡ ገው—ወዘተ። ንኹሉ’ዚ ሳጓታት ብፍሽኽታን ብፍሕሹው ገጽን ይቅበልዎ ነይሮም። ኣየ ተጋዳላይ!
እዚ ምስ’ዚ ኣብዚ ዓዲ ንርእዮ ናይ ስንክልና ምሕታት ካሕሳታት (disability claims) ክነወዳድሮ ከለና ብዙሕ እዩ ዝገርመኒ። ናብ ዒራቕ ይኹን ኣፍጋንስታን ንሹድሽተ ወርሒ ተዋፊሮም ዝተመልሱ ኣመሪካውያን ወተሃደራት ዝጽብጽብዎ ኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ስንክልና (እንኮላይ ጸቕጢ ኣእምሮ ወይ PTSD) ንኤርትራውያን ዘገርም ክኸውን ይኽእል። ኣይሰንከሉን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ምኽንያቱ ስንክልና ባዕላውን ውድዓውን ወይ ጭብጣውን (subjective and objective dimensions) ክህልዎ ይኽእል እዩ። ግን ምስቲ ኤርትራውያን ስንኩላን ዝጻወርዎ ስንክልና ክተወዳድሮ ከለኻ፡ ሰማይን ምድርን እዩ። መቸም፡ እዚ ምስ ባህላዊ ኩነታትን ርድኢት እቲ ሕ/ሰብን ንዕኡ ዝገዝኡ ሕግታትን ምስቲ ቑጠባዊ ዕብየትን ዝህሉ ጸጋታትን መሰላት ሕቶ ካሕሳ ስንክልና—(The right to claim disability)—ወዘተ ዝኸይድ እኳ ይኹን እምበር፡ ብዓቢኡ ተጻዋርነት ናይ ሓደ ህዝቢ ዘርኢ እዩ።
ስንኩላትና ንመግብን መዕቆብን፡ መወሳወስን (physical exercise and mobility)፡ ንሕክምናን፡ ንምህሮን ሞያን—ብዙሕ ነገራት የድልዮም። ሓደ ስንኩል ክጽገን ወይ ነብሱ ናብ ዝመርሓሉ ደረጃ ንምምላስ ወይ እውን ኣካሉ ከይማስን (rehabilitate) ትገብሮ ጻዕሪ ንዕድመ ዝኸይድ መስርሕ ክኸውን ይኽእል። ካብ ዓራት ይኹን ናብ መንበረ-ዓረብያ (wheelchair) ንምስግጋር፡ ንምሕጻቦም፡ ሽንትን ቀልቀልን ዘይቆጻጸሩ ክብሮም ብዘይነክእ ኣተሓሕዛ ክነብሩ፡ ፍሉይ ክዳን መከላኸልን የድልዮም። ዝበዝሓ መንግስታት ነዚታት ካብ ቀረጽ ብዝርከብ እየን ዝሽፍነኦ። ቁጠባዊ ኩነታት ሃገርና ካባና ስለዘይስወር ግን እቲ ሓላፍነት ናብ ኩልና ዜጋታት ክዝርጋሕ ጸኒሑ። ቅቡል እውን እዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኩለን ማሕበረ-ኮማት ብዙሓት ስንኩላት ኣለዉ። ከም ማሕበረ-ኮም መጠን ስሞም ክነልዕል፡ ሹክረን ክንብሎም፡ ስንክልነኦም ንብላሽ ከምዘይኮነ ክንገልጸሎም፡ ኣብ በዓላት እንተወሓዳ እተን ቀዳሞት ሪጋ ኩርስታት (ከም ብዝሖም ማለት እዩ) ንዕኦም ክንሓዝአን፡ ደሃዮም ክንገብር ከም ዘለና ካባይ ብዙሕ ምሕጽንታ ከም ዘይትጽበዩ እምነተይ እዩ።
ክብን መጎስን ነቶም ምእንታና ኣካሎምን ህይወቶምን ዝሃቡ!
ዓወት ንሓፋሽ!




