Categories
Uncategorized

ክቡራት ሓለፍቲ ህግደፍን መንግስትን

[ነዚ ከይበልኩ እንተ ሓለፍኩ ሓላፍነተይ እዝንግዕ ኣለኹ]

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰሚናራት ክተካይዱ ተዓዚበ። ከምዚ ዓይነት ተበግሶታት ጽቡቕ ‘ኳ እንተኾኑ፡ ደንጉዮም ደድሕሪ ርሱን ክትዓትን ምዕዝምዛማትን ህዝቢ ዝስዕቡ ስለዝኾኑ፡ ንመማእዘኒ ናይቲ ድሮ ዝዓመረ ሕቶታትን ጠለባትን ህዝቢ እምበር ከም መበገሲ ሓበረታ ወይ ከም መርሓ ስራሕ ኮይኖም ህዝቢ ኣብኦም ተመርኲሱ ንሕቶታቱ ኣቀዲሙ መልሲ ክረክብ ይኹን ከም መወከስን መበገስን መደባት ልምዓት ተወሲዶም ህዝቢ እጃሙ ከበርክት ዝዕድሙ ወይ ዝጽውዑ ኣይኮኑን። ኣክንዲ ግብረ-መልሳዊ ሰሚናራት (reactive) ቀቅድሚ ሃንቀውታ ህዝቢ ዝስጉሙ መብርሂታት ምሃብ ( proactive ምዃን)፡ ዝሓሸ ምኾነ። እንተዘይኮነ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰሚናራት፡ ንምትህድዳእን መኣዝን ህዝባዊ ርኢቶ (public opinion) ንምቑጽጻርን ዝብገሱ ሰሚናራት ኮይኖም ይተርፉ።
1- ብዛዕባ መስርሕ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ጉዳይ ዶብ ዓመትን መንፈቕን ዘጸቢ ኣይነበሮን። ዓመትን መንፈቕን ተጸቢና እውን ዛጊት ዘዕግብ መልሲ ኣይተዋህቦን ዘሎ። ግድን ድዩ ኸ ከምዞም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ቃለ-ምሕትት ፕረሲደንት ክጽበዩ? ፕረሲደንት ኢሳይያስ ከ እዚ ኩሉ ተጸቢናዮ፡ ነቶም ህዝቢ ዝግደሰሎምን ዝሓተሎምን ዘሎ ሕቶታት ምንቅስ ምንቅስ ኣቢሉ ነዕኦም ዝበቅዕ ቀጥታውን ሓጺርን ኣብራህን መልስታት ክህብ ምተገበኦ። [ እቶም ፕረሲደንት ነቒፍካ ኢልኩም ትሓርቑ ሰባት ኣእማንኩም ክትውርውሩ ትኽእሉ ኢኹም። ፕረሲደንተይ እዩ። ኣነ ዘይነቐፍክዎ መን ክነቕፎ እዩ?]
2. ዝተረፉ ህዝቢ ዘሻቕሉ ጉዳያት ከም ልምዓታዊ መዳባት (ኣባይቲ፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንቁጠባዊ ልምዓትን ዕድላት ስራሕን ዝምልከቱ፡ ጉዳይ ቅዋምን ሓፈሻዊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መርሓ ሃገርና፡ ጉዳይ ምትእኽኻብ ዓቕምታት ኤርትራ—በብግዚኡ ብናይ መንግስቲ ሚድያታት ዕቱብ ክትዓትን መብርሂታትን ክወሃቦም ይግባእ ነይሩ። ብሕጂ እውን ክግበር ኣለዎ። ካብቲ ሓፈሻውን ጸብጻባውን ዝኾነ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝውሕዝ ኣቀራርባ ወጺእና ህዝቢ ነጥቢ ብነጥቢ ኣብ ጉዳያት ሃገሩ ክካታዕን ክዋሳእን ኣለዎ። ክዋሳእ ማለት መምርሒታት ምቅባል ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ናይቲ መምርሒታት ዝወጸሉ መስርሕ ክኸውን ኣለዎ።
3. ኣብዚ ናይ ትማሊ ሰሚናራት፡ መራሕቲ ህግደፍ፡ ቀንዲ ጸገምና ኮይኑ ዘሎ ትጽቢትናን ክውንነትን ዘይጋጠሙ ምዃኖም እዮም ገሊጾም። ብከፊል ሓቂ ክኸውን ይኽእል። ይኹን እምበር ነቲ ትጽቢት ህዝቢ ደረቱ ከይሓልፍ ዘገልግል ቀንዲ መድሃኒት መንግስቲ ዝያዳ ግሉጽነት ምስ ዝጥቀም እዩ። ነታ ሓቂ ዝፈልጥ ህዝቢ፡ ነቲ ኩነታት በብግዚኡ እናተረደአን እና ኣዳቐቐን ዝኸይድ ህዝቢ፡ ካብ ክውንነት ብዙሕ ክሃልል ኣይክእልን። ምኽንያቱ ትሕዝቶ ቤቱ ስልዝፈልጥ። ዘጋጥሞ ዘሎ መሰናኽላትን ንዕኦም ንምስጋር ዝግበር ዘሎ መደባትን እናተረደአን ኣብ ምቕማሮም እውን እና ተዋሰአ ስለዝኸይድ፡ ትጽቢቱ ክሳብ ክንድ’ዚ ዘዛርብ ኣይከውንን።
ንምዃኑ ከ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ዘይክውንነታዊ ድዩ? ከም ንባበይ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ፡ ይጸብቕ ይሕመቕ ንቡርን ርጉእን ዝኾነ ንሱ ዝቆጻጸሮን ዘመሓድሮን ናብራ ይደሊ ኣሎ። ንኣስታት 75 ዓመታት ኣብ ከልበትበት ክነብር ዝጸንሐ ህዝቢ እዩ። ሱሳ ዓመታት ካብኡ ኣብ ውግእን ወረ ውግእን። ዜጋታትና ገንዘቦም ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቀለን የፍስስዎ ኣለዉ ምኽንያቱ ዘይንጹርነት ሕግታትን ኣካያይዳን ስለዘሎ። እንታይ እንተ ገይርካ ትቕየድ እንታይ ከ እዩ ከም መሰልካ ኮይኑ ዝረአ ዘይንጸረሉ ኩነታት እዩ ንኸምዚ ሳዕቤናት ዘቃለዓና ዘሎ። ወላ እቲ ሓንቲ ዘይገበረ ዜጋ ርግጸኛ ኮይኑ ዓዱ ክኸይድ ዝጽገመሉ ሃዋሁ እዩ ዘሎ። ስለ’ዚ እዮም ኤርትራውያን፡ ወላ ደገፍቲ መንግስቲ ከይተረፉ ናብ ኣዲስ ኣበባን መቀለን ከይዶም ምስ ስድረኦም ክራኸቡ ዝጸንሑ። ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝነኒ። ርእስና ኣብ ሑጻ ሸኺልና ኣክንዲ ጎላጉል ክንሓርስ ንፍትን ክሳድ ምሓዝ እዩ ዝጥዕም። መታን ርእስና ክነድሕን። ስለ’ዚ፡ ብናተይ ገምጋም ትጽቢትና ኣዝዩ ውሱን እዩ። ምስክውንነት ተጠዓዒሙ ክስጉም ድማ፦
1- መንግስቲ ምስ ህዝቢ ዝያዳ ክፉትን ግሉጽን ቅጥዕታት ርክባት ከማዕብል
2. እዚ ድማ፡ ህዝብን መንግስትን ኣብ ኩሎም ኣገደስቲ ጉዳያት ናይ ሓባር ዝኾነ ክውንነታዊ መረዳእታ እና ሃለዎም ክግስግሱ ይሕግዝ።
3. ፍታሕ ናይ’ዚ ኣብ መንጎ ትጽቢትን ክውንነት ኣሎ ዝተባህለ ጋግ፡ ህዝቢ ከየማርር ብምምዓድ ዘይኮነስ፡ መንግስቲ ኣገባብ ኣሰራርሓኡ ብምምሕያሽ እዩ ክፍወስ ዝኽእል። ዘይክውንነታዊ ትጽቢትን ተርባጽን ሻቕሎትን ውጽኢት ናይ ዘምፍላጥ እዩ። ህዝቢ ንዝግደሰሎም ጉዳያት ኣብ ግዜኡን ብቀጻልን፡ ዋሕዚ ርጡብ ሓበረታ ይረክብ ስለዘየለ ናይ ግድን ክሻቐልን ክሓትትን። እቲ ክውንነት ከም ዘለዎ ብቀጻሊ ኣብ ህዝባዊ ርክባትን ሚድያታትን መንግስቲ ይግለጽ ሰለዘየለ ድማ ናይ ግድን እዩ ህዝቢ ትጽቢቱ ምስቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ክውንነት ከነጻጽሮ። እቲ ህዝቢ ዝፈጥሮ ክውንነት ብዝተፈላለየ ምንጭታት ሓበረታ ይጽሎ እዩ። ሓደ ካብኡ እቲ ካብ ጽቡቕ ድሌት ዝብገስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝወጽእ ብውልቀ ተበግሶ ዜጋታት ዝግበር ዝተጋነነ ምውዕዋዕ እዩ። እቲ ካልእ ብናይ ወጻኢ ሚድያታት ዝፍኖ ክከውን ይኽእል። እቲ ሳልሳይ ድማ ድኽመት ሚድያታት መንግስቲ እዩ። ሚድያታት መንግስቲ ትእዛዛት ዝጽበ ክሳብ ዝኾነ፡ ማዕረ እቲ ተዛማዲ ናጽነት ዘለዎ ካልእ ሚድያታት ከድምዕ ትጽቢት ኣይግበረሉን። ስለ’ዚ፡ ሚድያታት መንግስቲ ሓውሲ-ናጽነት ክወሃቦም ኣለዎ መታን ጋዜጠኛታትና መሃዚ ዓቕሞምን ክእለቶምን (creativity and imagination) ክብርብሩን ውድዓዊ ጸብጻባትን ነቓፊ ሓተታታትን ከምኡ እውን ናይ ክኢላታትን ተራ ህዝብን ርኢቶታት ብምትእንጋድ ነቲ ኣብ መንጎ ትጽቢትን ክውንነትን ዘሎ ጋግ ከጽብቡ።
ልምዓት ሃገር ተሳትፎ ፍልጠት ዝዓጠቐ ዜጋ (informed citizen) የድልዮ። ሓበረታ ምቕባል ጥራይ እኹል ኣይኮነን። “ እፈልጥ እየ” ክትብል፡ ኣካል ናይቲ ነቲ ሓበረታ ዘፍረየ መስርሕ ክትከውን ኣለካ። እዚ ድማ መንግስቲ ዝያዳ ክፉትን ግሉጽን ኣሳታፍን ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ተራ ዜጋን ሓለፍቲ መንግስትን ብተዛማዲ ተመሳሳሊ ርድኢት ሃልይዎም ብሓባር ክስግሙ ዝኽእሉ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ትጽቢትምን ክውንነትን ዘሎ ጋግ የጽብቦ።

ብናተይ ገምጋም፡ ኣብ ተወፋይነት መንግስትን ጽሬት ኣተሓሳስብኡን ውጥን መደባቱን ብዙሕ ጸገም ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ጸገም ኮይኑ ዝረኣየኒ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ዝወጹ መደባት መንግስትን ህዝብን ዘሎ ዝምድና ዝምልከት እዩ። እዚ ድማ ብቀጻሊ ጽምዶ ክመሓየሽ ዝኽእል እዩ።

ማሕሙድ ሳልሕ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s