እዚ ናይ ጀማዓትና ነገር ሲ…
- ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዕ ምስ ተፈራረማ፡ ኢሰይያስ ንኤርትራ ሸይጥዋ” ክበሃል ሓግዩስ፡ ሎሚ ድማ ፕረሲደንት ኢሳይያስ “ወያነ ነቲ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ኮይኑ ዝተደንገገ መሬት ናይ ትግራዎት ሰፈራታት የስፍረሉ ኣሎ፡ እዚ ድማ ሱቕ ኢልና ኣይንርእዮን” ዘስምዕ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብቐጥታ ዝምልስ ዘረባ ምስ ኣውጸአ፡ “ኢሳይያስ ኲናት ክውልዕ ደልዩ፡ ኣይትተሃመል ኤርትራዊ” ክበሃል ጀሚሩ። ተጋራጫዊ!?! ልክዕ ከምቲ ናይ ድምጺ ወያነ!!
መዓስ እዮም ናይ ገዛእ ርእሶም መዛረቢ ዛዕባታት (talking points) ዘማዕብሉ? ኣነስ ንኣሰራርሓ ጀማዓትና ጽቡቕ ገይረ ዝፈልጦ ኮይኑ ይስመዓኒ ነይሩ። ወላ…ወላ…ወላ፡ ንዓይ እውን ከምዛ ጸሓይ ጎላጉል ሰማእታት ጽርውርው ከብሉኒ ጀሚሮም። ክሉ ኣካይደኦም ኮልቦ ዲሶሎ ዘትሕዝ እዩ።
2- “ኢሳይያስ ውልቀመላኺ እዩ” ክብሉ ይጸንሑ እሞ፡ ቀጺሎም ድማ “ኮሎነል ክስቶ ኣብ ኣኼባ ከምዚ ኢሉ ተቓዊምዎ፡ ሚኒስተር ክስቶ ከምዚ ኢሉ በዲህዎ…” ክብሉ ዜናታት ይፍንዉ።
3. ቀደም፡ እቲ ተቓዋማይ ከለኹ፡ (ተቃዋማይ ድየ ነይረ ነቓፋይ? መቸም…) ለውጢ ካብ ውሽጥን ብውሽጣዊ ውድዓዊ ኩነታት ክመጽእ ኣለዎ፡ ወያነ ይኹን ካልኦት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክኣትዉ የብሎምን፡ መሳርሒኦም ክንከውን የብልናን” ኢለ ክምጉት ከለኹ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ለውጢ ከምጽእ ዓቕሚ የብሉን” ይበሃል ከምዘይነበረ፡ ሕጂ ድማ ” ቃልስና ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ምንቅስቃስ ክነወሃህድ” ይበሃለለይ! ኣብያተ ጽሕፈታትን መዓስከራትን “ተቓውሞ” ኣብ ኢትዮጵያ ስለዝተዓጽወ’ዶ ይኸውን? እቲ ተጋራጫዊ ኣተሓሳስባታት ከ ውጽኢት ዕቱብ ገምጋም ድዩ ወይስ ስዕረት ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘንቀሎ እዩ? ቅሩብ ሲ መሰጋገሪ ዝኸውን ክትዓትን ገምጋማትን ክትርኢ ኢኻ ትጽበ። ጀማዓትና ግን፡ ንሶም እንድዮም። ጭርሖታትን መግለጺታትን ክቀያየር ይኽእል። እቶም ነዚ ዕስራ ዓመታት ኮለል ከብሉና ዝጸንሑ ባእታታትን ኣተሓሳስበኦምን ዝገዝእዎ ” ተቃውሞ” ክሳብ ዝኾነ፡ ሚት-ኪድ (ንቅድሚት) የለን። ኣብ ዘለኻዮ ቦታ ጋም-ማን (መካነክ ረውሕ) እዩ ነገሩ።
4. ኣብ ኤርትራ ወፍርታት ከይግበርን፡ ኤርትራ ዝግበኣ ሓገዛትን ለቓሓትን ከይትረክብን ክትረባረብ ጸኒሕካስ፡ “መንግስቲ ቑጠባ ኣየማዕበለን፡ መነባብሮ ህዝቢ ኣይተመሓየሸን” ኢልካ ምምዳር። ተጋራጫዊ እዩ። ግን ኣዱንያ ጀማዓትና ዝብርቕርቕ ስለዝኾነት፡ ኣርእስታት ምቕያርን ምህውታትን ለሚዶም።
ንሎሚ ይኣክል። ዝረሰዓክዋ ኣባ ኣላትኒ።
“ይኣክል” ከኣ ናብ “ይከኣል” ማዕቢላ ሰሚዐ ኣለኹ። ጌጋ ደኣ ይኽለኣለይ’ምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ይከኣሎ እዩ ተባሂሉ ካብ ቀደም። ዘይሰምዐ እንተሎ ይስማዕ። ብዘይምኽንያት ከኣ ኣይነበረን። ዓለም “ኣይከኣልን” ዝበለቶ መኪቱን ፈንቂሉን ሓድሽ ክውንነት ዝፈጠረ ህዝቢ እዩ። ሕጂ እውን ንድኽነት ፈሪሑ ንልመና ዝስራዕ ህዝቢ ኣይኮነን። ግን ስደት መቸም ብሕማም መረስዕ እንድዩ ዘላህመካ። ረቢ ምሕረት የውርድ ጥራይ እየ ዝብል።
* ካልኣይ ክፋል ፕረዲደንት ኢሳይያስ ተኸታቲለዮ። ኣዝዩ ሃብታም (substantive) ነይሩ። እቲ ንፈልጦ መራሒ እዩ። እታ ሓቂ ወይ ውድዓዊ ክውንነት ከም ዘላታ ኣቐሚጥዋ። ብሓፈሽኡ ምስቲ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕብየት ዘለዎ ራኢ እሰማማዕ እየ። ተሪፉ ዘሎ ነቶም ነዚ ዕብየት ዘበጋግሱ ክፋላት (components) ምእካብን ምልጋብን እዩ። ፈንቅል ንልምዓት ከኣ ከም ስሙ ፈንቃሊ ድኽነት ክኸውን፡ብወገነይ ካብ ኣብ ምዕዝምዛምን ምሕማይን ኩራን ግዘይ ዘጥፍእ፡ ተሳታፋይ ክኸውን እመርጽ።
ንሎሚ፡ ወደሓንኩም።
ኣርሕብ፡ ተፈደል፡ ተዛተ፡ ተሳተፍ..
ገስግስ!