ብኣጋጣሚ ሸሞንተ መጋቢት ነተን ኣርኣያ ኮይነን ዝሓለፋ ጀጋኑ ደቀንስትዮና ነመጉስ። ሕድረንን ሕድሪ ብጾተንን ከይንጠልም ዳግም መብጸዓ ንኣቱ። ሸሞንተ መጋቢት ንፋሽን ኣይኮናን ነብዕላ። ኣግኣዞ ደቀንስትዮ ኣካል ቃልስና ነይሩን ኣሎን። ቃልስና ንምሕራር መሬት ጥራይ ዘይኮነ፡ ማሕበራዊ ለውጢ ንምትእትታው እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ ብዓቢኡ ከም ማሕበራዊ ሰውራ ክንርእዮ ንኽእል።
ሸሞንተ መጋቢት ከም መዘኻከሪትን ወንና መለዓዓሊትን እምበር ንባዕላ ቅድስቲ ስለዝኾነት ኣይኮንናን ነብዕላ። ስለ’ዚ፡ ዓመት መጸት ሸሞንተ መጋቢት ክነብዕል ከለና ጉዕዞና ክንግምግም ስለተኽእለና ኢና ነብዕላ። እቲ ጓይላን ወጃዕጃዕን ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣጋጣሚ ዕቱብ ዘተ ክነካይድን ኣብዚ መዳይ እዚ ዘመዝገብናዮም ዓወታትን ዘጋጠሙና መኻልፍን ክነንጸባርቐሉ (reflection ክንገብር) ክንጥቀመሉ ይግባእ። ብዘይቃል ዓለም ኣብ ምሕራር ጓል ኣንስተይቲ ክሳብ ክንደይ ሰጒምና ኣለና ኢልና ንነብስና ክንሓትት ይግባእ። ቅኑዕ ኣገባብ (methodology) ተጠቂምና እንበጽሖ መደምደምታ ንኩነታት ሕ/ሰብና ክሕብረና ይኽእል። ምኽንያቱ ኣግእዞ ደቀንስትዮ ነጸብራቕ ሕብረተሰባዊ ግስጋሰ እዩ።
ነጸብራቕ—-
ካብዚ ዘለኹዎ ኩርናዕ ንድሕሪት ምስ እጥምት፡ ብዙሕ ምስልታትን ዝኽርታት ፍጻመታትን ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ይረኣዩኒ። ገሊኦም የሕዝኑኒ፡ ገሊኦም ባህታ ይዘርኡለይ። ዳርጋ ኩሎም ግን የሕብኑኒ እዮም። ወላ እቶም ሓዘን ዝነዝሑለይ ዝኽርታት ዋጋ ናጽነት ስለዝነበሩን እተን ፈጸምቱ ዝኾና ስዉኣት ድማ ዕልል እናበላ ዝተቐበልኦ ስለዝኾና፡ “እንቋዕ ምሳኽን ተጋደልኩ” እብል። ብሓቂ ድማ እንቋዕ ኣብ መሳርዕ እተን ጀጋኑ ኣሓተይ ተጋደልኩ።
ትርሓስ ትበሃል። እታ ንመጀመርታ ግዜ ዝረኣኽዋ ተጋዳሊት ነይራ። ኣብ ማይ ላባ እዩ። ራንግለር ስረ ዝለበሰት ሓጺርን ዓጺቕን ጸጉሪ ነበራ። ወተሃደራዊት ካናተራ ከም ዝነበረታ ይዝከረኒ። እቲ ቦታ ውዑይ ስለዝነበረ፡ ረሃጽ ብክልተ መታልሓ ጸረር-ጸረር ይብል ነበረ። ኣብ እምኒ ኮፍ ኢላ ጥራዝ ኣብ ሰለፋ ኣቀሚጣ፡ ንቅሩብ ደቃይቅ ብዓይና መርመረትኒ። ሕጂ ከም ዝርደኣኒ፡ ኣብ ህይወታ ምስ ኣካይዳይ ዝዛመድ ተመክሮ ነይርዋ ከይከውን። ምናልባት ኣቀዲሙ ንእሽቶ ሓዋ ናብ ገድሊ ተሰሊፉ ነይሩ ከይከውን። ወዳ ‘ኳ ክብል ኣይክእልን። ንእሽቶ እያ ነይራ። ብዝኾነ፡ ኣብ ገጻ ድንጋጸን ለውሃትን ኣንቢበ።
“ስምካ” በለትኒ ነቲ ቢሮ ኣብ ኣፋ ወቲፋ።
“ ማሕሙድ ሳልሕ” በልክዋ።
ስምን ዕድመን ቦታ ትውልድን ስም ኣቦን ኣደን—ወዘተ ምስ ወደኣት፡
“ ስለምንታይ መጺእካ?” ኢላትኒ። ዕጥቂ ኣይነበራን፡ ካላሺን ግን ኣብ የማናይ ወገና ተጸጊዓ ነይራ።
“ ክጋደል” መለስኩላ።
“ገድሊ እንታይ ማለት እዩ?” ኣጥቢቃ ሓተተት።
“ ጀብሀት” ኢለያ። ምኽንያቱ፡ ጀብሀት እምበር፡ እቲ ጀብሀት ንምንታይ ቆይሙ ከም ዝነበረ ዝፈልጦ ኣይነበረንን። ጀብሀት ታሕሪር፡ ጀብሀት ሻዕብየት እናበልና ዓቢና። ስለምንታይ ይበኣሱ እውን ኣነ ዝፈልጦ ኣይነበረንን። ፍርቆም ኣዝማደይ ኣብ ጀብሃት ኣ’ታሕሪር (ተ-ሓ-ኤ) ፍርቆም ድማ ኣብ ጀብሀት ሻዕብየት ተሰሊፎም ነይሮም። ንዓይ ኩሎም ሓደ ነይሮም። ኩሎም ነቶም ዝብህድሉና ዝነበሩ ጦር-ሰራዊትን ኮማዲስን ይዋግኡ ነይሮም። ንዓይ ክልቲኦም ብማዕረ ጀጋኑ ነይሮም። ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን እቲ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ካባቢ ሻዕብያ ስለዝነበርዎ፡ ናብኦም ከይደ። ብዘይካ ግፍዕታት ጸላኢ ዝደረኾ ጽልኢ፡ ካልእ ሃገራዊ መንቋሕቋሕታ ኣይነበረንን። እዛ ነጥቢ እዚኣ ደሓር ኣብ ታዕሊም ምስ በጻሕኩ ብዝያዳ ኣዋጢራትኒ እያ። ሽዑ ግን ትርሓስ ሓንቲ ሕቶ ደጊማ ጥራይ ደምደመቶ።
“ እንተደኣ ክትጋደል ወሲንካ ኣደኻ ኣይክትርእን ኢኻ፡ ኣደኻ ትናፍቕ ዝመስለካ እንተኮይኑ ሕሰበሉ እሞ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ” ኢላትኒ። ሓቂ ይሓይሽ ናይ ስብእነት ስምዒት ደኣ በዲህኒ እምበር ድሮ ኣደይ ክናፍቕ ጀሚረ ነይረ። ድሕርኡ እውን ኣደይ ሓንሳብ ንሳዓታት ጥራይ ብ1977 ርአያ። ድሕርኡ ብ1979 ዓሪፋ። ተጋዳሊት ትርሓስ ዝፈለጠቶ’ዶ ነይርዋ ይኸውን ወይስ እቲ ናይ ኣደነት ሓልዮት ዝደረኾ ቡቑባቔ እዩ ነይሩ? ደሓር ጎበዝ ተጋዳላይ ምስ ኮንኩ ንትርሓስ ክሓታ ምደለኹ ነይረ። ግን ንሳ እውን ብ1977 ኣብ ሰምሃር ተሰዊኣ ሰሚዔ።
ሰሙን ዝወሰደ ናይ እግሪ ጉዕዞ ወዲእና ሳሕል በጺሕና ታዕሊም ኣፋሪቕና…
ሓደ መዓልቲ ኣብ ታዕሊም ኦርኒክ ዝመልኡ ኣባላት ታዕሊም ፋሕ ኢሎም በብሓደ ይረኽቡና ነይሮም። ኣብ ግዜ ታዕሊምና ከም ስርዓት ዩኒፎርምን ወተሃደራዊ ቁጽርን ተዋሂብና ኢና ንምረቕ ነይርና። ኣብ ታዕሊም ሰለስተ ደቀንስትዮ ዓለምቲ ነይረን። ፎዝያ ሃሽምን ኣስቴር ፍስሃጼንን ሰሚራን (ስም ኣቦኣ ጠፊኡኒ፡ ደሓር ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ነይራ)። ሓይልና ሓይሊ ፊተውራሪ ትበሃል ወይ ድማ ሳልሰይቲ ሓይሊ እውን ንብላ ነይርና። ምኽንያቱ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሳልሳይ ኮርስ ፊተውራሪ ነይራ።
ኣብዛ መዓልቲ ብኣጋጣሚ ፎዝያ ሃሽም ትበጽሓኒ። እቲ ልሙድ ኦርኒክ መሊኣ ምስ ወደአት፡
“እግል ሚ ናደልካ?” ኢላ ስለምንታይ ከም ዝተሰለፍኩ ሓተተትኒ። እታ ናይ ማይ ላባ ሕቶ ሕጂ እውን ኣሰረይ ምግዳፍ ኣብያ።
“ መርባት ሓልዬ እግል ኣቅስን” ካብታ ናይ ማይ ላባ ቅሩብ ኣመሓዪሸ፡ ሕነ ኣኮይ ክፈዲ ኢለ ከምዝተሰለፍኩ ነገርክዋ። ኣኮይ ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት ዳርጋ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ብጦር-ሰራዊት ተረሺኑ ነይሩ። ዝፈትዎ ኣኮይ ድማ ነይሩ። ምንኣስ ኣደይ ነይሩ። ኣደይ ብጣዕሚ ትፈትዎ ነይራ። ኣነ እውን መስሓቕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ተምርን ከረሜላን ክዳንን ስለዘምጸኣለይ ይኸውን ዝያዳ ዝፈተኹዎ። ግን ዝፍቶ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ሽዑ እዩ ድማ ሕጽኖት ወዲኡ ዝነበረ።
ፎዝያ ብዙሕ ዘየኽፍእ ፍሽኽታ ፈንያ ናብ ስርሓ ተመልሰት። ስለምንታይ ሕነ ኣኮይ ክፈዲ ከምዝደለኹ ኣይሓተተትንን። ምናልባት ናይ ሽዑ ወለዶ ተመሳሳሊ ተመክሮ ነይርዎ ይኸውን። ንሳ እውን ኣብ ከባቢ ባጽዕን ሕርጊጎን ኣዝማዳ ስኢና ትኸውን። መን ይፈልጥ። ዘሕዝን እኳ እንተኾነ፡ ናይቲ ግዜ ንቡር ኩነታት እዩ ነይሩ።
“ዓጄ እግል ሐርር ናደልኮ’ በል” ዓደይ ሓራ ከውጽእ ተሰሊፈ በል ኢላ መኸረትኒ። ብቋንቋ ትግረ፡ ዓዲ ከም ስም ናይ እንዳ እዩ ዝውሰድ። ዓድ ፍላን እንተ ተባሂሉ “ዓዲ ክስቶ ወይ እንዳ ክስቶ ማለት እዩ። እቲ ሃገር ዝብል ኣምር ንዓይ ኣዝዩ ረቂቕ እዩ ነይሩ። ክትርደኦን ክትጭብጦን ዘይትኽእል ኣምር ( abstract concept) እዩ ነይሩ ኣብቲ ግዜ እቲ።
ደሓን ትእቶ ፎዝያ፡ ካርታ ኤርትራ ኣብ ሑጻ ስኢላ፡ “እዚኣ ኤርትራ ሃገርና እያ። ኣነ ካብዚ ኩርናዕ’ዚ መጺኤ፡ ንስኻ ካብዚ ኩርናዕ’ዚ መጺእካ። ኣኬ (ደንከላይ) ድማ ካብዚ ኩርናዕ’ዚ መጺኡ—” እናበለት፡ ዝፈልጦም ደቂ ጋንታይ እናረቑሓት ንኤርትራ ኮለለታ። “እዚኣ እታ ዓባይ ዓድና እያ” ኢላ “ወጠን” ትብል ቃል ኣምሊቓትለይ። ወጠን ሎሚ ኣብ ቋንቋ ትግረ ተኣታትትዩ እዩ ግን መበቆሉ ቋንቋ ዓረብ እዩ። ሃገር ማለት እዩ። ከም ቃል ካብ ኣዝማደይን ተጋደልትን ክደጋገም እሰምዖ ነይረ ግን ተገዲሰሉ ኣይፈልጥን። እታ ወጠን ትብል ምስታ ተጋደልቲ ናብ ዓድና ክመጽኡ ከለዉ ዝሰቕልዋ ዝነበሩ ሰመያዊት ባንደራ ኣዛሚደ፡ ሽዑ መዓልቲ ደሓን ዝኾነ መበገሲ ፖለቲካ ረኺበ።
“ሕጂ ድማ ብሓባር ነቶም ኣብ ዓድና ከይንነብር ዝሓረሙና ጸላእቲ ክንሰጉግ ብሓባር ከም ሓንቲ ስድራ ኮይንና ንጋደል ኣለና። ብሓባር ንበልዕ፡ ብሓባር ንነብር፡ ጽባሕ እውን ብሓባር ክንዋጋእን ክንስዋእን ኢና—” እና በለት ነዊሕ ምህሮ ሂባትኒ። ሽዑ ዝወቕዓኒ ንፋስ ፖለቲካ’ዶ ክብሎ ወይስ ንፋስ ፎዝያ ክሳብ ዕለት ሎሚ ኣይገደፈንን።
ትርሓስን ፎዝያን እተን ቀዳሞት ምስ ገድሊ ዘላለያኒ ተጋደልቲ ነይረን። ድሕርኡ ኣብ ማእከላይ ክሊኒክ እቲ ውድብ ምስ ተወዛዕና እውን እተን ብቀረባ ዝኣልያና ዝነበራ ደቀንስትዮ ነይረን። ዑስማን ሳልሕ ሳበ ካብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተፈልየሉ ግዜ ስለዝነበረ ኣብቲ ውድብ ፈታኒ ናይ ዕጥቅን ስንቅን ግዜ ነይሩ። ሰለስተ ንኣሽቱ ኣወዳት ነይርና፡ ከም ገለ ኢለን ካብቲ መሳርፍ ውጉኣት ሓቢአን ምሳሕናን ድራርናን የጽነሓልና ነይረን። ሽዑ ናቕፋ ትኽበብ ስለዝነበረት ብዙሓት ውጉኣት ነይሮምና።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ እውን ሰለስተ ፊተውራሪ ብእዋኑ፡ ኣብ መጀመርታ 1979፡ ናብ ምምህርና ስለዝተጸጋዕና (ናይ ትግረ ፕሮግራም ንምስልሳል) ብዙሓት ዝሕብሕቡና ብጾት መምሃራን ነይሮም እዮም። ግን ብኣጋጣሚ ሸሞንተ መጋቢት ክዝክረን ዝኽእል፡ ስውእቲ መምህር ኣልጋነሽ ገ/ህይወት ( ሰረታት ትግርኛ ዘትሓዘትኒ፡ ሓያል ርእሰ ምትእምማን ዝነበራ ተጋደሊት፡ ስውእቲ መምህር ምሕረት እዮብ (ሰረታት እንግሊዘኛ ዘትሓዘትኒ) ካልኦት ከም መምህር ኣስመረት፡ ኣበባ እኽኽ፡ ዘይነብ ሓጂ፡ ሰሚራ—ወዘተ ነይረን፡ ኣብነት ቅንዕናን ስራሕን ዝኾናና ።
ኣብ መስርሕ ቃልሰይ፡ ኣብ ክፍልታት ይኹን ተዋጋኢ ኣሃዱታት፡ ብዕድመን ተመክሮን ማሕበራዊ ድሕረባይታን ዝፈላለያ ደቀንስትዮ ርእየ እየ። ሓንቲ መለለዪት ባህሪ ግን ነራተን። ቃልሲ ምስ ነኸሳ ወለቕዘለቕ ዘይብላ ምዃነን። ኣብ ጋራጃት ፊኖ መካኒካት፡ ኣብ ህንጻ መሃንድሳትን መራሕቲ ቡልዶዘራትን፡ ኣብ ዓውዲ ዜናን ምንቅቃሕን፡ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ምምሃርን ምስትምሃርን ቀዳሞት። እንታይ እዋነን ቋንቋ ትግረ ክኢለን፡ ምስ ባህልን መነባብሮን እቲ ህዝቢ ተመሳሲለን ይኸዳ ነይረን ይገርመኒ እዩ። ኣወዳት ምስ ቋንቋን ባህልን ሕብረተሰባት ክመሳሰሉ የጸግሞም ነይሩ። ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት እሞ ግደፎ። ጓል ኣንስተይቲ ሃዲማ ክትሰምዕ ኣዝዩ ሳሕቲ ኣዩ ነይሩ። ተራ ናይተን ውዱባትን ተራ ሓፋሽ ደቀንስትዮ ኤርትራን ስለዝተቓለሐ ምድጋሙ ከሰልቹ እዩ። ብሓጺሩ፡ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስን ምውሓስ ልኡላውነትናን ታሪኽ ሰሪሓ እያ። ምቅላስን ምጽናዕን ምሂራትና ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ። ሕጂ ኸ?
ሕጂ ኸ?
ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ህጻናትን ደቀንስትዮን ዝቐንዐ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፖሊሲታት ከሰላስል ጸኒሑ።
– ቀረብ ጽሩይ ማይ
– መጎጎ ኣድሓነት
– ክታበት ህጻናት
– ናይ ጥንስን ሕርስን ክንክን ምስፋሕ
– ከም ክሽቦ ጓል ኣንስተይቲ ዝኣመሰለ ጎዳኢ ባህልታት ንምውጋድ ምቅላስ
– ናይ መሬት ዋንነት ማዕርነታዊ ምግባሩ
– ናይ መርዓን ፍትሕን ሕግታት ዳግም ምክላሱን ንደቀንስትዮ ከምዘይሃሲ ምርግጋጽን
– ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣብ ባይቶ ዓድታትን ዞባታትን ኣብ ማሕበራትን ምብራኽ
– ሕግታት ዕዮ ንተሳትፎ ደቀንስትዮ ከም ዘተባብዕ ኮይኑ ምምስርሑ—ወዘተ
ደጊም—-ኩሉ ጽቡቕ። እዚ ዓወታት’ዚ ዝያዳ ክዓሙቕን ካልእ ኣወንታታት ክድረቦን እንተኾይኑ ግን፡ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ ከም ላቄባ ህግደፍ ወይ ዝኾነ ካልእ ፖለቲካዊ ውዳቤ ዘይኮነስ ናይ ብሓቂ ናጻ ዝኾነ ሲቪል ማሕበር ክኸውን ኣለዎ። ንመሰል ደቀንስትዮ ቀዳምነት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ። ደቀንስትዮ ኣብቲ ፖሊሲታት ዝሕንጽጽን ፈጻሚ ውሳነታት ( executive decisions) ዘሕልፍን ባይታታት ክድይባ ኣለወን። ንዝወጹ ሕግታትን ፖሊሲታትን ብዓይኒ ረብሓ ደቀንስትዮ ርእየን ደገፈን ወይ ተቓውሞአን ክህባ ኣለወን። እዚ ምስ ዝገብራ ጥራይ እየን ማሕበረን ተኣማንነት ከጥሪ ዝኽእልን ነቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ዳግመ ህንጻ ወሳኒ ድርኺት ክህባ ዝኽእላን። ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ ምሉእ ዓቕሚ ጓል ኣንስተይቲ ከየበራበርካ ዝርከብ ፍጹም ዓወት የለን። ደቀንስትዮኡ ሓራ ዘየውጸአ ሕ/ሰብ ሓራ እየ ክብል ኣይክእልን።
ኣብ መወዳእታ፡ ምስ’ዚ ኩሉ ሃብታም ታሪኽ ደቀንስትዮና፡ ንኣሽቱ ኣዋልድ ከይመሃራ ምኽንያታት እና ተፈጥረ ኣብ እዋን ቃልሲ ዘይተራእየ ብደሆታት የጋጥም ኣሎ። ናብ ትምህርቲ እንተ ከዳ እውን መባእታ ማእከላይ ደረጃ ይበጽሓ እሞ ድሕርኡ ናብ መርዓ ይቕሰባ። ሕ/ሰብና ገና ኣባታዊ እዩ ዘሎ። ስለ’ዚ፡ ብዙሕ’ኳ እንተተጓዓዝና፡ ብዙሕ ተሪፉና ከምዘሎ ዘከራኽር ኣይኮነን። እዚ ኩነታት እዚ በቲ ብምዕራባዊ ስነሓሳባት ዝተጸልወ ኣንስታዊ ቃልሲ (feminist struggle) ዘይኮነ፡ ካብ ማሕበራዊ ክውንነት ኤርትራን ታሪኻን ዝብገስ ሕብረተሰባውን ሓባራውን ክኸውን ኣለዎ። ጉዳይ ደቀንስትዮ ንደቀንስትዮ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ፡ ንደቂ ተባዕትዮን ምሉእ ሕ/ሰብን ዝምልከት እዩ። ብሓባር ድማ ንስረሓሉ። ሸሞንተ መጋቢት ዘጸቢ የብልናን። ነብሰወከፍ መዓልቲ ሸሞንተ መጋቢት ኮይና ክትሓልፍ ኣለዋ።
ክብሪ ነተን ኣብነት ቃልሲ ኮይነን ዝሓለፋ ጀጋኑ ኤርትራ !
ዓወት ንሓፋሽ
ማሕሙድ ሳልሕ