Categories
Uncategorized

ህግሓኤ ንሕግታት ጠንቅን ሳዕቤንን (The law of causation) ዝመለኸ ውድብ ነይሩ

ህግሓኤ ንሕግታት ጠንቅን ሳዕቤንን (The law of causation) ዝመለኸ ውድብ ነይሩ። ንሓደ ፍጻመ ወይ ሳዕቤን ጠንቂ ውይ ምኽንያት ክህልዎ ግድን እዩ። እቲ ሳዕቤን ወይ ፍጻመ ድማ ብግዲኡ ጠንቂ ወይ ምኽንያት ወይ ድማ መበገሲ ካልኦት ምዕባለታት ይኸውን። በዚ ሰንሰለታዊ ምትእስሳር ድማ ባህሪ ይኹን ሕ/ሰባት ንቅድሚት ይግስግሱ።

ቃልሲ ኤርትራ እውን ብኸምኡ ክግለጽ ይከኣል። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሳዕቤን ናይቲ ስርዓት ሃይለስላሴ ኣብ ክብሩ ዝገበረሮ ወራር ነይሩ። እቲ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ሃገራዊ መስመር ንምንጻር ኣብ ውሽጢ ሰውራ ኤርትራ ዝተራእየ ቃልሲ እውን ከም ምኽንያት ኮይኑ ንህዝባዊ ሓይልታት ፈጢሩ። ምፍጣር ህዝባዊ ሓይልታት (ደሓር ህዝባዊ ግንባር) ነቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ዲናሞ ኮይንዎ፡ ብ1977 ብዘይካ ኣስመራ፡ ባረንቱ፡ ዓዲቀይሕን ዓሰብን ኤርትራ ሓራ ኮይና ነይራ። ባጽዕ ዳርጋ 3/4 ተታሒዛ ጥዋለትን ወደብን ጥራይ እየን ተሪፈን ነይረን።

ምትእትታው ሕ/ሶቬትን መሻርኽታን ንእስትራተጂካዊ ምዝላቕ ጠንቂ ኮይኑ። እስትራተጂካዊ ምዝላቕ ድማ ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ርእሶም ክምርኮሱን ሓድሽ ኣተሓሳስባታትን ሓድሽ ባህሊ ናይ መሃዝነትን ምትዕጽጻፍን ተበግሶን ፈጢሩ። ንሓደ ገዚፍ ዘመናዊ ሰራዊት ኣብ ድፋዓት ኮይንካ ናይ ምምካት ተመክሮታት ፈጢሩ። ናይ ደባይን ተንቀሳቓስን ሜላታት ማዕቢሉ። ህዝባዊ ውደባ ኣብ ጥርዙ በጺሑ። ኤርትራውነት ብሓዊ ተፈቲኑ።

እተን ሓሙሽተ ናይ ምርብራብ ዓመታት ምስ ሓለፋን ጸላኢ ዘፍ ምስ በለን ብ1984 ቀዳማይ ግዙፍ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ከተማ ተሰነይ ተፈንዩ። ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ሓጺር ግዜ ብውሑድ ክሳራን ነታ ከተማ ክቆጻጸራ ክኢሉ። ምኽንያት ናይዚ ቅልጡፍ ዓወት እቲ ህዝባዊ ሰራዊት ካብ መወዳእታ 1978 ክሳብ 1984 7ተ ወራራት ኣፍሺሉ፡ መሳርዑ ኣደልዲሉ፡ ናይ ቶኽሲ ብቕዓቱን ዕጥቑን ኣበሪኹ፡ ናይ ኣወዳድባን ናይ ምውጋእን ም’ጽዋርን ዓቕሙ ሃኒጹ፡ ቀታልን ተንቀሳቓሳይን (lethal and agile) ሓይሊ ኮይኑ ስለዝወጸ እዩ።

ድሕርኡ ውቃው እዝ ተደምሲሱ። ፡ ስዒቡ ድማ ምሕራር ባረንቱ (1985) ዝሰዓቡ ናይ ምርብራብ ውግኣት ግንባር ባረንቱ፡ ስዒቡ ድማ ምምካት ገጻት (8ይ ወራር)፡ ቀጺሉ እውን በብእዋኑ ብክ/ሰራዊታት ዝግበር ዝነበረ ናይ ድሕሪ መስመር ደምሳሲ መጥቃዕትታት፡ ኣብ ክንፍታት ግንባራት ዝግበር ዝነበረ ውሱን ተበግሶታት፡ ምብራኽ ፖለቲካውን ውድባውን ዕማማት (ናብ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ዘምረሐ መስርሕ (1987)—ክሉ እዚታት ንምድምሳስ ናደው በሪ (ምኽንያት ወይ ጠንቂ) ከፊቱ። ኩሉ እቲ ክጠራቐም ዝጸንሐ ዓቕምታትን ተኽእሎታትን ናብቲ ናደው ዝኣክል ብድፍረት ክድምስስ ዝኸኣለ ስነ-ኣእምሮኣውን ኣካላውን ድሉውነት ናይቲ ውድብ ዘብጸሐ መስርሕ እዩ። ምኽንያት ወይ ጠንቂ ንሳዕቤን እና ወለደ፡ ሳዕቤን ድማ ብግዲኡ ንኻልእ ምዕባለ ጠንቂ ወይ ምኽንያት እናኾነን እና ተወላለዱን ክጓዓዙ ንርእዮም።

ምድምሳስ ናደው ከም ጅማት ኩርኩረ ዝተበትኮ ሰብ ክቑጸር ይከኣል። ጅማት ኩርኩረ እንተተበቲኹ እግሪ ጠልፈፍ-ጠልፈፍ እያ ትብል። ብኸምኡ ድማ እዮም ጸዓዱ ንሓደ ተነቃፊ ወይ ኣገዳሲ ኣካል ናይ ሓደ መስርሕ ከም Achilles’s heel ኢሎም ዝገልጽዎ። ናደው ከም ጅማት ኩርኩረ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክንሓስቦ ንኽእል። ንሱ በጠስ ምስ በለ ህላወ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሰንከልከልን ጠልፈፍ-ጠልፈን ኮይኑ።

ምድምሳስ እዚ ናደው ድማ ነቲ ዝሰዓበ ናይ ሮራ መንሳዕን መስሓሊትን ከቢድ ምርብራብ ኣስዒቡ። እቲ ምርብራብ ንውድቀት ሞራል ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ኣቀላጢፉ።

ስርሒት ፈንቅል ድማ ባህርያዊ ውጽኢት ናይ’ዚ ምዕባለ’ዚ እዩ። ፈንቅል ብግዲኡ ንመግዛእቲ ዝፍንቅል ሃዋሁ ፈጢሩ፡ ናጽነት ኤርትራ ዘቀላጠፈ ስርሒት እዩ ነይሩ።

ንኹሉ ፍጻመ ምኽንያት ወይ ጠንቂ ኣለዎ። ፍጻመታት ብሕግታት ሞጎት (logic) እዮም ዝቕየዱ።

ሎሚ እውን ናብ ብሩህ መጻኢ ክንምርሽ እንተኾይንና፡ ነቶም ከም ውሽጣውያንን ግዳማውያንን ሓነቕቲ ኮይኖም ዝቑጸሩ ነገራት ኣላሊና ንቅድሚት ክንምርሽ ኣለና።

ነቲ ንጂኦፖለቲካ ኣካባቢና መሪዙ ነዚ ዞባ ከይስጉም ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ሓይሊ ፊተ-ፊት ገጢምና (ውግእ ንኣውጅ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፡ እንተ ተስገደደና ግን ብፍላይ እዞም ኣብ ወጻኢ ዘለና፡ መንእሰይናን ኣረጊትናን ነጻላና ጥምጡም ክኸውን ኣለዎ፡ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምግባርን ብዙሕ ሃምበርገር ዘይምብላዕን ፡)—ብዝኾነ፡ እቲ ናይ ሕጂ ኲናት ብቐንዱ ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ሓሳባትን ኲናት እዩ። ናይ ኣእምሮ ኲናት እዩ።

ብዘይክኡ ድማ ንውሽጥና ብምጥማት፡ ክእረሙን ክመሓየሹን ዘለዎም ነገራት ብዘይ ንሕስያ ክንመያየጠሎም ኣለና። ርኢቶታት ዜጋታት ክሕጽር (stifle ክገብር ዝኽእል) ወስታታት ከይሳዕረሩ ክንምክቶም ኣለና። ከም ሃገርን ህዝብን፡ ሃናጺ ክሳብ ዝኾነ፡ ዝተፈላለየ ርኢቶታት ክነተኣናግድን ክንጻወርን ኣለና። ከምኡ እዩ መልእኽቲ ፈንቅል—ፈንቃሊ ኩሉ ንግስጋሰ ዝሕንኩል ነገር። ፈንቃሊ ጽልእን ቂምታን ድንቁርናን ክሎም ካልኦት ጎዛዘይትን ወስታታት—

ኣርሕብ—ተፈደል—ተዛተ—ገስግስ።

ዐውቴ እግል ርሒብ ገቢል

ኣሰናይ ዲብ 30 ሰነት ዝክር ፈንቅል ኣብጸሔና።

ዳይም ዝክር እግል ሹሃዳእና።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s