ስእሊ ክቡር ቀዳማይ ጀነራልና፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ቅብቅብን ቅልጡፍ ኣቀባባልን ክግበረሉ ክርኢ ጸኒሐ። ብዙሕ መልእኽትታት እውን ተቀቢለ። ዝበዝሕ በቲ ስእሊ ዝተቖጠዐን “ስለምንታይ እቲ ጀነራል ኣብ ከምዚ ኩነት ከሎ ስእሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘርጊሑ” ዝብልን ብዛዕብኡ ገለ ክብል ዝሓትትን እዩ። ውሑድ ድማ “እነሀልካ ኢሳይያስ ንጀነራል ስብሓት ከመይ ገይርዎ ተመልከት፡ ካብኡ ተመሃር… ወዘተ” ዝብል እዩ [ያኢ ኣነስ ማዕረ ጀነራል ስብሓት ተቖጺረ!!]
ብዝኾነ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣብ ግዚኡ ንመንግስቲ ርኢቶ ሂበ ነይረ። እቲ ጀነራል “ህዝቢ ዝግደሰሉ ሰብ (public figure) እዩ እሞ ብዛዕባ ኩነታቱ ደሃይ ሃቡ፡ ህዝቢ ይሻቐል ኣሎ” ዘስምዕ ምሕጽንታ ክልተ ሰለስተ ግዜ ጽሒፈ ነይረ።
እቲ ጉዳይ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ከምዝተኣሳሰር ኣይጠፍኣንን እዩ። ብዛዕብኡ እውን ብዙሕ ኣይምቶኽቶኽናን። ግን መንጢላ ዝኾነ ማሕበራዊ ሚድያታት በብወገኑ ነዚ ጉዳይ ደም ክሳብ ዘውጽእ ሓሊብዎ እዩ። እቶም ነዚ ጉዳይ ዘልዓሉ ውልቀሰባትን ሚድያታትን ድማ ነብሰወከፎም ረብሓኦም ክምልእ ብዝኽእል ኣተሓሕዛ እዮም ተሪኾሞ። እሞ ምንፋሱ ዘይተረፈስ ስለምንታይ መማእዘንን መወከስን ዝኸውን ሓጺርን ሓፈሻውን ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ዘይተዋህበ ኢለ ክግረም ጸኒሐ። ብፍላይ ብስም ጀነራል ስብሓት ዝሽቅጡን ንብዓት ሓርማዝ ዝነብዑን ክርኢ ከለኹ የስተንትን። ወረ ገሊኦምስ ትማሊ ኣብ ዓውዲ ኲናትን ፖለቲካዊ ምጉትን ዝሰዓሮም እዮም።
ብዝኾነ፡ ናብቲ ዘምጸኣኒ ጉዳይ ከብል…
ትማሊ ከም ገለ ኢለ ናይ ቀደም ፊልም “ሰውራና” እርኢ ነይረ። ኣብ ምሕራር ኣፍዓበት (1977) ምስ በጻሕኩ ኣዕንተይ ንብዓት ክመላልእ ጀሚሩ። እቲ ጹዕጹዕን ናይ ኢድ ብኢድ ህጁምን ዘይኮነስ፡ እቲ ቡምባ ኢድን ቶኽስታትን ዘልዓሎ ደሮና ቅሩብ ከም ገለ ኢሉ ግልህ ክብል ምስ ጀመረ፡ ኣብታ ፊልም፡ እቲ ናይ ቀደም ስብሓት፡ እቲ ቀጢን፡ ረጒድ ኣፍንጫ፡ ኣፍሮ፡ ሸራፍ ወዲ ኤፍረም ይቕልቀል። ካመራ ሂላል ከም ቅሩብ ምስ ተጠዓዓመት ከኣ ኢብራሂም ዓፋን ዓሊ ሰይድ ዓብደላን ይረኣዩ። ኣይስምዑን እምበር ኣብ ህዉኽ ህሞት ሓሳባት ይለዋወጡ ምንባሮም ካብ ገጾምን ከናፍሮምን ርኡይ እዩ። እቲ ህጁም ገና እናተኻየደ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰለስቲኦም ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ኮይኖም ነይሮም። እንተወሓዱ ሰለስተ ኣባላት ፖሊት ቢሮ ኣብታ ናይ ምሕራር ኣፍዓበት ህጁም ነይሮም ማለት እዩ።
እዛ ኣጋጣሚት እዚኣ ድማ ናብቲ ከልዕሎ መደብ ዘይነበረኒ፡ ብዛዕባ እዚ ሎም ቅነ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ክሸራሸር ዝቐነየ ስእሊ ወዲ ኤፍረም ዝምልከት ብውልቂ ክመጸኒ ዝጸንሐ መልእኽትታት መሊሳትኒ። ኣብታ ህሞት ድማ ብዙሕ ስእልታትን ምስልታትን ናይ ወዲ ኤፍረምን ብጾቱን ንሓንጎለይ ኣጫነቖ። ዋሕዚ ዝኽርታት እዩ። ኣየናይ ስእሊ ወይ ምስሊ ወይ ኣጋጣሚ ይደምቕ፡ ክትመምዮ ኣጸጋሚ እዩ። ግን ዝኽርታት ሓንሳብ እንተተፈንዩ ጠገለ የብሉን፡ ስርዓት የብሉን። ብኹሉ መኣዝናት ንሓንጎልካ እዩ ዝወሮ…በቃ፡ ወረር ወረር ይብል። ከምዛ “ኣነ’ባ…ኣነ’ባ” ዝብለካ ዘሎ እዩ ዝመስል።
ሓደ ስእሊ ማዕረ ሽሕ ቃላት እዩ ይበሃል። እቲ ናይ ሎም ቅነ ናይ ጀነራል ስብሓት ስእሊ እውን ናይ ሽሕ ቃላት ዝኣክል ስርሑ ገይሩ ኣሎ። ከም ዝተረዳእክዎ፡ ሓደ ዜጋ ከም ናይ ቀደም ዓርኩ ገይሩ እዩ ፈንይዎ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ድማ ተላቢዑ፡ ሰብ ከዛርብ ቀንዩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ጥራይ እየ ክብል ዝኽእል።
- ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ተወቒዑ ኣብ ሕክምና ከም ዝነበረን ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሰን ይፍለጥ። እቲ ናይ ምሕዋይ ወይ ምጽጋን ሕቶ ድማ ግዜ ከምዝወስድ ዘካትዕ ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ዝወቕዖ ወገን ብወግዒ ኣይተገልጸን። እዚ እውን ምስ ሃገራዊ ድሕነት ዝተኣሳሰር ከምዝኸውን ክግምት ጥራይ እየ ዝኽእል። ንጀንራል ስብሓት ምሉእ ሕውየት እምነየሉ።
- እታ ሓውና ዝዘርገሓ ስእሊ ኣይተደልን ነይራ። ናይቲ ጀነራልን ስድርኡን ፍቓድ ከ ነይርዎ’ዶ ይኸውን?
- ብዝኾነ፡ ጀነራል ስብሓት ከም መንእሰይ ተጋዳላይ፡ ውዑይን ሓያልን መዳራይን ተማጓታይን (orator)፡ በሊሕ ወዳባይ፡ መራሕን ኣላይን ናይ ድሕረ መስመር ናይ ደባይን ተንቀሳቃስን ቅዲ ኲናት ህዝባዊ ግንባር፡ ንወያነ ዝዓለመን ዘዕጠቐን (እንሓንሳብ ባጫ እና ሓወሰ)፡በብግዚኡ መሃዝነት ዝተሓወሶ ስነ/ሕብረተሳባዊ ምርምራትን ፈተነታትን እና ገበረ ነቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ዝነበረ ህዝብና ብማሕበራትን ዞባታትን ኮሚተታትን ኣብ ምንቅሑን ምውዳቡን ምዕጣቑን ዝመርሐ፡ ደሓር ድማ ከም ሓላፊ ጠቕላሊ ስታፍ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ነቲ ሓርነታዊ ኲናት ብዘደንቕ ውዳበን ቅልጣፈን ዝመርሐ፡ ኣብ ግዜ ወራር ወያነ፡ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ዝነበሮ ናይ ሰብን ተቶኳስን ሎጂስቲክን ጸገማት ሰጊሩ ብውሑድ ክሳራ ንወራሪ ሰራዊት ዝገረፈን ዘርገፈን ናይ ምክልኻል ቅዲ ኲናት ዘወሃሀደን ዝመርሐን…ንውትህድርና ብመካኒክነት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ሰፊሕ ፍልስፍናዊ ውቅያኖስ ኣእትዩ ዝርኢ ሓያል መራሒ ህዝባዊ ግንባር እዩ።
እቲ ክብረዝ ዘይደልዮ ምስሉ ድማ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ተጋዳላይን ጀነራልን ወዲ ኤፍረም እዩ። እቲ ኣብ መረብ ዓስኪሩ ብእግሩ ከም ዝሰወደት ኢራብ ንከበሳታት ኤርትራ ዝኾልል ዝነበረ፡ እቲ ንኩማንዶ ኣብ ቅዲ ሑጻ ቀሪቡ ደቂቅን ረቂቅን ስልታዊ መምርሒታት ዝሃበን ነቶም መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ቃልቃል ዘበሉ ምዑታት ኣባላት ኮማንዶ ናይ መወዳእታ ዝመስል ሰላምታ ሂቡ ዘፋነወን ነቲ ስርሒት ዕዉት ክኸውን ዝተኸታተለን… እቲ ንዓመታት ንፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ወኪሉ ኣብ ድሕረ መስመር ጸላኢ መዓስከራትን ቃፍላያትን ደርግ ዝደማስስን ሃሱሳት ጸላኢ ዝለቅምን ስርሒታት ዘወሃህድ ዝነበረ መንእሰይ ተጋዳላይ ወዲ ኤፍረም…እቲ ከንቲባ ሕሽክብን ከባቢኣን (ማእከላይ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ሜዳ)…እቲ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ብህድኣትን ርእሰ ምትእምማንን ንእስትራተጂ ህዝባዊ ግንባር ዝገልጽ ብሱል መራሒ ኲናት….ብዙሕ ምስልታት ወዲ ኤፍረም ኣለና። ስለምንታይ ኢና በዛ ዳሕረወይቲ ምስሊ ንጭነቕ።
ጀነራል ስብሓት ተሃስዩ ምንባሩ ብሩህ እዩ። ምሉእ ሕውየትን ጽገናን ጥራይ ንመነየሉ። እምበር እዛ ስእሊ እዚኣ ንጸላእቲ ወዲ ኤፍረም ኣደሲታ ክትከውን ትኽእል። ንዓና ግን ሓንቲ ካብ ኣሽሓት ስእልታት ወዲ ኤፍረም እያ። ፈጸምቲ እቲ ገበን ከኣ ኢዶም ከም ዝፍደዩ ኣይንጠራጠርን። ምኽንያቱ ንውልቀ ሰብ ዘይኮነስ ንምልእቲ ሃገር እዮም ኣጥቂዖም።
ብዝኾነ፡ እቲ ዝዘርገሓ ሓው ንጽቡቕ ኢሉ ይኸውን (ኣይፈለጥክዎን)፡ ግን ሚድያ መሳርያ ስለዝኾነ፡ ነብሰ-መውጋእቲ (self- inflicted wound) ከይንፍጽም ምጥንቃቕ የድሊ። ምዝርጋሕ እቲ ስእሊ ብዙሕ ዝተሓሰበሉ ኣይመስልን። ካብ ተዘርገሐ ግን ነቲ ብጉልበቱን ውዑይ ደሙን ከሎ ዝወናጨፍ ዝነበረ ተጋዳላይ/ ጀነራል ወዲ ኤፍረም ብሓበን ንዝክሮ። ነቲ ኣብ መስርሕ ሕውየትን ጽገናን ዘሎ ጀነራል ድማ ምሉእ ጥዕና ንምነየሉ።
ዓወት ንሓፋሽ
ማሕሙድ ሳልሕ