Categories
Uncategorized

ሰውራናን ዕላማታቱን፡ ሓጺር መልሲ—

ሰውራ ኤርትራ፡-

1- ኣካልን መቀጸልታን ሃገራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት 1940ታት እዩ።
2- ብረታውን ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያትን ዕላማታትን ዝነበሮን ዘለዎን እዩ።
3- እቲ ብረታዊ መዳዩ በቲ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመርሖ ሰራዊት ሓርነት ብመስከረም 1961 ፈሊሙ ብህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ግንቦት 1991 ተዛዚሙ። ኩሉ ናይቲ መድረኽ ተረኽቦታት ታሪኽና እዩ። ሕማቑን ጽቡቑን። ካብቲ ሕማቕ ንመሃር፡ ኣብ ርእሲ እቲ ጽቡቕ ድማ ንነድቕ።

እቲ ፖልቲካዊ መዳዩ ብመድረኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ሓሊፉ ሕጂ ኣብ መድረኽ ህንጸት ሃገርነትን ሃገራዊ ትካላትን ኣትዩ ኣሎ። እዚ መስርሕ እዚ ዘይውዳእ እዩ። ወለዶታት ነናቶም ኣሰር ገዲፎም እናመሓየሽዎ ዝቕጽል እዩ። You can get closer to political perfection but you can never get to perfection. እጃምና ንገብር’ዶ ኣለና ኢልና ንነብስና ንሕተት።

እቲ ማሕበራዊ መዳዩ ብዝያዳ ኣብ ግዜ ሰውራ ብናህሪ ሰጒሙ፡ ሕጂ እውን ኣብ ዓመታት መኸተን ሰላምን ይቕጽል ኣሎ። እዚ እውን ዘይውዳእ መስርሕ እዩ። ይኹን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሎሚ ከም ሓንቲ ስድራ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ስለ’ዚ፡ ደሓን ኣለና እብል። ጥራይ ዘተኣኻኽብን ዘሰማምዕን ቃና ንጠቐም። እቶም ውሑዳት ከፋፈልትን ገስረጣትን ንምስልና ኣይውክሉን እዮም። ዓውዓው ስለዝብሉ ደኣ ኣቓልቦና ይስሕቡ ኮይኖም እምበር።

ዕላማታት ሰውራና ሓንቲ ክሊ ኣየራን ምድራን ባሕራን ዘረጋገጸት፡ መነባብሮ ዜጋታታ እተመሓይሽ፡ ኣብ መተከላት ምክብባር ዝተመስረተ ማሕበራዊ ስኒት ዝነግሰላ፡ ህዝባ ድማ ዋና ጉዳያቱ ዝኾነላ ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምምስራት እዩ ነይሩን ኣሎን።

እዚ ድሕሪ 20 ዓመታት ናይ ከበባን ዕፈናን ዝኽሰት ዘሎ ዕድላት ናብዚ ልዑል ዕላማታት ዘብጽሕ ጎደና ከጣጥሕ ተስፋ ይንበረሉ። ህዝባዊ ግንባር፡ ከምቲ ናጽነታዊ ጉዕዞን ዓመታት መኸተን ከዕውት ታሪኻዊ ጻውዒት ዝተቀበለ፡ ናብዚ ልዑልን ክቡርን ዕላማታት ከብጸሓና ታሪኻዊ ሓደራ ተነቢሩሉ ኣሎ። ክኸውን እውን እዩ።

እቶም ንበዝሕ ኣብ ዕላማታት ኣይንፈላለን። ተሪፉ ዘሎ ህድእ ኢልና ብምዝታይ ክንፈትሖ ንኽእል። ዓቕምታትና ኣይንሸራርፍ። ነቲ ኣሉታዊ ዝኾነ ተርእዮታት ጥራይ ብምግናን ዓወት ክንዓትር ኣይንኽእልን። ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ሃገር እያ ዘላትና። ንሳ ድማ ንኹላትና ማዕረ እያ ትብጸሓና እሞ እቲ ዓፊኑና ዘሎ ፖለቲካዊ ግመ ነቶም ኣገደስቲ ዝኾኑ እዋናውያን ሃገራዊ ሸቶታት ንኸይንሃርም ከዕውረና የብሉን። እቶም ኣገደስቲ እዋናዊ ሃገራውያን ሽቶታት ድማ፡-

ሀ- ሰላምን ምርግጋእን
ለ- ቁጠባዊ ሕዉየት
ሐ- ምንጻፍ ቅዋማውን ትካላውን ፖለቲካዊ ስርዓት

እዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ብመሰረት ናይ ቀዳምነታቶም ቱክረት እምበር ግድን ብኸምኡ ተር ኢሎም ክኸዱ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። እኳ ደኣ ዘይነጻጸሉን ተጻላለውትን እዮም።

ተፈደል፡ ተዛተ፡ ግስግስ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s