Categories
Uncategorized

ተጋዳላይ ውግእን ስራሕን’ዩ ነይሩ ዩኒቨርስትኡ

ቅድሚ ቅሩብ ሳምንታት፡ ቃለ-መሕትት ናይ ሓደ ናይ ደርግ ጀነራል ዝነበረ ሰብ ሕልፍ እናበልኩ ተዓዚበ ነይረ። ኣብኡ፡ እቲ ጀነራል ብዛዕባ ተጋዳላይን መራሕትን ሻዕብያ ሓቀኛ ገምጋም ይህብ። ንሱ ይብል” ንሕና ኣብ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተመሃርናን ብወተሃደራዊ ትካላት ዝተመልመልናን መኮነናት ነይርና። ንሶም ግን ካብ ግብሪ፡ ካብ ብዙሕ ምውጋእ ዘጥረይዎ ትምህርትን ተመክሮን እምበር ኣብ ወተሃደራዊ ትካላት ተመልሚሎም ዝወጹ ኣይነበሩን። ንፉዓት ናይ እስትራተጅን ሜላ ውግእን ሰባት ኮይኖም ስዒሮምና” ይብል።

ኣብዚ ናይ ሓሶትን ፍብረካን እዋን፡ንመጀመርታ ግዜ ሓቂ ዝዛረብ ጀነራል ደርግ ኣጋጢሙኒ።

ተራ ናይቲ ግበር ከይበልካዮ ዝገብር ውፉይን ተባዕን ህዝብን ተጋዳላይን ኣብ ቦትኡ ሃልዩ፡ እቶም ንህዝባዊ ሰራዊት ዝሃነጹ መራሕቲ፡ ካብ ተራ ተዋጋኣይ ጀሚሮም፡ ብቦምባ ኢድ እናተደራገሙ፡ መራሕ መስርዕ፡ መራሕ ጋንታ፡ ሓይሊ፡ በጠሎኒ፡ ብርጌድ፡ ክ/ሰራዊት፡ ኮር እናበሉ ዝደየቡ ኣብ ኣማእት ውግኣት ዝበሰሉ፡ ንስነ-ኣእምሮ ጀነራላት ደርግን ኣማኸርቶምን ዝጥቀሙሉ ሜላታት ውግእን እናኣጽነዑ ኣመራርሓኦም እናኣመሓየሹ ናብ ናጽነት ኣብጺሖምና። እቲ ሓቂ ንሱ እዩ።

ናይ መኮነናት ባሊቃታት ዘይለበሱ፡ ወተሃደራዊ መዓርግ ዘይተዋህቦም ግን ንምልሙላት ጀነራላት ዝሰዓሩ እዮም ነይሮም። ንኣብነት’ኳ ገለ ካብቶም ንስርሒት ፈንቅል ዝመርሑ ኣዘዝቲ ህዝባዊ ሰራዊት እንተ ረአና፥-
1. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ዋና ኣዛዚ ህዝባዊ ሰራዊት
2. ስብሓት ኤፍረም፡ ሓላፊ ጠቕላሊ ስታፍ
2. ሃይለ ሳምኤል (ቻይና)፡ ኣባል ጠቕላሊ ስታፍን ናይቲ ስርሒት ቀንዲ ኣዳላውን መራሕን
3. ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 70
4. ሮመዳን ኣውልያይ፡ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት (መካናይዝድ) 74
5. ገረዝጊሄር ዓ/ማርያም (ውጩ)፡ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 85
6. ተኽለ ማንጁስ፡ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 61
7. ኣብረሃለይ, ምክትል ኣዛዚ ክ/ሰ 85
8. ኣሕመድ ካካይ፡ ምክትል ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 70
9. ሲንስ፡ ምክትልኣዛዚ ክ/ሰራዊት 61
10. ብላታ፡ ምክትል ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 74
11. ጎይትኦም መንግስ (ቻይኒዝ) ምክትል ክ/ሰ 74
12. ፍስሃየ ወልደገብረኤል፡ ኣዛዚ ክ /ሰ 96፡ ዓብዱ ረመጭን ወዲ ቃለይ ድማ ናይታ ኣብታ ስርሒት ዝተሳተፈት ብሪጌድ 49 ናይ ክ/ሰ 96 መራሕቲ
13. ኣሕመድ ካሪካረ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ
14፡ ተወልደ ቀላቲ ምክትል ኣዛዚ ባሕርያ
15.ዓቤ ሳልሕ፡ ኣዛዚ ኮማንዶ ባሕርያ
16. ነቲ ስርሒት ኣጽኒዖም ቅምጥ ዘበሉ ኣባላት ስለያ 85 ምስ ምትሕብባርን ምውህሃድን ስለያ ውድብ (72)።
17። ሕጹባት መዓንጣ ኣባላት ባሕርያን ታሕተዎት ኣዘዝቶምን
18. ውፉያት ተግደልትን መራሕትን ኤምዳድ፡ ስንቂ፡ ሕክምና፡ መጓዓዝያ፡ መራኸቢታት፡ ሃንደሳ፡ ስለያ፡ ጸረ ነፈርቲ…
19. ጀጋኑ ኣባላት ናይተን ንደገፍን ንተኽእሎታት ሓገዝ ጸላኢ ከበርዕና ዝተዋፈራ ኣሃዱታት

ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ፡ መደባት ጀነራላት ደርግ ኣብ ሓጺር ግዜ ፋሕፋሕ ከም ዝብል ዝገበሩ መራሕቲ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ገድሊ እዩ ምሂርዎም። ካብኦም ሓደ ክልተ ብወተሃደራዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሓለፉ ወላ ይንበሩ፡ መባእታዊ ደረጃ እምበር ልዕል ዝበለ ናይ ወተሃደራዊ ውጥንን ምምራሕን ናይ ገዚፍ ሰራዊትን ሰፊሕ ስርሒታት ኣይነበረን። ቤት ትምህርቶም ገድሊ እዩ ነይሩ።

ዝኽሪ ንስዉኣትና።
ዓወት ንሓፋሽ!!

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s