Categories
Uncategorized

ዓጀውጀው ጻድቃን

እዚ ናይ ሎም ቅነ ናይ ጻድቃን ዓጀውጀውን ቅድምኡ ብላዕለዎት ሓለፍትን ተለኣኣኽትን ወያነ ኣንጻር ልኡላዊ ክብሪ ኤርትራ ክቐንዕ ዝጸንሐ ወስታታት ዘብረሆ እንተሎ እቶም ብዛዕባ ባህሪ ወያነ ክደጋግሞም ዝጸንሓኩ ነጥብታት ኣብ ቦትኦም ምንባሮም እዩ። ንሶም ከኣ፡-

  1. ወያነ ንልኡላውነት ኤርትራ እቲ ናይ ቀረባ ስግኣት ምዃኑ። ዕላምኡ ንምውቃዕ ድማ ዝተፈላለየ መገድታት ይኽተል ኣሎ። ንታሪኽ ምጥምዛዝ፡ ስነኣእምሮኣውን ቀጥታውን ሸርሕታት ምክያድ፡ ንሓድነትና ንምዝራግ ረቀቕቲ ሜላታት ምጥቃም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መንግስቱ ክውይን ንተለኣኣኽቶም ናይ ሞራልን ምወላን ሓገዛት ምሃብ…ወዘተ። ዕላምኡ ንህዝቢ ኤርትራ ብትኹል ከም ዝተፋነን ገይርካ ንሓድነት ናይ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ከም ዝናጋዕ ምግባር። እንተዘይተኻእለ ድማ ሓደ ልኡም ተለኣኣኺ ወያነ ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ምቋም።
  2. እዚ ኹሉ ዘረጋግጾ እንተሎ፡ ወያነ ንናጽነት ኤርትራ ብመንጽር ረብሓ ትግራይ እዮም ደጊፎሞ እምበር፡ ንመሰል ር/ ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ኣሚኖም ዘይምንባሮም እዩ። ሓንቲ ርእሳ ዝኸኣለትን ክሳዳ ዘቕነዓትን (assertive) ኤርትራ ክርእዩ ባህጎም ኣይነበረን። መንቀሊ ናይቲ ናብ ኲናት 1998-2000 ዘምረሐ ምትኹታኻትን እቲ ዝግበር ዝነበረ ቀጥታዊ ምግሃስ ልኡላዊ ዶባትናን እውን እዚ እዩ።

ስለ’ዚ፡ እቶም ንወያነ ኣሚንኩም ኣብ ዘሕፍር ስራሕ ተላኣኣኽነት ተጸሚድኩም ዘለኹም፡ እነሆ ጀነራል ጻድቃን ኣብ ገጽኩም ንመበል ሳልሳይ ግዜ ይነግረኩም ኣሎ። ቅድምኡ እውን ዝተፈላለዩ ካልኦት ሓለፍቲ ወያነ ብዘይሕብእብእ ክነግሩኽም ጸኒሖም እዮም። እቲ “ኣምሓራይ ባሕርኻ እዩ ዝደሊ ትግራዋይ ግን ፍቕርኻ” ዝብል ጎስጓሶም ሓሶት ምዃኑ ጀነራላቶም ብዕሊ ይነግሩኹም ኣለዉ።

በጃኹም፡ ካብ ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ዓለም ወጺእኹም ሃገር ኣቀድሙ። ጽልእን ቅርሕንትን ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣይኮኑን እዮም።

ኣርሕብ፡ ተፈደል፡ ተዛተ፡ ገስግስ።

ሃገር ቅድሚ ኩሉ እያ። ልዕሊ እቲ ንልኡላዊ ክብርና ክግህስ ዝመጣጠር ዘሎ ሓይሊ ክንርእዮ እንኽእል ጸላኢ ክህልወና ኣይክእልን።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s